S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 16 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 16 - ክፋል

                                            ምዕራፍ ሾብዓተ

                                                  

እቲ ፈተና እናኸበደ ብዝኸደ መጠን፥ ልዕሊ ዓቕመይ ምዃኑ እቲ ክብደቱ ይስምዓኒ ነበረ። ብዝኾነ ካብ ግብጺ ዝወጸሉ መንገዲ ምርካብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብሕይወት ክተርፍ እንተደኣ ኮይነ፥ ብጀካ ስደት ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። እታ ዓባይ-ጓለይ ኣይተፈለየትንን ምሳይ ዘላ። ካብ ግብጺ ክንወጽእ ድማ ክልቴና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳኔ እዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ድምፅና ሓቢእና ክንቅመጥ ስለ-ዝነበረና፥ ዝብላዕ መግቢ ብምስኣን ኣዚና ብጥሜት ተጠቒዕና ኢና። ግዳስ እቲ ካብ ገዛ ወጺእካ ምርካብ ሳዕቤኑ ሞት ስለ-ዝነበረ፥ መግቢ ንምድላይ ኢልና ክንወጽእ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።

እቲ መግቢ ዘምጽኣልና ሓደ ሰብኣይ ነይሩ። ምሸት ምድሪ ምስ-ጸልመተ መጺኡ ክሳብ ዝህበና ድማ ብትዕግስቲ ክንጽበ ነይሩና። ንሱ እቲ መግቢ ዘምጽኣልና ሰብኣይ፥ ብምኽንያት ሥራሕ ንክልተ መዓልቲ ክገይሽ ከሎ፥ ንሱ ክሳብ ዝመጽእ ጥሜትና  ክኢልና ካብ ምጽባይ ሓሊፍና፥ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ፈቲና ጸሊእና ከኣ ግድን ጥሜትና ኪኢልና ክንዕገስ ዝነበረና። ብኸምዚ ዝበለ ጽንኩር ኩነታት ከኣ፥ ንኣርብዓ-መዓልቲ ዝኣክል ተሳቐና። ኣነ ግና ነቲ ፈተና ብጸጋ ክቕበሎ ደኣምበር፥ ክማረር ከም-ዘይግበኣኒ ንነፍሰይ ኣእመንኩዋ። ከመይሲ ብዝሠራሕኩዎ ኃጢኣት፥ እግዚኣብሔር ክቐጽዓኒ ደልዩ ክኸውን ይኽእል በልኩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ንዘፍቅሩዎውን ይቐጽዕ እዩ።

ስለዚውን “... ኣታ ጎይታይ-! ይቕረ በለለይ። ብፍላጥ ኮነ ብዘይ ፍላጥ ኣሕዚነካ ክኸውን ይኽእል እየሞ፥ እቲ ድኻመይ ርኢኻ ደንግጸለይ። ብጀካኻ ዝተረፈኒ ወገንን ዘመድን ዓሌትን ስለ-ዘይብለይውን፥ ብዓይኒ ምሕረትካ ጠሚትካ ኣዕቑበኒ። እቲ ተደራራቢ ፈተና ከቢዱኒ ስለ-ዝኾነ፥ ተጻዊረዮ ክኸይድ ዘኽእል ዓቕሚ የብለይን። ስለዚ ከም መጠን ምሕረትካ መሓረኒ ...” ብምባል ኣምርር ኣቢለ ጸለኹ። ከመይሲ እቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣነን ጓለይን ነሕልፎ ዝነበርና ሕይወት፥ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ይሓይሽ ዝበሃል ኣይነበረን። ከመይሲ ካብ ሰብ ርሒቕና፥ ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር ዝነበርና።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፥ ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ንርከብ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ። ሓደ ወዲ እግዚኣብሔር እቲ ዝነበርክዎ ጸበባን መከራን ብምርኣይ፥ ካብ ሃገር ግብጺ ንምውጻእ ዘኽእሉ፥ ክልተ ፓስፖርት ንክረኽበለይ ቃል ኣተወለይ። እቲ ዝነበረኒ ተስፋ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ በጺሑ፥ ጥቓ ምጽንቃቕ በጺሑ ስለ-ዝነበረ፥ ጉልበተይ ጸኒዑ ደው ክብል ዘኽእለኒ ዓቕሚውን ኣይነበረንን። ብጀካ ሕያዋይ ኣምላኸይ ድማ፥ ኣሎኒ ዝብሎ ወገን ወይ ዘመድ ኣይተረፈንን። ካብ ሰብ ከም-ዘይተወለድኩን፥ ካብ ሰብውን ከም-ዘይተፈጠርኩን፥ ብዘይ ገለ ጸግዕን ጽላልን ንበይነይ ተሪፈ።

እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ግና፥ ኣብ ዝኾነ ግዜን ሰዓትን ምሳይ ነይሩ። ኣብ ዝጸዋዕኩዎ እዋን ድማ ስለ-ዝምልሰለይ፥ በይነይሲ ኣይነበርኩን። ስለዚውን ኣብታ ምስ ጓለይ፥ ምድረ ሰማይ ጽብብ ኢላትና ዝነበረትሉ ሰዓትውን፥ ከምዚ ኢለ ጸለኹ። “... ኣታ ጎይታይ-! ጸቢቡኒ እዩሞ፥ ንበይነይ ክጭነቕ ኣይትግደፈኒ። ኣብቲ ኩሉ ዝገበርኩዎ ጉዕዞ፥ ንስኻ ምሳይ ስለ-ዝነበርካ፥ ኣጽኒዑ ክሕዘኒ ዝኸኣለ ፈተና ኣይነበረን። ንስኻ እሙን ኣምላኽ ስለ-ዝኾንካ፥ ለይቲ ኮነ መዓልቲ ካባይ ኣይተፈለኻን። ንስኻ እንተ ዘይተጽልለኒ ከኣ፥ ክሳብ ሕጂ ብሕይወት ክጸንሕ ኣይመኸኣልኩን። ስለዚ ሕጂውን ኣብታ ቅድስቲ ኢድካ ወዲቐ፥ ዑቕባኻ ኢለ እየ ኣይትፈለየኒ ...” ኢለ ብዓቢይ ናይ ተመስጦ መንፈስ ጸለኹ።

ብራእይ ድማ ከምዚ ዝብል ቃል-ኣምላኽ መጸኒ። “...ሓለዋ ኣምላኽ ኣይፍለየክን እዩ። ሒዙ ከጽንዓኪ ዝኽእል ፈተና ድማ የልቦን። ሕጂ ድማ ካብቲ ተሓቢእክዮ ዘሎኺ ቤት ውጺ። ሒዙ ከጽንዓኪ ኮነ ቋሕ ኢሉ ክጥምተኪ ዝኽእል ድማ የልቦን...” ዝብል ኣምላኻዊ-ቃል ተነገረኒ። ብድሕሪ ፍርሃተይ ቅንጥጥ ኢሉ ስለ-ዝኸደለይ፥ ትብዓትን ኃይልን ተሰመዓኒ። ኣብቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ እምነተይ ብምግባር ድማ፥ ምሉእ ምጽንናዕ ረኸብኩ። “...ኣታ ጎይታይ-! ብዘርኣኹዎ ድኻም፥ ይቕረ በለለይ...” ብምባል ድማ ጸለኹ።

ነቲ ብራእይ ዝተነገረኒ ኣምላኻዊ ቃል ተኣማሚነ ከኣ፥ ካብቲ ተሓቢአሉ ዝቐነኹ ቤት ወጻእኩ። ፍርሃት ዝበሃል ነገር ግፍፍ ኢሉ ስለ-ዝኸደለይ ከኣ፥ ድፍረት ተሰመዓኒ ትብዓትውን ረኸብኩ። ብድሕሪ ደሃዩ ክፈልጥ ብማለት፥ ናብቲ ፓስፖርት ከውጽኣለይ ተስፋ ዝሃበኒ ፈታዊ ተሌፎን ደወልኩ። ንሱ ድማ “...ትማሊ እንዳ ዘከርኩኺ ነይረ። ኣነን ስድራይን ድማ፥ ንዓኺ ብምዝካር ጸሎት ድሕሪ ምግባርና፥ ንዓኺ ብዝምልከት ነዊሕ ዘተ ኣካይድና። ከምዚ ኢልና ድማ ንዓኽን ንጓልክን፥ ናይ መንነት ካርድ ከነውጽኣልክን ወሲንና ኣሎና። ስለዚ በጃኺ ቅልጥፍ ኢልኪ፥ ናይ ክልቴኽን ስእሊ ለኣኽለይ ኢኺ። ብዝተኻእለ መጠን ድማ፥ ኣብቲ ስእሊ ካልኦት መሲልክን ክትሰኣላ ፈትና...” ኢሉ ዝነገረኒ።

