S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 14 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 14 - ክፋል

ምዕራፍ-6

ኣብ ልዕለይ ዝተጀመረ ሃድን

ኢንጅኔር-ሳሚር እቲ ኣብ ልዕለይ ዝካየድ ዝነበረ ሃድንን፥ ዝበጽሓኒ ዝነበረ ጸበባን መከራን ስለ-ዝሰምዐ፥ ማእምራናህ ናብ ዝተባህለ ካልእ ግልል ዝበለ ቦታ ክግዕዝ፥ ኃያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ጓለይ መጺኣ ዝነገረትኒ። ብኻልእ ክሰምዓሉ ዝኽእል ዕድል ግና ኣይነበረንን። ከመይሲ ብጀካ ኣምላኸይ፥ ካልእ ኣሎኒ ዝብሎ ጸግዒ ኣይነበረንን። ስለዚ ከኣ “-ኣታ ጎይታይ-! ንፈተና ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ። በይነይ ክኸውንውን ኣይትሕደገኒ። ካብዚ ቀርቂሩ ሒዙኒ ዘሎ ፈተና ዝወጸሉ መንገዲውን ባዕልኻ ኣዳልወለይ-” ብምባል ዝጸለኹ።

ከምቲ ጓለይ ዝነገረትኒ ድማ፥ እንጅኔር-ሳሚር መጺኡ ናብቲ ንሱ ዘዳለወለይ ቦታ ወሲዱኒ። ኣብዚ ማንም ክፈልጠኒ ዝኽእል ክህሉ ስለ-ዘይክእል ድማ፥ ሰብ ክፈልጦ ኣብ ዘይክእል በዓቲ ብምእታወይ፥ ብመጠኑ ቅሳነት ተሰምዓኒ። ኩላቶም ድማ ዝውጥጥ ናብራን ሓዳርን ስለ-ዝነበሮም፥ ኣብኡ ገዲፎሙኒ ንካይሮ ተመልሱ። እግዚኣብሔር ምሳይ ስለ-ዝነበረ ግና፥ በይነይ ነይረ ክብል ኣይክእልን። ብርግጽ ድማ እቲ ሕያው ኣምላኽ ምሳይ እንተ-ዘይነብር፥ እቲ ክንድ ዝኣክል ፈተና በይነይ ክወጾ ምኸኣልኩ ኢለውን ክሓስቦ ኣይክእልን።

ኣብዚ ዝተዋህበኒ ኣፓርታማ ተሓቢኤ ምቕማጠይ ከኣ፥ ሰብ ክበጽሖ ኣብ ዘይክእል ጽኑዕ በዓቲ ዝኣቶኹ ኮይኑ ስለ-ዝተሰምዓኒ፥ ጸገም ከጋጥመኒ ይኽእል ዝብል ስክፍታውን ኣይነበረንን። ካልእ ክኸዶ ዝኽእል ምርጫ ቤትውን ኣይነበረንን። ስለ ከኣ ልበይ ወዲቑለይ ተመስገን ኢለ ዝደቀስኩ። ይኹን እምበር ንዓይ ደኣ ከምኡ ዝመሰለኒ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ወትሩ ንምሕላወይ ዘይድቅስን ዘይታኸስን ኣምላኸይ ግና፥ እቲ ጉዳይ ካልእ ነይሩ። ስለ-ዝኾነ ድማ ሓደ እዋን ልበይ ወዲቑለይ ደቂሰ ከሎኹ “.... እዚ ገዛ ውሕስነት ክትረኽብሉ እትኽእሊ ስለ-ዘይኮነ፥ ካልእ ገዛ ቀይሪ....” ዝብል ራእይ መጸኒ። ኣነ ከኣ ስምብድ ኢለ “.... ኣታ ጎይታይ-! ሕጂኸ ናበይ ክኸይድ-? መንከ ከጸግዓኒ ይኽእል-?...” ኢለ ኣእወኹ።

ኣብዚ ምድረ ሰማይ ሕውስውስ ኢሉኒ፥ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡኒ ዝነበረሉ ሰዓት ድማ፥ ጓለይ ተለፎን ደወለትለይ። እዚ ምድዋል ክጽበዮ ዝጸናሕኩ ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ድምፂ ጓለይ ስለ-ዝሰማዕኩ ኣጆኺ-! በይነኺ ኣይኮንክን ዝብል ድምፂ ዝሰምዕ ዘሎኹ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ኣዚየ ድማ ሕጉስ ኢለ ተረጋጋእኩ። ግዳስ ጓለይ ካልእ ዘሰምብድ ዜና ሒዛ መጺኣትኒ። “.... እንጅኔር-ሳሚር በቶም ሓለውቲ ጸጥታ ዝበሃሉ ስለ-ዝተኣስረ፥ እዚ ቤት ሕጂ ቀልጢፍኪ ግደፍዮ ክብለኪየ መጺአ ዘለኹ....” ብምባል፥ ሕጂውን ኣብ ሓደጋ ምህላወይ ክትነግረኒ ጓለይ ዝመጸት። ግዳስ ናበይ እየ ክኸይድ-? ዘጸግዓኒ ሰብ ድማ የብለይን። በዓልቲ ቤትን ንብረትን ከም-ዘይነበርኩ፥ ሕጂ ግና ኣብ ማእከል ጎልጎል ጥራሕ ኢደይ ተሪፈ።

