S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 12 ክፋል)

 ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 12 - ክፋል

ከምዚ ኢለ ድማ ምስ ሞፌድ፥ ኣብ ነዊሕ ናይ ተመስጦ ዕላል ኣትየ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ። እታ ተፈታዊት ዝኾነት ሳሚያ መጸት’ሞ፥ ሕቝፍ ኣቢላ ከኣ ሰዓመትኒ። ሳሚያ ንዓይ መቸም ከም ኃውትን ኣደን ዝርእያ ሰብ’ያ። እቲ ምስኣ ምርኻበይ ድማ፥ ፍሉይ ሓጎስን ደስታን’ዩ ክስመዓኒ ዝኸኣለ።  ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስ ስምዒት ድማ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረኒ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከኣ፥ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ’ዩ እንተበልኩ፥ ንምግናን ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን።

ኣብቲ ዕላልና  ከኣ “-ንምዃኑ ንስኺ ሳሚያ፥ እቲ ኩሉ ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበረ ሰብ፥ ከም ቁርን ኣስሓይታን ፈሪሁ ክርሕቀኒ ከሎ፥ ንስኺ ግና ምንም ክትፈርህኒ ርእየኪ ኣይፈልጥን። ኣብቲ ምሳይ ትቐርብሉ ዝነበርኪ እዋናት’ውን፥ ብምሉእ ርእሰ-ተኣማንነትን ብዘገርም ትብዓትን፥ ትቐርብኒ ከም-ዝነበርኪ’የ ዝዝክር። ከምቶም ካልኦት ስለ-ምንታይ ካባይ ፈሪህኪ ክትርሕቂ ከም-ዘይከኣልኪ ከኣ፥ ሕጂ’ውን ይገርመኒ እዩ። እቶም ክርስቲያን እንተኾኑ’ውን፥ ኣብ ጥቓይ ምቕራብኪ ክፈትዉልኪ ከም-ዘይክእሉ፥ ማንም ክርድኦ ዝኽእል ሓቂ’ዩ። ንስኺ ግና ነዚ ኩሉ’ዚ ክኢልኪ፥ ነቲ ሰብ ክዕገሶ ዘይክእል ኣራዊት ዝኾነ ጠባየይ’ውን ተጻዊርኪ። ክሳብ መወዳእታ ካባይ ከይተፈለኺ ጸኒዕኪ ደው ክትብሊ ምኽኣልኪ፥ ካብቲ ኣዚዩ ዘገርመኒ ነገር እዩ። ንምዃኑኸ እዚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ርእሰ-ተኣማንነትን ትብዓትን ካበይ ኢኺ ኣምጺእክዮ-?” ኢለ’የ ንሳሚያ ዝተወከስኩዋ።

ሳሚያ በቲ ተፈታዊ ዝኾነ ፍሽኽታኣ ኣሰንያ፥ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ’ያ ዝመለሰትለይ “-ኣነ ንመጀመርያ ግዜ፥ ካብቲ ቅድም ዝነበርኩዎ ቤት-ትምህርቲ፥ ማለት ናብዚ ናብ ሄልሜት ኤል-ዘይቱን፥ ላዕለዋይ 2ይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ተቐይረ ክመጽእ ከለኹ፥ ብጣዕሚ’የ ዝሰምበድኩ። ከመይሲ ንክርስቲያን ካብ ምጕዳእ ፈጺማ ንድሕሪት ዘይትምለስ። ትዕግስቲ ዝበሃል ነገር’ውን ዘይብላ፥ ከም ናህድ ዝኣመሰለት ዲን ኣብ ዘላቶ ቤት-ትምህርቲ ተቐይረ፥ ከመይ ኣቢለ’የ ክሠርሕ-? ዝኽእል ዝብል ሕቶ ኣጨኒቑ ዝሓዘኒ’ዩ ነይሩ።

