S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 11 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን መበል 11 - ክፋል

ነቶም ካህን ንቀሲስ-ጴጥሮስ ረኺበ ከዘራርቦም ስለ-ዝደለኹ፥ መንገደይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቕኒዐ ዝኸድኩ። ይኹን እምበር ኣበይ ከም-ዘለዉ ብትኽክል ክሕብረኒ ዝኽእል ሰብ ስለ-ዝሰኣንኩ ተሸገርኩ። እቶም ሰባት ዝተፈላለየን ዘይራኸብን ሓበሬታ ይህቡ ስለ-ዝነበሩ፥ ከመይን እንታይን ክገብር ከም-ዘሎኒ ኣነውን ተጸገምኩ። ከመይሲ ገሊኦም ኣብ ዕረፍቲዮም ዘለዉ ክብሉ ከለዉ፥ ካልኦት ድማ ሓሚሞም ደቂሶምዮም ዘለዉ ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ነናቶም ምኽንያት ዘምጽኡውን ነይሮምዮም።

እዚ ጉዳይ ግና፥ ካብቲ እቶም ሰባት ዝብሉዎ ዝነበሩ፥ ርሒቑ ዝኸይድ ካልእ ምሥጢር ክህልዎ ከም-ዝኽእልየ፥ ብወገነይ ዝገመትኩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኩነታት ከሎኹ ድማ፥ ሓደ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ዲያቆን መጺኡ።  ሓደ ኣዚዩ ዘሰምብድ መርድእ ኣርዲኡኒ። ንሱ ከም-ዝበሎ ከኣ “-ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይ መንግሥቲ ሓለውቲ-ጸጥታ፥ ነቶም ካህን ማለት ቀሲስ-ጴጥሮስ ሒዞሞም ከይዶም-” ኢሉ ነጊሩኒ። ነዚ ዜና ምስ ሰማዕኩ ድማ፥ ምንም ክጻወሮ ስለ-ዘይከኣልኩ፥ ኣብ መሪር ብኽያት እየ ዝኣቶኹ። ንዓይ ዝግደሱለይ ኣቦዮም ነይሮም። ኩሉ ግዜ ዘረድኡንን ሕቶይ ዝምልሱለይውን ንሶምዮም ነይሮም።

ኣብ ዝኾነ ጸገምን ፈተናን ሰብ ከድልየኒ ከሎ፥ ምሳይ ደው ዝብልውን ብጀካኦም ካልእ ሰብ ኣይነበረንን። ኣሚነ ዝማኸርውን ምስኦም ነይረ።ብጀካኦም ካልእ ኣማኻሪውን ኣይነበረንን። ከመይሲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ኣብኦም ሓዲሩ ብዙሕ ሥራሕ ክሠርሕ እምልከት ነይረየ። በዚ መሠረት ድማ “- -ርህሩህን ሕያዋይን ዝኾንካ ጎይታ-! ነዞም ኣገልጋሊኻ ዝኾኑ ካህን፥ ብጸጋኻ ኣይትፈለዮም ምጽንናዕካ ድማ ሃቦም። ንፈተና ዲያብሎስ ክስዕር ዝኽእል ጸጋ ዓድሎም። በቲ ንስኻ ዝሃብካዮም ጸጋ፥ ጽኑዕ ኣቦ ምዃኖም እፈልጥ እሞ፥ ኣነ ድኽምቲ ጓልካውን፥ በዚ ናቶም ማእሰርቲ ምኽንያት፥ ካብ እምነተይ ተሰናቢደ ከይናወጽ ርድኣኒ-” ኢለ ጸለኹ።

ኣብ መወዳእታ ጸሎተይ ወዲኤ ክወጽእ ክብል ከሎኹ ግና። ቀሲስ-ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም፥ ኣብ ሓደ ገዳም ምህላዎም ሰማዕኩ። ብመጠኑ ድማ እቲ ዝተሰምዓኒ ፍርህን ስምባድን ክቃለለይ ከኣለ። ብዝኾነ ኣብዚ እዋን ድማ፥ ናብቲ ሓዲሽ-ኣፓርታማ ዝቕይረሉ ግዜ በጽሐ። እቲ መዓልቲ ምስ ምእካሉ ከኣ፥ እቲ ፍርሃተይውን ከምኡ እናወሰኸ መጸ። እቲ ዝነበርኩዎ ገዛ ከም-ዝለቅቕውን፥ ነቲ ዋና ገዛ ድሮ ኣፍሊጠዮ እየ። ንድሕሪት ዝብለሉ ምኽንያትውን ኣይነበረንን። ከምዚ ኢለ ድማ ኣቑሑተይ ኣብ ምጥርናፍ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ህጹጽ መልእኽቲ ኣሎ ኢሉ ኢንጅኔር-ኣያድ ደዊሉለይ።

