S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (6ይ-ክፋል)

(ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን)  6ይ - ክፋል

ካብቲ ብራእይ ከይደዮ ዝሓደርኩ ተመስጦ ተመሊሰ፥ ነፍሰይ ክፈልጥ ምስ-ጀመርኩ፥ ኣእምሮይ ዝስሕት ዘሎኹ ኮይን’ዩ ተሰሚዑኒ። ኣበይ ከም-ዘለኹ-? ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። እቲ ምሳይ ዝሓደረ ክዳውንቲኸ ኣበይ ደኣ ከይዱ-? ብምባል ኣብ ሃሰውሰው ኣቶኹ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንሓሳባተይ ኣዋቕዖ። ናብቲ ዝሓደርኩዎ ቦታ ክምለስ፥  ሃረር ካብ ምባለይ ዝተላዕለ ከኣ፥ “-ኣታ ጎይታይ-! በጃኻ ካብዚ ዓለም’ዚ ርሒቐ ከም-ዝነብር ግበረኒ። ከመይሲ ስለ-ዘፍቅረካ ካባኻ ርሒቐ ክነብር ኣይክእልን’የ። ብዘይ ፍቕርኻ ከኣ ኣነ ሕይወት የብለይኒ። እቲ ካብ ኣዕይንትኻ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን -”

እቲ ተመሲጠ ክርእዮ ዝሓደርኩ ራእይ፥ ምንም እንተኾነ ካብ ኣእምሮይ ክወጽእ ኣይከኣለን። እቲ ካብ ኣፍ ጎይታይ ክሰምዖ ዝሓደርኩ ቃላት’ውን፥ ሕጂ’ውን ብዘይ ምቁራጽ ኣብ እዝነይ ይቓጭል ኣሎ። በዚ ኩሉ’ዚ ከኣ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጎስ ይስመዓኒ’ሎ። እቲ ክርእዮ ዝሓደርኩ ኣደናቒ ሕብርታት’ውን፥ ከምዚ’ዩ ዝመስል ኢለ ክገልጾ፥ ንዕኡ ክገልጽ ዝኽእል ቃላት የብለይን። ስለዚ’ውን ዓቕሚ ሰብ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፥ ተኣምር’ዩ ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ወረቐትን ቀለምን ክገልጹዎ ይኽእሉዎ’ዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ብዝኾነ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡኒ፥ ፈዚዘን ተዓኒደን ምስ ጸናሕኩ፥ ንጓለይ ካብ ድቃሳ ኣበራቢረ ከም-ትትንሥእ ገይረያ። እቲ ኣብ ሕልመይ ዝረኣኹዎ ራእይ ድማ ነጊረያ። ንምዃኑ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ ገለ ክብል ሰሚዕክኒ ደኾን ትኾኒ-? ኢለ’ውን ተወኪሰያ። ንሳ ግና “-ኣደየ-! በጃኺ ድምጽኺ ኣትሕት ኣቢልኪ ተዛረቢ። ንምዃኑኸ መን’ዩ-? ምሳኺ ተዛሪቡ ኢላ’ያ ዝሐተተትኒ። መልኣኽዶ ክኸውን ይኽእል ድማ በለትኒ። ገለ ከም-ዘይረኣየት ምስ-ኣረጋገጽኩ ድማ፥ ምስኣ ዘረባ ክቕጽል ኣይደለኹን። ከመይሲ እቲ ኣነ ዝረኣኹዎ መልኣኽ ኣይነበረን። ኣነስ መን ምዃኑ ኣጸቢቐ ተረዲአዮ እየ።

ብድሕሪ’ዚ ቀጺለ ዝኸድኩ፥ ናብ ወደይ እየ። ከምቲ ንጓለይ ዝሓተትኩዋ ገይረ ድማ፥ ንዕኡ’ውን “-ገለ ኣብ እዋን ለይቲ ተበራቢርካ እንተ-ኔርካ፥ እንታይ ክገብር-? ወይ እንታይ ክብል ሰሚዕካኒ-?-” ክብል ተወኪሰዮ። ግዳስ ወደይ’ውን ዝረኣዮ ነገር ኣይነበሮን። ንሱ’ውን ከም ኃውቱ መልኣኽ ኢኺ ርኢኺ ትኾኒ’ዩ ኢሉኒ። እቲ ኣነ ዝረአኹዎ ግና፥ ልዕሊ መልኣኽ ከም-ዝኾነ ልበይ ኣሚኑ ተቐቢሉዎ እዩ። ርግጽ’ዩ ኣነ’ውን እቲ ኣብ ራእይ ምሳይ ዝተዛረበ ሰብኣይ፥ መን ምዃኑ ኣረጋጊጸ ዝፈልጥኩዎ ነገር ኣይነበረንን። ንሱ’ዩ ዝኸውን ኢለ ዝጠረጠርኩዎ ግና ነይሩኒ እዩ። በዓል-ቤተይ’ውን ብዘረባና ካብ ምድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ንገብሮ ዝነበርና ዘረባ ተሓዊሱዎ እዩ። ንሱ ብወገኑ’ውን፥ እቲ ኣነ ኣብ ራእይ ዝረአኹዎ ሰብኣይ፥ እቲ ጻድቕ-ዮሴፍ’ዩ ክኸውን ዝኽእል በለ።

