S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (9ይ-ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን 9ይ - ክፋል

20-ታሕሳሥ 1988 / ክሳብ ዝኸውን፥ እቲ መዓልታት ካብቲ ዝተለምደ ካልእ ግዜ፥ ቀልጢፉ ክመስን ክወግሕን ዘይክእል ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ብዝኾነ እዛ ፍልይቲ መዓልቲ እዚኣ ግና፥ ካብ ድቃሰይ ኣንጊሀ ድሕሪ ምትንሥአይ፥ ሰዓት-12 እየ ገና ንግሆ ከሎ ኣንጊሀ ዝገስገስኩ። ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ከሎኹ፥ እናሰጎምኩ ዘይኮነ እናተወንጨፍኩ ዝኸይድ ዝመስል ዝነበርኩ። በዚ ፍጥነት ድማ ቀልጢፈ ኣብኡ ክበጽሕ ክኢለ። እታ ናይ ክርስትና ኣደይ ክትከውን ዝነበራውን፥ ቀዲማትኒ ኣብኡ ጸንሐት። ክንደይ እተሕጉስ ብርህቲ ፀሓይ ዝነበረቶ መዓልቲ ይመስለኩም። ብልበይ ድማ ናይ ብሓቂ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ሎሚ በልኩ።

ከምዚ ኢልና ድማ ናብቲ ላዕለዋይ-ደርቢ ወጻእናሞ፥ እቶም ካህን ቀሲስ ጴጥሮስ ክሳብ ዝመጹና ቁሩብ ተጸበና። ልበይ ድማ ብሓጎስ ተመሊኡ ከም-ዝነበረ፥ እቲ ሙቐት መንፈስ-ቅዱስ ኣብ ውሽጠይ ይስመዓኒ ነበረ። ድሕሪ ቁሩብ ምጽባይ ድማ ስጉምቲ እግሪ ሰማዕኩ። ናይቶም ካህን ክኸውን ከም-ዝኽእልውን ኣይተጠራጠርኩን። ብርግጽውን እቶም ብሩህ ገጽ ዝነበሮም ካህንዮም መጺኦም። ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ድማ ንነፍስ-ወከፍና ሰላም በሉና። እቲ ኣብ ገጾም ዝነበረ ግርማ ሞገስ መቸም፥ ከቶ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን።

ብድሕሪ ንሶም እናመርሑና፥ ናብቲ ሥርዓተ-ጥምቀት ዝፍጸመሉ ክፍሊ በጻሕና። ኩላትና ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ኣንፈትና ብምግባር፥ ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ በልና። ብድሕሪ ድማ ተመሊስና ኣንፈትና ንምብራቕ ድሕሪ ምግባር፥ ኣነ ብዛዕባ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ዘሎኒ እምነት፥ ምስክርነተይ ክህብ ዕድል ስለ-ዝተዋህበኒ፥ ንጎይታይን ኣምላኸይን ዘሎኒ ፍቕሪ ገለጽኩ። ክዳውንተይ ንኸውጽእ ዕድል ክህቡኒ ድማ፥ እቶም ካህን ካብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ክወጹ ኣድለዮም።