እታ ኣብኡ ዘላ ርእሰ-መምህራን እንተኾነት’ውን፥ ፈታዊት ክርስቲያን ዘይ-ምዃና እፈልጥ ነይረ’የ። ነዚ ኩሉ’ዚ ድሕሪ ምርኣየይ ከኣ’የ፥ እቲ ኩነታት ስለ-ዘጨነቐኒ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጸሎት ዝቐረብኩ። ኣብ ጸሎተይ ድማ “ ዎ ጎይታይ-! በጃኻ ኣብዚ ዝኸዶ ዘሎኹ ጽንኩር መንገዲ ኣይትፈለየኒ” ኢለ ብምጽላይ እየ ናብ ምድቃሰይ ዘምራሕኩ። ኣብ’ቲ ለይቲ’ቲ ድማ ኣብ ሕልመይ፥ ዝተጸርበ እብነ-በረድ ኣብ ዝመስል ደው ኢለ ዝነበርኩ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ግዳስ እቲ ደው ኢለዮ ዝነበርኩ’ኳ ጽሩይ እንተነበረ፥ እቲ ከባቢኡ ግና ብርስሓት ወይ ጐሓፍ ዝተመልአ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣነ ደው ኢለሉ ዝነበርኩ ቦታ ብርኽ ዝበለ ብምንባሩ ግና፥ እቲ ርስሓት ክቐርበኒ ኣይከኣለን። ኣብቲ ጥቓይ ማይ-ቡንባ ነይሩ። ካብኡ ሕልፍ ኢሉ’ውን ዝፈስስ ውሕጅ ነይሩ። ኣብ መንጎ’ዚ ድማ፥ ብዘገርም ኩነታት ፓትርያርክ-ቄርሎስ ክመጹ ርእየዮም።

ብመሠረቱ ኣቡነ-ቄርሎስ፥ ኣነ ብዝተፈልየ ኣዚየ ዝፈትዎምን ዘኽብሮምን ቅዱስ ኣቦ እዮም ነይሮም። ቅድሚ ሞቶም ኣብ ዝነበረ እዋን፥ ብዙሕ ግዜ ከይደ እበጽሖም ነይረ’የ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ሕልመይ ከሎኹ ድማ “-ሳሚያ-! ኢድኪ ተሓጸቢ ክብሉኒ ሰሚዐዮም-” ኣነ ድማ “-ቅዱስ-ኣቦና-! ኢደይ እኮ ርስሓት የብሉን ንጹሕ እዩ-” ኢለ መሊሰሎም። ንሶም ግና ሕጂ’ውን መሊሶም “-ኪዲ ደኣ ኢድኪ ተሓጸቢ-” ኢሎሙኒ። ብድሕር’ዚ ትእዛዞም ብምፍጻም፥ ከምቲ ዝበሉኒ ኢደይ ድሕሪ ምሕጻበይ፥ ናብኦም ተመሊሰ መጺአ። እዚ ከኣ ሠለስተ ግዜ ብምድግጋም’ዩ ክንገረኒ ዝኸኣለ።

