S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (3ይ-ክፋል)

(ብካህን ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን ዝተተርጎመ)

ምዕራፍ - 2

ለከ እግዚኣብሔር ክሳብ ክንድቲ፥ ኣሸጋሪትን ትዕቢተኛን ክኸውን ዝገደፈንስ፥ ብኣይ ገይሩ ክገልጾ ዝደሊ ናቱ ዕላማ ነይሩዎዩ። ንሱ እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ፥ ኩሉ ነገር ንዕኡ ኢለ ንኽገድፎ፥ ክምህረኒ ዕላማ ነይሩዎዩ። ከመይሲ ኣነ ኣይሽነፍን በሃሊት፥ ምቕማጠይ ላዕልን ቅድሚትን እምበር፥ ማዕረይን ክንዳይን ኢለ ዝሓስቦ ሰብ ዘይብለይ። ኣንቀጥቂጣ ትገዝእ ናይ ቤት-ቤት ትምህርቲ ንግሥቲ ብምዃን፥ መወዳድርቲ ዘይብለይ ገይረ ንነፍሰይ ዝሓስባ ዝነበርኩ። እቲ ኩሉ ግን እግዚኣብሔር ንኻልእ ተልእኮ የዳልወኒ ነይሩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፥ ብሥልጣን ኮነ ብገንዘብ ከምኡውን ክብሪ፥ እዚ ጎዲሉኒ ዝብሎ ነገር ኣይነበረንን። ብሕልናይ ንነፍሰይ ክፍትሻ ከሎኹ ግን፥ ገለ ዘይብለይ ባዶ ኮይኑ ስለ-ዝስምዓኒ፥ ዝስምዓኒ ጓህን ሓዘንን ወሰን ኣይነበሮን። ኣነ ነቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ዘፍቅሮ እንተ-መሰለኒ፥ ክሓስቦ ከሎኹ ግና ኣዚየ ካብኡ ሪሒቐ ነይረ። ኣነን ንሱን ክንራኸብ ዘይገብረና፥ እቲ መጠን ስኢነሉ ዝነበርኩ ጽጋበይን ትዕቢተይን እዩ። እቲ ኩሉ ካብ ተንኮል ዘይዓርፍ ክፉእ ተግባራተይ ከኣ፥ ከም መንደቕ ኣብ ማእከል ኮይኑ፥ ምስ እግዚኣብሔር ክራኸብ የኽእለኒ ኣይነበረን። ስለዚ እምበኣርከስ እቲ ሕይወተይ ትርጉም ስለ-ዝሰኣንኩሉ፥ ኩሉ ነገር ሕውስውስ እናበለ ዘጨንቐኒ ዝነበረ።

ንምዃኑ ሕጂ እንተ-ዝመውት-? እንታይ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርብ ጽቡቕ ነገር ኣሎኒ-? ብምባል መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሓሳብ ኣቶኹ። ኩሉ እቲ ዝሓለፍኩዎ ሕይወት ብምሕሳብ ድማ፥ እስኪ ካብ ሕጂ ንደሓርሲ፥ ናብ እግዚኣብሔር ከቕርበኒ ዝኽእል፥ ገለ ሠናይ ነገር ክገብር ኢለ ሓሰብኩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ስዑዲ-ዓረቢያ ከይደ፥ መካን መዲናን ክሳለም ኢለ ወሰንኩ።

እቲ ናብኡ ንምኻድ ዘድልየኒ ኩሉ ንኸዳሉ ዝኾነ ጸገም ኣይነበረንን። እቲ ናብኡ ምስ ከድካ ዝግበር ቀሚስውን ብዝግባእ ኣዳልየ እየ። ከምዚ ኢለ ድማ፥ ብኣየር ዝገበርኩዎ ጉዕዞ ፈጺመ ጅዳ ክኣቱ ከኣልኩ። ጅዳ ክኣቱ ከሎኹ፥ ሰዓት-1 ናይ ለይቲ ኮይኑ እተነበረ፥ ኣነ ግና መኪና ተሰቒለ ንመካ ዘምራሕኩ። ግዳስ ዋላ እቲ መንገዲ፥ ኩርኳሕ ዝበዝሖ ኮይኑ ዘይምቹእ እንተ-ነበረ፥ ጸሎተይ ከብጽሕ ካብ ዝነበረኒ ህንጡይነት፥ መሬት ክሳብ ዝወግሕ  ክጽበ ትዕግሥቲ ኣይነበረንን። ስለዚውን ብቐጥታ ንካዕባ ኣምሪሐ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፥ ናብ ኣምላኸይ ኣዚየ ዝቐረብኩ ስለ-ዝመሰለኒ፥ ኣብ ውሽጠይ ሓዲሽ ስምዒት ፈጠረለይ። ኣብኡ ደው ክብል ዝኸኣልኩ እኮ፥ ክሳብ ክንደይ ንኣምላኸይ ከም-ዘፍቅሮ፥ ንምግላጽ እየ ድማ በልኩ።

