S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 17 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመንመበል 17 - ክፋል

ከምዚ ኢለ ድማ፥ ምስቶም ካህን ዝነበረኒ ምዝርራብ ወዲአ፥ ተሳናቢተዮም ምስ ከድኩ። ብዙሓት መልሲ ዘይረኸብኩሎም ሓሳባት እናመጹ የጨንቑኒ ነበሩ። እቲ ዝዓበየ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ግብጺ ክሳብ ዘሎኹ ንሕይወተይ ውሕስነት ክህልወኒ ስለ-ዘይክእል፥ ልበይ ወዲቑለይ ደቂሰ ክሓድር ዝኽእል ኣይነበርኩን። ስለዚውን ምዩቕ እናበልኩ፥ ብጽላሎተይ እናተዳሃልኩ ምንባር፥ ከም-ዘየወጻጽኣኒ ብምርዳእ፥ ብኸመይ ካብ ሃገረይ ክወጽእ ከም-ዝኽእል ከሰላስል ግድነት ነይሩ።

ከመይሲ እዚ መልሲ ተሳኢኑዎ ዘሎ ሕቶዚ፥ ንዓይ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ነይሩ። ኣነ ድማ ከም ኩሉ ካልእ ሰብ፥ ብሕይወት ክነብር ዝደሊ ሰብየ። ስለዚውን እቶም ካህን ኣብ መንጎ ወግዕና “...ናብ ሓንቲ ኤውሮጵያዊት ሃገር ዘእቱ ቪዛ ክረኽበልኪ ምኸኣልኩ...” ኢሎሙኒ ዝነበሩ ቃል ዘከርኩ። ከመይ ኣቢለስ ክርስዖ እኽእል-? ስለዚውን ነቶም ካህን ቀልጢፈ ስልኪ-ደወልኩሎም። ንሶምውን ቃሎም ኣይለወጡን። ኣብቲ ምስኦም ዝገበርኩዎ ምዝርራብ ድማ፥ ንልበይ ዘቕስንን ዘተኣማምንን ዘረባዮም ዝነገሩኒ።

ብመሠረት ዝገበርናዮ ምዝርራብውን፥ እቶም ካህን ቃሎም ኣኽቢሮም ስለ-ዝተረኽቡ፥ ፓስፖርተይ ሒዘ ክመጾም ተቛጸርና። እቲ ጉዳየይ ደሓን መልክዕ እናሓዘለይ ይኸይድ ከም-ዘሎ ስለ-ዝተኣማመንኩ ድማ፥ ኣብዚ ህሞት ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ጸለኹ “...ኣታ ሕያዋይ ኣምላኽ-! ሰማይን ምድርን ክሓልፍዩ። ቃልካ ግና ዓለም ኣሕሊፉ ንዘልዓለም ዝነብር። ኣነ ባርያኻ ድማ፥ ብዛዕባ ሰብ ክገልጾ ዘይክእል፥ ምሕረትካን ርህራሄኻን ብዘይ ምቁራጽ ክነግርየ። ከመይሲ ነቲ ጸጋኻን ምሕረትካን፥ ከስተማቕሮ ዕድል ካብ ዝረኸቡ ሓንቲ ኣነ እየ። ልበይ ድማ ንዓኻ ብምእማን፥ ፍጹም ሰላምን ዕረፍትን ረኺቡ ኣሎ...”  ብምባል ዝጸለኹ።

ከምዚ ድማ ንጽባሒቱ ግሬይ-ሃውንድ ብዝተባህለት ኣውቶቡስ ተወጢሐ ንካይሮ ኣምራሕኩ። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ግና፥ ኣብ ፈቐዶ መናድቕ ስእለይ ተጠቂዑ እናሃለወ። ፖሊስውን ጽዑቕ ፍተሻ እናገበሩ ከለዉ። ነታ ክርስቶስ  ዝጓስኣ ናህድ ግና፥ ግልጽ ኢሉ ክርእያ ዝፈተነውን ኣይነበረን። ከመይሲ ንሳቶም ንዓይ፥ ኣብ ኣውቶቡስ ደፊራ ክትስቀል ኣይትኽእል ኢሎም ስለ-ዝገመቱ፥ ኣብተን ነኣሽቱ መካይን ብምትኳርዮም፥ ኣጽዒቖም ክፍትሹ  ዝረኣዩ ዝነበሩ።