ብድሕሪ’ዚ ፓትርያርክ-ቄርሎስ፥ ብኢዶም ኣመልኪቶም “-ናብ ቤት-ትምህርቲ ሄልመት ኤል-ዘይቱን ኪዲ። ኣብኡ ድማ ንስኺ ትገብርዮ ሓደ ፍሉይ ተልእኮ ተዋሂቡኪ ኣሎ-” ኢሎሙኒ። ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ፥ ኣብ’ዚ ዝተባህለ ቤት-ትምህርቲ ጸሓፊት ኮይነ ክሠርሕ ስለ-ዝተመደብኩ፥ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ተልእኮ ተቐቢለ ናብዚ ክመጽእ ክኢለ። ክርድኦ ዘይከኣልኩ ግና፥ ንምንታይ ተልእኮ ከም-ዝመጻእኩ ዝተነግረኒ ነገር ዘይ-ምንባሩ’ዩ።ደሓር ምሳኺ ምቅርራብ ገይረ ምዝርራብ ምስ-ጀመርኩ ግና፥ እቲ ተልእኮ ናባኺ ዝጠመተ ምዃኑ ንኽርዳእ ግዜ ኣይወሰደለይን። ስለ’ዚ ከኣ’የ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ትፍጽምዮ ዝነበርኪ ግፍዕታትን፥ እቲ ብዛዕባኺ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ኩሉ ክፉእ ወረታትን ንጐኒ ገዲፈ፥ ብዙሕ ዝቐርበክን ዘፍቅረክን ዝነበርኩ። ከመይሲ ነዚ ተልእኮ እዚ’የ ናብዚ ዝመጽእኩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ ኣብ መንጎይን መንጎኽን ብርቱዕ ፍቕርን ምትእምማንን ክፍጠር ክኢሉ። ስለምንታይ ከፍቅረኪ ከም-ዝኸኣልኩ ከኣ ይርድኣኒ’ዩ። ከመይሲ ካብ ፍቕሪ  ክርስቶስ ዝዓቢ ካልእ ፍቕሪ የልቦን-” ብምባል’ያ ሳሚያ ሕቝፍ ኣቢላ ዝሰዓመትኒ። ሳሚያ መሊሳ ዘረባኣ ብምቕጻል “-ንስኺ ብክርስቶስ ዝወለድኩኺ ጓለይ ኢኺ። ንዓኺ ንምድኃን እግዚኣብሔር ብዝገበሮ መደብ ድማ፥ ንዓይ’ውን ከም መሣርሒ ክጥቀመለይ ስለ-ዝፈቐደ፥ ኣብቲ ናትኪ ድኅነት ተሳታፊት ክኸውን ብምኽኣለይ ድማ ዕድለኛ እየ-” ብምባል’ያ እታ ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞ ምሳይ ዝነበረት ሳሚያ፥ ኣዚዩ ኣገራሚ ዝኾነ ዕላል ዘዕለለትኒ።

ከምዚ ኢለ ምስ ሞፌድን ሳሚያን ኣዕሊለ ምስ ወዳእኩ ድማ፥ ምሳይ ዝነበረ ብሓላፍነት ዘሕትተኒ ዘበለ ኩሉ፥ ነታ ኣኽራሪት ዝነበረት ርእሰ-መምህራን ኣረኪበ፥ ነቲ ዲን ኮይነ ንነዊሕ እዋን ዝመራሕኩዎ ቤት-ትምህርቲ፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ገዲፈዮ ከድኩ። ምስቶም ክልተ ቡሩኻት  ሰባት፥ ማለት ምስ ሞፌድን ሳሚያን ምፍልላየይ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ነቲ ቤት-ትምህርቲ ብምግዳፈይ፥ ምንም  እንተኾነ ዝጠዓሰሉ ነገር ኣይነበረንን። ብዝተረፈ እታ ምልዕተ-ፀጋ ዝኾነት፥ ቅድስት ድንግል ማርያም። እቲ ጥዑም ስማ ብዝተጸውዐ ቁጽሪ፥ እቲ መዓዛ-ዕጣን ኣብቲ ክፍለይ ክሃግግ ከሎ፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ዘይክእል ተዘክሮ ኮይኑ’ዩ ምሳይ ተሪፉ።

ብድሕሪ’ዚ ሓዳስ ሰብ ኮይነ፥ ሓዲስ ሕይወት ዝጅምር ዘለኹ ሰብ’የ ኮይነ። ስለ’ዚ እቲ ገና ሓደ ኢለ ዝጅምሮ ዝነበርኩ፥ ሓዲሽ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ክሕድሰኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ጎይታን መድኃንን ዝኾነ ኣምላኽ፥ ባዕሉ ስለ-ዝጸውዓኒ ምስኡ ነዊሕ ተጓዒዘ’የ። ስለ’ዚ ኣብቲ ክርስትና ሓዳስ’የ ዝብለሉ ምኽንያት’ውን ኣይነበረንን። ቅድሚ ሕጂ ክብሪ ዝነበሮ ሥራሕን መነባብሮን ዝነበረኒ ሰብ’የ ነይረ። ሎሚ ግና ኣብ ቅድሚ ጎይታ እምንቲ ኮይነ ምእንቲ ክርከብ፥ በጃ ክርስትና ይኹን ኢለ ኩሉ ከሲረዮ እየ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ብንብረትን ሃብትን ዝመጸ ገለ ኣሎኒ ክብል ዝኽእል  ሰብ ኣይኮንኩን። እቲ ስድራ ቤታዊ ዝምድና’ውን ከምኡ፥ ንክርስቶስ ብምምራጸይ ምኽንያት ኩሉ ከሲረዮ እየ። ከምኡ ስለ-ዝበልኩ ግና ገለ ዘይብለይ ድኻ’የ ማለተይ ኣይኮንኩን። ከመይሲ እቲ መንገዲ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ምሳይ ከም-ዘሎ ኣረጋጊጸ ክዛረብ እኽእል እየ።  ስለ’ዚ ድማ’የ በይነይ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።

