S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 13 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 13 - ክፋል

ኩሉ ነገር ሕውስውስ እናበለ የሽግረኒ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ክዕቈብ ብማለት፥ ናብ ቤተ-ክርስቲያን’የ ዘምራሕኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ፥ ኣብ ሕቝፊ እግዚኣብሔር ከም-ዝኣቶኹ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ግዳስ እቶም ቅድመይ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝጸንሑ ኣኅዋት “...ገለ ሰባት ኣብዚ መጺኦም ብዛዕባኺ ክሓቱ ጸኒሖም...” ኢሎም ነጊሮሙኒ። ከምቲ ኣብኡ ዝጸንሓኒ ሓበሬታ። እቲ ዝሓተለይ ዘሎ ሰብ ናይ መንግሥቲ በዓል-ሥልጣንን፥ ክርስቲያን ዘይምዃኑ’ውን ገመትኩ።

እዚ ምስ ተነግረኒ ከኣ፥ ቀልጢፈ’የ ናብ ቤተይ ዝኸድኩ።ከመይሲ እታ ርእሰ-መምህራንን ምክትላን፥ ዘቝሰላኒ ቁስሊ ከይሓወለይ ከሎ። ሕጂ ድማ ካልእ ተወሳኺ ቁስሊ ክቕበል። ነዚ ኩሉ’ዚ ክስከም ዘኽእል ዓቕሚ የብለይን። እግሪ እግረይ እናሰዓቡ’ዮም ዘጓይዩኒ ዘለዉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብጀካ ኣምላኸይ፥ መጸግዒ ክኾነኒ ዝኽእል ካልእ ጽላልን መጸግዕን የብለይን። እንታይ ክገብር ከም-ዝግብኣኒ ክፈልጥ ስለ-ዝተጸገምኩ ድማ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ሕልናይ ኣንቂሐ፥ ናብ ቅድሚ ኣምላኸይ ብጸሎት ቀረብኩ። ከምዚ ኢለ’ውን ጸለኹ።

“-ዎ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ-! ንኃጢኣተይ ይቕረ ኢልካ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተኒ። ድኻመይ ትፈልጦ ኢኻ’ሞ፥ ኃይልን ጽንዓትን ሃበኒ። ሕጂኸ ናበይ እየ ክኸይድ-? ናበይ ከይደ እየኸ ክሕባእ-? መልኣኽካ ልኢኽካ ባዕልኻ ምርሓኒ-” ኢለ ጸለኹ። ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ድማ “-እቲ ሕጂ ዘሎኽዮ ቤት ብቕልጡፍ ለቒቕኪ ኪዲ-” ዝብል ራእይ መጸኒ። ግዳስ ናበይ እየ’ሞ ክኸይድ-?

ከመይሲ ኩሎም ሰባት ከጸግዑኒ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ዝርእዩኒ ካባይ ይሃድሙ ኣለዉ። ምሳይ ከይቀርብ ኩሉ ሰብ’ዩ ዝፈርህ ዘሎ። ከርሕቀኒ እምበር ከቕርበኒ ዝደሊ’ውን የልቦን። ኣበይ እየ’ሞ ክኸይድ-? ኣነ መጸግዒ ዝሰኣነትን መእተዊ ዘይብላን፥ ብዘይ ቤትን ኣድራሻን ዝተረፍኩ ሰብ’የ። ስለዚ ኩሉ ሕውስውስ ኢሉኒ፥ ዓቕሊ ስለ-ዘጽበብኩ ንሞፌድ ተሌፎን ክድውለሉ ኣሎኒ ኢለ ወሰንኩ። ከመይሲ ክሕግዘኒ ኢለ ዝተኣማመኖ ሓደ ንሱ’ዩ ጥራይ’ዩ ነይሩኒ። ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ስለ-ዝኾነ፥ ከም-ዝሕግዘኒ እተኣማመኖ እየ።