ካልእ ተስፋ ስለ-ዘይነበረኒ ድማ፥ ናብቲ ወትሩ መጸግዒ-እምባ ዝኾነኒ ኣምላኸይ ኣቢለ ክጥምት ግድነት ኮነኒ። ዓው ኢለ ድማ “.... ኣታ ጎይታይ-! ሕጂኸ ናበይ ክኸይድ-! ኣብዚ ዓለም ብጀካኻ ማንም ከም-ዘይብለይ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ ግና መእተዊ የብለይን፥ ናብ ዝኸዶውን የብለይን። ካብዚ ገዛ ወጺኤኸ ናበይ ክኸይድ-? ባዕልኻ መልሰለይ እምበር፥ ደጊም ኣነ ተስፋ ዘንብረሉ ሰብ የብለይን። እዚ ከኣ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ.....” ብምባል ጸለኹ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ሰዓት ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ሰዓት ድማ፥ ካብቲ ኣብ ኩሉ ጉዕዞይ ተፈልዩኒ ዘይፈልጥ ጎይታ “.... ናብቲ ገዳም ኣቢልኪ ኪዲ ....” ዝብል ድምፂ መጸኒ። ብድሕሪ ዕጻይ ምጻጻይ ክብል ዘጥፍኦ ግዜ ኣይነበረንን። ቀልጢፈ ድማ ንመንገዲ ገዳም ኣቢለ ኣምራሕኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከኣ፥ እቶም ገዳማውያን ኣቦታት ብሓጎስዮም ዝተቐበሉኒ። እቶም ኣበ-ምኔት ድማ “.... ብጸሎት ካባኺ ኣይተፈለናን። ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትኪ፥ ካባኺ ርሑቓት ኣይነበርናን። ብክርስቶስ ሓደ ኣካል ስለ-ዝኾንና ከኣ፥ ኣብቲ ጽንኩር ፈተና ዝበዝሓሉ እዋን እንተኾነውን፥ ክንፈላለ ኣይንኽእልን ኢና....” ብዝብል ዘጸናንዕ ቃላትዮም ተቐቢሎሙኒ።

ብድሕሪ ኣብቲ ገዳም፥ ናይ ሕልና ጸሎት ኣብጺሐ ምስ-ተረጋጋእኩ። እቶም ገዳም ኣነ ዝኾነ ነገር ከይበልኩዎም፥ ንምንታይ ከም-ዝመጻእኩውን ምሕታት ከየድለዮም። ምስ-ረኣዩኒ ጥራይ ደስ ኢሉዎም ኣዚዮም ተሓጎሱ። እቶም ኣበ-ምኔት ድማ፥ “.... እግዚኣብሔር ናብዚ ናብ ገዳምና ከምጽኣኪ፥ ብጸሎተይ ክልምኖ ጸኒሐ። ሓደ ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ስለ-ዘሕዘኖ ንዓኺ ዝኸውን ገዛ ኣዳልዩልኪ ኣሎ። እቲ ገዛ ኣብ ኣለክሳንደርያ ዝርከብ ኮይኑ፥ ኣብ በሪኽ ዝተቐመጠ ንባሕሪ ዝጥምት እዩ። ንግዚኡ ካልኦት ተኻረይቲ ኣብኡ ስለ-ዘየለዉ፥ ብዘይ ዝኾነ ስክፍታ በይንኺ ብሕት ኢልኪ ክትቅመጥዮ ትኽእሊ ኢኺ ....” ብምባል፥ ክሳብ ዝደለኹ ግዜ ክቕመጦ ከም-ዝኽእልዮም ነጊሮሙኒ።

እዚ ከኣ ንዓይ ካብ ዝኾነ ይኹን ህያብ ዝበልጽ፥ ዓቢይ ብሥራት ነይሩ። ከመይሲ መእተውን መውደቕን ዝሰኣንኩ ኮይነ ጸኒሐ። መጸግዒውን ኣይነበረንን። ብኹሉ ዝተነጸግኩ ስለ-ዝነበርኩ ድማ፥ ርእሰ-ተኣማንነት ኣጥፊአ ከም ኣራዊት ክህደን ዝርከብ ዘሎኹ ሰብየ። ተጸጊዐ ክጸንሓሉ ዝኽእል ቤት ብምርካበይ ድማ፥ ካልኣይ ከም-ዝተፈጠርኩ ሓዳስ ፍጥረት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ስለ ድማ “.... ኣታ ጎይታይ-! ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ደቒቕን እኳ እንተ-ኣመስገንኩኻ፥ ኣብራኸይ ክሳብ ዝደክምውን እንተ-ዝሰግደልካ፥ ነቲ ዝገበርካለይ ውዕለት ዝምጥኖ ኣይኮነን። ንኸመስግነካ ከኣ ንዓኻ ዝበቅዕ ቃላት ክረክብ ኣይክእልን ....” ብምባል ዝጸለኹ።

