S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (2ይ-ክፋል)

ብድሕሪ ድማ፥ እቲ ሪጋ ናብታ ኣነ ከጥቅዓ ተዓጢቐላ ዘሎኹ ዳይሬክተር በጽሐ። እቲ ኣብቲ ውሽጢ ዝግበር ዝነበረ እንተ-ዘይፈለጥኩ፥ ካብ ብዝሒ ምብስጫዋ ዝተላዕለ ግን፥ ዳርጋ ኣውያትን ብኽያትን ክበሃል ዝከኣል፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ ክትድሀ እሰምዓ ነበርኩ። እቲ ኣብ መርመራ ዝጸንሓቶ ግዜ ድማ፥ ካብቲ ናይቶም ተማሃሮ ኣዚዩ ዝነውሐ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ክትወጽእ ከላ፥ ካብ ብዝሒ ምብካያ ዝተላዕለ፥ ኣዒንታ በርበረ ክሳብ ዝመስል ቂሑ ይርአ ነበረ።

ኣብቲ ቤት-ትምህርትና ብርግኣቱን ብልቦንኡን ዝፍለጥ፥ ብሓደ ናይ ቁጽሪ መምህር ዝኾነ ክርስቲያን ተሰንያ ድማ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ መጸት። “-ስምዒስከ-! ተማሃሮ ካብ ሕጊ ዝወጸ ነገር ክገብሩ ኢለ፥ ዝደፋፍእ ኢልኪ ትግምትንስ፥ ኣነዶ ጨሪሸ ኣእምሮይ ዝሰሓትኩ ሰብ-!? ብምባል ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ ኣምሪራ በኸየት።  ኣነ ግን ዝኾነ ነገር ክብል ስለ-ዘይደለኹ ኣይመለስኩላን። ንሳ ግና “-ኣይከውንን-! ፈጺሙውን ኣይግበርን-! እዚ ክኸውን ኣይክእልንዩ። ነዚ ክሲ ድማ ኣነ ምንም እንተኾነ ኣይቅበሎንየ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ገበን መልሲ ክህበሉውን ዘድሊ ኣይኮነን። እቲ ዝተገብረ መርመራውን ፈጺመ ዝቕበሎ ኣይኮንኩን። በዚ ጉዳይ ግና ምስቲ ዋና ሓላፊ ክዛርብ እደሊየ፥ ድሕሪ ምባል ጸርጸር እናበለት ከደት።

ብድሕሪ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ዝወረደ ፍርህን ራዕድን እዚ ኢልካ ክግለጽ ዝኽእል ኣይነበረን። ዝኾኑዎ ክሳብ ዝስእኑ ክሽቝረሩዮም ዝተራእዩ። ኣነ ከምቲ ተዓጢቐ ዝተበገስኩሉ፥ ኩሉ ነገር ሓሳባት ልበይ ሰሚሩ፥ ከም መደበይ ስለ-ዝኾነለይ፥ በቲ ዝፈጸምኩዎ ኩሉ ኩርዓት ተሰመዓኒ። ብተግባረይ ስለ-ዝተሓበንኩ ከኣ፥ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝነበሩ ክርስቲያን፥ እናተኸታተልኩ ክሃድኖም ቈሪጸ ተለዓልኩ። ማንም ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ፥ ክዓግተኒ ከም-ዘይክእል ድማ ተኣማመንኩ።

በዚ መሠረት ኣቐዲመ ዝወሰድኩዎ ስጉምቲ፥ ኩሎም ኣብ ቤት-ትምህርትና ዝመሃሩ ክርስቲያን ተማሃሮ፥ ምልክት መስቀል ዘለዎ ክዳን ከይክደኑ፥  ወይ ንዕኡ ዝመሳሰል ምልክታት፥ ሒዞም ከይርከቡ ዝብል መምርሒ ኣውጻእኩ። በዚ ድማ ዋና ጸላኢት ክርስቲያን ምዃነይ ኣፍለጥኩ። ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን ድማ፥ ዝኾነ ይኹን ብኣታቶም ወገን ንዝቐርብ ሕቶ፥ መልሲ ንከይህብ ወሰንኩ። በቲ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ተግባራት ኩሉ ከኣ፥ ኣብቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ማኅበረ-ሰብ፥ ኣዚየ ዝተፈራህኩን ዘይድፈርን ክኸውን ከልኩ።