ስለ’ዚ ከኣ’የ፥ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተምበርኪኸ፥ ከምዚ ዝስዕብ  ኢለ ዝጸለኹ “-ዎ ኩሉ እትኽእል ጎይታ-! ኣብ ዝኸድኩ እንተኸድኩ ንስኻ ምሳይ ከም-ዘሎኻ እኣምን’የ። ንመንገደይ ባዕልኻ ኢኻ ኣትመርሖ። ንሓሳባተይ እተቃንዖ’ውን ንስኻ ኢኻ። እንሆ ከኣ ኩሉ ዝነበረኒ ሃብትን ዝናን ክብረትን ገዲፈ፥ ንምሉእ ዘመን-ሕይወተይ ንዓኻ ክኽተል መሪጸ ኣለኹ። ደጊም መስቀለይ ጸይረ ደኣ ንዓኻ እስዕብ እምበር፥ ንዓለም ኣቢሉ ዝጥምት ዓይኒ ክህልወኒ ዝደሊ ኣይኮንኩን። ማዕጾ-ልበይ ምስ-ኳሕኳሕካዮ፥ ኣነ ድማ ቃልካ ሰሚዐ ከፈትኩልካ። ኣብ ኣደራሽ ልበይ ኣቲኻ ከተዕርፍ ድማ ጸጋ ረኸብኩ። ኣብ ኩሉ ግዜን ሰዓትን ከኣ፥ ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን ኣሜን-!! ”

ይኹን እምበር እቲ ካብ ሥራሕ ናይ ምስንባተይ ጉዳይ ተወዲኡ’ኳ እንተነበረ። ክማላእ ዝግብኦ ሓደ ሓደ ነገራት ዝተረፈ ስለ-ዝነበረኒ ግና፥ ወዲኤ’የ ክብል ዝኽእል ኣይነበርኩን። ብዝኾነ እቲ ሓዲሽ ዝተኻረኹዎ ቤት’ውን፥ ከተዓራርዮ ስለ-ዝነበረኒ ኣቝሑት ክሰቅልን ከውርድን፥ ግዜ የድልየኒ ነይሩ’ዩ። እዚ ሓዲሽ ቤተይ ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ብምዃኑ ግና፥ መን ምዃነይ ክፈልጥ ዝኽእል ብዘይ ምህላዉ፥ እፎይ ኢለ ክድቅስ ኣኽኢሉኒ እዩ።

ካብ’ዚ ንደሓር ምኽንያት ገይረ ከጥፍኦ ዝግብኣኒ ግዜ ኣይነበረንን። ስለዚ’ውን ካብቲ ክሳብ ሕጂ ምሳይ ዝጸንሐ መንነት ወጺአ፥ ጉልባበይ ብምቕላእ ክርስቲያን ምዃነይ ብወግዒ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺአ ክእውጅ ጀመርኩ። ብኹሉ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ከኣ “-ብጀካ ክርስቶስ መንገዲ ሓቅን ሕይወትን ካልእ የልቦን-” ብምባል ምምስካረይ ቀጸልኩ ። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን፥ እታ ኣስላመይቲ ዝነበረት፥ ሕጂ ብዛዕባ ክርስቶስ ትምስክር ኣላ እናተባህለ፥ እቲ ዜና ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ክበጽሕ ከኣለ። ኣነ ድማ ነታ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ-እምነት ክምስክር፥ ጸግኡ ንዘብዝሓለይ ሕያው-ኣምላኽ፥ ካብ ውሽጠይ ካብ መዓሙቕ ልበይ ኣመስገንኩ።