ይኹን እምበር እቲ ዝሰማዕኩዎ መርድእ፥ ክጻወሮ ዘይክእል ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ ኮይኑኒ። ከመይሲ እቲ ሕያዋይ ሞፌድ ከም-ዝተኣስረ’ዩ ተነጊሩኒ። ነዚ ከኣ ተጻዊረዮ ክኸይድ ዘኽእል ኃይሊ ኣይነበረንን። ሞፌድ ተኣሲሩ-?! ስለምንታይ ተሲሩ-? እንታይ ገበን ገይሩ-? እዚ ኩሉ’ዚ መልሲ ዘይርከቦ ሕቶ’ዩ። እዚ ኹሉ’ዚ ከኣ ንዓይ፥  ሕልና ዘዕርብ መርድእ’ዩ ነይሩ። መስኪናይ ሞፌድ ኣነ’የ ክጐየሉን ክግደሰሉን ዝግባእ ዝነበረ። ግዳስ ኣነ ንርእሰይ ዝህደንን ዝሃድምን ዝነበርኩ’ሞ፥ ኣበየናይ ባይታ ረጊጸ’የ፥ ንዕኡ ተስፋ ክኾኖ ዝኽእል-? 

እንተኸኣልኩስ ናብ እግዚኣብሔር ደኣ የእውየሉ እምበር፥ ካልእ ሓገዝ ክገብረሉስ ዓቕሚ ዘሎኒ ኣይኮንኩን። ስለዚ’ውን ከምዚ ኢለ ጸለኹ። “....ኣታ ኩሉ እትኽእል ጎይታ-! በጃኻ ንወድኻ ሞፌድ ብምሕረትካ ዘክሮ። ወድኻ ምዃኑ እፈልጥ እየ’ሞ፥ ናይ ምሕረት ኢድካ ዘርግሓሉ። ስለ’ዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎኒ ጸበባ፥ ሕጂ ድማ እንሆ ተወሳኺ ጾር ኮይኑ የሳቕየኒ ስለዘሎ፥ ኣብ ቅድስናኻ ወዲቐ እልምነካ ኣለኹ...” ኢለ ጸለኹ። ስለዚ’ውን ሞፌድ ብኣይ ምኽንያት’ዩ ዝእሰር ዘሎ፥ ኢለ’ውን ኣዚየ ሓዘንኩ። መሊሰ ድማ የለን ናትካ ፍቓድ ስለ-ዝኾነ እዩ’ሞ፥ መስቀሉ ንኽጸውር ኃይልን ጽንዓትን ሃቦ ኢለ ጸለኹ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃው ኢሉ፥ ዝኸደ ሓሳብ ከሎኹ ድማ፥ ደሃየይ ክትፈልጥ ኢላ ጓለይ ናባይ መጸት። ንሳ ድማ “.... ፖሊስ መጺኦሙና ነይሮም’ዮም። ይደልዩኺ እዮም’ውን ዘለዉ። ንሕና ድማ ብዛዕባኺ ንፈልጦ ነገር ከም-ዘይብልና፥ ኣድራሻኺ’ውን ከም-ዘይንፈልጦ ምስ ነገርናዮም፥ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ትቕመጥዮ ዝነበርኪ ቤት’ውን ከይዶም ነይሮም’ዮም። ካብዚ ቀይራ ከይዳ’ያ ዝብል መልሲ ስለ-ዝረኸቡ ግና፥ ክረኽቡኺ ኣይከኣሉን። ብብርቱዕ ይሃድኑኺ ከም-ዘለዉ ግና ክትዝንግዒ የብልክን....” ኢላትኒ ጓለይ።

እዚ ኩሉ’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ድንቂ ዝኾነ ሥራሕ’ዩ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጉዕዞ ካባይ ኣይተፈልየን። ንመንገደይን ሓሳባተይን ዘቃንዖ ዝነበረ’ውን ንሱ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ክሳብ ዘሎኹ፥ ምንም ክገብሩኒ ዝኽእሉ ነገር የብሎምን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይቱን ዝነበረኒ ቤት ክገድፎ ዝኸኣልኩ’ውን ፥ ካብ ጎይታ ብዝመጸኒ ራእይ እየ። ብጀካ እግዚኣብሔር ድማ፥ ባዕለይ ንበይነይ ዝገበርኩዎ ጉዕዞ የልቦን። ሕጂ ድማ ንሱ ምሳይ ስለ-ዝኾነ፥ ምንም እንተኾነ ኣይፈርህን እየ። እወ እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ-ዝኾነ፥ መዓልቲ ኮነ ለይቲ ኣይፈርህን እየ-!!

ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ዓቢይ ካህን ቀሲስ-ጴጥሮስ፥ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ቁራጽ-ወረቐት ጽሒፎም ዝሃቡኒ ዘከርኩ። እታ ጽሕፍቲ “...ጎይታ ዘይኣዘዞ ዝብልን ዝፍጽምን መን’ዩ-? ...” ትብል’ያ ነይራ። ብዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ እስክንድርያ ክኸይድ ስለ-ዝወሰንኩ። እቲ ንጥሮታይ ዝምልከት ጉዳይ ከጠናቕቕ ስለ-ዝነበረኒ፥ ናብ ትምህርቲ ሚኒስተር ክኸይድ መደብኩ። ግዳስ ምስቲ ሽዕዑ ኣብ ልዕለይ ዝካየድ ዝነበረ ኩሉ ብምትሕሓዝ፥ ገዲፈዮ ደሞ ክኸይድ ዝብል ሓሳብ መጸኒ። ውሽጠይ ምርግጋእ ስለ-ዝሰኣነ ድማ፥ ክረጋጋእ ኢለ ፈተንኩ።

እቲ እግሪ እግረይ ዝስዕበኒ ዝነበረ ኩነታት ስለ-ዝኸበደኒ’ውን “-ዎ-ሕያው እግዚኣብሔር-! ካባይ ኣይትርሓቕ። ንምርድአይ ከኣ ቀልጥፍ-” ዝብል ካብ መዝሙር ዳዊት፥ እናደጋገምኩ ምጽላየይ ቀጸልኩ። ጸሎተይ ስለ-ዝተሰምዐ’ውን፥ እቲ ብዛዕባ ጥሮታ ዝነበረኒ ጉዳይ፥ ብረድኤት’ቲ ኩሉ ዝኽእል  ኣምላኽ፥ ዳርጋ ኣብ ምውዳእ ክበጽሕ ከኣለ። እቲ ዝተረፈ ነገር ቼኽ ምቕባል ጥራይ’ዩ።ንሱ ከኣ ንኽውዳእ ቁሩብ ግዜ የድልዮ ስለ-ዝነበረ፥ ድሕሪ ሰሙን ተመሊሰ ክመጽእ’የ ብምባል፥ ገዲፈዮም ከድኩ። ምስቲ ዝነበረ ኩነታት’ውን፥ ኣብኡ ነዊሕ ደው ክብል ከቕስነኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ብፖሊስ ይድለ ከም-ዘለኹ እናፈለጥኩኸ፥ ከመይ ኣቢለ’የ እሞ ቀሲነ ደው ክብል ዝኽእል-?

ብዝኾነ እስክንድርያ ከይደ ድሕሪ ሰሙን ተመሊሰ ክመጽእ ይኽእል’የ። እንተ-ዘይኮነ ከኣ ጓለይ ብምልኣኽ፥ ከሳልጦ ይኽእል’የ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። ከምዚ ኢለ ኣቝሑተይ ንምጥርናፍ፥ ኣብ ቤተይ ክኣቱ ከለኹ፥ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ናይ መወዳእታ መዓልቲ’ያ ትኸውን ኢለ ኣይሓሰብኩን። እዚ ኣፓርታማ’ዚ መቸም፥ ንምትዕርራዩ ብዙሕ ገንዘብ ኣውጺአሉ እየ። ሕጂ ኣብዚ ቤት’ዚ ክጸንሕ’የ ምባል ግና፥ ክምረጽ ዝግብኦ ምርጫ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ዓዲ ቀይረ ካብ ምቕማጥ ድማ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። መጹኒ እናበልኩ ምዩቕ ክብልከ ክሳብ መዓስ’የ ክቕመጥ-?!

ብዝኾነ ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት-12 ክኸውን ከሎ፥ ምስ መሓዛይ ተተሓሒዝና፥ ናብ እስክንድርያ ክንንከይድ ነቒልና። ኣብ መስመር መንገድና ድማ፥ ገዳም እንዳባ-ብሾይ ይርከብ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብኡ ኣብዚ ቅዱስ ገዳም’ዚ ክንሳለም ተኣሊና። እዚ ገዳም’ዚ ቅድሚ ሕጂ መጺአዮ ስለ-ዝነበርኩ፥ ንዓይ ሓዲሽ ኣይነበረን። ከመይሲ ኣብዚ ገዳም’ዚ እየ ንመጀመርታ ግዜ፥ ክርስቲያን ምዃነይ ብወግዒ ዘፍለጥኩ። ግዳስእቲ ብምስጢር ክዕቀብ’ዩ ተባሂሉ ዝተነግረኒ ቃል፥ ስለ-ዘይተሓለወ ግና ናብ ኩሉ ክዝርጋሕ ክኢሉ።