እዚ ዜና ምስ-ሰማዕኩ፥ ካብ ብዝሒ ሓጎሰይ ዝተላዕለ፥ ነፍሰይ ክቈጻጸር ምኽኣል ክሳብ ዝስእን ኮይነ። ካብ ኢድቶም ከም ኣራዊት ዝሃድኑኒ ዝነበሩ ቀተልቲ ነፍሲ፥ ዘምለጥኩ ኮይኑ ስለ-ዝተሰመዓኒ ድማ፥ ነቲ ወትሩ ንዓይ ንምሕላው፥ ዘይድቅስን ዘይታኸስን ኣምላኸይ ኣመስገንኩ። በቃ እቲ ጥቓ ሞት ኣብጺሑኒ ዝነበረ ፈተና፥ ተሳዒሩ ኢለ ስለ-ዝኣመንኩ፥ ከም ጸባ ዝጸገበ ብተይ ክዘልል፥ ምንም ዝተረፈኒ ነገር ኣይነበረን። ስለ ድማ ከምዚ ጸሎኹ “...ኣታ ዘይትድቅስን ዘይትታኸስን ኣምላኽ-! ነቲ ውዕለትካ ብኸመይ ክኸፍሎ-? ንስኻ መጋረጃ ኮንካ እንተ ዘይትኽልክለለይ፥ ኣነ ካብ ኣዒንቶም ክስወር መዓስ ምኸኣልኩ። ሕጂ ድማ እንሆ ብኣኽናፍካ ከዊልካ፥ ኣብዚ ኣብጺሕካኒ ኣሎኻ። ንሳቶም ድማ ንዓይዮም ከጻብቡለይ ዝኽእሉ እምበር፥ ንዓኻስ ኣይክእሉኻን እዮም። ስለ እንሆ ከመስግነካ ኣብ እግርኻ ወዲቐ ኣለኹ...” በልኩ።

ከምዚ ኢለ ድማ፥ ናብቲ ሕይወቱ ሠዊዑ ናይ መንነት-ካርድ ከውጽኣለይ፥ ዝጽዕር ዘሎ ፈታዊና ከድኩ። ንእግዚኣብሔር ስለ-ዝኣመንኩ ድማ፥ ምንም ክሕባእ ከየድለየኒ ከም ኩሉ ሰብ ግልጺ ኮይነ ከድኩ። እግዚኣብሔር ዝጓስኣ ናህድሞ፥ መን ቋሕ ኢሉ ክጥምታ-?! ብዝኾነ እቲ ንሱ ዝቕመጦ ዝነበረ ከተማ፥ ካብ ካይሮ 70-ኪሎሜትር ርሒቑ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ክርስቲያናዊ ብዝኾነ ፍቕርን ሕውነትን ተቐቢሉኒ። እቲ ክርስትና ኣብ ሕይወቱ ተንጸባሪቑ ዝርአ ብምንባሩ ድማ፥ እቲ ኩሉ ዝነበረኒ ፍርሂ ተቐንጢጡ ልበይ ክረጋጋእ ከኣለ።

ንሱ እቲ ዝተቐበለኒ ክርስቲያን ኃወይ፥ ኣዚዩ ብቅዉም-ነገር ዝተመልአ፥ እዚ ይጐድሎ እውን ዘይበሃል፥ ወረጃ ኮይኑ ዝረኸብኩዎ። እቲ ዝድለ ዝነበረ ክልተ ስእሊ፥ ማለት ናተይን ናይ ጓለይን ድማ ሃብኩዎ። ብድሕሪ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ወዲኡ ክመጸኒ ቃል ኣተወለይ። እቲ ከም ኣራዊት ክህደነሉ ዝነበርኩ ጸልማት እዋናት ሓሊፉ፥ ኣብዚ ደረጃ ክበጽሕ ምኽኣለይ ክሓስቦ ከሎኹ፥ ሕልሚ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ንእግዚኣብሔር እንታይ ይሰኣኖ ኮይኑ-!!