ይኹን እምበር ሕጂውን፥ገና ርሒቐ ዘሎኹ ኮይኑ ስለ-ዝስመዓኒ፥ መንፈሰይ ፈጺሙ ክረግኣለይ ኣይከኣለን። ስለዚውን “... ጎይታየ-! በጃኻ ናባኻ ኣቕርበኒ። እወ ምሳይ ከም-ዘሎኻ ክርዳእሲ፥ ንዓ ንልበይ ተንክፎ። -ኣምላኸይ-! ኣባኻ ዘሎኒ እምነት ሰይጣን ከየህስሶ፥ በጃኻ ኣምላኸይ ርድኣኒ...” እናበልኩ፥ ንናይ ካዕባ እምኒ እናተዃለልኩ እዞሮ ነበርኩ። ምናልባት ገለ ውሽጠይ ከነቓንቕ ዝኽእል ነገር፥ ይፍጠር ይኸውን ኢለውን ተስፋ ምግባረይ ኣይተረፈን። ይኹን እምበር ድሕሪ 10-መዓልቲ ንግብጺ ክምለስ ከሎኹ። ካብቲ ቅድም ዝነበርኩዎ ዝገደደ፥ መንፈሰይ ተሃዊኹ፥ ሰላምን ምርግጋእን ከም-ዝሰኣንኩ ኮይኑ ድማ ይስምዓኒ ነበረ። ምናልባትውን ንርእሰይ ስኢነዮ ከይከውን ኢለ ፈራህኩ። ስለዚውን እቲ ምድላየይ ከየቋርጾ ወሰንኩ።

ሓሳባተይ ኣብ ሓደ ደው ምባል ስኢኑ፥ ርግኣትን ሰላምን ክረክብ ኣይከኣልኩን። ልበይ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ስለ-ዝሃውተተ፥ ምርግጋእ ሰኣንኩ። ብቐጻሊ ሓደ ነገር ጎዲሉኒ ከም-ዘሎ፥ ይስመዓኒ ነበረ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ “... ኣምላኽዶ ባዕሉ ፈጢሩና ከብቅዕ፥ ሓዲግ ክንጠፍእ ሱቕ ኢሉ ክርእየና ይኽእል-? ...” እናበልኩ እሓትት ነበርኩ። መሊሰ ድማ “...የለን ከምኡ ክኸውን ኣይክእልንዩ። ኣነ ክርድኦ ዘይከኣልኩ ግን፥ ሓደ ነገር ክህሉ ኣለዎ...” እብል ነበርኩ። “... እግዚኣብሔር ጨካን ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምዚ ንምባል ዘኽእል ምኽንያትውን፥ ክርከብ ይኽእል ክበሃል ኣይከኣልን። እግዚኣብሔር ነዛ ዓለምዚኣ ዝፈጠራ፥ ንሓጎስ እምበር ንመከራ ክንብል ኣይንኽእልን። እዛ ኩሉ ዘለዋ ዓለምዚኣ ድማ፥  ግዝኡዋ ኢሉ ንዓና ሂቡና። እዚ ድማ ይፈትወናን ይሓልየልናን ስለ-ዝኾነ...” ብምባል፥ ምስ ነፍሰይ ምዝራበይ ቀጸልኩ። ክረጋጋእ ግን ኣይከኣልኩን። ነገራት እናተዋቑዑኒ ድማ ከምኡ ቀጸልኩ።