ብዝኾነ ኣብቲ ናይ ሥራሕ መልቀቒ ዘቕረብኩዎ ሕቶ። እቲ ናይ መወዳእታ ወረቐት ገና ኣይተዋህበንን ስለ-ዝነበረ፥ ብዛዕብኡ ደሃይ ክፈልጥ ብማለት፥ ኣብ ዕለት 4-ጳጉሜን 1989 ዓ/ም፥ ናብቲ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ቤት-ትምህርቲ ክኽይድ ግድን’ዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ ግዜ ናብኡ ምኻደይ ከኣ’ዩ ነይሩ። ግዳስ እቲ ናብኡ ኣቢልካ ምኻድ፥ ግድን ኮይኑኒ ደኣ’ዩ እምበር፥  ከም ምርጫይ ነይሩ እንተ-ዝኸውሲ፥ ናብኡ ኣቢለ ክዛወር ዝመርጾ ምርጫ ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሃዋህው፥ ንሠናየይ ከም-ዘይኮነ እርድኦ ስለ-ዝነበርኩ እየ።  

ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ብዝቐረብኩ መጠን ድማ፥ ልበይ ዕጽፊ ይወቅዕ ከም-ዝነበረ ይፍለጠኒ ነይሩ። እቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ኩነታት፥ ቀሊል ክኸውን ከም-ዘይክእል ድሮ ይፍለጠኒ’ኳ እንተ-ነበረ። ንድሕሪት ኣቢለ ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል ግና ኣይነበረንን። ስለዚ’ውን “-ኣታ ጎይታይ-! ንዓኻ ጸግዕን ዋልታን ገይረ’የ መጺአ ዘሎኹ’ሞ፥ ንፍርሃተይ ቀንጢጥካ ናይ ትብዓት ጸጋን ሞጎስን ሃበኒ-” ኢለ ብምጽላይ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይታ ርእሰ-መምህራን ኣቶኹ። እቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ድግስ ድሮ ጽቡቕ ከም-ዘይከውን፥ ድሮ ተረዲኡኒ ስለ-ዝነበረ ግና፥ ምንም ንድሕሪት ዝምለሰሉ ምኽንያት ኣይነበረንን።

ብድሕር’ዚ ኣነ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ክኣቱን፥ እቲ መዓጻጹ ተረጊጡ ክዕጾን ከኣ ሓደ ኮነ። እታ ርእሰ-መምህራን ከኣ፥ ነታ ከምኣ ኣኽራሪት ዝነበረት ምክትላን ከምኡ’ውን ነቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ዲንን ጸዊዓ ኣምጽኣቶም። ማዕጾ ዕጽውጽው ኣቢላ ድማ ማንም ከይኣቱ ኢላ ትእዛዝ ኣመሓላለፈት። እቲ ኣብ ልዕለይ ዝነበራ ጽልእን ቁጥዓን ድማ፥ ከም ሃልሃልታ-ሓዊ ዝተፍእ እቶን መሲሉ፥ ኣብ ገጻ ይንበብ ነበረ። ከምቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ’ውን፥ ብሕይወት ክወጽእ ዝኽእል መሲሉ ይርኣየኒ ኣይነበረን። ክርስቶስ ዝኣክል ጎይታ ሒዘ ግና፥ ምንም እንተኾነ ‘ውን ዝፈርሆ ኣይነበረንን።

ስምዒ ብምባል ድማ፥ እታ ርእሰ-መምህራን ነቲ ዘረባ ጀመረቶ። “-ኣብቲ ናይ ሥራሕ መሰናበቲ ክወሃበኪ ዝሓተትክዮ ደብዳቤ፥ ቅድሚ ክታመይ ምንባረይ፥ እቲ ብዛዕባኺ ፈቐዶኡ ክዕለል ዝስማዕ ዘሎ፥ ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ካብ ኣፍኪ ክሰምዕ እደሊ ኣለኹ-” ብምባል፥ ነድሪ ብዝደፍኦ ኣዘራርባ’ያ ሓቲታትኒ። ኣነ ድማ ርግእ ብዝበለ መንፈስ “-ንምዃኑ እቲ ብዛዕባይ ዝሰማዕክዮ ወረ እንታይ’ዩ ?-” ብምባል ነቲ ሕቶኣ ብሕቶ መሊሰዮ።

