S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 18 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመንመበል 18 - ክፋልን መወዳእታን)

ቅድሚ ንኣለክሳንድሪያ ምምላሰይ፥  ንሓንቲ ክርስቲያን ዝኾነት ኃውተይ ክበጽሓ ኣሎኒ ብምባል፥ መንገደይ ናብኣ ኣቢለ ኣቕናዕኩ። ንሳ ከመይ ዝበለት ዓባይ ሰብ እያ። እቲ ጽቡቕ ተግባራውን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብጥቕልል ዝበለ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኢልካ ትግለጽ፥ ወረጃን ዓባይን ወይዘሮያ። ማለት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ሪሑቑኒ፥ መውደቕን መጸግዕን ስኢነ ምድረ ሰማይውን፥ ጽልምት ኢሉኒ ዝነበረሉ ግዜ። ልባን ማዕጾ-ቤታን ከፊታ ዘዕቈበትኒ፥ ናይቲ ክትዝክሮ ከሎኻ ዘስካሕክሕ እዋን እምንቲ ኃውተይ እያ።

ንዓይ ካብ ሞት ከተድኅን ክትብል፥ ሕይወታን ሕይወት ምሉእ ስድራ-ቤታን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከቃልዖ ዝኽእል ዝነበረ፥ ከቢድ ውሳኔ ዝወሰደት፥ ናይ ብሓቂ ክርስቲያን ኢልካ ክምስከረላ ዝግባእ፥ እምንትን ዓባይን ሰብያ። ብዙሕ ስለ ዝተገደሰትለይን ዝሓብሓበትንን እውን፥ ከም ኣደይ ወላዲተይ ዝሓስባ። በዓል-ቤታ ከም ኃወይ፥ ደቃውን ከም ደቀይዮም ንዓይ ዝነበሩ። ቅድሚ ናብኣ ምኻደይ፥ ክኸይድዶ ወይሲ ይትረፈኒ ኢለ ምስ ሕልናይ ተዛረብኩ። ሰንፈላል ኮይነውን ሓዲኡ ምውሳን ሰኣንኩ።

ኣብ ከምዚ ማንታ-ሓሳብ ሒዘ፥ ኣብ ዝነበርኩሉ ሰዓት ድማ። “-ኪዲ ኣይትፍርሂ-!” ዝብል ድምፂ ሰማዕኩ። ግዜ ከየጥፋእኩ ብድድ ኢለ ድማ፥ ናብኣ ናብታ ለባምን ዓባይን ዝኾነት ኃውተይ ከድኩ። ኣብ ጥቓ ገዝኣ ምስ በጻሕኩ ከኣ፥ ገና ኣብ ማዕዶ ከሎኹ ስለ-ረኣየትኒ፥ ሓንቲ ምራኽ ምስ ኣዲኣ ክትራኸብ ከላ ከም-እትገብሮ። እንዳ ጐየየት መጺኣ ተጠምጠመትኒ። ክልቴና ድማ ትሕቑቝፍ ኣቢልና ተሰዓዓምና። ካብ ብዝሒ ሓጎስና ዝተላዕውን፥ ንብዓት ዓይንና ክኽልከለልና ኣይከኣለን። ለከ ኣብ ግዜ ሓጎስውን ይንባዕ-!!

ምስ ክብርቲ ኃውተይ ከኣ፥ ቅድሚ ኣብ ዕላል ምእታውና። ኣብ ቅድሚ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ቀሪብናውን፥ ጸሎተ ምስጋና ኣብጻሕና። ንዕዑ ዝበቅዕ ናይ ምስጋና ቃላት እኳ እንተ-ዘይነበረና፥ “-ስለ ኩሉ ዝገበረልና ሠናይ ግብርስ፥ ንእግዚኣብሔር ኮን እንታይ ውዕለት ክንፈድዮ ኢና-” ብምባል፥ ነቲ ኩሉ ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ኮይነ፥ ዝሓለፍኩዎ መሪር ዓመታት። ኣብ ዓሚቝ ምስትንታን ኣትየ ዘከርኩዎ። እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ንዓይ ዝወዓሎ ውዕለት፥ እንተ ሓሰብኩዎ ድማ፥ እዚ ኩሉ ውዕለት ዝተዋዕለለይሲ ኣነ መን ኮይነ-?! ብምባል፥ እቲ ውዕለት ኣምላኸይ ከቢዱኒ ኣምሪረ በኸኹ።