ከም ኢለ ድማ፥ እቶም ኣበምኔት ብዘቕረቡለይ ዕድመ መሠረት፥ ኣብ ካልዩብ ይርከቡ ምስ ዝነበሩ ቤተ-ሰቦም፥ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይነ ክልተ-መዓልቲ ጸናሕኩ። ብዛዕባ ደቀይ ግና ቅሳነት ይስመዓኒ ስለ-ዘይነበረ፥ ኣከታቲለ ምድዋል ከም መደበኛ ሥርሐይ ገይረ ሒዘዮ ነበርኩ። ከመይሲ ኣነ ኣዲኦም ብምኽንያት ክርስቲያን ምዃነይ እህደን ካብ ሃሎኹ፥ እቲ ረስኒ ንዓታቶምውን ከየረኻኽበሎም፥ ካብ ዝነበረኒ ስግኣት እየ። ሓደ መዓልቲ ድማ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ፥ ደሃይ ክፈልጥ ብማለት ተሌፎን ደዊለ። ዝተቐበለትኒ ድማ እታ ንእሽቶ ጓለይ እያ። እቲ ካብኣ ዝሰማዕኩዎ ቃል ድማ፥ ንምስምዑ ከበደኒ።እቲ ጓለይ ዝበለትኒ

 “.... ኣብ እንዳ-ጎረቤት ተሌፎን ኣይትደውሊ። ከመይሲ ንሕና እቲ ምሳኺ ንገብሮ ምዝርራብ የሕፍረና ኣሎ። ክትድውልልና እንተደለኺ ብተሌፎን እንዳ-ኃውትኖይ ኣቢልኪ ደውልልና ....” እያ ዝበለትኒ። እዚ ኣበሃህላ ከሐጉሰኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ካብ ውላደይ ከምዚ ዝበለ ቃል ክሰምዕከ ከመይ ኣቢለ ክጻወሮ እኽእል-? ክርድኣኒ ዘይከኣለ እቶም ጎሬቤትና ጥዑማት ስድራ ምዃኖም ኣነ ዝፈልጥ። ሕጂ እቲ ኩነታት ከምዚ ብሃንደበት ክልወጥ ምኽኣሉ፥ ከቕስነኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚውን ንመጀመርታ ግዜ፥ ንደቀይ ብዓይኒ ጠርጠራ ክጥምቶም ምኽንያት ኮነኒ። ከመይሲ እቲ ካብ ኣፍ ጓለይ ክወጽእ ዝሰማዕኩዎ ቃና፥ ከቕስነኒ ዝኽእል ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ንጓለይ ኣብ ዝሃብኩዎ መልሲ ድማ “.... ከም-ዝመስለኒ ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ተንኮል ተሓሲቡ ከምዘሎ ዝጥርጥር ዘሎኹ ....” ብምባል፥ ዘሎኒ ፍርህን ስክፍታን ክገልጸላ ግድነት ኮይኑኒ። ንሳ ግና ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ጠርጠራ ከሕድር ምኽኣለይ፥ ዘይጽቡቕ ምዃኑ ከተእምነኒ ዝፈተነት። ብዝኾነ ከምቲ ዝበለቶ ብመንገዲ እንዳ-ኃውተይ ኣቢለ፥ ደዊለ ከዘራርቦም ብምስምማዕ ብቘጸራ ተፈላሊና። በዚ መሠረት ድማ፥ ኣብ እንዳ ሓደ-ካህን ኮይነ ደዊለሎም። ኣብዚ መዓልቲ ወደይውን ተረኺቡ ስለ-ዝነበረ፥ ንድኅነተይ ዝተገደሰ ብምምሳል ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ የቕርበለይ ነበረ። እታ ኃውተይውን ከምኡ ልዙብ ቃላት ክትጥቀም ዘስተብሃልኩላ። እቲ ኩነታት ድማ ንኽርድኦ ከበደኒ።