ናይዚ ሳዕቤን’ዚ ከኣ’ዩ ሕጂ ብፖሊስ ክህደን ዝርከብ ዘሎኹ። እቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ምስክርነተይ ብቴፕ ቀሪጹ ዝወሰደ መነኮስ፥ ከም-ኣጋጣሚ ኣብኡ ርእይ ምስ ኣበልኩዎ፥ ካብ ብዝሒ ሕርቃነይ ዝተላዕለ፥ ዓይነይ ኣፍጥጥ ኣቢለ’የ ብዓይኒ ቁጥዓ ክጥምቶ ዝተገደድኩ። በዚ ዝተፈጸመ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ኣሠራርሓ’ዚ ከኣየ፥ ኣነ ሕጂ ከም ኣራዊት ዝህደን ዘሎኹ። ሞፌድ ‘ውን ከምኡ ኣብ መቝሕ ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ። ሳሚያ እንተኾነትሲ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ ከም ዘላ፥ መንዶ ፈሊጡዎ ኣሎ’ዩ። ማእሰርቲ ኮነ ስቓይ መዓስ ክተርፈላ ዝኽእል ኮይኑ።

መቸም እዚ ኩሉ ፈተና’ዚ፥ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ዝብል እምነት የብለይን። ሕይወተይ ነቲ ምእንቲ ኃጢኣትና፥ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ጎይታ ሂበዮ ስለ-ዝኾንኩ ከኣ፥ ዝኾነ ፈተና ፈሪሀ ንድሕሪት ዝምለሰሉ ምኽንያት የብለይን። ደጊም ክርስቲያን ኮይነ’የ። ዕላማይ ከኣ መስቀል’ዩ። ካብ ክርስትናን መስቀልን ክፈልየኒ ዝኽእል ኃይሊ ከኣ የልቦን። ምእንቲ ክርስቶስ ድማ ክሳብ ሕይወት ዝበጽሕ ዋጋ ክኸፍል’ውን ድልውቲ እየ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ “-ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ መን ክፈልየና ይኽእል-” ዝበሎ። ኣነ’ውን ማእሰርትን ስደትን ሞትን ፈሪሀ፥ ካብዚ ፍቕሪ’ዚ ርሒቐ ክነብር ዝደሊ ኣይኮንኩን።(ሮሜ. 8/35)

ብዝኾነ ኣብ ገዳም እንዳ-ብሾይ ተኣሊና፥ ጸሎተ-ሕሊና ምስ ኣብጽሓና። መንገድና ብምቕጻል እስክንድርያ ክንኣቱ ክኢልና። ኣብኡ እተን ፈተውተይን መሓዙተይን ተቐቢለናኒ። ኣብ ሓደ ቪላ’ውን ኣእትየናኒ። እቲ ቦታ ኣዚዩ ዝፍቶ ጸጥታን ሰላምን ዝነገሦ’ዩ። ኣብዚ ቪላ’ዚ ኣነ በይነይ ጥራይ’የ ተቐማጢት ዝነበርኩ። ከመይሲ እተን መሓዙተይ ንካይሮ ስለ-ዝተመልሳ፥ ናይ ብሕትውና ዝመስል ሕይወት’የ ክነብር ጀሚረ። ኣብዚ ኮይነ ድማ ንጓለይ ተሌፎን ብምድዋል፥ እቲ ናይ ጥሮታይ ነገር ክትከታተሎ ነጊረያ።