ከምዚ ኢልና ድማ ጸሎትና ምስ ወዳእና፥ እታ ብርኽትን ሕያወይትን ኃውተይ “-እዚ ኩሉ ዘይሓልፍ ዝመስል ዝነበረ ጸበባን መከራን ሓሊፍክስ፥ ክሳብ ሕጂ ብሕይወት ትጸንሒ ኢሉ ዝሓሰቦ ሰብ ኣይነበረን። ዳርጋ ምስ ምዉታት ኢኺ ተቘጺርኪ ኔርኪ። ክሳብ ሕጂ ብሕይወት ምህላውኪ ተኣምርዩ። ብዙሓት ኣብ ኢድ ፖሊስ ከም-ዝወደቕክን ከም-ዝሞትክንዮም ዝሓስቡ። ናትኪ ክሳብ ሕጂ ብሕይወት ምህላው ድማ፥ ናይ ተኣምር ተኣምር ጥራይ ክበሃል ዝከኣል-” ብምባልያ፥ ዓይኒ ዓይነይ  እንዳረኣየት ዝርንዝሕውን እናነብዐት ዝተዛረበትኒ።

ከምዚ ኢልና ድማ ክልቴና፥ እቲ ምውዳእ ዝኣበየ ንብዓትና እናደራረዝና፥ ኣብ ዕላል ኣቶና። ኣብቲ ዕላልና ከኣ፥ ብዛዕባ ኣነ ካብ ግብጺ ብኸመይ ክወጽእ ከም-ዝኽእል፥ ዝብል ኣርእስቲ ብምትኳር ነዊሕ ኣዕለልና። ኣብ ግብጺ ክሳብ ዘሎኹ ሕይወተይ ኣብ ሓደጋ ከም-ዘላ፥ ንኹላትና ርዱእ ነይሩ። ስለዚ ብኸመይ ወይ በየናይ መንገዲ ክውጻእ ከም-ዝከኣል፥ ዋና መዛረቢ ኣርእስትና ክኸውን ዝኸኣለ ስለዚዩ። ከመይሲ ስእለይ ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ተለጢፉ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ ኣየር-ፖርት ከም-ዝህሉውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ መንጎ ንግብሮ ዝነበርና ዕላል። ሓደ ኃዋ ነታ ክብርቲ ኃውተይ፥ ኣብቲ ዕላልና ብምሕዋስ “... ኣብ እትወጽሉ ሰዓት፥ ካብ ካይሮ ወጻኢ ዝርከብ ንእስ ዝበለ ኣየርፖርት እንተ ተጠቐምኪ፥ እቲ ጸገም ክቐልል ስለ-ዝኽእል፥ ናብዚ ሓሳብ ኣቢልኪ እንተጠመትኪ ዝምረጽ ...” ብምባል ዝመኸረኒ። እዚ ምኽሪ ከኣ እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ኮይኑ ዝረኸብኩዎ። ሽዕኡ ድማ ልበይ ብሓጎስ ክመልእ ተሰመዓኒ። ለከ ናብዚ ገዛ ክመጽእሲ፥ መደብ እግዚኣብሔር ነይሩ ድማ በልኩ። እቲ “-ኪዲ ኣይትፍርሂ-” ተባሂሉ ዝተነግረኒ ቃልውን ነዚ ነይሩ ድማ በልኩ።