ነገራት ኣጻርየ ክፈልጥ ብምባል ብዙሕ እንተጸዓርኩ፥ ምንም ክፈልጦ ዝኸኣልኩ ነገር ግን ኣይነበረን። ድኻመይ ከንቱ ኮይኑ ድማ በልኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እስኪ ንኣምላኸይ ዘሐጉሶ ነገር ክገብር፥ ካብኡ ንደሓር ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ባዕሉ ክመርሓኒ ድማ በልኩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝስመዓኒ ዝነበረ ባዶነት፥ ናይ ሕልና ስቃይ ኮይኑ ከደቅሰኒ ይኽእል ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ድማ፥ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ኮይኑ ስለ-ዝተሰመዓኒ፥ ሕጂስ ይእከለኒ ኢለ ርስዕ ኣቢለ ክሓድጎ ሓሰብኩ።

ኣነ ካብ ኮለጅ ዝተመረቕኩ፥ ኣብ 1963 እየ። ዘቕንእ ደረጃን ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ማኅበረ-ሰብውን፥ ዝገነነ ስምን ዝናን ዝነበረኒ ሰብየ። ኣብቲ ናይ መንግሥቲ፥ ናይ ደሞዝ ስኬል ድማ ቁጽሪ-1 ተባሂሉ ዝፍለጥ ደረጃ ነይሩኒ። ብዙሕ ኣታዊ ገንዘብ ዝነበረኒውን እየ። ብዝተፈልየ ከኣ ኣብ ትምህርቶም ኣዚዮም ዝተናእዱ፥ ሓደ ወድን ክልተ ኣዋልድን ኣለዋኒ። ካብ ዝተኻረኹዎ ግዜ ጀሚረ፥ ተቐሚጠዮ ዘይፈልጥ ሓደ ኣፓርታማን፥ ባዕለይ ዝውንና መኪናውን ኣላትኒ። ኣብ ግብጺ ኣፓርታማ ክህልወካ ምኽኣል፥ ከም ሓደ ዓቢይን ዘደንቕን ነገር ዝርአ። መኪናውን ከም ናይ ሃብትን፥ ናይ ዕቤትን መርኣያ ጌርካ ትውሰድ። ስለዚ ላዕሊ ዝቕመጥ ደኣምበር፥ እዚ ጐዲሉኒ ኢለ ዝማረረሉ ምኽንያት ኣይነበረንን።

ብዝኾነ ሓደ ግዜ ካብተን ኣዋልድ ደቀይ እታ ሓንቲ፥ ሓደ ዘይተጸበኹዎን ይኸውን ኢለውን ዘይገመትኩዎን ሕቶ ሓቲታትኒ። “-ኣደየ-! ክርስቲያን ዝኾነ ሰብኣይ ክምርዖዶ እኽእል-? ምስ-በለት። ብስምባድ ዝኣክል ኣእውየ ኣፍጥጥ ኣቢለ ሓዝኩዋ። “....ኣይግበርን-! ፈጺሙ ኣይግበርን-! ፈጺሙውን ክኸውን ዘይኮነስ፥ ክሕሰብውን ዝግብኦ ነገር ኣይኮነን-! እዚ ትብልዮ ዘሎኺ ነገርዚ፥ እንኳንዶ ክትገብርዮ ካልኣይ ግዜ እንተልዒልክዮ፥ ኣነ ባዕለይ ሕንቕ ኣቢለ ዝቐትለኪ...” ብምባል ኣፋጠጥኩላ። ንሳ ግን “-ኢንጅነር እኮዩ። ቤተ-ሰቡ ድማ ፍሉጣት ዓበይቲ ስድራ እዮም። ወለዱ ንኣሜሪካ ክኸዱ ስለ-ዝኾኑ፥ ኣነውን ሓቢረዮም ክኸይድ እደሊ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ መርዓና ንፍጽም። ብጀካኺ ድማ ነዚ ምስጢር ዝፈልጥ ዋላ ሓደ የለን...” ብምባል መለሰትለይ። ኣነ ግና ዓይነይ ኣፍጢጠ “...ሓሚምኪ ዲኺ-? ንስኺኮ ኣስላመይቲ ኢኺ-! ከመይ ጌርኪ ደኣ ኢኺ ሓደ ክርስቲያን ትምርዓዊ-? እዚኮ ኃጢኣት...” ብምባልውን ኣምሪረ ተቘጣዕኩዋ። ኣብ መዋዳእታ ድማ ንዓይ ከየማኸረት፥ ብዛዕባ ጉዳይ ዝኾነ ነገር ክትገብር ከም-ዘይብላ ቃል ኣእትየያ።