ንደቀይ ኮነ ንኃውተይውን ኣዚየ ጠርጠርኩዎም። ዝኾነ ነገር ካብ ምግባር ንድሕሪት ክብሉ ከም-ዘይክእሉውን፥ ውሽጠይ ይነግረኒ ነበረ። እዚ ኩሉ ከኣ ቅሳነት ክህበኒ ኣይከኣለን። እቲ ዝገበርናዮ ምዝርራብ ካብ 15 ክሳብ 20 ደቒቕ ወሲዱልና ክኸውን ይኽእልዩ። ልበይ ግና ኣብ ክልተ ስለ-ዝተኸፍለ፥ ምርግጋእ ኣይነበረንን። ስለዚ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢለ ብጸሎት ቀረብኩ። እቲ ምእንቲ ኃጢኣተይ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለ ጎይታ፥ ኣብ ዝደለኹዎ ሰዓትን ግዜን ኣብ ቀረባ ይርከበለይ ስለ-ዝነበረ፥ ናብኡ  ከይደ ክሓትት ዝቐንዓኒ ዝነበረ።

ከም ቀደመይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቀሪበ “.... ኣታ ጎይታይ-! እትሕልወንን እትጓስየንን ንስኻ ስለ-ዝኾንካ፥ ኣብቲ መንገደይ ፈተና እንተሎ፥ ፈጺመ ኣይፈርህን እየ። ሕጂ ድማ እንሆ እቲ ውሽጠይ ይህወኽ ኣሎ። እምበኣር እቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ ጉዳይ፥ እንሆ ናባኻ አቕርቦ ኣሎኹሞ፥ እቲ ክኸዶ ዘሎኒ መንገዲ ባዕልኻ ምርሓኒ ....” ብምባል ጸልየ ድማ፥ ልበይ ወዲቑለይ ሮፍ ኢለ ደቀስኩ። ጾረይ ንዕኡ ንኣምላኸይ ስለ-ዝሃብኩ ድማ፥ ዝኾነ ዝኸብደኒ ጾር ዘይብለይ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ኣብ ድቃሰይ ከለኹ ከኣ፥ ካብቲ ዘይታኸስን ዘይድቅስን ጎይታ “ .... ምስቲ ዝገበርክዮ ምዝርራብ ዝተሓሓዘ ወጻወድያ ኣሎ....” ዝብል ራእይ መጸኒ። ጠርጢረዮ ዝጸናሕኩ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ ግና፥ ምንም ከሰምብደኒ  ኣይከኣለን።

ከምዚ ድማ እቲ ምስ ደቀይን ኃውተይን ዝገበርኩዎ፥ ናይ ተሌፎን ምድውዋል ተወዲኡ ምስ ዓጾና ድማ፥ ሓደ ጻውዒት ተሌፎን ናብቲ ክዘራረበሉ ዝጸናሕኩ መስመር ተደወለ። “.... ካብ ወጻኢ ሃገር ብናትኩም ኣድራሻ ዝመጸ ኣቕሓ ስለዘሎ፥ ብኽብረትኩም እዚ ተሌፎን ብስም መን ተመዝጊቡ ከምዘሎን፥ ትኽክለኛ ዝኾነ ኣድራሻኹምን ንገሩና ....” ዝብል ድምፂ ክቃላሕ ዝተሰምዐ። እምበኣር እታ ንእሽቶ ጓለይ፥ ስለምንታይ ብተሌፎን እንዳ-ኃውተይ ክድውል ከም-ዝደለየትኒ፥ እቲ ምስጢር ገና ሕጂ ክበርሃለይ ዝኸኣለ። እቲ ብራእይ ዝተነግረኒ መጻወድያውን ግልጺ ኮይኑ ክረኣየኒ ከኣለ። ከመይሲ ሰብኣይ-ኃውተይ፥ ምስቲ መንግሥቲ ጥብቂ ዝኾነ ምትእሳሳር ዘለዎ ብምዃኑ፥ ኣነ ዝርከበሉ ኣድራሻ ንምፍላጥ ዘይጽገም ብምዃኑ እዩ። ስለ ካብዚ  መጻወድያ ብምምላቝ፥ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ከም-ዘሎኒ ንልበይ ኣእመንኩዎ።

መቸም ንሳቶም ኩሉ ነገር ክገብሩ፥ ክጽግሞም ዝኽእል ስለ-ዘይኮነ፥ ንድሕሪት ብምጥማትውን ዕጫ ሰይቲ ሎጥ ከይበጽሓኒ ስለ-ዝፈራህኩ፥ ወርቀይ ጨርቀይ ከይበልኩ፥ ነቲ ዝነበርኩዎ ቤት ገዲፈ ከም ዑፍ በሪረ ወጻእኩ። ልበይ ከኣ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ብምዝካር፥ ብማዕበል ሓዘን ተወቕዐ። ደቀይን ኃውተይን ድማ፥ ኣብ ከምቲ ዝኣመሰለ ኣነ ዝጠፍኣሉ ድግስ ኢዶም ሓዊሶም ምርካቦም፥ ብጀካ እግዚኣብሔር ምሳይ ዝተረፈ  ካልእ ኣካል ከም-ዘየልቦ፥ ንኽርዳእ ግዜ ክወስደለይ ዝኽእል ኣይነበረን። እዚ ሓዘን ግና፥ ንዓይ እቲ ዝኸበደ ሓዘን ነይሩ። ከመይሲ ናይቲ ኩሉ እግሪ እግረይ እናሰዓበ ዘሳጉጐኒ ዝነበረ ፈተና ከይኣኽለንሲ። ሕጂ ድማ ወደይን ጓለይን ኃውተይን፥ ምስቶም ብሞት ዝደልዩኒ ዝነበሩ ናይ ጸጥታ ሰባት ብምትሕብባር፥ ንመወዳእታይ ከቀላጥፍዎ ምርካቦም ክጻወሮ ዝኽእል ሓዘን ኣይነበረን።