ብድሕር ተምበርኪኸ “...ኣታ ጎይታይ-! ከመይ ዝበልካ እተደንቕ ኣምላኽ ኢኻ። ኣነ ዋጋ ዘይብለይ ምናምን ክነሰይ፥ ብድሕሪት ትኽብክበኒ ብቕድሚት ከኣ ትመርሓኒ ኣሎኻ። ኣነ ዋላ ሓንቲ ዘይኮንኩ ምናምንየ። ኣብ ኣጸድ ቤትካ ክመጽእውን ብቕዕቲ ኣይኮንኩን። ንስኻ ግና ንምሕላወይ ኣይተሃከኻን። ምስተን ኣባጊዕካ ሓዊስካ ድማ፥ ትጓስየንን ትመርሓንን ኣሎኻ። ንስኻ እትጓስየን ኣባጊዕ ከኣ፥ ሠናይ እምበር ክፉእ ኣይረኽበንን እዩ። ኣየ ኣታ ጎይታይ-! እቲ ንዓና ንደቂ-ሰብ ምፍቃርካስ፥ ክንደይ ኮን መስተንክር እዩ-! ስምካ ካብ ዘልዓለም ንዘልዓለም ዝተመስገነ ይኹን...” ብምባል ጸለኹ።

ኣብቲ እዋን ኣነ፥ ባዕለይ ሓሲበ ወይ ኣውሪደ ኣደይበ፥ ክኸይድ ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። መንገደይ ዝመርሕን ዝፍጽምን ባዕሉ እግዚኣብሔር ነይሩ። ክኸዶ ዝግበኣኒ መንገዲ ባዕሉ ይመርሓኒ። እቲ ዝዛረቦ ቃላትውን ኣብ ልሣነይ ባዕሉ ዘንብሮ ዝነበረ። ክጽውዖ ከሎኹ ይምልሰለይ። ነቲ ዝብሎ ከኣ ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። ኣብቲ ኩሉ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጉዕዞ ድማ፥ ካባይ ተፈልዩ ኣይፈልጥን። ስለዚ ከኣ ኣብቲ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ፥ ጸግዕን ጽላልን ስኢነ ዝነበርኩሉ ግዜ። በይነይ እየ ነይረ ክብል ዘይክእል። ከመይሲ ኩሉ ሰብ ከም ሞት ፈሪሁኒ፥ ካባይ ክሃድምን ክርሕቕን ከሎ። እታ ሕያወይቲ ናይ ኣምላኸይ ኢድ ግና፥ ካባይ ርሕቅቲ ኣይነበረትን። ንቕጽበት ዓይኒውን ካባይ ኣይተፈልየን።

ብዝኾነ ካብ ስድራ እታ ክርስቲያን ኃውተይ ተሳናቢተ። ብዘይ ዝኾነ ፍርህን ምሽቝራርን፥ ብኣውቶቡስ ገይረ ጉዕዞይ ንኣለክሳንደርያ ኣቕናዕኩ። እቲ ናይቶም ሓለውቲ ጸጥታ ተፍትሽ እኳ፥ ከም ቀደሙ ጽዑቕ እንተነበረ። ነታ እግዚኣብሔር ዝጓስኣ ናህድ ግና፥ ቋሕ ኢሉ ክጥምታ ዝደፈረውን ኣይነበረን። ከመይሲ ነቲ ጎይታይ ዝገበሮ መጋረጃ ሓሊፎም ክጥምቱ፥ ዘኽእል ብልሓት ኮነ ብቕዓት ኣይነበሮምን። ንኽትዛረቦ ቀሊል መሲሉ ክርአ ይኽእልዩ። ግዳስ ሓንቲ ብሞት እትድለ ሰብ፥ ብማእከል እቶም ዝሃድኑዋ ዘለዉ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሎም ሰራዊት፥ ሰንጢቓ ክትሓልፍ ንማእማኑ ዝኸብድ መሲሉ ክርአ ይኽእልዩ። 

እታ ኣምላኻዊ ጸጋን ሞገስን ዝረኸበት ናህድ ግና፥ ከምቲ እታ ለባም ዝኾነት እስራኤላዊት ሰበይቲ። ማለት ዮዲት ጓል-ሜራሪ ንሆሎፌርኔስ ብምቕታል፥ ንሠራዊት-ኣሦር ዝሰዓረቶ። ናህድውን ነቲ ንዕኣ ንምምራኽ ዓሪዱ ዝነበረ ሠራዊት ግብጺ፥ ሰንጢቓቶ ክትሓልፍ ምንም ክጽግማ ዝኽእል ኣይነበረን። ከመይሲ ኣብ ትሕቲ መጓሰ ኣምላኽ ኣጽሊላ ዝነበረት። እግዚኣብሔር ዝኣምላኹ ሕዝቢ ከኣ፥ ተሳዒሩ ክወድቕ ተራእዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ናተይ ብሕይወት ናይ ምትራፈይ ምሥጢር ድማ፥ ኣብ እግዚኣብሔር ዝጅምር ኣብኡ ከኣ ዝውድእ። (መጽሓፈ-ዮዲት ተመልከቱ)