ንሳ እታ ርእሰ-መምህራን ቀጺላ “-ጥውይውይ ዝበለ ዘረባ ኣነ ክሰምዕ ኣይደልን ‘የ። ክርስቲያን ኮንኪ ዲኺ ወይሲ ኣይኮንክን-? ነዚ ሓጺርን ንጹርን መልሲ እደሊ ኣለኹ -” ብምባል’ያ ዝሓተተትኒ። ኣነ ድማ “-ንምንታይ ነቲ ከምዚ’ሉ ዝነገረኪ ሰብ ዘይትሓትዮ-” ዝብል መልሲ ሂበያ። ኣብ መንጎ’ዚ እታ ምክትላ ድምፃ ዓው ኣቢላ “-ጎቦ ጎቦ ምባል ግደፍዮ’ሞ ትኽ ዝበለ መልሲ ሃቢ-” ኢላ ኣጓጠጠትለይ። ኣነ ድማ ካብቲ ንሳ ዓው ዝበለቶ ንላዕሊ ዓው ኢለ፥ “-ኣነ ቈልዓ ኣይኮንኩን። ኣብ ዕድመ 47-ዓመት ዝርከብ ዘሎኹ ሰበይቲ’የ። ብመንገዲ ዩኒቬርሲቲ ዝሓለፍኩ በዓልቲ ዲግሪ’ውን እየ። ብዛዕባ ናተይ ናይ ግሊ ሕይወት ከኣ፥ ንዓይ እምበር ንማንም ካልእ ዝግድሶ ኣይኮነን። ኣብ ሕይወተይ ጣልቃ ክኣቱ ከኣ፥ መሰል የብሉን፥ ኣነ’ውን ኣይፈቕደሉን እየ-” ዝብል መልሲ’የ ዝሃብኩ።

ኣብ መንጎ’ዚ እታ ም/ርእሰ-መማህራን ናባይ ቅርብ ኢላ፥ “-ንስኺኮ ንዓይ ኣስላመይቲ ኃውተይ ኢኺ። እስልምና ድማ ንዝተጋገየ ኣርሞ’ዩ ዝብል። ስለዚ ‘ውን ሕጂ ኣነ ንዓኺ ክእርመኪ ሓላፍነተይ እዩ -” ብምባል’ያ ዝተዛረበት። ኣነ ድማ “-ብዛዕባ ክሕግዘኪ’የ ምባልኪ የቐንየለይ። ኣነ ግና ንእምነት ብዝምልከት ሓገዝ ዘድልየኒ ሰብ ኣይኮንኩን-”  ዝብል መልሲ’የ ዝሃብኩ። ንሳ ድማ መሊሳ ዘረባኣ ብምቕጻል “-ንምዃኑ ንስኺ ክርስትናን ምስልምናን ብምንጽጻር፥ ክርስትና ቅኑዕ ሃይማኖት ምዃኑ ኣንቢብክን ተረዲእክን ማለት ድዩ -? ብምባል’ያ እናሓጨጨት ዝሓተተትኒ።

መሊሳ’ውን “-ወይሲ ቅድስት-ማርያም’ያ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ትፍጽምዮ ዝነበርኪ መስጐጕቲ፥ ደው ከተብልዮ ነጊራትኪ-? ” ዝብል ዘረባ ወሰኸት። ኣነ ግና እንታይ ከም-ዝኾንኩ እንድዒ፥ ደፊረ ኣነ ክርስቲያን’የ ንምባል ትብዓት ሰኣንኩ። ብርግጽ’ውን እቲ ሽዕኡ ዝነበረኒ ኣቕዋም፥ እግዚኣብሔር ዝሕጐሰሉ’ዩ ነይሩ ክብል ኣይክእልን። ድኽመት የርኢ ከም-ዝነበርኩ’ውን ይስመዓኒ ነበረ። ኣብ ክንዲ ትኽ ኢለ፥ ብራእይ ምስ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ተራኺበ’የ፥ ኢለ ዝምስክር ድማ፥ እንታይ ከም-ዝወረደኒ ጎቦ ጎቦ ምባል’የ ዘብዛሕኩ። ንኣምላኸይ ዝኸሓድኩ ኮይኑ ስለ-ዝተሰምዓኒ ድማ፥ ንነፍሰይ ወቂሰ ኣምሪረ ሓዘንኩ።