እቲ ገዛ ዝረኸበለይ ንሱ ብምንባሩ ድማ፥ ገለ ጸገም ኣጋጢሙ ከይከውን ካብ ዝብል ፍርሂ ዝተላዕለ፥ ጉያ ወሲኸ ናብቲ ዝተቛጸርናዮ ቦታ ኣቢለ ኣምራሕኩ። ምስ ተራኸብና ድማ እቶም ኣካረይቲ ክረኽቡኒ ከም-ዝደልዩ ዝነገረኒ። በዚ መሠረት ድማ ምስቶ ኣካረይቲ ዝኾኑ ክልተ-ኣኅዋት ክራኸብ ክኢለ። እቲ ንሳቶም ዝበሉኒ ግና፥ ብጣዕሚ ዘሰምብድ ኮይኑ ረኺበዮ። እቲ ሓደ ካብቶም ክልተ-ኣኅዋት ድማ “-ገዛ ከነካርየኪ ብዘይ ምኽኣልና፥ ብጣዕሚ ኢና እንሓዝን-” ኢሉኒ። ኣነ ድማ “-ስለምንታይ ዘይተካርዩኒ-?” ኢለ ሓቲተዮ። ንሱ ክምልሰለይ ከሎ “-ከም-ኣጋጣሚ ኣብ ሓለዋ-ጸጥታ ንዝሠርሕ ሓደ-ዓርከይ፥ ንስኺ ኣብዚ ኣፓርታማ ተኻራይት ኮንኪ ትመጺ ከም-ዘሎኺ ኣዕሊለዮ።

ንሱ ግና “-ብዝኾነ መንገዲ ነዛ ናህድ ዝተባህለት ሰብ፥ ክሕግዝ ኢልካ ከይትፍትን። ብኃይልታት-ፀጥታ እቲ መንግሥቲ፥ ኣዚዩ ዓቢይ ምክትታል ዝግበረላ ዘላ ሰበይቲ ስለ-ዝኾነት፥ ንዕኣ ክሕግዝ ወይ ምስኣ ክተሓባበር ዝተረኽበ ኩሉ ድማ፥ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉ ብምባል ኣጠንቂቑኒ-” ኢሉ ንዓይ ዝነገረኒ። እዚ መሪር ዝኾነ መርድእ ምስምዑ ድማ፥ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ልክዕ ኣብ ውሽጢ ሰርሲሩ ዝኣቱ፥ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ነይሩ። እቲ ቅድም ኢለ ነቲ ኣፓርታማ ክካረ መጺአ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፥ ዝረኣኹዎ ዘፍርህ ራእይውን ሽዕኡ ትዝ በለኒ።

ምንም ክገብር ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ወዲቐ ከኣ፥ ዝኣትዎን ዝጽገዓሉን ቤት ዘይብለይ ኮይነ፥ ኣብ ባዶ ሜዳ ተዓኒደ ደው ክብል ተገደድኩ። እታ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ክንድ ዝኣክል ክብርን ተሰማዕነትን ዝነበራ ናህድ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘጸግዓን ትጽግዓሉን ብምስኣን፥ ኣብ ከምቲ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ምርኣይ፥ ወይ ሰብ ምዃን ዘየብል ኣይኮነን። መቸም ኣነ ካብዚ ሕጂ ኮይነዮ ዘሎኹ፥ ካብቲ ሽዕኡ ንርከቦ ዝነበርናዮ ኣፓርታማ፥ ደፊኦም ኣጽዲፎሙኒ እንተ-ዝኾኑ ምሐሸኒ። ግዳስ ክግብሮ ዝኽእል ነገር ስለ-ዘይነበረኒ፥ ሓዘነይን ጓህየይን ተሰኪመ ካብኣቶም ተሰናቢተ ክኸይድ ግድነት ነይሩ።