ብድሕሪ ድማ ናብቲ ሕይወተይ ክቕይር ዘለዎ መወዳእታ ምዕራፍ በጻሕና። ከምዚ ኢለ ድማ ናብቲ ክጥመቐሉ ዘሎኒ ገንኢ ኣቶኹ። ንሰውነተይ ማይ ክትንክፎ ከሎ ድማ፥ ኣብ ክንዲ ዝቘርር ፍሉይ ዝኾነ ናይ ሓጎስ ስምዒት ተሰምዓኒ። ከምቲ ዝበለ ፍሉይ ሓጎስ ድማ፥ ኣብ ሕይወተይ ምሉእ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። እቲ ሽዕኡ ዝተሰምዓኒ ስምዒት ክገልጾ እንተ-ደለኹውን፥ ንዕኡ ክገልጽ ዝኽእል ፍሉይ ቃላት ክረክብ ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ግና፥ እቲ ሕያው ኣምላኽ ብዝህበኒ ጸጋ፥ ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ገይረ ክገልጾ ተስፋ ኣሎኒ።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ማይ ምስ-ኣቶኹ ዝተሰምዓኒ ስምዒት፥ ናይ ኤሌትሪክ ኃይሊ በቲ ኩሉ መስመር መትንታተይ ዝሓልፍ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዚ ሕጂ ዝተሰምዓኒ ሓጎስ ዘለዎ ስምዒት፥ ኣብቲ ሓደ ግዜ ንጎይታ ብራእይ ዝረኣኹሉ ግዜ፥ ተንበርኪኸ ኣብ ዝጸለኹሉ ግዜ እንተዘይ-ኮይኑ፥ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን። እቲ ናይ ሽዕኡ ሓጎስ መቸም፥ ልዕሊ ቃላት ክገልጹዎ ዝኽእሉ ስለ-ዝነበረ፥ መንፈስ-ቅዱስ ፈቒዱለይ ንዕኡ ዝበቅዕ ቃላት ክረክብ ክሳብ ዝኽእል፥ ከምቲ ዝበልኩዎ ተወንዚፉ ክጸንሕ ዝመርጽ።

ኣብ ውሽጢ ማይ-ጥምቀት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ እቶም ካህን ቀሲስ-ጴጥሮስ “-ገለ ዝሓዝክዮ ስምዶ ኣሎኪ-?-” ኢሎም ተወኪሶሙኒ። ኣነ ግና ብቤተ-ክርስቲያን ዝወሃበኒ ስም ክህልወኒ ስለ-ዝመረጽኩ “-በጃኹም ኣቦይ ባዕልኹም ምረጹለይ-” ኢለዮም። ንሶም ድማ “-በሊ እግዚኣብሔር “-ፌቤን-” ዝብል ስም መሪጹልኪ ኣሎ-”  በሉኒ። ኣነ ድማ “-ሕራይ ከምኡ ይኹነለይ-” ኢለ ተሰማማዕኩ። ከምዚሎም ድማ ኢዶም ኣብ ርእሰይ ኣቐሚጦም “-ኣቲ ፌቤን-! ብስም ኣብ የጥምቐኪ ኣሎኹ-” ኢሎም ናብ ውሽጢ ገንኢ ኣቢሎም ምስ-ደፍኡኒ፥ ኣብቲ ማይ ኣቶኹ። ኣዕንተይ ድማ ከፈትኩወን። እቲ ውሽጠይ ከኣ ብሓጎስ ተመሊኡ ነበረ።

ከም-እንደገና ድማ “- ኣቲ ፌቤን-! ብስም ወልድ የጥምቐኪ ኣለኹ-” ብምባል፥ መሊሶም ናብ ውሽጢ ማይ  ድፍእ ኣበሉኒ። ሕጂውን ካልእ ዘሐጉስ ትርኢት ደጊመ ክርኢ ዝኸኣልኩ። በቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ከለኹ፥ ዝርእዮ ዝነበርኩ ትርኢት ስለ-ዝተመሰጥኩ ድማ፥  ኣብቲ ውሽጢ ማይ ነዊሕ ክጸንሕ ደለኹ። ክኾነለይ ግና ኣይከኣለን። ሕጂ ድማ ንሣልሳይ ግዜ “-ኣቲ ፌቤን-! ብስም መንፈስ-ቅዱስ የጥምቐኪ ኣለኹ-” ብምባል፥ ናብ ውሽጢ ማይ ኣቢሎም ድፍእ ምስ-ኣበሉኒ። ክገልጾ ዘይኽእል መጠን ዘይብሉ ሓጎስ ተሰምዓኒ።