እቲ ብኸመይ ካብ ግብጺ ክወጽእ ዝኽእል-? ዝብል ሕቶ የጨንቐኒ ስለ-ዝነበረ፥ ንብምሉኡ ኣእምሮይ ኣጨኒቑ ዝሓዞ ሕቶ ነይሩ። እዚ ግና እቲ ከም ሰብ መጠን ዘሎና ድኽመት እንተ ዘይኮይኑ። ኣነ ክጭነቕ ዝገብረኒ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ኩነታት ክኸብደኒ ከሎ፥ ቀልጢፈ ናብ እግዚኣብሔር ዘእዊ ዝነበርኩ። ንዝኾነ ሕቶ ከኣ ብራእይ ይንገረኒ ነይሩዩ። ሓተቲውን መልሲ ዝሰኣንኩሉ ግዜ ኣይነበረን። ዳርጋ ኢደይ ሒዙ ዝመርሓኒ ዝነበረ እግዚኣብሔርዩ። እቲ ሓቂ እዚ እናኾነ ከሎ ግና፥ እቲ ሥጋ ምልባስ ከይተርፍ ግዲ ኮይኑ፥ እቲ ምጭናቕ ኣይተርፈለይን ዝነበረ።

ብዝኾነ እዚ ዝተባህለ ናይ መገሻ ሕቶ፥ ናይ መዓልትን ለይትን ሓሳብ ኮይኑ የጨንቐኒ ነበረ። ኣብ መንጎ ግዳ፥ እቶም ነቲ ጉዳይ ከሳልጡለይ ሒዞሞ ዝነበሩ ካህን፥ ተሌፎን ደዊሎም “-ኩሉ ነገር ከምቲ ተስፋ ዝገበርናዮ፥ ተሳሊጡን ተወዲኡልክን ስለ-ዝኾነ፥ ንጽባሕ ኣቝሑትኪ ሒዝኪ ምጺ-” ብምባል፥  ተሓጎሲ ባህውን ይበልኪ ኢሎም ምስ ኣበሠሩኒ፥ ዝተሰመዓኒ ሓጎስ ክገልጾ ኣይክእልን። በቃ ሽዕኡ ንሽዕኡ ድማዩ፥ ካብ ሞት ነፃ ዝውጻእኩ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ። ካብቲ ንነዊሕ እዋን እግሪ እግረይ እናሰዓበ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ብምኽላእ፥ ከባህርረኒ ዝሓድር ዝነበረ ሞት፥ ደጊምሲ ኣምላኸይ ብዝገበረለይ ምሕረት ስዒረዮ እየ።

ንጽባሒቱ ምስቶም ካህን ምስ-ተራኸብኩ ድማ፥ እቲ ዝተፈጸመ ተኣምር ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ-ዘሐጐሰኒ፥ ካብ ብዝሒ ምሕጓሰይ ዝተላዕለ፥ ንብዓት ቀዲሙኒ ብኽያት ብብኽያት ጥራይ ዝኾንኩ። እቶም ካህን ግና፥ ተጸናንዒ ንምባል ዝኣክል ኢደይ ኣጽንዕ ኣቢሎም ሓዙኒ። እቶም ካህን ብምቕጻል “... ካብ መዕረፊ-ነፈርቲ ካይሮ ክትብገሲ ከም-ዘይደለኺ ሰሚዐ። ደሓን ንሱውን ጸገም ኣይኮነን። ፍታሕ ክርከቦ ስለ-ዝኽእል፥ ብዙሕ ከጨንቐና ዝኽእል ኣይኮነን...” ብምባል፥ እቲ ጉዳይ ኣቕሊለ ክወስዶ፥ ኣልዝብ ኣቢሎም ነገሩኒ።