ኣቱም ሰባት እስከ ሕስብ ኣብሉዎ። ዒሕ ኢለ ተጻዒረ ዝወለድኩዎም ደቀይ፥ ከምኡውን ኃውተይ ጓል-እኖይ፥ ንመቝሕ ዘይኮነስ ንሞት ይደልዩኒ ንዘለዉ ሰባት፥ ኢደይን እግረይን ኣሲሮም ንማሕረዲ ከም-ዝተቐረበ ከብቲ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኒ ካብዚ ዝዓቢ ሓዘንሞ፥ ክህሉ ዝኽእል ኣይመስለንን። ክሓስቦ ከለኹ ደው ክብለሉ ዝኽእል ዓቕሚ ጽንቅቕ ኢሉ ስለ-ዝውድኣኒ፥ ኣእምሮይ ስሒተ ኣብ ምንታይ ይርከብ ከም-ዘሎኹ፥ ክዝክር ዘይክእለሉ ግዜውን የጋጥመኒ ነይሩዩ። እዚ ኩሉ ድማ ሕልሚ ኮይኑ ክሓልፈለይ ተምንየ እየ። ዝተፈጸመ ሓቂ እምበር ሕልሚ ክኸውን ግና ኣይከኣለን።

እቲ ጎይታና ኣብ ወንጌሉ “-ኃው ንኃዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ክህብ እዩ። ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትሉዎምውን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ፥ ብኹሎም ሰባት ዝተጸላእኩም ክትኮኑ ኢኹም። እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ክድኅን እዩ-” ዝበሎ ቃል ብምዝካር ግና፥ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ተጸናናዕኩ። ዝኾነ ፈተናውን እንተኾነ፥ ምእንቲ ክርስቶሳዊ እምነተይ ክኸፍሎ ዘሎኒ ዋጋ ምዃኑ ንልበይ ዘእመንክዎ። ኣነን ደቀይን ናይ ትንቢት ተዋሳእቲ ኮንና ምርካብና ድማ፥ ብዓቢይ ተመስጦ ኣብ ኣስተንትኖ ክኣቱ ዝገበረኒ። (ማቴ. 10/21-22)

ከምዚ ኢለ ድማ ንማንም ከይነገርኩ፥ ናብቲ ገባሬ ተኣምራት ዝኾነ ገዳም ማር-ሚና ኣቕኒዐ ከድኩ። መንነተይ ሓቢኤ ድማ ኣብኡ፥ ሠለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ። እዚ ገዳም ካብታ ርእሰ-ከተማ ዝኾነት ካይሮ፥ 30-ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ። ኣብቲ ገዳም ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅዳሴ ክሳተፍ ስለ-ዝነበረኒ፥ ኣንጊሄ ምንቃሐይ ቀጸልኩ። ተሳታፊት ቅዱስ-ቁርባን ክኸውን ዕድል ስለ-ዝረኸብኩ ድማ፥ በቲ ዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚ ንሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ኣብቲ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ እጭነቕ ዝነበርኩሉ ሰዓት ድማ፥ ንጸሎት ዝኣክል ግዜ ብምርካበይ ኣዚየ ተሓጎስኩ። እዚ ከኣ ንክጸናናዕን  ክረጋጋእን ዓቢይ ኃይሊ ክኾነኒ ከኣለ።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከኣ፥ ሓደ ኃውቶም ካህን ኣበይ ከም-ዘለኹ ፈሊጡ፥ ንዓይ ክወስድ ኢሉ ምምጽኡ ገረመኒ። ኣነ ድማ “.... ንምዃኑ ፖሊስ ስምካን ኣድራሻኻን ከም-ዘይፈልጡዎ ርግጸኛ ዲኻ-?....” ኢለ ተወከስኩዎ። ንሱ ድማ  “.... ግዲ የብልክን ፖሊስ ፈጺሞም ክመጹ ኣይክእሉን እዮም። ከም-ዝመስለኒ  ካብ ብዙህ ምፍራህኪ ዝተላዕለ፥ ሓሳባት ዝዋቕዑኺ ዘለዉዮም ዝመስለኒ ....”  ስለዚ ሕጂ ተንሥ ንገዛና ጥራይ ንኺድ። ንሓደ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ምሳና ክትቅንዪ ኢኺ ....” በለኒ። ኣነ ግና ጠቕላላ ኣዘራርባኡ ኣይፈተኹዎን። ነቲ ነገር ክሳብ ክንድ ኣቕሊሉ ክርእዮ ምድላዩ ከኣ፥ ንኽብደት እቲ ነገር ብግቡእ ክመዝኖ ከም-ዘይከኣለየ፥ ከስተብህለሉ ዝኸኣልኩ።