ብዝተረፈ ምስ ኣምላኸይ ዝራኸበሉ፥ እኹል ንጸሎት ዝኸውን ግዜ ስለ ዝረኸብኩ፥ ኣዚዩ ደስ በለኒ። ከምዚ ክብል ከኣ ጸለኹ “-ዎ ሕያው ኣምላኽ-! ሕጂ እምበኣር ኩሉ ኩነታተይ ኣባኻ ኣውዲቐዮ ኣለኹ። ከመይሲ ኣብ ከቢድ ፈተና ከም-ዘሎኹ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ከቢድ ጾር’ዩ ወዲቑኒ ዘሎ። ስለ’ዚ በጃኻ ጎይታይ ኣይትፈለየኒ። እቲ ዝኸበደኒ ጾር ኩሉ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኣንቢረዮ ኣለኹ። ስለ’ዚ ዎ ጎይታይ-! ኣብ ትሕቲ ሕቝፍኻ ኣንብረኒ። ናይ ዓይነይ ንብዓትን ናይ ቁስለይ ደምን ኣንቅጸለይ። ንዓኻ ክብርን ምስጋናን ይብጻሕካ-” ብምባል ድሕሪ ምጽላየይ ድቃስ ስለ-ዝመጸኒ ተገምሰስኩ።

መሊሰ ተንሢአ ድማ ከምዚ ኢለ ጸለኹ። “-ዎ ጎይታይ-! ሎሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ኣብ ዝረኣኹዎ ራእይ፥ ካብ ገጽካ ብመልክዕ ረሃጽ ደም ክወጽእ ከሎ ርእየካ። ብፍቕሪ ናባይ ኣቢልካ ክትጥምት’ውን ርእየካ። ክንደይ ከም-ዘፍቀርካኒ’ውን ክርዳእ ክኢለ። ስለዚ ጎይታየ ይቕረ በለለይ። ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ-ሰብ ክትብል፥ ክንደይ ስቓይ ከም-ዝተቐበልካ ርእየዮ እየ። ስለ’ዚ ኣነ’ውን መስቀለይ ተሰኪመ ንዓኻ ክኽተል ምእንቲ ክኽእል፥ ኃይልን ጽንዓትን ሃበኒ-” ኢለ’የ ዝጸለኹ። ኣብቲ ድቃሰይ ኮይነ ዘፍርህ ራእይ ርእየ ስለ-ዝነበርኩ ግና፥ ምንም ቅሳነት ረኺበ እፎይ ክብል ኣይከኣልኩን።

ኣብቲ መወዳእታ ሰሙን ድማ፥ እታ ጓለይ ምስ መሓዙታ ክትበጽሓኒ ኢላ መጺኣ። ብዛዕባ’ቲ ንሳ ከተሳልጦ ኢለ ዝገደፍኩዎ ናይ ጥሮታይ ጉዳይ፥ ወዲኣቶ መጺኣ እንተ-ኾይና ሓቲተያ። እንተኾነ እቲ ጉዳይ ከም-ዝሓሰበቶ፥ ብቕሊል ክውደኣላ ዝኽእል ከምዘይኮነ’ያ ነጊራትኒ። ማለት ባዕለይ ብኣካል ተረኺበ ክፍጽሞ ደኣምበር፥ ብውክልና ክኸውን ከም-ዘይክእል’ዮም ሓቢሮማ። ምናልባት ኢለ’ውን ነታ ኣብ ትምህርቲ ሚኒስተር፥ ናይ ሕዝባዊ-ርክባት ኣካያዲት ሥራሕ ዝነበረት ኃውተይ፥ ጉዳየይ ክትውድኣለይ ብማለት ሓቲተያ።

ኃውተይ ግና እቲ ኩነታት ኣዚዩ ተኻቢዱ ከም-ዘሎ’ያ ዝገለጸትለይ። ከምዚ ኢላ ድማ እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ነገራት ኩሉ ነጊራትኒ። “-ናህድ ኃውተይ-! ንስኺ ብሃገራዊ ድኅነት እትድለዪ ሰብ ኮንኪ ስለ-ዘሎኺ፥ ባዕልኺ መጺእኪ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ማንም ንዓኺ ወኪሉ ጉዳይኪ ክውድኣልኪ ከም-ዘይክእል፥ ዝወጸ ትእዛዝ ስለ ዘሎ፥ ክትመጺ ጥራይ’ዩ ዘሎኪ-” ብምባል’ያ ቁርጹ ዝነገረትኒ። እቲ ባዕላ ትምጻእ ዝብል ኣበሃህላ፥ መጻወድያ ምዃኑ ስለ-ዘይሰሓትኩዎ፥ ናብኡ ኣቢለ ክቐርብ ድሌተይ ኣይነበረን።