ካብቲ ማይ ምስ-ወጻእኩ ከኣ፥ እቶም ካህን ቀሲስ ጴጥሮስ “-እግዚኣብሔር ጸጋ መንፈስ-ቅዱስ ንኽዕድለኪ ጸልዪ-” ኢሎሙኒ። ኣነ ድማ ኣብቲ ዝተጠመቕኩሉ ገንኢ ኮይነ “-ኣታ መፍቀር ሰብ ዝኾንካ ርሕሩሕን መሓርን፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽ-! ንክቡራን ደቀ-መዛሙርትኻ ከም-ዝዓደልካዮም፥ ንዓይውን በጃኻ ጸጋ መንፈስ-ቅዱስካ ዓድለኒ-”  ኢለ ጸለኹ። ኣብቲ ጸሎት ከለኹ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሔር ኢድ ዝድህስሰኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ቀጺለ ድማ “-ኣታ ጎይታይ-! ሕይወተይ መሥዋዕቲ ገይረ ንዓኻ አቕርብ ኣለኹ። ኣነ ደጊም ናትካየ። እቲ ናተይ ዝኾነ ኩሉ ከኣ ናትካዩ። ሕይወተይ ኩሉ ንዓኻ የወፊ ኣለኹ። ስለዚ ድማ እተን ዝነብረን ዓመታት ይብዝሓ ይውሓዳ ብዘየገድስ፥ ንዓኻ መባእ ገይረ ሂበየን እየ። ካብ ናትካ ምዃን ዝዓቢ ድማ፥ ካልእ ዝምነዮ ነገር የብለይን።

ብድሕሪ ቀሲስ-ጴጥሮስ ገጸይን ኣእዳወይን፥ ብቅብዓ-ሜሮን ገይሮም ቀቢኦሙኒ። ምስጢረ-ሜሮን ማለት ከኣ፥ ሓንቲ ክርስቲያን ነፍሲ ምስ-ተጠመቐት፥ ጸጋ መንፈስ-ቅዱስ ንምቕባል ዘኽእል፥ ሥርዓት ቤተ-ክርስቲያን ምዃኑ ዝእመን። ብድሕሪ ናይ ጥምቀት ሥነ-ሥርዓት ምስ-ተወድአ፥ ክዳውንተይውን ምስ-ተኸደንኩ፥ ምሉእ ሓጎስን ቅሳነትን ተሰመዓኒ። ክገልጾ ዘይክእል እጹብ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢርዩ። ንምዃኑ ኣነኮ ካልእ ፍጥረት ኮይነ። ሕጂ እታ ናይ ቀደም ሰብ ኣይኮንኩን። በቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ክርስቶስ ካብ ዝኣምን ሓደ ዓመት ኮይኑኒ ኣሎ። ሎሚ ግና ንዓይ ዝተፈልየት መዓልቲ እያ። ካብ መጽሓፍ-ቅዱስ ደጋጊመ ከም-ዘንበብኩዎ እንተደኣ ኮይኑ፥ ነፍስ ወከፍ ቃል ኣብ ዝኾነ መዓልቲ፥ ናይ ገዛእ ርእሳ ምስጢር ዘለዋ።

እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን ኣብኡ ዝውከሉ ድማ ዕዉታትዮም (መዝ. 33/8)

እንሆ እምበኣር እግዚኣብሔር ክዛረበኒ ከሎ ሰማዕኩ። “-ሕጂ ድምፅኺ ዓው ኣቢልኪ ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ-” ድማ በለኒ። እቶም ኣሲሮሙኒ ዝነበሩ ሰንሰለታት ድማ፥ ብጥስጥስ ኢሎም ክበታተኹ ተሰምዓኒ። ሕጂ ኣስላም እንተቐተሉኒውን ግዲ የብለይን። ሕጂ ምስኻ እየሞ፥ ካልእ ዝደልዮ የብለይን። ብዛዕባኻ ክምስክርየ። ፈጺመ ምምስካርውን ኣየቋርጽን እየ። ክዛረብ-! ክዛረብ-! ገናውን ክዛረብየ። ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን፥ ብዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚውን ብዛዕባኻ ክምስክርየ፥ ድማ በልኩ።

ብምቕጻል ካብቲ ብክርስትና ዝተወለድኩሉ፥ ካብቲ መጠመቒ ቦታ ወጺአ፥ ቅዱስ-ቁርባን ንምቕባል ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቶኹ። ኣየ እዛ መዓልቲ እዚኣስ፥ ከመይ ዝተቐደሰት መዓልቲ እያ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክርኢ ክናፍቕ ዝነበርኩ። ሕጂ ግና ከምቲ ሓንቲ መርዓት፥ ኣብ መዓልቲ መርዕዓ ዝስምዓ፥ ናይ ሓጎስ ስምዒት ዝስመዓኒ ዘሎ። ኣብ ኣየር ነፊረ ዝኸይድ ዘሎኹ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹ ኮይኑውን ኣይስመዓንን።