ካብዚ ዝተላዕለውን፥ ክሎም ስለ-ዝፈርሁኒ ጥቓይ ቀሪቡ ከዛርበኒ ኢሉ ዝደፍር ዋላ ሓደ ኣይነበረን። እቶም ክርስቲያን እንኳንዶ ምሳይ ክዛረቡ፥ ብጠቕላላ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ኣቢሎም ምምጻእውን ፈጺሞም ኣቋረጹዎ። ኣነ ግና በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝገብሮ ዝነበርኩ ምህንዳድ፥ ፈጺመ ክዓግብ ኣይከኣልኩን። በዚውን መንፈሰይ ክዓርፈለይ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ ነታ ዳይረክተር ዝኾነት ክርስቲያን ሰበይቲ፥ ናይ መሰናብቲ ዝኾነ በትሪ ኣብ ዝባና ከዕርፈላ ደለኹ። ነዚ ንምግባር ድማ፥ ምቹእ ግዜ ክሳብ ዝረክብ ክጽበ ነይሩኒ።

ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ነዚ ኣብ ልዕሊኣ ዘጻወድኩዎ መጻወድያ ከተግብሮ፥ ብብዙሕ ኣውሪደን ኣደይበን ሓሰብኩሉ። እቲ መደበይ ድማ፥ በይና ከላ እንተ-ረኸብኩዋ ከድምዓላ ዝኽእል ኣብ ዝብል ሓሳብ ጸናዕኩ። ነዚ መደብ ከተግብር ኢለ ኣብ ዝሓስበሉ ግዜ ድማ፥ ንሳ ከም ዑፍ ኣንጊሃ ናብ ሥራሕ ከም-እትግስግስ ክርዳእ ከልኩ። ስለዚ ማንም ሠራሕተኛ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ንበይና ክረኽባ ከም-ዝኽእል ኣረጋገጽኩ። ዳኛ ዘይብሉ በይነይ ክጻወተሉ ዝኽእል ሜዳ፥ ከም-ዝረኸብኩ ኮይኑ ስለ-ዝተሰመዓኒውን ብሓጎስ ፍንጭሕ በልኩ። ኣብቲ ዘጻወድኩላ መጻወድያ ኣትያ ክርእያ ድማ ኣዚየ ተሃንጠኹ። መሬት ክሳብ ትወግሕ ከኣ፥ እቲ ግዜ ክንዲ ዓመት ዝረሓቐ ኮይኑ ተሰመዓኒ።

ብዝኾነ ኣብቲ መጻወድያይ ከተግብረሉ ዝመደብኩዎ መዓልቲ፥ ካብቲ ዝለመድኩዎ ካልእ ግዜ ኣንጊሀ ብምትንሣእ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ኣቕኒዐ ገስገስኩ። ንሳ እታ መጻወድያ ኣዳልየላ ዝነበርኩ ዳይሬክተርውን፥ ድሕረይ ብዙሕ ከይዘንግዐት ደበኽ በለት። ኣዚያ ተሳቕያ ከም-ዝነበረትውን ገጻ ርኢኻ ንምፍላጥ ዝጽግም ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ድማ፥ ውጽኢት እቲ ኩሉ ዘካየድኩዎ ጻዕሪ ብምንባሩ፥ ንሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን።

ቤት-ጽሕፈታ እትው ምስ-በለት ድማ፥ ኣነውን ገጸይ ከም ሓዊ ዝተፍእ ዘሎ ኣቘጢዓ፥ ደድሕሪኣ ተኸቲለያ ኣቶኹ። ኩሉ ነገረይ ምስ-ረኣየት ግና፥ ንነገር ከም-ዝደለኹዋ ስለ-ዝተረደኣ ይመስለኒ፥ ሰውነታ ኣሲራ ጥንቅቕ ክትብል ደለየት። እዚ ከኣ ንዓይ መሊሱ ክንድር ገበረኒ። ብምቕጻል ድማ ዓይነይ ኣፍጥጥ ኣቢለ “-ኣብዚ እንታይ ክትገብሪ መጺእኪ-? ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ ፈጺመ ምሳኺ ክሠርሕ ኣይደልንየ። ንዓኺ ኣብዚ ቦታ ክርኢ ከቶ ዘይሕሰብዩ። ሕጂ ክትወጺ ጥራይ ዘሎኪ-“ ብምባል፥ ዓይነይ ኣፍጢጠ ኣንጋሕጋሕኩላ። ነዚ ኣበሃህላ ግና ንሳ፥ ክትርድኦ ኮነ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን። እንታይ ይብል ከም-ዘሎኹውን ምርድኡ ጨነቓ።