እታ ርእሰ-መማህራን ቀጺላ “-እቲ ብሕልሚ ተራእዩኒ እትብልዮ መን’ዩ ነይሩ ኢኺ ትብሊ-?” ብምባል’ያ ዘፋጠጠትለይ። ኣነ ድማ “መልኣኽ እግዚኣብሔር’ዩ  ነይሩ-” ዝብል መልሲ’የ ሂበ። ብድሕር’ዚ ነንሓድሕደን ብምጥምማት “-ካብ ሕጂ ንደሓር ኮለል ምባል ኣየድልን’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣብ ምንታይ ዓዘቕቲ ኣቲኺ ከም-ዘሎኺ፥ ብዝግባእ ተፈሊጡ ኣሎ። ከማኺ ዝኣመሰለት ሰብ ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ብሕይወት ክትነብር ኣይፍቀዳን እዩ። ናይ ጥሮታ መሰል ‘ውን ንዓኺ ዝምልከተኪ ኣይኮነን። ዋጋ ክሕደትኪ ክትክፈሊ ኣሎኪ-” ብምባል‘የን ክልቲአን ንሞት ዝፈረዳኒ።

ኣነ ግና ካብቲ ተሓቢኤዮ ዝወዓልኩ፥ ናይ ሕመቕ በዓቲ ብምውጻእ። እንድዒ እቲ ድፍረት ካበይ ከም-ዝረኸብኩዎ። ናብታ ርእሰ-መማህራን ትኩር ኢለ ብምጥማት “-በሊ ሕጂ ይኣኽለኪ-! ዝደለኹ ክኸውን ከኣ ናተይ መሰል’ዩ። የግዳስ ነቲ ወረቐት ፈርሚ ብምባል’የ ዘፋጠጥኩላ። ብግዲኣ ንሳ’ውን ስለ-ዝተዳህለት፥ ዝኾነ ነገር ክትብል ድፍረት ኮነ ዓቕሚ ኣይነበራን። ሱቕ ኢላ ድማ ኣብቲ ናይ ሥራሕ መልቀቒ ደብዳቤ፥ ክታማ ከተንብር ተገዲዳ። ብጠቕላላ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ድማ፥ ከተኣማምነኒ ዝኽእል ብዘይ ምንባሩ፥ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ከም ሓውሲ ህድማ፥ ቀልጢፈ ክወጽእ’የ ዝተሃወኽኩ። ከመይሲ ኣብ ሕይወተይ ሓደጋ ንምፍጻም፥ ክኽልክሎም ዝኽእል ገደብ ስለ-ዘይነበረ፥ ኣብኡ ተኣማሚነ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይነበረንን።

በዚ ኣገባብ’ዚ ካብኣተን ኣምሊጠ’የ ብምባል፥ ካብ ቀጽሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ ወጺአ ክኸይድ እንተበልኩ ድማ፥ ሰብ ብቐሊል ክወጽእ ከም-ዘይክእል ኮይኑ’ዩ፥ እቲ ዓቢ ማዕጾ ተረጊጡ ዝጸንሓኒ። እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ኃይሊ ስለ-ዝሃበኒ ግና፥ ከመይ ገይረ ከም-ዝኸኣልኩዎ እንድዒ፥ ነቲ ኣብኡ ተኾሚሩ ዝነበረ ኩሉ፥ብቕጽበት’የ ብትንትን ኣቢለ ዝደርበኹዎ። ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ሓጹር፥ ፈንጢሰ ክወጽእ ምኽኣለይ፥ ደሓር ክሓስቦ ከለኹ ንዓይ’ውን ይገርመኒ’ዩ። ንሳተን ኣብቲ ዓቢይ-ማዕጾ፥ ደው ኢላ ክትጽንሕ’ያ ዝብል ግምት ስለ-ዝነበረን፥ ደንጉየን’የን ካብቲ ዝነበርኦ ቤት-ጽሕፈት ዝወጻ። ነቲ ኩሉ ዝተገብረ ጋዕገልጠም ኣልየ ክወጽእ ከም-ዝቐረብኩ ምስ-ረኣያ ግና፥ ንክሕዛኒ ከም- ዝዓበደ ተጓይየን እየን። ድሮ ነቲ ንሳተን ኣጻዊደናለይ ዝነበራ ሓጹር ስለ-ዝሰገርኩዎ ግና፥ ከምቲ ዝሓሰብኦ ክዕወታለይ ኣይከኣላን።