ብዝኾነ መሬት ወጊሑ፥ ናብ ሥርሐይ’ውን ኣንጊሀ ገስገስኩ። እቲ ዝሓደርኩዎ ለይቲ ስለ-ዘጨነቐኒ ድማ፥ ዝኾኖ ክሳብ ዝጠፍኣኒ ምርግጋእ ሰኣንኩ። ንሳሚያ ድማ እቲ ዝኾነ ኩሉ ምስ-ኣዘንተኹላ፥ እዚ ዝረኣኹዎን ስመይ ጸዊዑ ምሳይ ዝተዘራረበን፥ መን ክኸውን ይኽእል ኢልኪ ትግምቲ-? ኢለ ተወከስኩዋ። ግዳስ ሳሚያ በቲ ዝነገርኩዋ ኩሉ፥ ኣብ ዓቢይ ምግራም ኣትያ ስለ-ዝነበረት፥ ከው ኢላ ጥራይ ትጥምተኒ ነበረት። ኣነ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዝሓደርኩዎ ራእይ፥ ብቐጻሊ ይገልጽ ነበርኩ። ብውሽጠይ ተዛረቢ ዝብል ኃይሊ ይደፍኣኒ ስለ-ዝነበረ፥ ስቕ ክብል እኽእል ኣይነበርኩን። ብዛዕባ’ቲ ክርእዮ ዝሓደርኩ ራእይ ኩሉ፥ ክገልጽ ከሎኹ ድማ ሰውነተይ ይህውኸንን የንቀጥቅጥን ነበረ።

ብዝኾነ ሳሚያ እቲ ዝቐለለ ኮይኑ ዝረኸበቶ፥ ኣሳእል ካብ ቦርሳኣ ኣውጺኣ ከተርእይኒ ስለ-ዝኾነ፥ በበይኖም ኣሳእል ኣውጺኣ ከተርእየኒ ጀመረት። ካብቲ ኣሳእል ድማ እዚ’ዩ እቲ ዝረኣኹዎ ኢለ፥ ናብ ሓንቲ ስእሊ ኣመልከትኩ። እታ ስእሊ ድማ፥ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ምዃና፥ ሳሚያ ኣረጋገጸትለይ። ብድሕሪኡ ሳሚያ “-ፍቓድኪ እንተደኣ ኮይኑ ምስ ካህን ክትዘራረብስ  ቈጸራ ምሓዝኩልኪ-” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባትለይ። ኣነ’ውን ነቲ ሓሳብ ኣይተቓወምኩዎን። ብርግጽ ነፍሰይ ክረጋግኣለይ እንተደኣ ኮይኑ፥ ምስ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሰባት ክዘራረብ ከም-ዝግበኣኒ ኣነ’ውን ኣይሰሓትኩዎን።

ምስ ሳሚያ ዝነበረኒ ምዝርራብ ወዲኤ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ የምርሕ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ሞፌድ ዝተባህለ ክርስቲያን ዝኾነ መምህር ኣብ ሓሳበይ መጸኒ። ንሱ ናይ ሳይንስ መምህር ክኸውን ከሎ፥ ኣብቲ ንክልተ-ዓመት ዝኸውን ግዜ ኃቢርና ዝሠራሕናዮ፥ እምነት ክንበሮ ዝኽእል እሙን ሰብ ኮይኑ ምሳይ ሠሪሑ’ዩ። እቲ ኣነ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ሕማቕ-ተግባራት ከም-ዘለዎ ኮይኑ፥ ንሱ ግና ምሳይ ዘይልወጥ እሙን ሰብ ኮይኑ’ዩ ተጓዒዙ። ኣነ ንዕኡ ብውልቂ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ካልኦት ክርስቲያን’ውን፥ ዘይፈጸምኩዎ ግፍዒ ኣይነበረን። ሞፌድ ግና ንኩሉ ክጸውር ትዕግስቲ ዝተዓደለ ሰብ’ዩ ነይሩ። ኣነ ሰብ መሰል ኣራዊት ዝተቐየርኩ ዓይነት ሰብ   ምንባረይ ኣይክሕዶን’የ። ሞፌድ ግና ምስቲ ኩሉ ዝነበረኒ ኩርኳሕ ዝኾነ ጠባይ፥ ክርሕቀኒ ይደሊ ኣይነበረን።

ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ እትው ምስ-በልኩ ድማ፥ ጋዜጣ ክነብብ’ዩ ጸኒሑኒ። ርእይ ምስ ኣበለኒ ድማ፥ ኣብቲ ኩነታተይ ገለ ኣስተብሂሉ ግዲ ኮይኑ “-እንታይዶ ሓዲሽ ነገር ተፈጢሩ’ዩ-? ክብል ተወከሰኒ። እቲ ሕቶኡ ክጽበዮ ዝጸናሕኩ ስለ-ዝኾነ፥ ዘገርመኒ ኣይነበረን። ብዝኾነ እቲ ኣብ ራእይ ዝረኣኹዎ ኩሉ፥ ሓደ ብሓደ ክትርኸሉ ኣይተጸገምኩን። ሞፌድ ናይ ዋዛ ሰብ ስለ-ዘይነበረ፥ ኩሉ እርይ ቁጽር ኣቢለ ከዘንትወሉ ሓተተኒ። እናገለጽኩሉ ከሎኹ ድማ ኣብ ስምዒት ኣትየ ርእሰይ ምቁጽጻር ስለ-ዝሰኣንኩ፥ ኣብ ብኽያት ኣተኹ።

ሞፌድ እቲ ዝነግሮ ዝነበርኩ ታሪኽ ስለ-ዝመሰጦ፥ ብምድግጋም ኣዳቒቑ ክሰምዖ ደለየ። ኣነ’ውን ደጋጊመ ክነግሮ ምንም ዝህከየሉ ምኽንያት ኣይነበረንን። ብድሕሪ’ዚ ሞፌድ ርእሱ ናብ ሰማይ ኣቕኒዑ ተመስገን-!! ክብል ሰማዕኩዎ። ብድሕር’ዚ እቲ ኣብ ራእይ ዝረኣኽዮ መን ምዃኑዶ ክነግረኪ ትደልዪ ኢኺ-? በለኒ። ኣነ ድማ እዚ ደኣ እንታይ ምሕታት የድልየካ ንገረኒ እምበር በልኩዎ። እምበኣር ንሱስ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ’ዩ ብምባል ድማ ኣረጋገጸለይ። ብዘየጠራጥር መንገዲ ድማ፥ እቲ ስመይ ጸዊዑ ከዘራርበኒ ዝሓደረ፥ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ምዃኑ ኣረጋገጽኩ። ንሓጎሰይ ድማ ወሰን ኣይነበሮን።

ካብ ብዝሒ ምሕጓሰይ ዝተላዕለ ከኣ፥ ንብዓተይ ይፈስስ ነበረ። ክዕገተለይ ከኣ ኣይከኣለን። ሞፌድ ድማ ዕልል-!! በሊ እምበር፥ ዘንብዕ ምኽንያት የብልክን ብምባል ከረጋግኣኒ ደለየ። እቲ ንብዓት’ቲ ግና ክኽልከል ዝኽእል ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ካብ ድሌተይ ወጻኢ ከኣ እቲ ንብዓት ይፈስስ ነበረ። ሞፌድ ድማ ክሳብ ዝውድእ ስቕ ኢሉ ምጽባዩ ቀጸለ። ኣብቲ ኩነታት’ቲ እርከብ እናሃሎኹ ድማ “-ሞፌድ ክርስቶስ ንኽርኢስ ኣነ መን’የ-? ንከዘራርበኒ እንተኾነስ ኣነ መን’የ-? እቲ ንዓይ ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ፥ ስመይ ጸዊዑ ኣዘራሪቡኒ-! ሕጂስ ይኣኽለኪ ናህድ ኢሉ’ውን፥ ንዕሽነተይ መወዳእታ ክገብረሉ መኺሩኒ። እዚ ኩሉ’ዚዶ ንዓይ ይግበኣኒ’ዩ ሞፌድ-!? ብምባል’ውን ነባዕኩ።