ኃውተይ ቀጺላ ሠለስተ ኣማራጺ ከም-ዘሎኒ’ያ ዝገለጸትለይ። ማለት እቲ ሓደ ናይ ሃገራዊ-ድኅነት ሓላፊ ምስ ዝኾነ ሰብኣይ- ኃውተይ፥ ናብ ሃገራዊ ድኅነት ክኸይድ። ኣብኡ ድማ ናይቲ ቤተ-መንግሥቲ ፓይለት ምስ ዝኾነ፥ ሰብኣይ’ታ ካልእ ኃውተይ ኮይነ፥ እቲ ብቴፕ ተቐሪጹ ዝተዘርግሐ ቃለይ ኣይኾነን ኢለ ኣሉታ ክህበሉ። ማለት እዚ ክብል ዝኸኣልኩ፥ በዓል ቀሲስ-ጴጥሮስ ብዝገበሩለይ ጸቕጢ ተታሊለ’የ ዝብል ቃል ክህብ። በዚ ድማ እቲ ቅድም ተመሊኡ ዝተዘርግሐ ቴፕ ክፈርስ ስለ-ዝኽእል፥ ነፃ እኸውን ማለት እዩ።

ከም ኣማራጺ እቲ ካልኣይ ሓሳብ ድማ። ትኽክል ዝኾነ ኣእምሮ ከም-ዘይብለይ፥ ማለት ከም ሓውሲ ሕዋይ፥ ወይ ጽላለ ከም-ዘሎኒ ዓይነት ተቘጺረ። ናብ ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሓኪም ክውሰድሞ፥ ቤተ-ሰበይ ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ጀሚሩ፥ ናይ ኣእምሮ ጉድለት ከም-ዘሎኒ፥ ናይ ምስክርነት ቃሎም ክህቡ። በዚ ከኣ ኣብቲ መንግሥቲ ብዘለዎም ህቡብነትን ተሰማዕነትን። እቲ ምስክርነቶም ተቐባልነት ንኽረክብ፥ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ኣይክእልን።ብምባል ኃውተይ ዝነገረትኒ።

ከመይሲ ነዚ ንምትግባር ድማ፥ ሰብኣይ እታ ሓንቲ ኃውተይ፥ ኣማሓዳሪ ክኸውን ከሎ። እቲ ሓደ ሰብኣይ ካልኣይቲ ኃውተይ ድማ፥ ኣብ ናይ ሥነ-ልሣን ኮለጅ፥ ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ፕሮፌሶር እዩ። ኣብ ልዕሊ ተወሳኺ ድማ፥ ኃወይውን ናይ ሓደ ዓቢይ-ትካል ማናጀር እዩ። ስለ እዚኣቶምዮም ሕጂ ንዓይ፥ ናይ ኣኣምሮ ጸገም ኣለዋ ወይ ጽልልቲ ኢሎም፥ ክምስክሩለይ ምድላው ተጌሩ ኣሎ ተባሂሉ፥ ብኃውተይ ዝንገረኒ ዘሎ። ብናታቶም ኣበሃህላ ኣነ ክርስቲያን ምባለይ፥ ናይ ጽላለ ኣበሃህላ ደኣምበር፥ ልክዕ ከም-ዘይኮነ ብምስክርነቶም ከረጋግጹ ማለት እዩ።

እቲ ከም ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ተታሒዙ ዘሎ ኣማራጺ ድማ። ቤተ-ሰበይ ዝኾነ ሰብ ከይረኣየን ከይሰምዐን፥ ብምሥጢር ቀቲሎም ክቐብሩኒ። ከመይሲ ኣበይ ከም-ዘለኹ ዘይፍለጥ ድሮ ኣድራሻይ ተሳኢኑ ስለ ዘሎ። ንዓይ ንምቕታል ምንም ጸገም ክገብረሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ማለት እቶም ብዛዕባይ ተገደስቲ ክኾኑ ዝግብኦም ዝነበሩ ቤተ-ሰበይ፥ እንድሕሪ ቀቲሎሙኒ ድማ። ካልእ ብዛዕባይ ክግደስ ዝኽእል ኣካል ካበይ ክመጽእ-?!

