“ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ”
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 2፡52
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊ’ዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየት’ያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ’ዩ ዚበጽሖ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጻድቃን ኮኑ ረሲኣን ሰባት ብኣእዋም ይምሰሉ እዮም። እቶም ጻድቃን ከም ጽቡቕ ኦም፡ እቶም ረሲኣን ከኣ ከም ሕማቕ ኦም እዮም ዝምሰሉ። እቲ ኦም ክፉእ ወይ ጽቡቕ ምዃኑ ከኣ በቲ ፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ። ከመይ ጌርና ኢና ሠናይ ፍረ ክንፈሪ እንኽእል ዝብል ሓታቲ ክህሉ ይኽእል። እቲ ግቡእ መልሱ ድማ ንሕና ካብ ባዕልና ሠናይ ፍረ ክንፈሪ ኣይንኽእል ኢና። እንታይ ደኣ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌል
“ኢየሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራት’ዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ።” ዮሓ 2፡11።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ “ቃና” እትበሃል ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዓዲ ዝተፈጸመ ተኣምራት፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚትርኽ’ዩ። ጐይታና ምስ ስድራ ቤቱን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ’ዩ ኣብዚ መርዓ’ዚ ዝተረኽበ። ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ፍጻመታት ናይቲ ሕብረተሰብ ምስታፍ ፍጹም ሰብ ናይ ምዃኑን ናይ ትሕትናኡን ዓብዪ መርኣያ’ዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