እግዚኣብሔር ንዓይን ንጓለይን፥ ሐደ ዝሃበና ጸጋ ነይሩዩ። ማለት ኣብ ኣሸጋሪ ነገር ክገጥመኒ ከሎ፥  ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ተምበርኪኸ ክጽሊ ከሎኹ፥ ብሕልሚ ይግለጸይ ምንባሩዩ። ጓለይውን ልክዕ ከማይ ኢያ ነይራ። ብሕልሚ ኩሉ ነገር ይግለጸላ። በዚ መሠረት ነቲ ዝበለቶ ጉዳይ ብዝምልከት፥ ጸልያ ክትድቅስ እሞ፥ ኣብ ሕልማ ዝረኣየቶ ነገር ከይሓብአት ክትነግረኒ ተረዳዲእና ደቀስና። ንጽባሒቱ ጓለይ ዝሓለመቶ ሕልሚ፥ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ነጊራትኒ።

“... ኣብ ጥቓ ሓንቲ ማይ-ፈልፋሊት ሩባ፥ ኣብ ዝነበረ ሰፊሕ ጐልጎል እጓዓዝ ነይረ። ኣብ መወዳእታ እቲ መንገዲ፥ ቀራና መንገዲ ረኸብኩ። በየነይተን መንገዲ ክኸይድ ከም-ዘሎኒ፥ ምፍላጥ ስኢነ ደው ክብል ግዲ ኮነኒ። ብድሕሪ ሠለስተ-ሕጃብ ዝተሸፈና ኣዋልድ፥ ናባይ መጺአን ንዕናይ ንኺድ ኢለን ሓቲተናኒ። እንተኾነ ምስኣተን ክኸይድ ልበይ ኣይፈቐደን። ብድሕሪ መስቀል ዝመልኦ ቀጠልያ-ጀለቢያ ዝተኸድነት ሓንቲ ጓል ረአኹ። ንሳ እዛ ጓልዚኣ ኢደይ ሒዛትኒ። ኣነ ድማ ደስ ኢሉኒ፥ ምስኣ ኃቢረ ክኸይድ ሓሊመ...” ብምባል ጓለይ ሕልማ ነጊራትኒ።

እቲ ሕልሚ ምስ-ሰማዕኩ ባህ ኣይበለንን። ስለዚውን ንጓለይ ከምዚ ኢለያ “...እዚ ወዲ ንልብኺ ስለ-ዝማረኾ፥ ክጭበጥ ብዘይክእል ነገር ሃተህተፍ ትብሊ ዘሎኺ ይመስለኒ። ክትምርዓውዮ ብዙሕ ድሌት ዘሎኪ ይመስለኒ። ኣነ ግና ብዋዛ ዋዛ ዝርእዮ ከይመስለኪ። ብዝኾነ እዚ ነገር ካልኣይ ግዜ ከይተልዕልለይ...” ብምባል ተቘጣዕኩዋ። ጓለይውን ዝበልኩዋ ከም-እትፍጽም ቃል ስለ-ዝኣተወትለይ፥ እቲ ዘረባ ኣብዚ ተዓጽዩ።

ብድሕር ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ጸሓፊት ምስ-ዝኾነት፥ ሓንቲ ኣስላመይትን ኣብ መንጎይን፥ ገለ ዘይምርድዳእ ክቀላቐል ጀመረ። በዚ ምኽንያት ንዕኣ ቀይሮም፥ ብኻልእ ንፍዕቲ ጸሓፊት ክትክኡለይ ከመልክት ነይሩኒ። ብድሕር እቲ ናይ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሓላፊ፥ ቤት-ትምህርትና ክበጽሕ ምስመጸ፥ እዚ ናይታ ጸሓፊት ጉዳይ ኣልዒለሉ። ንሱ ድማ ንዕኣ ቀይሩ፥ብሓንቲ ትግህትን, ቅልጥፍትን, ንእድትን, ዝኾነት ጸሓፊት፥ ከም-ዝትክኣለይ ቃል ኣተወለይ። ግዳስ እንታይ ክኸውን፥ ንሳ ክርስቲያን እያ። “... ጸሓፊት ማለት እኮ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ምሳይ ትራኸብ ማለትያ። ስለዚ ፈጺማ ክርስቲያን ክትከውን የብላን...” ብምባል ኣምሪረ ተቓወምኩ። እቲ ሓላፊ ግና፥ “...ኣብ ሞያ ጸሓፊነት ዘድሊ ተኣማንነትዩ። ንሳ ድማ ነዚ ሞያ ብቕዕቲ ስለ-ዝኾነት፥ ክትቅበልያ ዝግበኣኪ...” ብምባል ኣእመነኒ። ካብኡ ሓሊፉውን ክንድቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዎ እምነት፥ ንርእሱ ከም-ዘይኣምን ኣረደኣኒ።