እቲ ንሕይወተይ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ዝነበረ ፈተና፥ ሓሊፈ ምኻደይ’ኳ እንተረጋገጽኩ፥ እቲ ፍርህን ስምባድን ግና ብቐሊል ክወጸለይ ኣይከኣለን። ካልእ ዝተዳለወለይ ፈተና ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢለ ስለ-ዝገመትኩ’ውን፥ ንጽላሎተይ’ውን ክኣምን ይኽእል ኣይነበርኩን። ኣብ መንገዲ እናተጓዓዝኩ ከለኹ፥ ዓይነይ ካብ ምንባዕ ክኽልከለለይ ኣይከኣለን። ስለ-ዝተደሃልኩ’ውን ክኣምኖ ዝኽእል ሰብ ዝርከብ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ድማ፥ ድኻም ስለ-ዘሸነፈኒ ቃንዛን ስቓይን ገበረለይ። ኩሉ ሕውስው ኢሉ’ውን ኣድክም ኣበለኒ።

መሊሰ ካብ ድቃሱ ከም-ዝተባራበረ ሰብ ኮይነ ግና፥ ንድሕሪት ተመሊሰ ርግእ ኢለ ክሓስብ ጀመርኩ። እቲ ኣብ ራእይ ዮሓንስ “-ብዛዕባ’ቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍራህ። ክሳብ ሞት እሙን ኩን። ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ-” ተባሂሉ ዘሎ’ውን ከስተንትን ጀመርኩ። ነቲ ናይ ሕይወት ኣኽሊል ንምርካብ ድማ፥ ክሳብ ሞት እሙን ኮንካ ምርካብ ከም-ዘድሊ፥ ግልጺ ክኾነለይ ከኣለ። ነቲ ኣጋጢሙኒ ዝነበረ ንእሽቶይ ፈተና፥ ብትብዓት ክወጾ ብዘይ-ምኽኣለይ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጎይታይን መድኃኒየይን ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ከመስግነኒ ዘይክእል ድኽመት ከም-ዝፈጸምኩ ስለ-ዝተረድኣኒ፥ ኣምሪረ በኸኹን ሓዘንኩን። (ራእ.2/10)

በዚ ድማ ናብቲ ንዓይ ንባርያኡ ንምሕላው፥ ፈጺሙ ዘይድቅስን ዘይታኸስን እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ኣቢለ ብምጥማት፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቐ ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ጸለኹ። “-ኣታ መሓርን ይቕረ  በሃልን ዝኾንካ ሕያው-ኣምላኽ-! ኣነ ድኽምቲ ብምዃነይ ምኽንያት፥ ኣብቲ እዋን ፈተና፥ ነቲ ቅዱስ-ስምካ እምንቲ ኮይነ ክርከብ ብዘይ-ምኽኣለይ፥ ኣሕዚነካ እየ’ሞ ይቕረ በለለይ። ብዝተረፈ ብዘይካ ጸጋኻ፥ ኣነ ባዕለይ ጸኒዐ ደው ክብል ከም-ዘይክእል፥ ድሮ ርኢኻኒ ኢኻ። ስለዚ ኣብ ቅድሜኻ እምንቲ ኮይነ ክርከብ ዘኽእለኒ፥ ርድኢትን እምነትን ትብዓትን ክትዕድለኒ’የ፥ ኣብ ቅድሚ መንበረ-ታቦትካ ወዲቐ ዝልምን ዘለኹ-” ብምባል ጸሎተይ ኣብጻሕኩ።

ይ ቕ ጽ ል

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል |

 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል | 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div