እዚ መስተንክር ዝኾነ ራእይ’ዚ መቸም፥ ኣብ ገዛይ ኮይነ ከም-ዘይረኣኹዎ ርግጸኛ’የ። ንኽገልጾ ኣብ ዘይክእል ካልእ ቦታ ምንባረይ ድማ ኣይጠራጠርን እየ። ንኹሉ’ቲ ዝረኣኹዎ ራእይ ንኽገልጽ፥ ዘኽእሉኒ ቃላት ክረክብ ግና ዝኽእል ኣይኮንኩን። ኣነ’ውን ነቲ ክቡር ዝኾነ ምስጢር’ቲ ክገልጽሲ፥ ብቕዓት ኮነ ኃይሊ የብለይኒ እብል ነበርኩ። ሞፌድ ድማ “-ሓቅኺ ኢኺ ንሕና ደቂ-ሰብ፥ ከም መጠን ምሕረቱ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ንምቕባል ብቑዓት ኣይኮናን-” ብምባል ኣጸናንዓኒ። ኣነ ድማ ኃጢኣተይ’ኳ ክንዲ ጎቦ ኮይኑ እንተ-ጸቐጠኒ፥ ብብዝሒ ጸግኡ ግና ኣብ ቤቱ ክኣቱ ፈቒዱለይ እዩ-” ብምባል ኣመስገንኩ።

ኣብዚ ህሞት’ዚ ሞፌድ ንዓይ ንምብርታዕ ኢሉ፥ ጭውነት ብዝመልኦ ቃላት ምዝራቡ ቀጸለ። ኣብቲ ዝበሎ ድማ “-ንሱ እቲ ሕያዋይ ጎይታ ንኃጢኣተኛታት የፍቅር፥ ብኃጢኣቶም ንዝንስሑ ድማ ዝቕበል’ዩ። ኃጢኣት ባሮቱ ዝጸባጸብ ኣምላኽ ድማ ኣይኮነን-” በለኒ። ብድሕር’ዚ ኣነ “-እንታይ ክግበር’ዩ ዘሎኒ-? ብምባል፥ ንሞፌድ ተወከስኩዎ። ሞፌድ ድማ “-እቲ ዝኸውንሲ ባዕሉ ክመርሓኪ ስለ-ዝኾነ፥ ርግእ ኢልኪ ብትዕግስቲ ተጸበይዮ-! ብርግጽ ተመሊሱ ክመጸኪ እዩ-” ብምባል ተሰናቢቱኒ ከደ።

ከምዚ ኢሎም ድማ ብዙሓት ዕለታት ሓለፉ። ኣነ ግና ኩሉ ግዜ ዝሓስቦ፥ እተን ብፍቕሪ ዝተመልኣ ብሩሃት ኣዒንቱን፥ እቲ ሰሚዕካዮ ዘይምኖ ቅዱስ-ቃላቱን እዩ። ሐደ መዓልቲ ድማ ምስ ጎይታይ ክዛረብ ኢለ፥ ናብኡ ኣቢለ ብሕልናይ ጠመትኩ። ሓሳባተይ እክብ ኣቢለ’ውን ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ጸለኹ። ልክዕ ድማ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ከምዚ ድማ በልኩ “-ኃጥኣን እተፍቅር ቅዱስ-እግዚኣብሔር ኣምላኽ-! ኣነ ናባኻ ዘብጽሕ ሠናይ ግብሪ ከም-ዘይብለይ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ጸጋኻ ተወኪለ ግና ስምካ እጽውዕ ኣለኹ። ብብዝሒ ኃጢኣተይ ቅንዕ ኢለ ናባኻ ክጥምት ዘይክእል ክነሰይ፥ ንስኻ ግና ክጠፍእ ኣይሓደግካንን። የግዳስ ስመይ ጸዊዕካ ናብቲ ቅዱስ-ቤትካ ዓዲምካኒ። ሕጂ ድማ ጎይታይ-! ናባኻ ንምምጻእ ኣብ ዝገብሮ ቀጻሊ ጉዕዞ፥ ኢድካ ዘርግሓለይ ገጽካ’ውን ምለሰለይ-!! ”  ኢለ ጸለኹ።

ሕጂስ ጸሎተይ ወዲአ’የ፥ ኣብ ዝብለሉ ሰዓት ድማ፥ ብሃንደበት “-ናህድ ሓደ ተልእኮ ኣሎኪ-” ዝብል ድምፂ ሰማዕኩ። ኣዚየ ሰለ-ዝተገረምኩ ከኣ “-ሓደ ተልእኮ ኣሎኪ ዲኻ ዝበልካኒ ጎይታይ-?” በልኩ። ኣከታቲለ ድማ “-ንዓይ ዲኻ ጎይታይ-? ምባለይ ቀጸልኩ። መሊሱ ድማ “-እወ ሓደ ተልእኮ ኣሎኪ-!!  ተረጋጊእኪ ደው በሊ። ኣይትተሃወኺ። ኣይትፍርሂ ድማ-! ” ዝብል ድምፂ መጸኒ። እቲ ዝናፍቖን ሃረር ዝብሎን ዝነበርኩ ድምፂ ብምስምዐይ ድማ፥ ካልኣይ ዝተወለድኩ ኮይኑ’ዩ ዝተሰመዓኒ። በቃ ካብዚ ቃል’ዚ ንላዕሊ፥ ከሐጉሰኒ ዝኽእል ካልእ ነገር ኣይነበረን። ብገለ ነገር ተጻዒነን ተጸቒጠን ከም-ዝጸናሕኩ’ሞ፥ ሕጂ ነፃ ከም-ዝወጻእኩ ዓይነት ስምዒት ኮይኑ ተሰምዓኒ።