ሕጂ ቅዱስ-ቁርባን ንምቕባል ኣብ ቅድሚ ካህን ቀሪበ ዘለኹ። እዚ እቲ ንኽበጽሖ ነዊሕ ዝተጸበኹዎን ሃረር ክብሎ ዝጸናሕኩን እዩ። ሕጂ ግና እንሆ ጎይታ ብጸግኡ ስለ-ዝፈቐደለይ፥ ናይዚ ክቡርን ቅዱስን-መኣዲ ተሳታፊት ንምዃን በቒዐ ኣለኹ። ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝኾነ ነገርዩ። ኣየ ክንደይ ኮን ተዓዲለ እየ-!! ሥጋ ጎይታይ በሊዐ፥ እቲ ቅዱስ-ደሙ ንኽሰቲውን ዕድል ረኺበ። እዚ ናይ እግዚኣብሔር ድንቂ ዝኾነ ሥራሕነቶም ብፍጹም ልቦም ዝኣምኑዎ ድማ፥ ብሓቂ ቃል-ኪዳኑ ይፍጽመሎምዩ።

                              ( ምዕራፍ - 5 )

                          ኣብ ትሕቲ መስቀሉ

ምስ ጎይታይ ኢየሱስ-ክርስቶስ ምንባር፥ ከመይ ዝበለ ጽቡቕን ዘሐጉስን ነገር ይመስለኩም። ኣብ ትሕቲ መጓሰ ቀሲስ-ጴጥሮስ ኮይነ፥ ጽቡቕ ሓለዋን ፍቕርን ረኺበየ። ድሕሪ ምጥማቐይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን እናኸድኩ፥ ቅዱስ ቁርባን ምውሳድ ኣየብኮርኩን። እቲ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝነበረኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት፥ ብኸመይ ክቕጽሎ ከም-ዝኽእል ካብ ዘጨነቐኒ ዝነበረ ሓደዩ። ኣብ ዕለታዊ ናይ ሥራሕ ንጥፈታተይ፥ ከምቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ሕይወተይ ኮይነ፥ ክኽቕጽሎ ከም-ዘይክእል ይርደኣኒ ስለ-ዝነበረ፥ ምስቲ ሓላፍነተይ ምጥዕዓም ከይኣብየኒ፥ ዘጨንቐኒ ጉዳይ ነይሩ። ማለት እቲ ዝተቐበልኩዎ ሓዲስ ክርስቲያናዊ-መንነት፥ ክሳብ መዓስ ሓቢአ ክሕዞ ዝኽእል-? ዝብል ሕቶ ዘጨንቐኒ ዝነበረ።

ከመይሲ ኩሎም ዝረኸቡኒ ሰባት “-እንታይዶ ዝገበርክዮ ለውጢ ኣሎ-?-” እናበሉ ዝሓቱኒ ብዙሓትዮም። ገሊኦም ድማ “-ተለዊጥኪ እኮ ኢኺ ይብሉኒ-” ሓቃቶም ድማዮም ኣነ እታ ናይ ቀደም ናህድ ሙትዋሊ ኣይኮንኩን። ብብዙሕ ዝተለወጥኩ ሰብየ። ከም-ዝተለወጥኩ ድማ ማንም ክርድኦ ዝኽእልዩ። ስለ ድማ “...-ጎይታይ-! ኣብ ውሽጠይ ብምህላውካ ክንደይ ኮን ተዓዲለ እየ-!! እወ ካብቲ ቀደም ዝነበረኒ ዝሩግ ሕይወት፥ ብጸጋኻ ብዙሕ ተለዊጠ ኣለኹ። እቶም ቀደም ዝፈልጡኒ ዝነበሩ ሰባት፥ ክጋገዩኒ ክሳብ ዝኽእሉ ለውጢ ክገብር ምኽኣለይ፥ ናይቲ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ዘሎካ ሓልዮትን ፍቕርን ውጽኢትዩ። በል ጎይታይ ሕጂውን ሕልናይን ልቦናይን ንዓኻ ሂበካ ኣለኹ። እዚ ናይ ትምህርቲ ዘመን ክሳብ ዝውዳእ ድማ፥ እቲ ኣከያይዳይ ከይተለወጠ ከምኡ ክቕጽል ብረድኤትካ ኣይትፈለየኒ....” ኢለ ጸለኹ።