ኩሉ እቲ ዝሓለፍኩዎ ጉዕዞ፥ ንድሕሪት ብምጥማት ክዝክሮ ከሎኹ። እቲ ዝተገብረለይ ኣምላኻዊ ሓለዋን ረድኤትን፥ ብተመስጦ ኣብ ኣስተንትኖ ክኣቱ ገበረኒ። ከምዚ ኢለ ድማ ጸለኹ። “... ኣታ ሕያዋይ ኣምላኸይ-! ኣነ ባርያኻ ንሕይወተይ ብዝፈታተን፥ ጽንኩር መንገዲ ክጎዓዝ ጸኒሐ። ንስኻ ምሳይ ስለ-ዝነበርካ ግና፥ በቲ ፈተና ተሸኒፈ ክወድቕ ኣይከኣልኩን። ንነፍስ ወከፍ ናይ እግረይ ስጉምቲ ባዕልኻ ስለ-ዝመራሕካዮ ከኣ፥ ነቲ ኣዚዩ ጽንኩርን ፈተና ዝበዝሖን ጉዕዞ፥ ብዓወት ክወጾ ክኢለ። እወ ኣታ ጎይታይ-! ኣነ ናይቲ ንስኻ ዝጉንዱ ወይኒ ጨንፈርየ። እንሆ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላልካ ኣጽሊለ እርከብ ኣለኹ። ስለዚውን ኩሉ ግዜ ንዓኻ ከመስግን ባህጊ ኣሎኒ። ንዓኻ ንምምስጋን ዝበቅዕ ቃላት ግና የብለይን። የግዳስ ብሠራዊተ-መላእኽቲ እትምስገን ኣምላኽ ኢኻሞ፥ ኣነ ባርያኻ ዘቕርቦ ምስጋናውን፥ ብብሩህ ገጽካ ተቐበለለይ ...” ብምባል ዝጸለኹ።

ደጊምሲ ካብታ ዝተወለድኩላን፥ መዳሕንተይ ዝተቐብረላን ሃገረይ ንስደት ኣምሪሐ ክኸይድ፥ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ በጺሐ ዝርከብ ዘሎኹ። ከመይሲ ምእንቲ ስም ጎይታይን ኣምላኸይን ክብል መስቀለይ ክጸውር መዲበዮየ። ፍቕሪ-ክርስቶስ ከሕድገኒ ዝኽእል ከኣ የልቦን። ሃገረይ ካልኣይ ግዜ ክምለሳ ዘኽእለኒ ዕድል ስለ-ዘይብለይ፥ እዚ ናይ መወዳእታ ስንብታ ምዃኑ ይርድኣኒዩ። ንእምነት ክርስትናይ ኢለ ዝኸፍሎ ዋጋ ብምዃኑ ግና፥ ምንም ዘጣዕስ የብለይን። ሰማያዊት ሃገር ከም-ዘላትኒ ስለ-ዝኣምን ድማ፥ ነዛ ምድራዊት ሃገረይ ምንን ኣቢለያ ብምኻደይ ዝጠዓሰሉ ምኽንያት ኣይነበረንን።

ብድሕር እቲ ፓስፖርት ካብ ኢድ እቶም ካህን ተረከብክዎ። ከምዚ ኢልና ድማ ኣነን ጓለይን፥ ካብ ካይሮ ናብቲ ክንወጸሉ ዝተመደበ ቦታ ብባቡር ኣምራሕና። ከምዚ ኢለ ድማ ጸለኹ “...ኣታ ልዑል ጎይታይ-! እንሆ መንገዲ ንጅምር ኣሎና። እዚ ግና ከም  ፍቓድካ እምበር፥ ከም ናትና ፍቓድ ኣይኹን። የግዳስ ከምቲ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ክወጹ ዝመራሕካዮም፥ ሕጂ ድማ ንዓይን ንጓለይን መልኣኽካ ሊኢኽካ ምርሓና...” ብምባል ዝጸለኹ። ከምዚ ኢልናውን ኣብቲ ክንብገሰሉ ዝተመደበ መዓርፎ-ነፈርቲ በጻሕና።