በቲ ዝተነግረኒ ኣምላኻዊ-ቃላት ድማ፥ ፍጹም ሕጉስትን ዝተረጋግአትን ክኸውን ከኣልኩ። ከምዚ ኢለ ድማ ጸለኹ

“- ዎ-ፈጣሪየይ-! ኩለንትናይ ናትካ ምዃነይ ትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ ንስኻ ከም-እትደልየኒ ደኣምበር፥ ከም-ድሌተይ ክኸውን ኣይደልን’የ። ንስኻ ንዝመደብካዮ ዕላማ ክትጥቀመለይ ከም-እትደሊ ዝገለጽካለይ ከኣ፥ ክንደይ ኮን ተዓዲለ እየ-!! እቲ ናትካ ምዃነይ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍለኒ እንተኾነ’ውን፥ ንድሕሪት ኣቢለ ከይጥምት፥ ክሳብ ክንደይ ቈሪጸ ምህላወይ ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣነ ናትካን ውላድካን ክኸውን ቈሪጸ’የ። እቲ ዝደልዮ ከኣ ናትካን ምሳኻን ምዃን’ዩ። ከምቲ ንስኻ ተፍቅረኒ ኣነ’ውን ክሳብ ክንደይ ከም-ዘፍቅረካ ትፈልጥ ኢኻ። ንዓኻ ምግልጋልሲ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክብሪ ከም-ዘለዎ ስለ-ዝፈልጥ፥ ንዓይ ንሓደ ተልእኮ ክትጽውዓንስ ክንደይ ኮን ተዓዲለ’የ-!! እወ ረዚን ዝኾነ ክብሪ-!! ስለዚ ድማ ዎ-ጎይታይ-! ንኣገልግሎትካ ብቕዕቲ ግበረኒ። ንዓኻ ዝግዛእ ልቢ’ውን ሃበኒ። ክሳብ መወዳእታ ዘመን ሕይወተይ ድማ፥ ንዓኻ ዝተኣመንኩ ኮይነ ክርከብ ርድኣኒ-”

በዚ ኣገባብ’ዚ ምስቲ ጎይታ-ክብሪ ምስ-ተራኸብኩ፥ ኩሉ ናይ ዓለም ነገር ንዓይ ንናህድ ከንቱ’ዩ ኮይኑኒ። ናይ ጎይታ ክኸውን ስለ-ዝመረጽኩ ድማ፥ ከምቲ ጎይታ ክኸውን ዝደልየኒ ኮይነ ክርከብ ምርጫይ ኮይኑ።ነቲ ጎይታ-ክብሪ ስለ-ዝመረጽኩ ከኣ፥ ንዓለምን ክብሪ ዓለምን ብፍቓደይ ከሲረዮ። ምስቲ ጎይታ ክብሪ ክነብር ድማ፥ ናይ መወዳእታ ምርጫይ ኮይኑ። ነዚ ውሳኔ’ዚ ከቐይረኒ ዝኽእል ከኣ፥ ዝኾነ ኃይሊ የልቦን። ክህሉ ከኣ ኣይክእልን’ዩ።

ምዕራፍ - 4

ናይ እግዚኣብሔር ተኣምራታዊ-ሥራሕ

ከምዚ ኢለን ከኣ፥ ብዙሓት ዕለታት ክመጻን ክኸዳን ከኣላ። እተን ዕለታት እቲኣተን ግና ኣጨነቕቲ ምንባረን፥ ከቶ ክርስዐን ኣይክእልን። እቲ ዝዓበየ ትዅረት ዝገበርኩሉ፥ ብዛዕባ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ምፍላጥ’ዩ። ፍልጠተይ ዕምቈት ዘለዎ ንክኸውን፥ ብዛዕባ ክርስቶስን ቤተ-ክርስቲያኑን፥ ብዝበለጸ ክፈልጥ ከም-ዘሎኒ ከም ቀዳማይ ዕማም ገይረ’የ ዝግደሰሉ ዝነበርኩ። እቲ ክፈልጥ ናይ ምባል ድሌተይ’ውን ወሰን ኣይነበሮን።