ከምዚ ድማ እቲ ብመንፈስ ዝተወለድኩሉ 1988 /  ተጠናቒቑ። ንዕኡ ተኸቲሉ ድማ 1989 / መጺኡ። እዚ ሓዲሽ-ዓመት ዝተቐበልኩዎ ከኣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኮይነየ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ድማ ከምዚ ብምባል ጸለኹ “....-ጎይታይ-! ንዓኻ ከመስግን ኣብ ቅድሜኻ ቈይመ ዝርከብ ዘለኹ። እወ ኣታ ጎይታይ-! እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንዓይ ናይ ብዙሕ በረኸትን ጸጋን ዓመት ኮይኑለይ። ምሳኻ ካብ ዝፋለጥ ጀሚረ ሕይወተይ ተባሪኹን ተቐዲሱን እዩ። እቲ ዝመጽእ ግዜውን ብጸጋኻ ሠናይ ከም-ዝኾነለይ እኣምንየ። እግዚኦ መሓረነ-ክርስቶስ ...” ብምባል ድማ ደምደምኩዎ።

ግዳስ መንፈሰይ ክዓርፈለይ ስለ-ዘይከኣለ፥ ኣብ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ኣትየ ምጽላየይ ክቕጽል ግድን ኮነኒ። ማለት እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፥ በብግዚኡ ክርእዮ ዝጸናሕኩ ራእይ ከደቅሰኒ ኣይከኣለን። እወ ኣነ ብራእይ ንጎይታ ናይ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡ ርእየዮየ። እቲ ነጠብጣብ ደም ክወርድ ከሎውን ከምኡ፥ ኣዕይንተይ ርእየንኦ እየን። ጸጉሩን ጭሕሙንውን ብደም ጠልቅዩ ከሎ ርእየዮ እየ። እቲ ዝበጽሖ መከራን ስቓይንውን ብዓይነይ ክርእዮ ተዓዲለ እየ። እቲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ክቕበሎ ዝረኣኹዎ መከራ-መስቀል፥ ከቶ ክርስዖ ዝኽእል ብዘይ-ምዃኑ፥ ኣብ ሕልናይ ተሳኢሉ ይነብር ኣሎ።

እዚ ኩሉ ከኣ ከም ፊልም፥ ኣብ ናይ ሕልናይ ሰሌዳ ተቐሪጹ፥ ብቐጻሊ ይርኣየኒ ነበረ። ክጻወሮ ምኽኣል ክሳብ ዝስእንውን ስቓይ ኮነኒ። እቲ ክንድ ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ጎይታና ዝወረደ መከራ-መስቀል ከኣ፥ ክጽወር ይከኣል ዝበሃል ኣይነበረን። እዚ ድማ ካብ ቅድሚ ገጸይ ዘይጠፍእ፥ ቀዋሚ ስእሊ ኮይኑ ሓቢሩኒ ዝጐዓዝ ዘሎ። እቲ ኣብ ጎይታ ዝረኣኹዎ ስቓይ ከኣ፥ ከቶ ካብ ኣእምሮይ ክጠፍእ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ንዓይ ከም-ዘየቋርጽ ፊልም፥ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፥ ቀዋሚ ስእሊ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ብዝኾነ ምጽንናዕ ክረክብ ብምባል፥ ናብቶም ክቡር ካህን ናብ እንዳ ቀሲስ-ጴጥሮስ ኣምሪሐ ዝኸድኩ። ብዛዕባ ብቐጻሊ ዝርእዮ ዘሎኹ ናይ ጎይታ መከራ-መስቀልውን ኣዘንቲየሎም። እቶም ብትሕትና ዝፍለጡ ካህን ድማ “... ጎይታ ክሳብ ክንደይ ምእንቲ ኃጢኣትና፥ ከም-ዝተሳቐየ ክትፈልጢ ይደልየኪ ስለ-ዘሎ...” ብምባል ድማ፥ ብዛዕባ ብቐጻሊ ዝርእዮ ዝነበርኩ መከራ-መስቀል ምሂሮምንን ኣጸናኒዖሙንን። በዚ ድማ ኣነውን ምእንቲ ቅዱስ ስሙ ክብል፥ መከራን ፈተናን ክቕበል፥ መስቀለይውን ክጸውር ከም-ዘሎኒ ተረዳእኩ። ጎይታይ ብርታዐን ጽንዓትን ክህበኒ ከኣ ጸለኹ።