እታ ሓዳስ ጸሓፊት ሳሚያ ትበሃል። ኣብ ዳይረክተር ሪፖርት ክትገብር ክትመጽእ ከላ፥ ከመይ ከም-እትመስል ንኽርእያ፥ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ኮፍ ኢለ ተጸበኹዋ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ንዓይ ካብ ኩሎም ካልኦት ሰባት ብዝተፈልየ፥ ብኣኽብሮትን ትሕትናን ሰላም ኢላትኒ። ኣነ ድማ ትዕቢት ብዘሰነዮ ቁጥብ ዝበለ ፍሽኽታ መሊሰላ። ንሳ ግና ምግራም ኮነ ኩራ ከየርኣየት ፍሽኽ በለት። ኣብ ክሳዳ ብቘርበት ዝተሠርሐ መስቀል ገይራ ነይራ። ኣነ ድማ ነቲ ቤት-ትምህርቲ ሓዳስ ብምዃና፥ መን ከም-ዝኾንኩ ገና ኣይተረድኣን ማለት በልኩ። ኣነ መን ምዃነይ ምስ-ፈለጠት ግና፥ ንትእዛዛተይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት፥ ከም-እተተግብሮም ተኣማምንኩ።

ንጽባሒቱ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ክትመጽእ ነገርኩዋ። ንሳ ድማ ብዘይ ገለ ምኽንያት ፈጸመቶ።ከም ኣመለይ ድማ ብትዕቢት ክሳደይ ናብቲ መንበር ጥልዕ ኢለ፥ ኮፍ ንኽትብል ኣመልኪተያ። ንሳ ድማ ሕራይ ኢላ ተቐመጠት። እትገብሮ ኩሉ ከኣ ብትዅረት እከታተላ ነይረ። ካብቶም ኩሎም ቅድሚኣ ዝረኣኹዎም ድማ፥ ፍልይ ዝበለት ኮይና ረኺበያ። ማለት ርእሰ-ምትእምማንን, ድፍረትን, ሕጉስ ገጽን, ክእለትን ዝተዓደለት ኮይና ረኺበያ።ዋላ ወቐሳታት እንተ-ኣዝነምኩላውን፥ ትደሃል ዓይነት ሰብ ኣይነበረትን። እቶም ኣነ ዝደልዮም ዓይነት ጠባያት ዘለዉዋ ሰበይቲ ኮይና ድማ ረኺበያ።

እዚ ኩሉ ድሕሪ ምዕዛበይ ድማ፥ ንመጀመርያ ግዜ ሕፍረት ተሰምዓኒ። ከመይሲ ኣብቲ እዋን ኣነ 45-ዓመት ዕድመ ዝበጻሕኩ፥ ምልእቲ ሰበይቲ እየ ነይረ።ንሳ ግና ኣብ ከባቢ 30-ታት እትርከብ መንእሰይ ክነሳ፥ ውሽጠይ ግና ካብኣ ኣዚየ ዝነኣስኩ ኮይኑ ይስምዖ ነይሩ። በዚ ድማ እቲ ንዓይን ንዕኣን ዘራኽብ ዕዮ መላሊሰ እግምግሞ ነይረ። ሳሚያ ድማ ነቲ ብሓላፍነት ዝምልከተኒ ሥራሓት፥ ጽሩይን ጽፉፍን ንክኾነለይ ብትግሃት ትሠርሕ ነበረት። ብዙሕ ናይ ሥራሕ ሰኸምውን ተሰኪማትለይ ነይራ። እምንቲ ሠራሕተኛ ምዃና ከተእምነኒውን፥ ዝከኣላ ዘበለ ኩሉ ትገብር ነበረት። ኣነ ግና እቲ ኩሉ ትገብሮ ዝነበረት ጻዕርን ድኻምን፥ ንምንታይ ምዃኑውን ክርድኦ ዝደሊ ኣይነበርኩን።