ኣነ ግና ኣብቲ ጎይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ምሉእ እምነት ስለ-ዝነበረኒ፥ ኣብ ጐዳጉድ ከይደ ክሕባእ ዝብል ሓሳብውን ኣይነበረንን። ክርስቶስ ዝኣክል ጎይታ ሒዘውን፥ ክሕባእ የድልየኒ ኣይነበረን። “-እግዚኣብሔር ምሳና እንተደኣ ኮይኑኸ፥ መን ክቃወመና ዝኽእል-” ዝበሎ ቅዱስ-ዳዊትውን፥ ኃይልን ጽንዓትን ኮይኑኒ ነበረ። ኣብቲ ዝገብርኩዎ ነዊሕ ጉዕዞውን፥ ካባይ ኣይተፈልየን እምባን ጽላልን ኮይኑ ዘጽለለኒ ንሱ ነይሩ። ዝለመንኩዎ ዘበለ ኩሉ ይህበኒ። ዝሓተትኩዎውን ይምልሰለይ። ስለዚውን ነቶም ኣብ ግዜ ፈተና ዝጠራጠሩ ኩሎም “-እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጠዓሙዎን ረኣዩዎን-” ጥራይ እየ ክብሎም ዝደሊ። (መዝ .34/8)

ስለዚውን ኣብቲ ቈጸራይ ምእንቲ ከርከብ ካይሮ በጺሐ። ኣቐዲመ ግና ናብ ቤተ-ክርስቲያን ዘምራሕኩ። ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ፥ ኩሉ ግዜ ኣነ ዘቐድሞ ቤተ-ክርስቲያን ኬድካ ምጽላይ ዝነበረ። ከምቲ ልማደይ ድማ ጸሎተይ ኣብጽሐ። ብድሕሪ ናብቶም ካህን ዝኸድኩ። ኣብኡ ድማ ክረኽቦም ክኢለ። እቲ ፓስፖርት ድማ ሂበዮም። ብድሕር ከም-እንደገና ቤተ-ክርስቲያን ተመሊሰ፥ ጸሎተ-ምስጋና ከብጽሕ ስለ-ዝነበረኒ፥ ናብታ ናተይ ርስተይ ቤተይ ዝብላ ቅድስቲ ቤት፥ ናብኣ ዘምራሕኩ። “-ስለቲ ኩሉ ዝገበረለይ ሠናይ ነገርሲ፥ ንእግዚኣብሔር ኮን እንታይ ውዕለት ክፈድዮ እየ-” ብምባል ድሕሪ ምምስጋነይ ድማ፥ ኣብኡ ክጸንሕ ዘድሊ ጉዳይ ስለ-ዘይነበረኒ፥ ኣብቲ ኣጋ-ምሸት ኣቢለ ጉዳየይ ወዳዲኤ፥  ኣንፈተይ ንእስክንድርያ ገበርኩ።

ካብ ካይሮ ንእስክንድርያ ክንምለስ ከሎና ግና፥ ኣነን ጓለይን ኣብ ቅድሚት ማለት ምስቲ መራሕ-መኪና ኢና ተቐሚጥና ዝነበርና። እስክንድርያ ጥቓ ምእታውና ግና፥ እቲ ተፍትሽ ዝበሃል ነገር ብሃንደበት ስለ-ዘጋጠመ፥ ኩለን መካይን እናተፈተሻ ክሓልፋ ግድነት ነይሩ። እዚ ዘይተሓስበ ተፍትሽ ከኣ፥ ንዓይን ንጓለይን ከቕስነና ዝኽእል ኣይነበረን። ከመይሲ እተን ዝድለያ ሰባት ንሕና ኢና። እቲ ዝጽበየና ዘሎ ድግስ ከኣ፥ ክሳብ መቓብር ከብጽሓና ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ፥ ክንስሕቶ ንኽእል ኣይነበርናን።

ስለዚ ንሞት ስድሪ ተሪፋትና ምህላዋ ንፈልጥ ብምንባርና፥ ኣብቲ ህሞት ምድሪ ከም ኣፍ ዑንቂ ክትጸበናስ ግድነት ነይሩ። ኣብ ከምቲ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝርከብ ሰብ፥ እንታይ ክስምዖ ከም-ዝኽእል ንዝኾነ ኣብ ፈተና ዝርከብ ሰብ፥ ክጠፍኦ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ዝገጥም ዘሎ። እዚ ኩሉ ከኣ፥ ኣነን ጓለይን ክንጻወሮ ቀሊል ኣይነበረን።እቲ ንሕይወት ኣዚዩ ፈታኒ ዝነበረ ሰዓትቲ፥ እቲ ፈተና ዓቕልና ክሳብ ዘጽብበልና፥ ኣይከበደናን ኢልና ክንሕሱ ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር ካብቲ ዝኣምኖ ኣምላኸይ፥ ፍጡን ረድኤት ክመጸንስ ዝጽበዮ ነይሩ።