እቲ ምቹእ ዝበሃል ግዜ ክሳብ ዝበጽሕውን፥ ኣብኡ ክንቅኒ ግድነት ኮነና። ኣብቲ ኣብኡ ዝቐነናሉ መዓልታት ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቈይመ፥ እቲ ሙሴ ዝጸለዮ ጸሎት ብቐጻሊ እጽሊ ነበርኩ። “...ኣታ ጎይታይ-! ንስኻ ኣብቲ ጉዕዞ ምሳና ዘይትህሉ እንተዳኣ ኮንካ፥ ንሕናውን ብዘይ ብኣኻ ዝኽየድ መንገዲ ይትረፈና...” ዝብል ጸሎት የዘውትር ነበርኩ። እቲ ድምፀይ ሰሚዑ ዘይድንጕ ኣምላኸይ ድማ፥ ብራእይ “...ኣይትፍርሂ-! ዝዕንቅፈኪ የልቦን...” ዝብል ቃል ሰማዕኩ። እቲ ንምሕላወይ ዘይህከ ኣምላኸይ ድማ፥ ሕጂውን ምሳይ ከም-ዘሎ ምሉእ ምትእምማን ገበርኩ።

ብድሕር እታ ክንወጸላ ዝተመደበት መዓልቲውን ኣኸለት። ከምዚ ኢልና ድማ ኣነን ጓለይን፥ ኣብቲ ፓስፖርት ዝምርመረሉ ቤት-ጽሕፈት ኣቶና። እንታይ ጉድ ኮን ከጋጥመና ብምባልውን፥ ጭንቕ በልኩ። ካብ ምፍርሀይ ዝተላዕለውን፥ ምርግጋእ ስኢነ ኣእምሮይ ስሒተ ክውድቕ ቁሩብ ዝተረፈኒ። በዚ ምኽንያት ድማ “... ኣታ ጎይታይ-! እታ ወሳኒት ዝኾነት ከባድ ሰዓት እዚኣያ። እቲ ፈተና ከኣ ንበይነይ ክወጾ ዝኽእል ኣይኮንኩን። ስለዚ በጃኻ መጋረጃ ኮንካ ከውለኒ ...” ብምባልየ፥ ናይ ሕልና ጸሎት ዘብጻሕኩ።

ግዳስ ተራና በጺሑ፥ ኣብቲ ሓላፊ መኮንን ምስ-ቀረብና፥ ደው ክብል ዘየኽእለኒ ካልእ ጉድ ተቐሪቡዩ፥ ኣብቲ ጠረጴዛ ዝጸንሓኒ። “-ትድለ ዘላ-” ዝብል ጽሕፈት ዘለዎ፥ ናተይ ስእሊ ኣብ ጠረጴዛ እቲ መኮነን ብግልጺ ይርአ ነበረ። ኣየ ውርደት-! እንታይ ደኣ ክበሃል ሕጂኸ-? ብምባል ኣኣምሮይ ተናዊጹዩ። ስእለይን ስመይን ኣብኡ ተገቲሩ እናሃለወ፥ እቲ ዓንቀጽ ብኸመይ ክሕለፍ-? ዝተረፈኒ ኃይልን ጉልበትን ኣይነበረንን። ኣእምሮይ ስሒተ ክወድቕውን ቁሩብ ተሪፉኒ ዝነበረ። እቲ ምትሓዘይውን ዘይተርፍ ገይረ ወሲደዮ። ክመልቈሉ ዝኽእል ዕድል ድማ፥ ክርከብ ይኽእል ዝብል ተስፋ ኣይነበረንን። ትድለ ዘላ ተባሂለ ስእለይን ስመይንውን ኣብኡ እናሃለወ፥ ብኸመይ እየ ኣነ ተሓቢአ ክሓልፍ ዝኽእል-?