እቲ ስእለይ እንተኾነ፥ ኣብ መዓርፎ-ነፈርትን ኣብ ኩሉ ሰብ ይእከቦ ዝበሃል ቦታታት ተጠቂዑ ዘሎ። ካብ ዓዲ ክወጽእ ኮነ፥ ካብ ቦታ ንቦታ ክንቀሳቐስውን ዝኽእል ኣይኮንኩን። ፖሊስ እግሪ እግረይ እንዳሰዓቡ ኣብ ምህዳነይዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ስለዚ እታ ኃውተይ መህደሚ የብልክንሞ፥ ኢድኪ ሂብኪ ክርስቲያን ኣይኮንኩን ምባል ጥራይ ዘሎኪ፥ ብምባል ፍርህን ራዕድን ከተእትወለይ፥ ተዓጢቓ ትሠርሕ ዝነበረት።     

እቲ ኃውተይ ዝበለቶ ኩሉ ድማ፥ ብኹሉ ሸነኻቱ ኣውሪደን ኣደይበን መዚነዮ እየ። ብሓቂ ኃውተይ ትብሎ ዘላ ኢለ፥ ኣሚነ ክቕበሎውን ከይከበደኒ ኣይተረፈን። ንምዃኑ ሓቃ ድያ-? ወይሲ ንዓይ ንምፍርራህ ኢላ ዝመሃዘቶ ምህዞ ብምባልውን፥ ኣብ ዓሚቝ ሓሳብ ጥሒለ ክኣቱ ገይሩኒዩ። ከም ኣበሃህላ ኃውተይ፥ በተን ቀዳሞት ክልተ ኣማራጺታት ክጥቀም ፍቓደኛ እንተ-ዘይኮይነ፥ እታ ሣልሰይቲ ናይ ቅትለት ውሳኔ፥ ክትተርፈለይ ዘይትኽእል ምዃና፥ ማሕላ ወሲኻ ኣረጋጊጻትለይ እያ።

እቲ ኣብ ሃገራዊ-ድኅነት ዝሠርሕ ሰብኣያውን፥ ኣብ ውሽጢ 48-ሰዓታት ሒዙ፥ ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ነገር ክፍጽም ከም-ዝኽእል ፈኪሩለይ እዩ። ንምዃኑ እዞም ጥዑይ ልቢ ዝነበሮም ሕያዎት ሰባት። ከመይሎም ከምዚ ብሃንደበት ጨካናት ኮይኖም፥ ናብ ኣራዊት ክልወጡ ዝኸኣሉ-?! እዚ ኩሉ ድማ ንዓይ ክጻወሮ ዘይክእል፥ ዓቢይ ፈተና ኮይኑኒ። ከመይሲ ሰብ ብቤተ-ሰቡ ተኻሒዱ፥ ብዘይ መጸግዒ ኣብ ጎልጎል ይተርፍ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን።

ብዝተረፈ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን። ዓለም ንዓይ ካብ ዓይኒ መርፍእ ዝጸበበት ጸባብ ኮይናትኒ። ስለ ዝጸበበኒውን እምነተይ ዓቂበ ክመውት ተመነኹ። ከመይሲ ቤተ-ሰብን ዘመድን ዝሰኣንኩ። ዘጸግዓኒውን ዘይብለይ፥ ብዓሌተይን ወገነይን ዝተነጸግኩ ሰብየ። እቲ ንክርስቶስ ምምራጸይ ምኽንያት ኮይኑ፥ ዘመድን ወገንን ዓሌትን ዘይብለይ ኮይነ ምናምን ተሪፈ። ካብ ኩሉ ተሰጕጐን ተነጺለን ኣብ ምህዳም ዝርከብ ዘሎኹ ብምዃን ድማ፥ እተሕዝንን እተደንግጽን ፍጥረት ኮይነ ክርከብ ግድነት ኮይኑኒ።  እሞ ሕጂ ደኣ ኣበይ ከብል-? እንዳ መንከ እእቶ-? ናብ መንከ ክጽጋዕ-? እቶም ዘካረዩኒውን ብፖሊስ ዝህደን ዘሎኹ ምዃነይ ምስ-ፈለጡ፥ ብኣኺ ምኽንያት ኣብ ጸገም ክንኣቱ ስለ-ዘይንደሊ ውጽልና ኢሎሙኒ።

ይቕጽል

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል | 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል |

 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div