ምናልባት ደኾን እቶም ኣብቲ ቤት-ትምህርትና ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ጠባየይ ነጊሮማ ኮይኖም-? ዝብል ግምት ነይሩኒ እዩ። ኣነ ግና ንሳሚያ ኣብ ክንዲ ዝጸልኣ፥ ካብ ዕለት ንዕለት እናፈቶኹዋ መጻእኩ። ንሳ ፍሉይ ናይ  ዘረባ ክእለትን, ተፈታዊ ድምፅን, ከምኡውን ትሕትናን, ጥበብን ዝተዓደለት ሰብያ። ብዓቢኡ ድማ ርግኣትን ግርማ-ሞገስን ኣለዋ። ኣነ ግና ብዛዕባ ኩሉ ኣልዒለ ከዛርባ ኢለ ፈቲነ ኣይፈልጥን። ማለት ምንም ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ንግሥቲ፥ ኣነ ምዃነይ እንተፈለጥኩውን፥ ሳሚያ ግና ብኹሉ ነገራ ካባይ በሊጻ ትርአ ነይራ። ኣነ ድማ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝበለጸ እናፈቶኹዋ መጻእኩ። ኣብ መንጎና ከኣ እቲ ፍቕሪ እናተረረ መጸ። ኣብ ውሽጣ ድማ ሓደ ዝኾነ፥ ዝስሕብ ወይ ዝማርኽ ነገር ከም-ዘለዋ ይስመዓኒ ነበረ። ኣነ ድማ ነዚ ተውህቦ ክምርምሮ ደለኹ። ስለዚ ድማ ዝኾነ ምኽንያት እናገበርኩ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ክትመጽእ ይገብር ነበርኩ።

ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ማለት ኣብ ጥቅምቲ 1987 /ም፥ ንብዙሕ ሰዓታት ብዘይ ምስልቻው ምስ ኣዋጋዕና። “-ሳሚያ-! ንምዃኑ እግዚኣብሔርዶ ትኣምኒ ኢኺ-? ኢለ ከም ዋዛ ገይረ ሓቲተያ። ንሳ ድማ “-እወ ብጀካ እግዚኣብሔር ካልእ ኣምላኽ የልቦን--” ብምባል መሊሳትለይ። እዝነይ ግና ነቲ ዝበልቶ ኣሚኑ ክቕበሎ ከበዶ። ብጣዕሚ ተገሪመ ድማ “-ስምዒስከ ክርስቲያንዶ ብሓደ ኣምላኽዮም ዝኣምኑ-?” ኢለ ሓተትኩዋ። ንሳ ድማ “-እወ ንሕና ብሓደ ኣምላኽ ኢና ነምልኽ-” ክትብል መሊሳትለይ። ኣነ ድማ ቀጺለ “-ንዓይ ከም-ዝርድኣኒ ግና፥ ክርስቶስን ድንግል-ማርያምን ዝበሃሉ፥ ክልተ ተወሰኽቲ ኣማልኽቲ ኣለዉኹም-” ኢለያ። ንሳ ብወገና ከኣ ኣቀማምጥኣ ኣጠጥሕ ኣቢላ “-ንሕና ብብዙሓት ኣማልኽቲ ዘይኮነ፥ ብሓደ ኣምላኽ ኢና እንኣምን-” ድሕሪ ምባላ፥ “-ድንግል-ማርያም ኣደ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እያ እምበር፥ ኣምላኽ ኣይኮነትን-” ክትብል ገለጸትለይ።