እቲ በዓል-ሥልጣን መኮንን ግና። እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ዝገበሮ መጋረጃ ሓሊፉ ክርኢ ስለ-ዘይከኣለ። ፓስፖርተይን ቲኬተይን ክህቦ ዝሓተተኒ። ፍጹም ሰብ ኣሚኑ ክቕበሎ ዘሽግር ተኣምር ኮይኑኒ። ኣነ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝኩዎ ኣረኪበዮ። ኣገላቢጡ ድሕሪ ምርኣይ ድማ፥ ብንምንታይ ምኽንያት ንገይሽ ከምዘሎና ሓቲቱና። ኣነ ድማ ርግእ ኢለ ብምኽንያት ዋሕዲ ጥዕና ንሕክምና ይገይሽ ምህላወይ መሊሰሉ። እቲ ኣብ ዝኾነ ጉዕዞ ካባይ ዘይፍለ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ-ዝነበረ ከኣ። እቲ መኮንን ፈሪሙን ማኅተም ወቒዑን፥ “-ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ-” ኢሉ ኣፋነወኒ። ጓለይውን ተወቒዑላ እግሪ እግረይ ስዒባ ኣርከበትኒ።

እቲ ዝኸውን ዝነበረ ኩሉ እናረኣናዮ ከሎና። ኣሚንና ክንቅበሎ ንጽገም ምንባርናዩ። ብኸመይ ተኣምር ስመይን ስእለይን፥ ኣብቲ መናድቕ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብ ጠረጴዛ እቲ ዝፈረመልና መኮንን ከይተረፈ ተዘርጊሑ እናሃለወ ከሎ፥ “-ክትከዳ ትኽእላ ኢኽን-” ተባሂሉ ክፍቀደልና ዝኽእል-? ካብቲ ዝነበርናዮ ምግራም ከይወጻእና ከሎና ድማ። ብሃንደበት ስምና ብመጕልሕ-ድምፂ ክጽዋዕ ሰማዕና። ፓስፖርትኽን ሒዝክን ቅረባውን ተባሃልና። በቃ እቲ ዝፈራህናዮ መጺኡ ድማ በልና። ከይንሃድም ከኣ ክንሃድም ዘኽእለና ዕድል ኣይነበረናን። ከመይሲ ድሮ ውሽጢ ኣቲና ጸኒሕና።

ኣብቲ እዋንቲ፥ ካብ ድምፂ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ሕዝቢ፥ እቲ ህርመት ልበይ ብዝበለጸ ከም ደወል ቤተ-ክርስቲያን፥ ዲው-! ዲው-! ክብል ይስማዕ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኃይለይን ጉልበተይን ስለ-ዝጠለመኒ፥ ደው ምባል ስኢነ፥ ርዅምሽ ኢለ ኮፍ ክብል ዝተገደድኩ። ሽዕኡ ግና ብሃንደበት ተበራቢረ፥ ናብ ኣምላኸይ ከእዊ ድምፀይ ዘልዓልኩ። “.... ኣታ ጎይታይ-! ቃልካዶ ሂብካኒ ከይነበርካ-? እንታይ ደኣ ሕጂ ዝሰምዕ ዘሎኹ-? ኣበይ ደኣ እየ ክኣቱ-? ምርኩሰይን ኃይለይን ንስኻዶ ኣይኮንካን-? ሓቝፍካን ደጊፍካን ኣብዚ ዘብጻሕካንስ ባዕልኻ ኣይኮንካን-? ሕጂ ግና እንሆ ጎይታይ-! ኣብ ክህድመሉን ክሕባኣሉን ዘይክእል መጻብቦ ተቐርቂረ እርከብ ኣለኹ፥ ብጀካኻ ድማ ተጸዊዑ ክመጽእ ዝኽእል ዘመድ፥ ከም-ዘይብለይ ትፈልጥ ኢኻ። መስቀልካ ክጸውር ስለ-ዝመረጽኩ፥ እቲ ካልእ ዘመድ ዝበሃል ኩሉ ከሲረዮ እየ። ብጀካኻ ድማ ኣሎኒ ዝብሎ ዘመድን ወገንን የብለይን። በል ጎይታይ-! እቲ ናይ ሕይወተይ ጉዕዞ ኣብዚ ክውዳእ ወሲንካዮ እንተደኣ ኮንካስ፥ እታ ሕይወተይ ኣብታ ቅድስቲ ኢድካ የማዕቁባ ኣለኹ....” ብምባልየ፥ ዳርጋ ኣውያት ክበሃል ዝኽእል ዝጸለኹ....”