ካብዚ ብምብጋስ’ውን፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ክነብብን ቅዳሴ ክሰምዕን ካብ ምድላየይ ዝተላዕለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ድሌተይን ባህገይን’ዩ ነይሩ። እዚ ንምግባር ግና ቀሊል ኣይነበረን። ምስቶም ካህናት ክራኸብ’ውን ዝደልዮ ነገር’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር እቶም ካህናት’ውን፥ ምሳይ ንከይራኸቡ ከም-ዝመርጹ ርዱእ’ዩ። እወ ኣነ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፥ ዋና ጸላኢት ክርስቲያን ዝነበርኩ ሰብ። ነቶም ኩሎም ናብ ቤት-ትምህርትና ዝመጹ ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ክንደይ ስቓይን ፍዳን ከርእዮም ዝጸናሕኩ ከም ምዃነይ መጠን፥ ሕጂ ባዕለይ ክርስቲያን ኮይነ ክርከብ ምኽኣለይ፥ ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተ-ተረኽቡ ዘገርም ኣይነበረን።

እዚ ኹሉ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው’ውን፥ እቲ ፍታሕ ክርከብ ዝኽእል ብመንገዲ ሳሚያ ምዃኑ ክርድኦ ከኣልኩ። ስለዚ’ውን ሳሚያ ምስ ሓደ ካህን ከተራኽበንን፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ክትረኽበለይ ስለ-ዝደሊ፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ክትተሓባበረኒ ሓቲተያ። ንሳ’ውን ምስ ሓደ-ካህን ንክራኸብ፥ ቈጸራ ከም-ዝሓዘትለይ ነጊራትኒ። ግዳስ እቲ ምርኻብ ጥንቃቔ ዝሓትት ስለ-ዝኾነ፥ ቁሩብ ትዕግስቲ ጌርካ ምጽባይ ከም-ዘድሊ ኣረዲኣትኒ። ንመጽሓፍ-ቅዱስ ብዝምልከት ግና፥ “-ኣበይ ኮንኪ ኢኺ’ሞ ክትነብዮ-? ” ብምባል ተወኪሳትኒ። ብምቕጻል ሳሚያ “-ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኮንኪ ክነብዮ ኣይትኽእልን ኢኺ። ከመይሲ እቲ ቤት-ጽሕፈትኪ ሰብ ዝፍለዮ ኣይኮነን። ኣብ ገዛኺ ድማ በዓል-ቤትክን ደቅኽን ኣለዉ-” ብምባል፥ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም ጠቐሰትለይ።

ሳሚያ ዝበለቶ ኩሉ ሓቂ’ዩ። ግልጺ ኮንካ መጽሓፍ-ቅዱስ ክትነብብ ምኽኣል፥ ኣብ ከም ግብጺ  ዝኣመሰለት ሃገር ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር ኣነ ብጀካ’ቲ ዝቕመጦ ዝነበርኩ ቤት፥ ሓደ ካልእ ኣፓርታማ’ውን ስለ-ዝነበረኒ፥ ብስቱር መንገዲ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝነበሉ ቤት ዝስእን ኣይነበርኩን። ስለዚ ንሳሚያ ብሕት ዝበለ ቤት ኣብ ምርካብ፥ ጸገም ከም-ዘይህሉ ገለጽኩላ።

 ብዝተረፈ መደብ ኣምላኽ ኮይኑ’ዩ እምበር፥ ገዛ እናሃለወኒ ካልእ ገዛ ዝገዝኣሉ ምኽንያት ኣይነበረንን። ገንዘብ ስለ-ዝነበረኒ ግና፥ ስቕ ኢለ ክገዝኦ ክኢለ።  ብመደብ ኣምላኽ ከም-ዝኾነ ግና፥ ሕጂ’የ ዝርድኦ ዘለኹ። ማለት እቲ ናይ ፖሊስ-ጀኔራል ዝነበረ ኣቦይ ምስሞተ፥ ብውርሻ ዝበጽሓኒ ገንዘብ ኣብ ዘውዕሎ ስለ-ዘይነበረኒ፥ ስለዚ’የ ነዚ ዝተባህለ ኣፓርታማ ክገዝኦ ዝኸኣልኩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ደቀይ ነቲ ሓሳብ ኣይደገፉዎን ዝነበሩ። ኣነ ግዲ ክግዛእ ኣለዎ ስለ-ዝበልኩ ግና ክግዛእ ክኢሉ። እዚ ቤት’ዚ ምሉእ ናይ ቤት ኣቝሑት ገዚኤ ዘዳለውኩዎ’ኳ እንተኾነ፥ ክሳብ ሎሚ ግና ተቐሚጠዮ ኣይፈልጥን።