እዚ ዘረባ ምስ-ሰማዕኩ፥ ሓደ ዓቢ-ፕራሚድ ኣብ ልዕለይ ዝጸደፈ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ። ከመይሲ ክርስትና እምነት ሓደ-ኣምላኽ ዘስተምህር፥ ዝብል ኣበሃህላ ንዓይ ሐዲሽ ነገር ነይሩ። እዚ ከኣ ካብቲ ኣነ ብዛዕባ ክርስትና ዝነበረኒ ርድኢት ዝተፈልየ ኮይኑ ረኺበዮ። ለካ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ጽልኢ ክሓድረኒ ዝኸኣለ፥ ብዘይ ምፍላጠይ ነይሩ ብምባል ድማ፥ ምግጋየይ ክርዳእ ክኢለ። በዚ ድማ ናይ ሕልና ወቐሳን ጓህን ክስመዓኒ ጀመረ። ይኹን እምበር ምንም በቲ ዝሓለፈ ኩሉ፥ ጣዕሳን ሕፍረትን እንተ-ተሰመዓኒ፥ ምስ ሳሚያ ብዛዕባ ክርስትና ከዕልል ግና ባህ ይብለኒ ነይሩ። በቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፈጸምኩዎ ግፍዒ ግና፥ ፈጺሙ ድቃስ ክወስደኒ ይኽእል ኣይነበረን። ወረ እንታይ ዝገብር ነይረ-? ብምባል ድማ፥ ብሕሉፍ ተግባረይ ሓዘንኩን ኣዚየ ሓፈርኩን። ካብ ሳሚያ ድማ ብዙሕ ክፈልጥ ብምድላይ፥ “-እስከ ብዛዕባ ክርስትና ንገርኒ-“ ብምባል ሓተትኩዋ።

እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ድማ፥ ሳሚያ ብዛዕባ ክርስትና ተረድኣኒ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፥ እቲ ዝነበርናዮ ክፍሊ ብመዓዛ-ዕጣን ተመሊኡ ሃገግ ክብል ምኽኣሉዩ።ከምዚ ዝበለ መዓዛ ቅድሚኡ ጨንዩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ነቲ ኩነታት ምርድኡውን ከበደኒ። ንምዃኑ እሓልም ድየ ዘሎኹ-? ብምባልውን ተጨነቕኩ። ከመይ ከምዚ ክኸውን ይኽእል-? ካብዚ መጸ ክበሃል ዘይከኣል መዓዛ-ዕጣን ነቲ ቤት ክመልኦ-! ተኣምር ክበሃል እንተ-ዘይኮኑ፥ ካልእ እንታይ መግለጺ ክወሃቦ ይከኣል-? እዚ ሓዲሽ-ተርእዮ ስለ-ዝመሰጠኒ ግና፥ ከም እንደገና ንናይ ሳሚያ መግለጺ ጥንቅቅ ኢለ ምክትታለይ ቀጸልኩ። ንሳ ድማ “-ድንግል-ማርያም ካብ ኣቦአን ኣዲኣን ተፈልያ፥ ክሳብ ዕድመ 12-ዓመት ዝኾና፥ ብሃይማኖታዊ ሥነ-ሥርዓት ኣብ ቤተ-መቕደስ ዓብያ። ብድሕሪ ከኣ ንክሕልዋ ንሓደ ኣረጊት-ሽማግለ ብሓደራ ተዋህበት። ኣብ መንጎ ክልቲኦም  ዝኾነ ይኹን ርክብ ከይሃለወ ከኣ፥ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ተወልደ-” ብምባል ገለጸትለይ።

ኣነ ድማ “-ልክዕ ኢኺ ዘሎኺ፥ እዝስ ኣብ ቁርዓንውን ከምኡ ተጻሒፉ ዘሎ-”  በልኩዋ። ብድሕር ድኻም ስለ-ዝተሰመዓኒ፥ እቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ ክቕጽሎ ኣይከኣልኩን። እቲ ዕላላና ኣብኡ ደው ከነብሎ ግድነት ነይሩ። ሳሚያ መቸም ኣብ ውሽጠይ ዘሕደርቶ፥ ከቢድ ጽልዋ ክትፈልጥ ዝኸኣለት ኣይመስለንን። ብዝኾነ እቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ዘረባ ብምውዳእ፥ ሳሚያ ካባይ ተሰናቢታ ከደት። ከም ሓቂ ግና ኣነ ከጥፍኦ ዘይክእል ሓዊያ፥ ኣብ ውሽጠይ ኣጕዳትለይ ከይዳ።

ይቕጽል

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (2-ቅጽል)

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና(1-ቅጽል)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div