ግዳስ ካልእ ኣማራጺ ስለ-ዘይነበረኒ ግና፥ ነቲ በቶም ካህን ዝቐረበለይ ናይ ኣኽብሮት ዕድመ ክነጽጎ ዝኽእል ኣይነበርኩን። ከመይሲ እምቢ ኢለኸ እንዳ መን ክኣቱ ዝኽእል-? ብምሉእ ቤተ-ሰበይ ነጺጉኒ እዩ። እቶም ዝፈልጦም ኩሎምውን፥ ብዘይ ምቁራጽ እናተሃድኑዮም ኣብ መቑሕ ዝኣትዉ ዘለዉ። ስለዚ ኣብ ኣበሃህላ ኃውቶም ካህን እኳ ስክፍታ እንተነበረኒ፥ ከጸግዓኒ ዝኽእል ካልእ ሰብ ድማ ኣይነበረንን። መንነተይ ሓቢአኸ ክሳብ መዓስ ብኸምዚ ኮለል እናበልኩ ክነብር ዝኽእል-? ስለ እቲ ዝቐረበለይ  ሓሳብ ካብ ምቕባል ሓሊፈ፥ የማነ ጸጋም ዝብለሉ ምኽንያት ኣይነበረንን።

ይኹን እምበር ኣምላኸይ ግና ንዓይ፥ ኩሉ ግዜ ቀረባይ ነይሩ። እቲ ኩሉ ጽንኩር ዝነበረ ጉዕዞይውን፥ ብዘይካ ናቱ ረድኤት በይነይ ዝገበርኩዎ ጉዕዞ ኣይነበረን። ኣነ ክሓትት ንሱ ክምልስ ደኣ ኢና ዝመጻእና እምበር፥ ሕቶኺ በዚሑ ኢሉ ክማረር ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ሕጂውን ማንታ ልቢ ሒዘ ኣብ መንጎ ፍርሃትን ትብዓትን ኮይነ፥ ምስቲ ክወስደኒ መጺኡ ዘሎ ጋሻ ሱቕ ኢለ ካብ ዝኸይድ፥ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ ጎይታይ ክቐርብ ከምዘሎኒ ንልበይ ኣእመንኩዎ። “.... እንታይ ክገብር-? ናበይ ኣቢለ እየኸ ክኸይድ-? ....” ብምባልውን ጸለኹ። ኣብቲ ዝመጸኒ ራእይ ድማ፥ እቲ ሰብኣይ ንደኃነይ ከምዘይመጸ ብዘየወላውል ቃል ተነግረኒ።

እሞ እንታይ ደኣየ ክገብር-? ዘጸግዓኒ ሰብ የብለይን። ክጽግዓሉ ዝኽእል ቤትውን የልቦን። ብምባል ኣዚየ ተጨነቕኩ። መሬት ከኣ ከም ዓይኒ መርፍእ ጽብብ በለትኒ። ኣብ ማህጸን ኣደይ ክምለስ ከኣ ኣይምጸላእኩን። ክኸውን ዝኽእል ግና ኣይነበረን። ክሃድመሉ ዝኽእል ኣማራጺ ስለ-ዝሰኣንኩ ከኣ፥ ንማሕረዲ ተኸብኪቡ ከም-ዝኸይድ ብዕራይ፥ ኣብታ ማኪና ኣትየ ከኣ ምስቲ ክወስደኒ ኢሉ ዝመጸ፥ ሱቕ ኢለ ኣብታ ማኪና ኣቶኹ። ብሕልናይ ግና “.... ኣታ ጎይታይ-! ዘሎኻኒ ተስፋ ሓደ ንስኻ ኢኻ።እዞም ዝከታተሉኒ ዘለዉ ኣራዊት ምዃኖም ትፈልጥ ኢኻ። ዘናሕስዩለይውን ኣይኮኑን። ስለ ኣብቲ ቅዱስ ስምካ ተማዕቍበ ኣሎኹሞ፥ ኣነ ከምዝደልዮ ዘይኮነስ ንስኻ ከም-እትደልዮ ይኹነለይ...” ኢለ ምጽላየይ ቀጸልኩ።