ኣብቲ እዋናት’ቲ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ-ሕይወተይ እናስተንተንኩ ኣብ ዝጐዓዘሉ ዝነበርኩ ግዜ፥ ኣብ ጥቓ ቤት-ትምህርትና ምስ-በጻሕኩ፥ ካብ ናይ መኪና-ሓደጋ ንስክላ’የ ክድኅን ዝኸኣልኩ። ኣነ ኣብዚ መወዳእታ ግዜ “-ሓደ ተልእኮ ኣሎኪ-” ዝብል ቃል ተነጊሩኒ እዩ። እዚ ቃል’ዚ ከኣ ካብ ኣእምሮይ ክወጽእ ኣይከኣለን። ነዚ ቃል’ዚ እናስተንተንኩ ከኣ’የ፥ ዝውዕልን ዝሓድርን ዝነበርኩ። እቲ ናይ መኪና ሓደጋ ቀሪቡኒ ከም-ዝነበረ ምስ-ተረዳእኩ ከኣ’የ ከይሓሰብኩዎ “-በስመ ኣብ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ-” ዝበልኩ። ሰብ ክሳብ ዝሰምዓኒ ደኾን ዓው ኢለ ይኸውን ኢለ ስለ-ዝተሰከፍኩ’ውን፥ ካብ ምፍርሀይ ዝተላዕለ የማነ ጸጋመይ ግልጽ በልኩ።

ቤት-ትምህርትና ምስ-በጻሕኩ ድማ፥ እቲ ዘጋጠመኒ ኩሉ ንሳሚያ ይነግራ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ክርስቲያን ከም-ዝገብሩዎ ብትእምርተ-መስቀል ገጸይ ኣማዕተብኩ። ሳሚያ ድማ ብተግባረይ ተደኒቓ “-እዚ ደኣ መን ምሂሩኪ-?”  ኢላ ሓቲታትኒ። ኣነ ድማ እቲ ብማኪና ኣጋጢሙኒ ዝነበረ ሐደጋ ብምግላጽ፥ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብ ከመይ ኣቢለ ከማዕትብ ከም-ዘሎኒ ኣርእዩኒ ኢለያ። ንሳ ድማ ብጣዕሚ ጽቡቕ’ዩ። ክሳብ መወዳእታ ማለት “-ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን-” ብምባል ክዛዘም ከም-ዝግብኦ ኣረዲኣትኒ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ’ውን፥ እቲ ምምዕታብ እንታይ ትርጉም ከም-ዘለዎ፥ ሳሚያ ብብዙሕ ምግዳስ ኣረዲኣትኒ። ማለት ካብ ግምባርና ክሳብ ኣፍ-ልብና ከነማዕትብ ከሎና። እግዚኣብሔር ካብ ሰማየ-ሰማያት ወሪዱ፥ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ማለት’ዩ። ካብ ጸጋም ንየማን ከነማዕትብ ከሎና ድማ፥ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን መሊሱና ማለት’ዩ ዘስምዕ። ብተወሳኺ ሳሚያ ከምዚ ክትብል ምሂራትኒ። ማለት ክትስምብዲ, ክትሽገሪ, ምርግጋእ ክትስእኒ ከሎኺ፥ ከምኡ ‘ውን ክትድቅሲ ኮነ ክትንሥኢ ከሎኺ፥ ስም እግዚኣብሔር ምጽዋዕ ክትርስዒ የብልክን ኢላትኒ።

 ክሳብ ክንደይ ሕጉስቲ ክኸውን ክኢለ ይመስለኩም-!! ካብ ውሽጠይ ከኣ ብተመስጦ ሕልናይ ኣልዓልኩ። “-ኣታ ጎይታይ-! ናትካ ስለ-ዝገበርካኒ አመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ሕቝፍኻ ተቐቢልካኒ፥ ኣብ ልብኻ’ውን ኣንቢርካኒ ኢኻ’ሞ፥ ንዓኻ ከመስግንሲ ክንደይኮን ተዓዲለ’የ-!!   ሕጂ’ውን ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ግርማን ንዓኻ ይኹን። ኣታ ጎይታይ-! ሕጂ’ውን አመስግነካ ኣለኹ። ከመይሲ ዝተረፈ ምሉእ ዘመን-ሕይወተይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ተምበርኪኸ ከሕልፎ ዝኽእል ነይረ እንተ-ዝኸውን’ውን፥ ነቲ ንስኻ ንዓይ ዝወዓልካለይ ውዕለት ክኸፍሎ ኣይክእልን እየ። ስለዚ ዎ-ጎይታይ-! እቲ ምሕረትካ ብጸጋ እንተ-ዘይከውንስ፥ ንዓኻ ዘሥምር ግብሪ ከም-ዘይብለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ’የ። ስለ’ዚ እቲ ቅዱስ-ስምካ፥ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን-!! ” ብምባል ድሕሪ ምጽላየይ፥