እቲ ኩነታተይ ስለ-ዘፍርሃ ይመስለኒ “-ንምዃኑ እንታይ ትብሊ ከም-ዘሎኺዶ ይርድኣኪ-? ኣእምሮኺዶ ስሒትኪ ኢኺ-? በለትኒ-“ ኣነ ግን ንዕኣ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ንምብራር፥ ተዓጢቐ ዝሓዝኩዎ ጉዳይ ስለ-ዝነበረ፥ ንድሕሪት ዝምለሰሉ ምኽንያት ኣይነበረንን። ስለዚ ዓው ብዝበለ ድምፂ “-ኣነ ከማኺ ዓዋን ኣይኮንኩን። ፈጺመ ከኣ ምስ ከማኺ ዝኣመሰለት ሓቢረ ክሠርሕ ኣይደልን-“ ብምባል ድምፀይ ዓው ኣቢለ ኣንጋሕጋሕኩላ። ብድሕሪ እቲ ኩነታት ስለ-ዘስግአ ይመስለኒ፥ ካባይ ክትሃድም ደለየት። ኣነ ድማ በቲ ምፍርሃ ናይ ልቢ ልቢ ስለ-ዝተሰመዓኒ፥ “-ቀልጢፍኪ ካብዚ ቤት-ትምህርቲ ውጺ-! ኣብዚ ክጸንሕ ዝብል ሓሳብ እንተደኣ ኣልዩኪ ግና ክቐትለኪ እየ-! ብምባል፥ ኣጉባዕባዕኩላ።

ነዚ ኩሉ ክትጻወሮ ስለ-ዘይከኣለት ድማ፥ ካብ ቤት-ጽሕፈታ ሃዲማ ክትወጽእ ተገደደት። እቲ ዘጋጠማ ኩነታት ሰባት ክሰምዑላ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ ትዛረብ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ድማ፥ ኣነ ዋላ ሓንቲ ከም-ዘይገበርኩ፥ ዝኾነ ሰብ ከይረኣየኒ ሰላሕ ኢለ ቤት-ጽሕፈተይ ኣትየ ተቐመጥኩ። ሱቕ ኢለ ድማ ዝተለመደ ዕለታዊ-ሥርሐይ ቀጸልኩ። ንሳ እታ ዓጢቐላ ዘሎኹ ክርስቲያን ዳይሬክተር ግና፥ “-ናህድ ክትቀትለኒ ደልያ-“ እናበለት ክትዛረብ እሰምዓ ነይረ እየ። እቶም ነዚ ዝሰምዑ መማህራን ድማ፥ እክብ ኢሎም ናባይ መጹ። ተረጋጊአ ዕለታዊ-ተግባረይ ክፍጽም ድማ ጸኒሐዮም። ዝኾነ ነገር ክብሉ ድማ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ንኹሉ ነገር ጽቡቕ ገይረ ሓሲበሉ ስለ-ዝነበርኩ፥ ንወቐሳ ከጋልጸኒ ዝኽእል ጌጋ ክገብር ዘይሕሰብ ነይሩ።

ኣብ ቅድሚ ኩሎም እቶም ሽዕኡ ተኣኪቦም ዝመጹ መማህራን ድማ፥ ንዕኣ ነታ ክርስቲያን ዳይሬክተር፥ ፊት ንፊት ገጻ ትኩር ኢለ እናጠመትኩ “-እንታይ እንዳበልኪ ኢኺ-? ነቲ ትብልዮ ዘሎኺ ዋላ ሓደ ኣሚኑ ዝቕበለኪ ክትረኽቢ ኣይትኽእልን ኢኺ-?” ብምባል ተረጋጊአ ነገርኩዋ። ብድሕሪ ኩሉ ነገር ሕውስውስ ኢሉ፥ ትብሎን ትገብሮን ስለ-ዝጨነቓ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ እቲ ቤት-ትምህርቲ፥ ኣቢላ ከደት። ብሓቂ ድማ ምድሪ-ሰማይ፥ ክንዲ ኣፍ ዑንቂ ከም-ትጸባ ኣጽቢበላ። ነዚ ተኸቲሉ ከኣ ሽዕኡ ንሽዕኡ፥ ሓደ መርማሪ ኣስላማይ ብህጹጽ ተላኢኹ መጸ። እቲ ነገር ከምቲ ዝመደብኩዎን ዝሓሰብኩዎን፥ ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ስለ-ዝተኻበደ፥ ኣነ ዝዓግበሉ ውሳኔ ንኽመጽእ፥ ዳርጋ ርሑቕ ከም-ዘይኮነ ተሰመዓኒ።