ስለ እቲ ዝወረደኒ ኩነታት ኣውሪደ ኣደይበ እንተ-ሓሰብኩዎ፥ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝወረደ ተደራራቢ ፈተና ኩሉ፥ ንልበይ ስለ-ዘቝሰሎ፥ ክጻወሮ ኮነ ክሽከሞ ኣይከኣልኩን። መሬት ክንዲ ኣፍ ዑንቂ ጸቢባ ድማ፥ ዝኾኖ ክሳብ ዝስእን ተጨነቕኩ። ብጀካ ኣምላኸይ ድማ፥ ክጥምቶን ክጽበዮን ዝኽእል ካልእ ተስፋ ኣይነበረንን። ከምዚ ኢለ ከኣ ጸለኹ። “-ኣታ ጸሎት ሕዙናት ሸለል ዘይትብል ጎይታ-! በጃኻ ቋሕ ኢልካ ጠምተኒ። ረድኤትካ ድማ ሕጂ ለኣኸለይ። ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ከቢድ ፈተና ብጸጋ ክቕበሎ ከኣ፥ ምጽንናዕካ ሃበኒ-” ብምባል ጸሎተይ ኣብጻሕኩ። ብዘገርም ኩነት ድማ ሽዕኡ ንሽዕኡ “-እቲ ዝኾነ ኩሉ ንጽቡቕኪ እዩ። እዚ ከኣ ቀስ ኢልኪ ክትርድእዮ ኢኺ። ሕጂ ግና ተረጋግኢ፥ ጽባሕ ኣብቲ ገዳም ክትበጽሒ ምስ-ከድኪ፥ እቲ ንጸገምኪ መልሲ ዝኸውን ፍታሕ፥ ኣብኡ ክትረኽቢ ኢኺ-” ዝብል ቃለ-እግዚኣብሔር ሰማዕኩ።

ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ቈላታት-ናጥራን ኣብ ዝርከቡ ገዳማት፥ ክሳለም ኢለ ከድኩ። ኣብዚ ጉዕዞ ድማ ምስ ሓደ ሳሚር ዝተባህለ፥ ወረጃ ዝኾነ ክርስቲያን ተራኸብኩ። እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ምስ ሰምዐ ድማ። “-ኣብ መዲናት-ናስር ዝተባህለ፥ ኣብ ውሽጢ ካይሮ ዝርከብ ክፍሊ-ከተማ። ንብረትነቱ ናይ ኃወቦይ ዝኾነ ኣፓርታማ ስለ ዘሎ፥ ከካርዮውን ስለ-ዝደሊ ሓደ መዋዓውዒ ኣብ ጋዜጣ ኣውጺኡ ኣሎ-” ብምባል፥ ንልበይ ዘረስርስ ተስፋ ኣበሲሩኒ። ከምዚ ኢልና ድማ ብዛዕባ ጉዳይ ክንዘራረብ ብቘጸራ ተፈላሊና።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ። ስለምንታይ እቲ ቀዳማይ ናይቶም ክልተ-ኣኅዋት ኣፓርታማ፥ ክቐንዓኒ ከም-ዘይከኣለ ንድኅነተይ ከም-ዝኾነ ሕጂ ዝርድኦ ዘለኹ። ማለት እቲ ኣፓርታማ ክካረዮ ክኢለ እንተ-ዝነብር። ኣብ ማእከል ከተማ ከም-ምንባሩ መጠን፥ ኣብ ዓይኒ ሰብ ከእትወኒ ዓቢይ ተኽእሎ ነይሩዩ። እዚ ከኣ ንሕይወተይ ክፈታተን ኣብ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ፥ ከየእተወኒ ዝተርፍ ኣይነበረን። ካብዚ መከራ ክሕልወኒ ስለ-ዝደለየ ግና፥ እቲ ወትሩ ንዓይ ንባርያኡ ምሕላው ዘይህከ ኣምላኸይን መድኃኒየይን፥ ብኪነ-ጥበቡ ኣውጺኡኒ። ሕጂ ግና ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ ንዓይ ቦታ ኣዳልዩለይ። ኮንትራት ተፈራሪመ ከኣ መፍትሕ ተረከብኩ። እዚ ከኣ ኣብ ቪክቶርያ ዝተባህለ ክፍሊ-ከተማ፥ ኣብ ወሰን ዓስራይ-መንገዲ ዝርከብ፥ ሓደ ክፍሊ ዘለዎ መደቀሲ ቤትዩ። ዋግኡውን ርትዓዊ ስለ-ዝነበረ፥ ክቡር ዝበሃል ኣይነበረን።