 ስለ-ዝኾነውን፥ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ “-ኣታ ኩሉ እትኽእል ኣምላኽ-! ንሕጂ እንዶ ኣዒንቲዞም ወተሃደራት ዕምት ኣብለንሞ፥ ብተኣምራትካ ጉልብብ ኣቢልካ ኣሕልፈና-” ኢለ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ጸለኹ። እቲ ምፍታሽ ኣባና ምስ-በጽሐ፥ እቶም ወተሃደራት ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ኣድህቦኦም ስለ-ዝገበሩ፥ ንዓይን ንጓለይን ግና፥ መን ኢኺን ኢሉ ክሕተና ዝመጸ ወተሃደርውን ኣይነበረን። እግዚኣብሔር መጋረጃ ዘርጊሑ ስለ-ዝኸወለና ከኣ፥ እቲ ክስገር ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ፥ ናይ ሞት ፈተና ብተኣምራት ኣምላኽ ክንሰግሮ ክኢልና። እግዚኣብሔር ኣሚኑ ዝሓፈረ ሰብ የልቦን። ንሕና ድማ ኣብቲ ቅዱስ ስሙ ስለ-ዝተወከልና፥ ብዘደንቕ ተኣምራት ክንወጽእ ኪኢልና። እቲ ቅዱስ ስሙ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን-!!

ኩሉ ነገር ምስ-ሓለፈ ይርሳዕዩ። እታ ንሞት ስድሪ ተሪፋትና ዝነበረት ሰዓትቲኣ ግና፥ ክትርስዓ እንተደለኻውን ትርሳዕ ኣይኮነትን። ኣኺሉና ኣብ ዝበልናሉ ሰዓት ግና፥ እቲ ሕያው ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኣፍ ሞት ኣድኂኑና። ስለዚውን ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ጸለኹ፡-

 “...ኣታ ጎይታይ-! ሕጂ ነቲ ኩሉ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ፥ ጽንኩር ፈተናታት ሰጊረ ኣብ 1990 / በጺሐ እርከብ ኣለኹ። ኣብቲ ኩሉ ኣነ ዝገበርኩዎ ጉዕዞ፥ በይነይ ነይረ ዝብል ኣይኮንኩን። ከመይሲ ብቕድሚት ትመርሓንን ብድሕሪት ትኽብክበንን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። ሕጂ ብዓይኒ-ሕልና ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ፥ ብዘይካ ምሕረትካ ክሳብ ሕጂ ብሕይወት ክጸንሕ እኽእል ኣይነበርኩን። ኣብቲ ቅዱስ ስምካ ተማዕቍበ ከኣየ፥ ምስ ሞት ተቓሊሰ ክወጽእ ዝኸኣልኩ። ሕጂውን ብጀካኻ ካልእ ዘመድን ወገንን ከም-ዘይብለይ ትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ ሕይወተይ ኣብ ትሕቲ ጽላልካ የማዕቁባ ኣለኹ...” ብምባል ምስ ንብዓት ዓይነይ ጸለኹ።

ይኹን እምበር መመሊሰ እንተሓሰብኩዎ፥ እቲ እግሪ እግረይ ዝስዕበኒ ዝነበረ ፈተና፥ ከም ሓምቢስካ ክውጻእ ዘይኽእል ውቅያኖስ፥ ወይ ደይብካ ክውጻእ ዘይክእል እምባ መሲሉ ስለ-ዝተራእየኒ፥ መወዳእታ ክርከቦ ዘይከኣል ጉዕዞ መሲሉ ንሕሊናይ ኣድከሞ። ለይቲ ምስ-ፍርሂ ይሓድር፥ መዓልቲውን ከምኡ ብጽላሎተይ እናሰንበድኩ ዝውዕል ዝነበርኩ። ብሞት ዝድለ ኮይነ እናሃሎኹ ከኣ፥ ከመይ ኢለየ እሞ ድቃስ ለይትን ዕረፍቲ መዓልትን ክረክብ ዝኽእል-?! ብጀካ ምእንቲ ኃጢኣተይ መከራ-መስቀል ዝተቐበለ ጎይታ ከኣ፥ ኣሎኒ ዝብሎ ወይ ከጸግዓኒ ዝኽእል፥ ዘመድን ወገንን የብለይን። መስክነይቲ ናህድ-! ኣብ ዝተወለደትሉን ዝኸበረትሉን ሃገር፥ ዋላ ሓደ ዘጸግዓን ዝድንግጸላን ስኢና።