እቲ ንምሕላወይ ዘይህከ ኣምላኸይ፥ ምሳይ ስለ-ዝነበረ ድማ መን ኢኺ-? ኢሉ ዝሓተኒ ኮነ፥ ቋሕ ኢሉ ክጥምተኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ነቶም ከም መልኣከ-ሞት ዝፈርሆም ዝነበርኩ ጐደናታት ካይሮ ድማ፥ ጥሕስሕስ ኣቢለዮም ክሓልፍ ፍርሃት ዝበሃል ነገር ፈጺሙ ኣይተሰምዓን። በተን ኩሉ ሕዝቢ ዝጐዓዘለን ኣውቶቡሳትን ታክሲታትን ድማ፥ ብዘይ ዝኾነ ፍርህን ስክፍታን ምምልላሰይ ቀጸልኩ። መን ኢኺ-? ኢሉ ክሓተኒ ዝደፈረ ግና ኣይነበረን። ነታ ኣምላኽ ጓስኣ ዝኾነ በጊዕ መን ክደፍራ-?! ፍርሃት ዝበሃል ነገር ካባይ በሪሩ ከይዱዩ። እቲ ውሽጠይ ከኣ ብጸጋ ኣምላኽ ተመሊኡ ስለ-ዝነበረ፥ ዘፍርሃኒ ምኽንያት ኣይነበረን።

ነቶም ዝሃድኑኒ ዝነበሩ ፖሊስ ከኣ፥ ተጐዝጕዘዮም ዝሓልፍ ዝነበርኩ። ፍርሂ ዝበሃል ነገርውን ምሳይ ኣይነበረን። ሕጂ ግና ኩሉ ሓሳባተይ፥ ኣብተን ናይ መንነት-ካርድ ስለ-ዝኸደ፥ ዕለት ብዕለት ሰዓት ብሰዓት ደቒቕ ብደቒቕ እናቘጸርኩ፥ ተረቢጸ ምጽባየይ ቀጸልኩ። ከም-ዘይሓልፍ ስለ-ዘየልቦ ድማ፥ መዓልቲ ቈጸራ ኣኸለ። ከምዚ ኢልና ድማ ናብቲ እንዳ ፈታዊና ዝኾነ ክርስቲያን ቤት ከድና። ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ እሙን ክርስቲያን ስለ-ዝነበረ ድማ፥ ተኣማሚነ ናብኡ ዝኸድኩ። ክሳብ መወዳእታ ድማ እሙን ኮይኑ ረኺበዮ። እተን ናይ መንነት ካርድ ድማ ከረክበኒ ክኢሉ።

ከመይሲ ኣብ ቅድሚ ውሳኔ ኣምላኽ፥ ደው ክብል ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኃይሊ የልቦን። ነቲ እግሪ እግረይ እናኸደ ዝጓስየኒ ዝነበረ ኣምላኸይ ድማ ኣመስገንኩዎ። ብመንፈሰይ ድማ ኣዚየ ተመሲጠ ነበርኩ። እቲ ውዕለት ኣምላኸይ ስለ-ዝኸበደኒ፥ ነቲ ሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ተኣምራቱ ብምሕሳብ የስተንትን ነበርኩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተንትኖ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ድማ፥ እቲ ክርስቲያን ፈታዊና “...ንምዃኑ ንወጻኢ ሃገር ክትከዲ ድሌት ኣሎኪዶ-? ኢሉ ዝሓተተኒ።

“... እወ ንምድላይ እንተ-ኾይኑስ እደሊየ። ግዳስ ንምንታይ ኢኻ ከምኡ ኢልካ ሓቲትካኒ-? ኢለ ተወኪሰዮ። ንሱ ድማ “...ንዓኽን ንጓልክን ፓስፖርት ከውጽኣልክን ስለ-ዝሓሰብኩ እየ። ኣብዚ ግና ኣይኮነን ኣብ ካልእ ከተማ ክገብሮ። ስለ ድሌትኪ ክፈልጥ ስለ-ዘሎኒ ሓቲተኪ...” ድማ ኢሉኒ። እዚ ከኣ ንዓይ ክርከብ ዘይከኣል ዓቢይ ኣጋጣሚ ስለ-ዝነበረ፥ ከምልጠኒ ዝደልዮ ዕድል ኣይነበረን። “... በቲ ንዓይ ኢልካ ትሓስቦን ትገብሮን ኩሉ እሰማማዕ...” ድማ በልኩዎ። ንሱ ከኣ “... በሊ ብረድኤት እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ፥ ኣብ ውሽጢ ዝመጽእ ዓሠርተ-መዓልቲ፥ ኩሉ ወዳዲአ ክነግረኪ እየ...” ምስ-በለኒ ብምስጋናን ሓጎስን ተፋንየዮ እየ ዝኸድኩ