ንዓና ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ነገር ዘዳልወልና እግዚኣብሔርዩ። ስለ ኩሉ ንዓና ሓልዮቱ ድማ፥ ካብ ዘልዓለም ንዘልዓለም ዝተመስገነ ይኹን። ከመይሲ ነዚ ኩሉ ዘዳለወለይ ባዕሉዩ። ብዝሒ ሕዝቢ ኣብ ዘይርከበሉ ጽምው ዝበለ ኣከባቢ ከም-ዝሰፍር ዝገበረኒውን፥ ንዓይ ካብ ዓይኒ ክፉኣት ሰባት ክስውረኒ ስለ-ዝደለየዩ። ብኹሉ ድማ ንዓይ ዝሰማማዕ ኮይኑ ረኺበዮ። እቲ ኣብ ገዳም ዝተላለኹዎ ሳሚር ዝተባህለ ክርስቲያን ከኣ፥ ነቲ ሓዲሽ ቤት ጸጋጊኑለይ። መሥመር ኤለትሪክውን ዘርጊሑለይ። እቲ ሓዲሽ ዝተኻረዎ ኣፓርታማ ድማ፥ እዚ ጎዲሉዎ ከም-ዘይበሃል ኮይኑ ተወድኣለይ።

እቲ ካብ ትምህርቲ-ሚኒስተር ክመጸኒ ዝጽበዮ ዝነበርኩ፥ ናይ ስንበት ደብዳቤ ግና፥ ከምቲ ተስፋ ዝገበርኩዎ ቀልጢፉ ክውዳኣለይ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ፥ ናብ ሚንስትሪ ብብዝሒ ክመላለስ ነይሩኒ። ካብዚ ሕጂ ዝኣተኹዎ ሓዲሽ ቤተይ ግና፥ ብቐሊል ክብጻሕ ዝኽእል ኣይነበረን። ርሑቕ ስለ-ዝነበረ ድማ፥ ናብኡ ምምልላስ ቀሊል ኣይነበረን። ስለ እቲ ጉዳይ ክውድኣለይ ኣበርቲዐ ጸለኹ። ከመይሲ ነገር ክኸብደኒ ከሎ ጸሎት ምግባር  ለሚደዮ ጸኒሐየ። እዚ ናይ ሕጂ ጸሎተይውን እግዚኣብሔር ሸለል ኣይበሎን። ስለ ድማ “-እቲ ትጽበይዮ ዘሎኺ ደብዳቤ ነሓሴ-1989 ክመጸኪ እዩ-” ዝብል ቃል-ኣምላኽ መጸኒ።

በዚ ቃል ድማ ምጽንናዕ ረኺበ ተረጋጋእኩ። ናብቲ ሓዲሽ ቤተይ ንምእታው ድማ ወሰንኩ። በዚ ድማ ሞፌድ ኣቑሑት እትጽዕን መኪና ሒዙለይ መጸ። ሳሚርን ሓደ ዓርኩንውን ሓገዙኒ። ብልበይ ድማ “-ኣታ ጎይታይ-! ንሞፌድ ካብቲ ኩሉ ክፉእ ነገር ኣድኅኖ-” ኢለ ጸለኹ። ከምዚ ኢለ ድማ ካብቲ ኣብ ኤይን-ሻምስ ዝነበረኒ ቤት ወጺኤ፥ ኣብቲ ሓዲሽ ዝተኻረኹዎ ቤት ክኣቱ ከኣልኩ። እዚ ሕጂ ዝገደፍኩዎ ቤት፥ 15-ወርሒ ዝኣክል ግዜ ተቐሚጠዮ ጸኒሐ እየ።