ብድሕር እቶም ናይ መንገዲ-ኣየር ሠራሕተኛታት፥ ናባና ኣቢሎም መጹ። እቲ ኩሉ ፍርህን ስምባድን ግና፥ እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ናብ ደሓን ስለ-ዝለወጦ። ዝረሳዕናዮ ኣቑሑት ስለ-ዝነበረ፥ ኣቝሑትክን ውሰዳ ክብሉዮም ጸዊዖሙና። ጓለይውን እቲ ነገር ደሓን ከም-ዝኾነ፥ ዘፍርህ ነገርውን ከም-ዘይብልና ነጊራትኒ። ኣነ ግና ድሮ ሕልናይ ዓሪቡ ስለ-ዝነበረ፥ ቀልጢፉ ክምለሰለይ ኣይከኣለን። ኣእምሮይ ስለ-ዝደንዘዘ ከኣ ፈዚዘ ደው በልኩ። ኣብ ልበይ ክምለስ ከኣ ነዊሕ ግዜ ወሰደለይ። መቸም እቲ ሰብ ምዃናን ሥጋ ምልባስናን፥ ኣብ ፍርህን ምጥርጣርን ስለ-ዝወስደና ደኣምበር። እግዚኣብሔርሲ እሙንን ሓቀኛን ኣምላኽ እዩ። ኣውያት ባሮቱ ዝሰምዕን እንተ ተጸውዐ ዝምልስን ኣምላኽዩ።

ከምዚ ኢሉ እቲ ሰዓታት ስለ-ዝኣኽለ ድማ፥ ናብቲ ቅድሚ ነፋሪት ምብጋሳ ዝግበር ናይ ፓስፖርት ምጽራይ በጻሕና። ኣብዚ እዋን ንሃገረይ ካልኣይ ግዜ ክምለሳ ከም-ዘይክእል፥ ይርድኣኒ ስለ-ዝነበረውን፥ ምርግጋእ ስኢነ ውሽጠይ ይህውኸኒ ነበረ። እቲ ኩሉ ግና ንክርስቲያናዊ እምነተይ ኢለ ክኸፍሎ ዝግበኣኒ ዋጋ ስለ-ዝነበረ። ዘጣዕሰኒ ነገር ኣይነበረን። ብዝኾነ እቲ ከጋጥመና ዝኽእል ዝነበረ ፈተና፥ ዝሓለፍናዮ ዝመስል እንተነበረ። ነፋሪት ከይተላዕለት ግና ልበይ ክወድቀለይ ዝኽእል ኣይነበረን። እዚ ሓሳብ ከቢድ ጸቕጢ ይገብረለይ ስለ-ዝነበረ ከኣ፥ እዛ ኣጨናቒት ዝኾነት ሰዓት እዚኣ ክሳብ ትሓልፍ፥ ክረጋጋእ ኣይከኣልኩን። እታ ነፋሪት ግና ተበገሲ ተባህለት። ብረድኤት እቲ ኩሉ ዝኽእል ሕያው ኣምላኽ ድማ፥ መሬት ለቒቓ ኣብ ኣየር ተንሳፈፈት።

ነቲ ቅዱስ ስም ኣምላኸይ እናዘመርኩ ከኣ፥ ምስ ጓለይ ንስደት ኣምሪሐ። ንዕኡ ንክርስቶስ ኣሚነ ከኣ፥ ከምቲ ቃሉ እነብር ኣለኹ። ከምቲ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ-ኢዮብ ዝበሎ ድማ “-ብሰማዒት እዝኒ እሰምዓካ ነይረ፥ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ-” ይብል ኣለኹ። እወ ኣነ ድምፁ ሰሚዐ ብኣካልውን ክርእዮ ጸጋ ረኺበየ። ክርስቶስ መን ምዃኑ ይፈልጥ ኣብ ዘይነበርኩሉ ግዜ፥ ናህድ ኢሉ ስመይ ብምጽዋዕ፥ ደልዩ ዝረኸበኒ ባዕሉዩ። ሕጂ ኣሎኒ ዝብሎ ኣብዚ ዓለም ሓደዩ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ መስቀል-ቀራንዮ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ጥራይዩ።

ተፈጸመ በሰላመ እግዚኣብሔር

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:- መበል 17 ክፋል መበል 16 ክፋል  | መበል 15 ክፋል  |  መበል 14 ክፋል  | መበል 13 ክፋል  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል | 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div