ገና ኣብ መንገዲ ከሎኹ ድማ፥ ነቲ ክጽውዖ ከሎኹ ብቅጽበት ዝምልሰለይ ኣምላኽ፥ ካብ ዕመቕ ልበይ ኣመስገንኩዎ። ከምዚ ኢለ ድማ ቤተይ በጻሕኩ። እቲ ዓዲ ገዲፍካ ምውጻእ ዘይተርፍ እንተደኣ ኮይኑ ድማ፥ እስክንድርያ ከይደ ኩሉ ነገር ከጻፍፍ፥ ኣድላዪ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ስለዚ ከኣ ብኣውቶቡስ፥ ንእስክንድርያ ኣቢለ ኣቕኒዐ ከድኩ። ኣብቲ ጸሎተይ ድማ “...ኣታ ጎይታይ-! ነዚ መንገዲ ንዓኻ ኣሚነ ዝኸዶ ዘሎኹ። ስለ ንስኻ ምርሓኒ ኣነ ድማ ክኽተለካየ። ብዘይ ናትካ ረድኤት ግና፥ ሓንቲ ስጉምቲ ትኹን በይነይ ክኸይድ ዝኽእል ኣይኮንኩን...” ብምባል ዝጸለኹ።

እቲ ግዜ ወርሒ ታኅሳስ ብምዃኑ፥ ቁሪ ዝበዝሖ ግዜ ነይሩ። በዚ ኣገባ ድማ እቲ ጉዕዞ ቀጸለ። ኣነ ግና ንኻልእ ክጥምትን ብዛዕባ ካልእ ክሓስብን ግዜ ኣይነበረንን። በቲ ኣብ ልዕለይ እናተፈጸመ ዝርከብ ዝነበረ፥ ግብሪ-ኣምላኽየ ዘስተንትን ዝነበርኩ። ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ኩሉ፥ ናይ ሞት ድግስ ተዳልዩለይ ይህደን ከም-ዘይነበርኩ፥ ሕጂ ግና ብኣንጻሩ ኣብ ቅድሚኦም እናሃሎኹ፥ ኣምላኽ ብዝገበሮ መጋረጃ ክርእዩኒ ኮነ ክሕዙኒ ኣይከኣሉን። እቲ ስእለይ ፈቐዶኡ ተጠቂዑ እናሃለወ ከሎ፥ ቋሕ ኢሉ ክጥምተኒ ዝደፈረ ግና ኣይነበረን። ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ተኣምር ድማ የልቦን።

ከምዚ ኢለ ድማ ኣብ እስክንድርያ ቀነኹ። ምዩቕ ዝብለሉ ምኽንያት ግና ኣይነበረንን። ክርስቶስ ዝኣክል እምባን ጸግዕን ሒዘኸ፥ እንታይ ዘፍርህን ምዩቕ ዘብልን ኣሎኒ-?! ብዝኾነ እቲ 10-መዓልቲ ዝተባህለ ቈጸራ ስለ-ዝኣኸለ፥ ተቓኒዑሉ እንተኾነ ክፈልጥ ተሃንጠኹ። ስለዚውን ናብቲ ኣብ ክንዳይ ኮይኑ፥ ዝሽገር ዘሎ ክርስቲያን ኃወይ ከድኩ። እቲ ጉዳይ ብጽቡቕ ተወዲኡ ከምዘሎ ድማ ኣበሰረኒ። ነቲ ወትሩ ንዓይ ንምሕላው ዘይደቅስን ዘይታኸስን ኣምላኸይ ድማ ኣመስገንኩ።

