‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” Read More
ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)። ኣብታ እዚ ትንቢት ዚፍጸመላ ዕለት ድማ፡ እቲ ህዝቢ፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” እናበለ ንክርስቶስ ተቀበሎ። እቲ ብነብዪ ዘካርያስ፡ ዝተነግረ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ዚብል ቃል ትንቢት’ውን ብተግባር ተፈጸመ (ዘካ 9፡9)። ቈልዑ ዓው ኢሎም፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጭዳሮም፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ምስ ተቓወሙን ድማ፡ እቲ ብነብዪ ዳዊት፡ “ምእንቲ ተቓውምትኻ፡ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።” ዝተባህለ ትንቢት ፍጻመ ረኸበ (መዝ 8፡2)። ስለዚ ሆሳእና ዕለት ፍጻመ ናይቲ ቕድሚ ኣማኢትን ኣሻሓትን ዓመታት ዝተነግረ ዓበይትን ኣገደስትን ትንቢታት እዩ። Read More
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