ኣነ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ፥ ካብ ዝውለድ ብዘይ ሕማም ነፃ ኮይነ ዝሓለፍኩዎ ግዜ የልቦን። በብግዚኡ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ዝሓመምኩሉ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን። እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ስለ-ዘድኃነኒ ግና፥ ጫፍ-ሞት ጥዒመ ዝተመለስኩሉ እዋናት ብዙሕዩ። 1988 / ግና ብዘይ ዝኾነ ሕማምን ጸገምን ክሓልፋ ዝኸኣልኩ። በቲ ዝተገብረለይ ጸጋ ድማ፥ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ኣመስገንኩ።

ኣነ ብሕጊ ዝተመርዓኹን ኣደ ሠለስተ ቈልዑትን እየ። እቲ ሕይወተይውን ኣብ ዙርያ ቤተ-ሰበይ ዝተሓጽረዩ። እቲ ዝሠርሓሉ ቤት-ትምህርቲ ድማ፥ ንዓይ መንግሥተይን ግዝኣተይን ነይሩ። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ ኣነ ከምዲንጥራይ ዘይኮነስ፥ ከም ሓንቲ ንግሥቲ ኮይነ ሓሊፈዮ። ልዕሊ ኩሉ ዝፈትዎ ነገር ይህሉ ይኸውንዩ፥ ኢለውን ሓሲበሉ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግና ካብ ጎይታይ ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ-ሰብ ኢሉ፥ ዝተቐበሎ መከራ-መስቀል ዝበልጽ፥ ካልእ ነገር ከምዘየሎ ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ።

ብዝተረፈ ኣነ ካብ 1964 ክሳብ 1983 በዓልቲ-ሓዳር ኮይነ ዝጸናሕኩ ሰብየ። እቲ ሓዳር ብቐሊል ክፈርስ ዝኸኣለ ግና፥ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ብናይ እግዚኣብሔር መደብ ዝኾነ በሃሊት እየ። ከምዚ ክብል ዝኸኣልኩሉ ምኽንያት ድማ፥ ማለት ኣብ ሚያዝያ 1980 ኣብ ማሕጸነይ ከቢድ ሕብጠት ስለ-ዘጋጠመኒ፥ ኃውተይ ትሠርሓሉ ኣብ ዝነበረት ኤይን-ሻምስ ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል ደቂሰ ነይረ። እቲ ውጽኢት መርመራ ድማ መንሽሮ ተባሂሉ ተነግረኒ። በዚ ምኽንያት ድማ፥ ኦፐረሺን ክገብር ዘድልየኒ ኮይኑ ተረኺቡ። ግዳስ እቲ ሕማም ስለ-ዝበርትዓኒ፥ እቲ ቃንዛ ክጻወሮ ብዘይ ምኽኣለይ፥ ሃለዋተይ ክፈልጥ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት በጻሕኩ።

ከምዚ ኩነታት ጥዕናይ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ስለ-ዝበጽሐ ድማ፥ እቲ ሆስፒታል ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፥ ንጥንቃቐ ዝኣክል ናይ በዓል-ቤተይ ተሌፎን ክወስዱ ነይሩዎም። በዚ ድማ ቁጽሪ-ተሌፎኑ ኣብኡ ከም-ዝገድፍ ኮይኑ። ብድሕሪ እቲ ዶክተር እናመርመረኒ ከሎ፥ ብሃንደበት ኣእምሮይ ክስሕት ከኣልኩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ሓካይም፥ ካብ ሞት ከድኅኑኒ ብዙሕ ጻዕሪ ኣካየዱ። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ተስፋ ዘቝርጽ መሲሉ ስለ-ዝተራእዮም፥ ነቲ ቀጺሉ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ክጽበዩ ግድነት ኮኖም።