ይኹን እምበር እቲ ፖስፖርት ዝተዳለወ፥ ኣብ ካልእ ከተማ ስለ-ዝነበረ፥ ክልቴና ሓቢርና ክንጎዓዝ ነይሩና። እቲ ብኣዚዩ ስቱር ዝኾነ መንገዲ፥ ነቲ ፓስፖርት ከውጽኦ ተመዲቡ ዝነበረ ሰብ ድማ፥ ኩሉ ነገር ወዳዲኡ ስለ-ዝጸንሓና፥ እቲ ፓስፖርት ኣብ ኢደይ ክርከቦ ከኣልኩ። ስለዚ ድማ “...ኣታ ጎይታይ-! እዚ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ጉዳይ፥ እንሆ ክዉን ጌርካዮ። ኣዒንተይ ከኣ ዓቢይ ተኣምርየን ዝርእያ ዘለዋ። ነዚ ክርእስ ክንደይ ኮን ተዓዲለ እየ-!!...” ብምባል ድማ፥ ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን ኢለ ንኣምላኸይ ኣመስገንኩ።

ከምዚ ኢልና ድማ፥ ሓዲሽ ፓስፖርት ሒዝና ንእስክንድርያ ተመለስና። ግዳስ ካብ ዓዲ ንምውጻእ ፓስፖርት ንበይኑ እኹል ስለ-ዘይኮነ፥ ቪዛ ከመይ ኣቢልካ ክርከብ ከም-ዝከኣል፥ ካልእ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ ይጽበየና ነበረ። ኣየነይቲ ሃገር ኮን ክትተሓባበረና ትኽእል ትኸውን-? ብምባል ድማ ኣብ ሓሳብ ኣተኹ። ግዳስ ብኃይሊ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ፥ እቲ ምሕባእ ተሪፉ ግልጺ ኮይነ ክንቀሳቐስ ክኢለ ስለ-ዝነበርኩ፥ ቤተ-ክርስቲያን ከይደ ኣብ ቅዳሴ ክካፈል ኣሎኒ፥ ብምባል ናብኡ ኣቢለ ኣምራሕኩ።

ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ካህን ተራኸብኩ። ንሶም እቶም ካህን፥ ምስኦም ሓቢረዮም ክኸይድ፥ ናብ ቤቶም ስለ-ዝዓደሙኒ ድማ፥ እቲ ዘቕረቡለይ ዕድመ ተቐቢለ ከድኩ። ኣብ መንጎ ካልእ ዕላል ከኣ “...ንመንግሥቲ ኢድኪ ክትህቢ ኣሎኪ። እንዳ-ሃደምክን እንዳ-ተሓባእክን ክትነብሪ ኣይትኽእልን ኢኺ። ምሳኺ ብዝተተሓሓዘ ምኽንያት፥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓትዮም...” ኢሎምዮም እቶም ካህን ዝተዛረቡኒ። ኣነ ድማ ርግእ ኢለ “...እዚ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝኸውን ዘሎ ስለ-ዝኾነ፥ ኣነ ኣብ መደብ እግዚኣብሔር ኣትየ፥ ክገብሮ ዝኽእል ምንም ነገር የልቦን...” ዝብል መልሲ ዝሃብኩዎም።

ቀጺሎም እቶም ካህን “... እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝካየድ ዘሎ ምክትታል፥ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ ትስሕትዮ ኣይመስለንን። ክሕዙኺ ብዘይ ምኽኣሎም ከኣ፥ ከቢድ ጸቕጢ ስለ-ዝገበረሎም ነቲ ነገር ኣካቢዱዎ ዝርአ ዘሎ። ስለ ከኣዮም ኩሉ ንዓኺ ዝፈልጥን፥ እቲ ንዓኺ ብዝምልከት ዝተቀርጸ ቪደዮ-ካሴት ሒዙ ዝተረኽበ ኩሉን ወሰን ኢሎምዮም ክኣስሩዎ ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ከኣ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ተኻቢዱ ከም-ዘሎ ዘርኢ እዩ...” ብምባል፥ ኣብ ልዕለይ ጸቕጢ ክገብሩዮም ደልዮም።