እቲ ጉዕዞ ድማ ብኸምዚ ይቕጽል እንተነበረ፥ እቲ መራሕ-መኪና ግና፥ እንታይ ከም-ዝኾነ እንድዒሉ፥ ዳርጋ መንገዲ-ጻጸ ለመም እናበለ ዝዝውር ዝነበረ። ኣብቲ በራኻታት ካይሮን/ ኣለክሳንደርያን፥ ካብ 40 ክሳብ 50 ማይል ዝዝውር ዝነበረ። ዝበዝሕ ግዜ ድማ ኣብ መስትያት ይጥምት ምንባሩዩ። ነዚ ኩሉ ከኣ ኣነ ብጥንቃቐ ከታተሎ ግድነት ነይሩ። “.... ስለምንታይ ኣዘዋውራኻ ሥርዓት ዘይሓለወ ኮይኑ ዝርእዮ ዘሎኹ -? ....” ብምባልውን ትብዕ ኢለ ሓተትኩዎ። ንሱ ግና “.... የለን እዛ መኪና ናይ ተክኒክ ጸገም ስለዘለዋ፥ ብፍጥነት ዝግበር ምዝዋር ክትጻወሮ ኣይትኽእልን እያ። ብምባል ኣብ በረኻ ምእንቲ ከይንሓድር፥ ቀስ ኢለ ዝዝውር ዘሎኹ ኢሉ...” ከእምነኒ ዝፈተነ።

መወዳእታኡ ድማ እቲ ጉዕዞና ቀጺሉ፥ ብገዳም እንዳባ-ብሾይ ኣቢልና ንሓልፍ ስለ-ዝነበርና፥ ኣብቲ ገዳም ተኣልየ ጸሎት ክገብር ከም-ዝደሊ ሓቲተዮ። ንሱ ግና ኣብኡ ክንእለ ድሌት ስለ-ዘይነበሮ፥ ምኽንያት ክድርድር ጀመረ። ኣነ ግና ኣብ ሓሳባተይ ጸኒዐ ደው በልኩ። ብኽንደይ ጭቕጭቕ ከኣ እታ መኪና ደው በለት። ኣነ ከኣ ጸሎተይ ከብጽሕ ኢለ ካብታ መኪና ወረድኩ።  እቶም መነኮሳት ምስ ረኣዩኒ ድማ፥ እቲ ብድሕረይ ኣብቲ ገዳም ዘጋጠመ ኩሉ ኣዘንተዉለይ። ማለት “.... እቶም ወተሃደራት ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ መጺኦም፥ ነቲ ገዳም ሓደጋ ከም-ዝወደቑዎ፥ ብዙሓት ምስ ናትኪ ጉዳይ ምትእስሳር ኣለዎም ዝተባህሉ መነኮሳትውን፥ ኣሲሮም ከም-ዝወሰዱዎምዮም ....” ዝነገሩኒ።

እቲ ፍጻሜ ዘሕዝን እኳ እንተ-ነበረ፥ እቲ ንዓይ ክወስድ ኢሉ ዝመጸ ወዲ-ኃውቶም ነቶም ካህን ግና፥ ጭውግ ኢለ ብዓይኒ ጽልኢ ክጥምቶ ግድነት ኮነኒ። ለከ እቲ ኩሉ ዝወዓለ ውዕሎስ፥ ንዓይ ናብ ፖሊስ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝዓለመ ነይሩ። ደሓር ከም-ዝፈለጥኩዎ ምስ-ተረድኦ ድማ፥ “.... በጃኺ ይቕሬታ ግበርለይ። እቶም ወተሃደራት ነቶም ኣበ-ምኔት ብግፍዒ እና-ጸፍዑን እና-ኣጋፍዑን ክወስዱዎም ምስ-ረኣኹ፥ ነቶም ኩሎም ኣብቲ ገዳም ዝጸንሑ ኣቦታትውን ገፊፎም እናጋፍዑ ምስ ወሰድዎም፥ እቲ ግፍዒ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ከኣ ንዓኺ ናብቶም ወተሃደራት ኣረኪበ ብምሃብ፥ እቲ ጸገም ክፈትሖ ዝደለኹ ....” ብምባልዩ፥ ይቕሬታ ክገብረሉ ዝለመነኒ። ኣነ ከኣ ምንም እቲ ንዓይ ንሞት ኣሕሊፉ ክህበኒ ምድላዩ፥ ኣዚዩ ዝመረረኒ ክሕደት እንተነበረ “.... እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለልካ ....” ካብ ምባል ሓሊፈ ካልእ ክብሎ ዝኽእል ኣይነበረንን።