በዚ መሠረት እቲ መርማሪ ንዓይ ኣብ ዘዛረበኒ ግዜ፥ ንሳ እታ ክርስቲያን ዳይሬክተር ኣብ ልዕለይ ዝበለቶ ኩሉ ነጊሩኒ። ኣነ ግን ብፍጹም ዝበልኩዋን ዝገበርኩዋን የብለይን ብምባል ከሓድኩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ድማ፥ ንሱ እቲ መርማሪውን፥ ምንም ከይተኸራኸረ ዝበልኩዎ ኩሉ ኣሚኑ ተቐበለኒ። ኣነ እንተኾንኩውን ዓሻ ኣይኮንኩን። ኣብቲ ሰዓት ምሳይ ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ፥ ከም-ዝነበሩ ኮይኖም ዝምስክሩለይ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣዳልየ ነይረ እየ። ካብዚ ሓሊፈውን፥ ነቲ ነገር ገልቢጠ ንሳ ከም-ትጽልኣኒ ንኸረድእ፥ ንዓይ ካብዚ ቤት-ትምህርቲ ከም-ዝባረር ገይራ፥ ብሓንቲ ክርስቲያን ክትትከኣኒ ከም-እትደሊ፥ ዝምስክሩ መሰኻኽር ኣቕረብኩ። ንሳቶምውን እቲ ኣበሃህላ ልክዕ ምዃኑ መረጋገጺ ቃሎም ሃቡ።

ብድሕሪ እቲ ጉዳይ፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃይማኖት ቅርሕንቲ ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተገብረ ተባሂሉ ስለ-ዝተገመተ፥ ዓቢይ ጠመተ ክወሃቦ ከኣለ። ከምዚ ክኸውን ምኽኣሉ ድማ፥ ነቲ ዝተበገስኩሉ ዕላማ ብዓወት ከም-ዝዛዘም ንምግባር ኣዚዩ ሓጋዚ ነይሩ። እቲ መደብ ጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ፥ ብውሕሉል ኣገባብ ስለ-ዘካየድኩዎ፥ ብናተይ ዓወት ከም-ዝውዳእ ጠርጠራ ኣይነበረንን። ስለ-ዝኾነ ድማ እታ ከም ሞት ዝጸላእኩዋ ክርስቲያን፥ ኩሉ ነገር ተስፋ ስለ-ዘቑረጻ፥ ነቲ ቤት-ትምህርቲ ኩቦ ደርቢያትሉ፥ ባዕላ ቅያር ሓቲታ ገዲፋቶ ክትከይድ ተገደደት። ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣይነበራን። ብድሕሪ ማለት ነዚ ቃልሲ ብዓወት ምስ-ፈጸምኩዎ፥ ዘይትድፈር መሲለ ክርአ ጸገም ኣይነበረንን።

ብድሕሪኡ ነቶም ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ጭካኔ ብዝመልኦ ኣተሓሕዛ ተተሓሓዝኩዎም። ብጨካን ኢድ ድማ ሰጥ ለበጥ ኢሎም፥ ተሸቝሪሮም  ከም-ዝኸዱ ገበርኩዎም። ብጣዕሚውን ክፈርሁኒ ጀመሩ። ከምዚ ኢለ ድማ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ መወዳድርቲ ዘይብለይ ንበይነይ ንግሥቲ ክኸውን ከኣልኩ። ዳርጋ ብሙሉኡ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታትውን፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻረይ ኮነ። ትእዛዘይ ክቃወም ዝኽእል ከኣ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ክከራኸረኒ ዝደሊውን ኣይተረኽበን። ሓደ ክርስቲያን ዝኾነ ተማሃሪ፥ መስቀል ኣንጠልጢሉ እንተደኣ ረኺበዮ፥ ካብ ክሳዱ በጢሰ ንምድርባይ፥ ዋላ ሓንቲ ትዕግስቲ ኣይነበረንን። እምበኣር እታ ናህድ ማሕሙድ ሙትዋሊ ዝተበሃልኩ ሰብ፥ ከምዚ ትራዩኒ ነይረ።

ይቕጽል

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን፥ ተተርጕሙ ዝቐርብ

1-ቅጽል 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div