ኣነ ግና ርግእ ኢለ ብርእሰ-ተኣማንነት “... ከምቲ ዝበልኩሞ ኣብ ልዕሊ ኣኅዋትና ክርስቲያን፥ ብዙሕ ማእሰርትን ምክልባትን ይግበር ከም-ዘሎ እፈልጥየ። እዚ ድማ ንእምነት ኢልካ ዝኽፈል መሥዋዕትነት ስለ-ዝኾነ፥ ካብ መስቀልካ ክህደም ኣይከኣልንዩ። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ -ክሳብ ሞት እሙን ኩን- እዩ ዝብል። ንዓይ ብውልቂ ብዝምልከት ግና፥ ኣብ ኢዶም ከም-ዘይወድቕ፥ ባዕሉ እቲ ሕያዋይ-ኣምላኸይ ቃል ኣትዩለይ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ቅዱስ ቃሉ ተኸቲለ መንገደይ ክቕጽልየ። ካልእ ተልእኮ ስለ-ዘሎኪ ኣይትፍርሂ ኢሉኒ ስለ-ዝኾነ፥ ካብቲ ዝጐዓዞ ዘሎኹ መንገዲ፥ የማነ ጸጋም ከላግስ ኣይክእልን እየ...” ብምባል ነቶም ካህን ትብዕ ኢለ ዝመለስኩሎም።

እዚ ዘረባ ግና ነቶም ካህን ክምቅሮም ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፥ እዚኣኸ እንታይ ሃለውለው ትብል ዘላ-!! ብዘስምዕ ምግራም ናባይ ኣቢሎም ድሕሪ ምጥማት “...ንዓይ ከም-ዝመስለኒ፥ ብፍቓድኪ ኢድኪ እንተ ሃብኪ ዝሓይሽ፥ ኢለ ጥራይ  ክመኽረኪ ዝኽእል...” እዮም ዝበሉኒ። ኣነ ድማ “...ከምዚ ትብሉዎ ዘሎኹም ክገበር እንተደኣ ኮይነ፥ ኣብቲ መርመራ ምቕጥቃጥ ከጋጥመኒ ከም-ዝኽእል ርዱእዩ። ነዚ ኩሉ ድማ ክጻወሮ ስለ-ዘይክእል፥ እቶም ኩሎም ዝተሓጋገዙንን ዘዕቈቡንን፥ ኣስማቶም ክነግር ክግደድየ። ነዚኸ ኣብ ግምት ኣእቲኹሞ ዲኹም-? ክብሎም ግድነት ነይሩ።

ንሶም እቶም ካህን ግና፥ ነዚ ዘረባ ምስ-ሰምዑ፥ ኣዚዮም ስምብድ ኢሎም “...ብፍጹም ናይ ዝኾነ ስም ክትጠቕሲ የብልክን። የግዳስ ንስኺ ክብ ዝበለ ሥልጣን ከም-ዝነበረክን፥ በዓልቲ ሃብትን ንብረትን ከም-ዝኾንኪውን ስለ-ዝፍለጥ፥ ብገንዘበይ እየ ክካየድ ጸኒሐ እንተ-በልኪ፥ ክትእመኒ ስለ-ትኽእሊ፥ ናይ ማንም ስም ክትጠቕሲ ኣየድልየክን እዩ ...” ብምባልዮም፥ ከም ሕፃን ቈልዓ ሓባቢሎም፥ ኣብቲ መጋርያ ሓዊ ደፊኦም ክጠብሱኒ ዝደልዩ ዝነበሩ።

ብድሕሪ “...ስለቲ ንዓይ ዘሎኩም ሓልዮት የቐንየለይ። ይኹን እምበር እቲ ሕያው-ኣምላኽ፥ ሓቝፉን ደጊፉን ካብዚ ሃገር ከም-ዘውጽኣኒ፥ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ነጊሩኒ ስለ-ዘሎ። ምንም ዝጭነቐሉ ነገር የብለይን...” እየ ዝበልኩዎም። እቶም ካህን እዚ ቃል ካብ ኣፈይ ክወጽእ ምስ-ሰምዑ። “...ከምዚ እንተደኣ ኮይኑሞ፥ ኣነውን ናብ ሓንቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ዘእቱ ቪዛ ክረኽበልኪ ምኸኣልኩ...” እዮም ዝበሉኒ። ኣነ ግና ካብ ኣፍቶም ካህን ከምዚ ዝበለ ዘረባ ይወጽእ ኢለ ስለ-ዘይተጸበኹዎ፥ ኣሚነ ክቕበሎ ዝኸበደኒ ብዙሕ ኣግራሞት ፈጢሩለይ።

ይቕጽል

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | መበል 15 ክፋል  |  መበል 14 ክፋል  | መበል 13 ክፋል  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል | 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div