ካብዚ ኩሉ ጭንቀት ዝተላዕለ ከኣ፥ ከምዚ ኢለ ብምንብርካኽ ጸለኹ። “....ኣታ ጎይታይ-! ናተይ ብሕይወት ምጽናሕ ምንም ዝጠቅም የብሉን። የግዳስ ኣነ ኣብዚ ዓለም ጋሻ እሞ፥ ናባኻ ውሰደኒ። ከመይሲ ኣነ ካብ ግብጺ ክወጽእ ዝሓስብ ዘሎኹ። ግዳስ ኣብ ኩሉ መናድቕ ስእለይ ተለጢፉ እናሃለወ፥ በየናይ መስኮት ተሓቢኤ ክወጽእ ዝኽእል-? ብነፋሪት ክወጽእ ማለት ከኣ፥ ብሕልሚ እንተኾይኑ እምበር፥ ነቲ ኩሉ ዘሎ ሓለዋ ሓሊፍካ ክውጻእ ኢልካ ምሕሳብ፥ ጥቓ ጽላለ ዝበጽሕ ፈተነ እዩ። ግዳስ እዚ ኩሉ ንዓይ ደኣ ዘይከኣል እምበር፥ ንዓኻስ ምንም ዘይከኣለካ ነገር የልቦን። እምበኣር ኣታ ጎይታይ-! እቲ ኩሉ ዘጨንቐኒ ዘሎ ጭንቅን መከራን፥ ኣብቲ ዓቢይ-ምሕረትካ ተስፋ ብምግባር፥ እንሆ ኣብ ቅድሜኻ የንብሮ ኣሎኹሞ፥ ንዓይ ንባርያኻ ኣይትረስዓኒ....” ኢለ ብተመስጦ ጸለኹ።

ኣብቲ ጸሎት ኣዕሚቘ ስለ-ዝኣቶኹ ድማ፥ ኣበይ ከም-ዘሎኹውን እፈልጥ ኣይነበርኩን። ኣብ ዓለም ክንብር ዝብል ተስፋውን፥ እናረሓቐኒ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ፈታውን ዘመድን ዝበሃል ነገር ኣይነበረንን። ካብ ሰብ ምፍጣረይ ንርእሱ፥ ኣብ ዝጠራጠረሉ ደረጃ በጺሐ ክብል እኽእል። ኩሉ ፍጥረት ሰብ፥ ኣንጻረይ ተሰሊፉ ከም ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ ስለ-ዝነበረውን፥ ብጀካ ኣምላኸይ ኣሎኒ ዝብሎ፥ ዋላ ሓደ ዝተረፈኒ ኣይነበረን። እታ ሓንቲ ነይራትኒ ዝብላ፥ እታ ኣብቲ ልዑል ኣምላኸይ ዝነበረትኒ እምነት ጥራይያ።                                                                                   

 በዚ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ፥ ይህውትት ስለ-ዝነበርኩ፥ ኣበይ ከም ዘሎኹውን ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። ብሓሳበይ ካብ ዓለም ወጺአ ኣርሒቐ ስለ-ዝኸድኩ፥ ኣብ ምንታይ እርከብ ከም-ዝነበርኩውን፥ ዝፈልጦ ነገር ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ኣይኮንኩን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተመስጦ ጸሎት ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ግና፥ እቲ ቀደም ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ናይ ኣምላኸይ ድምፂ መጸኒ። ኣብቲ ብመዓት ጭንቂ ተኸቢበ ዝነበርኩሉ ሰዓት ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ነቲ ድምፂ ኸለልዮ ግዜ ኣይወሰደለይን።

እቲ ድምፂ ድማ “-ኣይትፍርሂ-! ናባይ ጥራይ ጠምቲ-” ዝብል ነበረ። እዚ ኣምላኻዊ ድምፂ ምስ-ሰማዕኩ ድማ፥ ሽዕኡ ንሽዕኡ ልበይ ቀጥ ኢሉ ተረጋግአ። ብኃይሊ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፥ ክስዕረኒ ዝኽእል ፈተና ከም-ዘይህሉ ተረዳእኩ። ልበይ ብሓጎስ መልአ-! ኃይልን ብርታዐን ረኺበውን ደው በልኩ። ኣብቲ ሽዕኡ ለይቲ ደቂሰ ከሎኹ ድማ፥ ኣየር-ቲኬት ክቕበል ብራእይ ተራእየኒ። ተንሢኤውን ንክብሪ ኣምላኸይ ሰገድኩ። ኣብቲ እዋናት ተጠራጢረ፣ ብዘርኣኹዎ ድኽመት ከኣ፣ ብምሕረቱ ኪጥምተኒ ናብቲ ንምሕለወይ ዘይህከ ኣምላኸይ ብተመስጦ  ጸለኹ።

ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ምሉእ ኣቓልቦ ብምግባር፣ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ቪዛ ናይ ምርካብ ጉዳይዩ። ነዚ ቪዛ ምርካብ ከኣ፥ ቀሊል ከም-ዘይኮነ ማንም ክርድኦ ይኽእልዩ። ከመይሲ ከምቲ ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ሰብ፥ ክመሉቝ ዝኽእለሉ ዕድል ክረክብ ዘይክእል። ኣነውን ብሞት ዝድለ ዘሎኹ ሰብ ከም-ምዃነይ መጠን፥ ክወጽእ ይኽእል ብምባል ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ኣይነበርኩን። ግዳስ ንሰብ ዘይከኣሎ ንኣምላኽ ግና ይከኣሎዩ። ከመይሲ እቲ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ ንዳንኤል ካብ ሞት ዘድኃነ ኣምላኽ፥ ንዓይውን እዚ ኣምላኽ እዚ ኣምላኸይ።

እዚ ኣምላኽ ከኣዩ፥ ሕጂውን ንዓይ “-ኣይትፍርሂ-! ናባይ ጥራይ ጠምቲ-” ብምባል ብራእይ ዝዛረበኒ ዘሎ። ካብዚ ቃል ንላዕሊ ከኣ ክእመን ዝኽእል ካልእ ኃይሊ የልቦን። ስለዚ ካብዚ ንደሓር በቲ ኣምላኸይ ንዓይ ኢሉ ዘዳለዎ መንገዲ ምጉዓዝ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ክፈርህ ዝገብረኒ ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ምሳይ ዝውዕልን ዝሓድርን ዝነበረ ፍርሂ፥ ቅንጥጥ ኢሉ ስለ-ዝኸደለይ፥ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኸይ በጥ ኢለ ክድቅስ ጸጋ ረኸብኩ። 

ከምዚ ኢለ ከሎኹ ድማ፥ እቲ ቪዛ ንምርካብ ዝነበረኒ ቈጸራ ስለ-ዝኣኸለ፥ በታ ዝለመድኩዋ ግረይ-ሃውንድ ዝተባህለት ኣውቶቡስ ሒዘ፥ ኣንፈተይ ናብ ካይሮ ኣቕኒዐ ጉዕዞይ ቀጸልኩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዝነበርኩ ድማ፥ እቲ ሒዝናዮ ዝነበርና መስመር፥ ጽዑቕ ዝኾነ ተፍትሽ ዝግበረሉ ኮይኑ ጸንሓና። እቶም ናይቲ መንግሥቲ ኃይልታት ጸጥታ ድማ፥ መንገዲ ዓጽዮም ጽዑቕ ናይ ምፍታሽ ተግባር የካይዱ ነበሩ። ኣምላኽ ደኣ ዓይኖም ዓሚቱዎ እምበር፥ እታ ዝደልዩዋ ዝነበሩ ናህድሲ፥ ኣብ ቅድሚኦም ትርከብ ዝነበረት። ነቲ ኣምላኽ ብኪነ-ጥበቡ ዝገበሮ መጋረጃ ሓሊፎም ግና፥ ዝኾነ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ ኣይነበሩን።

እቶም ነቲ ኩሉ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ሕልኽላኽ ሓሊፎም፥ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ብምፍጻም ዝደኸሙለይ ካህን። ኩሉ ነገር ወዳዲኦም እቲ ቪዛ ዝተገብሮ ፓስፖርት ኣብ ኢደይ ምስ-ኣረከቡኒ። ዝተሰመዓኒ ሓጎስ ብቓላት ክገልጾ እኽእል ኣይነበርኩን። ከምቲ ቅዱስ-ዳዊት “-እግዚኣብሔር ንዓይ ካብ ሞት ኣድኃነኒ። ንብዓተይ ከኣ ደረዘለይ። ተሳዒረ ከይወድቕውን ኣድኃነኒ-” ዝበሎ ድማ፥ እቲ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ተኣምር፥ ኣብ ሕይወተይ ክፍጸም ምስ-ረኣኹዎ፥ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ኣምላኻዊ-ውዕለት ከቢዱኒ፥ ብኽይ ኣቢለ ብንብዓት ዓይነይ ተሓጸብኩ። (መዝ. 116/8)

እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፥ እቶም ካህን እቲ ናይ ቪዛ ጉዳይ ጥራይ ኣሳሊጦም  ኣየፋነዉንን። እንታይ ደኣ ነቲ ከጋጥመኒ ዝኽእል ጸገማት ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ኣብ ጉዕዞኺ ግድን ገንዘብ ከድልየኪ ብምባል፥ 3000-ፓውንድ ኣዳልዮሙለይ ከም-ዘለዉ ነጊሮሙኒ። ብተወሳኺውን መን ይፈልጥ-? እዚውን ከድልየኪ ይኽእል ይኸውን ኢሎም፥ $1000-ዶላር ክወስዶ ከም-ዘሎኒዮም ዝነገሩኒ። በዚ ኩሉ ፈጺመ ዘይሓሰብኩዎን ዘይተጸበኹዎን ሓልዮት፥ ልበይ ስለ-ዝተተንከፈ ከኣ፥ ዓይነይ ቀዲሙኒ ንብዓት ብንብዓት ጥራይ ዝኾንኩ። እቲ በይነይ ተሪፈ-! ሰብውን የብለይን ኢለ ክማረር ምጽንሐይውን፥ ክብሎ ዘይግብኣኒ ፍጹም ጌጋ ምንባሩ ቀስ ኢሉ ክስወጠኒ ጀመረ። ከመይሲ ነቲ ብኣምላኸይ ዝግበረለይ ዝነበረ ሠናያት ኩሉ፥ ኣብ ግምት ዘየእተወ ዓሻ ኣበሃህላ ምንባሩ ቀስ ኢሉ ክርደኣኒ ዝኸኣለ።

ብድሕሪ ድማ ኣነ ነቶም ካህን “.... ክቡር ኣቦና-! እዚ ኩሉ ኣይተጸበኹዎን፥ ኣብ ሓሳበይውን ኣይነበረን። ብዙሕ ስለ-ዝተገደስኩሙለይውን፥ ብልቢ ኣመስጊነ እየ። እግዚኣብሔር ድማ የኽብርኩም። እቲ ሓላዊናን ጽላልናን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፥ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን-!! ሕጂ ድማ ንዓይ ኣየር-ቲኬት እንተገዛእኩሙለይ ኣኻሊ ስለ-ዝኾነ፥ እቲ ገንዘብ ክወስዶ ኣይክእልን እየ። እቲ ዝግዘኣለይ ቲኬት ንዓይ ኣኻሊ እዩ ....” ብምባል፥ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ኣረዳእኩዎም። ንሶምውን ነቲ ሓሳባተይ ስለ-ዝተቐበሉዎ፥ በዚ ድማ ብሰላም ተፋንየዮም ጉዕዞይ ንእስክንድርያ ገበርኩ።

ኣነን ጓለይን ከም-ቀደምና፥ ኣብቲ ብቕድሚት ዘሎ መናብር ቦታ ስለ-ዝረኸብና፥ ኣውቶቡስና ተወጢሕና ንእስክንድርያ ጉዕዞ ተጀመረ። እቲ ፍተሻ ከኣ ከም ቀደሙ ጽዑቕን ጽኑዕን ነበረ። ተሓቢእካ ከኽይድ ዘኽእል ድማ ዋላ ሓንቲ ኣማራጺ መንገዲ ኣይነበረን። እቲ ኩሉ ፍተሻታት ከኣ  ናባይ ዘተኰረ ነይሩ። እንዳ ረኣዩኒ ከለዉ  ድማ፥ ሱቕ ኢሎምዮም ዝሓልፉኒ ዝነበሩ። ንማለቱ ኣተኵር ኣቢሉ ክጥምተኒ ዝደፈረ ኣይነበረን። እቲ ንምሕላውና ዘይህከ ኣምላኽ፥  መጋረጃ ገይሩ ስለ-ዝጋረደና ድማ፥ ናባና ኣቢሉ ክጥምት ዝደፈረ ወተሃደር ኣይነበረን።

ይቕጽል

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:- | መበል 16 ክፋል  | መበል 15 ክፋል  |  መበል 14 ክፋል  | መበል 13 ክፋል  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል | 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div