ብናይ እግዚኣብሔር ተኣምራታዊ ሥራሕ ግና፥ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ክምለስ ክኢለ። ኣብ መንጎቶም ከቢቦሙኒ ዝጸንሑ ሰባት ግና፥ በዓል-ቤተይ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ከም ትምኒተይ ኣነሞ፥ መጀመርታ ንዕኡ ክርኢ ድሌተይ ዝነበረ። ድለዩዎ እንተበልኩ ግና ክርከብ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ብናተይ ሕማም ምኽንያት ጭንቀት ስለ-ዝገበረሉ፥ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ከይዱ ክቕመጥ ኣድልዩዎ። ኣብ ገጹውን እዚ ዝንበብ ነይሩ። ኣነ ግና እቲ ተግባሩ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን።

ከመይሲ ንሕይወትውይ ኣብ ዘስግእ ኣዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ምህላውይ እናፈለጠ፥ ከመይ ኣቢሉ ቤት-ጽሕፈቱ ዓጽዩ ክቕመጥ ከኣለ-? እዚ ንዓይ ክርድኣኒ ዘይከኣለ ተግባር ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፥ ካብኡ ክፈላለ ወሲነ። ሓንሳእን ንሓዋሩን ድማ ኣብ 1983 ተፋላሊና። ከም-ዝፍለጥ ብሕጊ ምስልምና፥ ሓንቲ ኣስላመይቲ ጓለንስተይቲ፥ በዓልቲ-ሓዳር እንተደኣ ኮይና፥ ሓሳባታ ኮነ ናይ ሃይማኖት መሰላታ ንኽትገልጽ መሰል ዘለዋ ኣይኮነትን። ካልእሲ ይትረፍ ብዘይ ፍቓድ በዓል-ቤታ፥ ንበይና ክትገይሽ ኣይፍቀዳንዩ። ተሳጊራቶ ክትሓልፍ ዘይትኽእል ብዙሕ ሓጹር ዘለዋ።

ብዝኾነ ሓደ መዓልቲ ምስቲ ግርማ-ሞገስ ዘለዎ ጽቡቕ ወደይ፥ ብእግርና እናተጓዓዝና ከሎና፥ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ብድሕሬና መጺኡ፥ ብብሽግሌታ ገይሩ ሕቘይ ገጭዩኒ። እቲ ቈልዓ ፈሊጡ ዝገበሮ ከይኮነ፥ ካብ ሓደጋ-መኪና ክሃድም ክብል ዝገበሮዩ። ግዳስ በቲ ዘጋጠመኒ መውቃዕቲ ክወድቕ ስለ-ዝኸኣልኩ፥ ኣብ እግረይ መስበርቲ ከጋጥመኒ ክኢሉ። በዚ ድማ ወደይ ናብ ሆስፒታል ክወስድኒ ግድነት ኮይኑዎ። ኣዕጽምተይ ኣብ ልዕሊ ምስባሩ፥ ብዙሕ ደምውን ፈሲሱኒ እዩ። ብድሕሪ ምሕካመይ እንዳ-ኃወይ ከይደ ዝደቀስኩ። ካብቲ ሕማመይ ንላዕሊ ዘተሓሳሰበኒ ግና፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ከንብብን ቤተ-ክርስቲያንን ክኸይድ ዘይምኽኣለይ እዩ።

ናብ 10ይ - ክፋል ይ ቕ ጽ ል

ዝሓለፉ ጽሑፋት

8.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 8ይ-ክፋል

7.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 7ይ-ክፋል

6.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 6ይ-ክፋል

5.“ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 5ይ-ክፋል

4. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 4-ክፋል

3. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 3-ክፋል

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”- 2-ክፋል

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”-1-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div