ንቤት-ትምህርትና ኣቢለ ኣምራሕኩ’ሞ፥ እቲ ሕያዋይን እሙን ክርስቲያን ዝኾነ ሞፌድ፥ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈተይ ኮፍ ኢሉ ጋዜጣ እና-ነበበ ጸንሓኒ። ኣነ ድማ “-በስመ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ፥ ኣሓዱ-ኣምላክ፥ ኣሜን-” ኢለ ገጸይ ብምምዕታብ፥ ሰላምታ ኣቕረብኩሉ። ሞፌድ ድማ ፍሽኽ ኢሉ ሓጎሱ ብምግላጽ፥ “- ኣነኮ እግዚኣብሔር ባዕሉ ክመርሓክን ክምህረክን’ዩ ኢለኪ ነይረ’የ። እንሆ ድማ ከምኡ ኮይኑ-” በለኒ። ብምቅጻል ድማ “-ዎ-ጎይታ-! ሕጂን ንዘለዓለምን ምስጋና ይብጻሕካ። እንሆ ሕጂ’ውን ብዛዕባኻ ርግጸኛ ኮይነ ኣለኹ። ንስኻ ከቶ ዘይትልወጥ ኣምላኽ ኢኻ። እንሆ ንስኺ’ውን ኣብተን ሕያዎት ኣእዳዉ ኢኺ። እወ ኣብ ኣእዳው’ቲ መፍቀር ሰብ ዝኾነ፥ ሕያው እግዚኣብሔር ኣምላኽ-” ብምባል’ዩ ዝጸለየ ሞፌድ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንበረይ ጠጢሐ ብምቕማጥ፥ ሽጋራ ከጥይስ እቲ መወልዒ ሃሰውሰው በልኩ። ከመይሲ ሽጋራ ብምጥያሰይ ዝተፈለጥኩ እየ ነይረ። ሞፌድ ግና “- ምንም እንተኾነ ክርስቲያን ምዃንኪ ክትርስዒ የብልክን።ድሕሪ ደጊም ድማ ንዓኽን ንሽጋራን ዘራኽብ ምኽንያት የልቦን-” ብምባል ምኽሩ ለገሰለይ። ኣነ ድማ እቲ ዝነበረኒ ባኮ ሽጋራ፥ ግዜ ከየጥፋእኩ ሽዕኡ ንሽዕኡ ኣብቲ እንዳ-ጎሓፍ ደርብየዮ። ካልኣይ ግዜ ከም-ዘይምለሶ’ውን ኣረጋገጽኩ። እንሆ ድማ ብረድኤት እግዚኣብሔር፥ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ሒዘ እርከብ ኣለኹ።

እቲ ናይ ሕይወተይ ጉዕዞ ከምዚ’ሉ ቀጸለ። እቲ ውሽጠይ ድማ ብደስታ ተመሊኡ ነበረ። ኣብ ምሉእ ዘመን-ሕይወተይ ከኣ፥ ከምዚ ናይ ሕጂ ሓጎስ ተሓጕሰ ኣይፈልጥን። ኣነ ብዙሕ ጉድለት ዝነበረኒ ሰብ’የ። ሠናይ ዝበሃል ነገር’ውን ኣይነበረንን። እቲ ጎይታ-ክብሪ ስለ-ዝራሕራሓለን ስለ-ዝደንገጸለይን ግና፥ ብብዝሒ ጸግኡ ካብቲ ዝወደቕኩዎ ኣልዒሉ፥ ንዓቢይ ክብሪ ኣብቂዑኒ። ነቲ ኩሉ ዝተገብረለይ ሠናይ ነገር ክገልጽ እንተ-ዝደሊ ግና፥ በየናይ ቋንቋ’የ ክዛረብ-? ንዕኡ ዝኸውን ቃላትሲ ካበይ’የ ከምጽእ።ኣነ ኃጢኣተኛ ሰብሲ፥ ኣብ ቅድሚ’ቲ ጎይታ-ክብሪ ክቐውም’ሞ ኣነ መን’የ-?!  እብል ነበርኩ። ስለ’ዚ ከኣ’የ “-ዎ-ጎይታ-! እቲ ናባኻ ዝመጸሉ መንገዲ ገና ኣይፈለጥኩዎን ዘለኹ’ሞ፥ ሓቝፍካን ደጊፍካን ኣሳልየኒ። እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዘሎ መንደቕ’ውን ባዕልኻ ኣፍርሶ-” ብምባል ጸሎተይ ዝቐጸልኩ።

ይ ቕ ጽ ል 

5.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (5ይ-ክፋል)

4. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (4-ክፋል)

3. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (3-ቅጽል)

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (2-ቅጽል)

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና(1-ቅጽል)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div