ቁርጹ ክነግሮ ስለ-ዝነበረኒ ድማ “.... በል ሕጂ ናተይን ናትካን መንገዲ ኣብዚ ተወዲኡዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ንዓይን ንዓኻን ዘራኽብ፥ ዝኾነ ይኹን ምኽንያትውን የልቦን ....” ብምባል ወዲአ ነጊረዮ። ንሱ ግና እንታይ ዓይነት ሕልና ከም-ዝተዓደለ እንዲዒሉ። “.... ብዘይ ብኣኺ በይነይ ምኻድ ትርጉም የብሉን። ብግዲ ምሳይ ክትከዲ ኣሎኪ ....” ብምባል፥ ናብቶም ብሕይወተይ ዝደልዩኒ ዘለዉ ወተሃደራት ንከረክበኒ፥ በጃኺ ኢሉ ክልምነኒ ምንም ሕፍረት ኣይተሰምዖን። ሓደ ኣብ ክርስትና እነብር ኣሎኹ ዝብል ሰብ፥ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕፍር ተግባር ክዋሳእ ምርኣየይ፥ ክርድኦ ዘይክእል ነገር ነይሩ።

መቸም ኣነ ከም ሓንቲ ኣራዊት ዝህደን ዘሎኹ ሰብየ። ቤት የብለይን ኣድራሻ የብለይን ገዛውን ዘሎኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ቤተ-ሰበይውን ጸላእቲ ኮይኖም ዝተላዕሉኒ ሰብየ። ስለዚ ከኣ መንነተይ ሓቢአ፥ ምስቶም መውደቕን መጸግዕን ዘይብሎም ድኻታትውን ተሓዊሰ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን መጽግዒ ክረክብ፥ ኮለል ዝብል ዘሎኹ። እዚ ኃው እቶም ካህን ድማ፥ ካብ ሕቝፊ ቤተ-ክርስቲያን መንዚዑ ብምውጻእዩ፥ ንበላዕቲ ኣሕሊፉ ንክህበኒ በጃኺ ምሳይ ኪዲ ዝብለኒ ዘሎ። ብዝኾነ ኣብዚ ጽንኩር ዝኾነ ሰዓትዚ፥ ብጀካ ረድኤት ኣምላኽ ክወጾ ከም-ዘይክእል ስለ-ዝተረድኣኒ። ኣብቲ ክጽውዖ ከሎኹ ከም ቅጽበት-ዓይኒ ዎሆይ-! ዝብለኒ ጎይታይ ክጽሊ ሕልናይ ኣቕናዕኩ።

ብዝተረፈ እቲ እግሪ እግረይ እናሰዓበ፥ ዓቕለይ ዘጽብበለይ ዝነበረ ተደራራቢ ፈተናታት ኩሉ፥ ልዕሊ ክጻወሮ ዝኽእል ኮይኑኳ፥ በቲ ዝፈጥሮ ዝነበረ ከቢድ ማዕበል የጋፍዓኒ እንተነበረ። ኣብቲ ክርስቶሳዊ ከውሐይ ጸኒዐ ደው ክብል፥ ጸጋ ስለ-ዝረኸብኩ ግና፥ ካብ እምነተይ ከናውጸኒ ኣይከኣለን።  ስለዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ጸለኹ “.... ኣታ ሕያዋይ ጎይታ-! ኣብቲ ምሳኻ ድሕሪ ምፍላጠይ፥ ዝገበርኩዎ ጉዕዞ ኩሉ፥ ጸጋኻ ኣይተፈልየንን። ኣብ ኩሉ ከኣ ንስኻ ኢኻ ዘሳለኻኒ። ክሳብ ሕጂ ከኣ  ኣጽኒዑ ክሕዘኒ ዝኸኣለ ፈተና የልቦን። እዚ ኩሉ ከኣ ንስኻ ብዝሃብካኒ ጸጋ እምበር፥ ብኃይለይን ብጥበበይን ዝገበርኩዎ ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ኣብ ከቢድ ፈተና ይርከብ ምህላወይ ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ከኣ ብጀካ ረድኤትካ፥ ኣነ ንበይነይ ክወጾ ዝኽእል ኣይኮንኩን። ስለዚ እንታይ ክገብር ኢኻ ትመኽረኒ-? ኢደይ ሂበዶ ብሠማዕትነት እሙት -? ወይ ንስኻ ትፈልጦ ካልእ፥ ኣነ ዝመልቈሉ መንገዲ ኣሎ -? ብምባል ጸለኹ።

እቲ ኩሉ ግዜ ንዓይ ቀረባ ዝነበረ ኣምላኸይ ድማ፥ ኣብታ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ ዝነበረት ሰዓት፥ ንበይነይ ክገድፈኒ ኣይደለይን። ስለዚ ድማ “.... ኢድኪ ኣይትሃቢ። የግዳስ ንኣለክሳንደርያ ኣቢልኪ ህደሚ ....” ዝብል ራእይ መጸኒ። ከምዚ ኢለ ድማ እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ብዝመርሓኒ፥ ምሉቕ ኢለ ንእስክንድርያ ኣቢለ ከምልጥ ዕድል ረኸብኩ።

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | መበል 13 ክፋል  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል |

 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div