ንጽባሒቱ ድማ ናብቲ ሚኒስትሪ-ትምህርቲ ኣምሪሐ ዝኸድኩ። ናይቲ ምክትል ሚኒስተር ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ድማ፥ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ “-እንቋዕ ደስ በለኪ-! እቶም ሚንስተር ሕቶኺ ተቐቢሎሞ ኣለዉ-” ኢሉኒ። ቅድሚ ሕጂ ናይ ስንብት ደብዳቤ ኣቕሪበ፥ ተፈቒዱልኪ ክበሃል ከለኹ ተሓጕሰ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግና ደስ ኢሉኒ ንኣምላኸይ ዘመስገንኩ። እቲ ዝተዋህበኒ ደብዳቤ ድማ፥ ባዕለይ ብኣካል ከይደ፥ ነቲ ናይ ትምህርቲ ምምሕዳር ክፍሊ ኣረኪበዮ። እግዚኣብሔር ስለ-ዝተሓወሶ ከኣ፥ ብዘይ ዝኾነ ሰሓቦን ግተቶን ክፍጸመለይ ክኢሉ።

ነዚ ወዳዲአ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ምስ-ወጻእኩ። ብዛዕባ ናይ ስንብተይ ጉዳይ ንሳሚያን ሞፌድን ክነግሮም ኢለ፥ ንእግሪ መንገደይ ናብኣቶም ተኣለኹ እቲ ቤት-ጽሕፈተይውን ንመጨረሻ ግዜ ኣትየ ረኣኹዎ። እቲ ምድሩ ብቐጠልያ መንጸፍ ደሚቑ ዝርአ ነይሩ። እቲ መሳኹቲውን፥ ምስቲ ምድሩ ከም-ዝሰማማዕ ኮይኑ ደሚቑ ዝርአ ዝነበረ። እቶም ኣሳእልውን ንዓይኒ ተዓዛቢ ከም-ዝማርኹ ኮይኖምዮም ተሰቒሎም ዝነበሩ። እቲ ክፍሊ ሠለስተ-ጠረጴዛ ዝሕዝ። እዚ ማለት ድማ፥ ናተይን ናይቶም ክልተ ተሓጋገዝተይን ኮይኑ። ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ዝቕመጠሉ ብምዃኑ፥ ፍሉይ ዝኾነ ሓለዋ ዝግበረሉውን እዩ።

ንመጨረሽታ ግዜ ድማ፥ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝነገሥኩሉ ቤት-ጽሕፈት ክዕዘቦ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮነለይ። ብኸመይ ዝበለ ትዕቢትን ጭካነን እሠርሕ ከም-ዝነበርኩውን ዘከርኩ። ከምኡውን ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ንምውሳድ፥ ዝገበርኩዎ ቃልስን መወዳእታኡ ድማ፥ ብኸመይ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ገባሪትን ሓዳጊትን ወይ ከኣ ንግሥቲ ንክኸውን፥ ዝተጠቐምኩዎ ብልሓት ኩሉ ኣብ ተዘክሮይ መጸኒ። ንነፍሰይ ኣብ ናይ ሕልና መስትያት ኣምጺአ ምስ-ረኣኹዋ ግና፥ ንዕቕ ዘበልኩዋ። ከመይ ዝበልኩ ከንቱ ከም-ዝነበርኩ ከኣ፥ ግልጺ ኮይኑ ተራእየኒ። ስለዚ ከኣ “-ኣታ ጎይታይን መድኃኒየይን ዝኾንካ ጎይታ-! ንዓኻ ኣፍቂረ ንዓኻውን ክኽተል ስለ-ዝመረጽኩ፥ ኩሉ እቲ ናይ ዓለም ከንቱነት ገዲፈዮ እየ። እቲ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ ቃል፥ ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ምሥጢር ከም-ዝሓዘ፥ ሕጂ ተረዲኡኒ። ኣታ መፍቀር-ሰብ ዝኾንካ ኣምላኽ-! ኣብቲ ፍቕርኻ ክንነብር ከሎና፥ ክሳብ ክንደይ ከም-እተፍቅረናውን ክንፈልጥ ከሎና፥ ብድሕሪ ዓለም ንዓና ዋጋ ዘለዋ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ድማ ፍቕርኻ ንዓና ካብ ኩሉ ነገር ዝዓብየና-” ብምባል ዝጸለኹ።

ኣብዚ እዋን ሞፌድ ከምቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ፥ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት መጺኡ ኣብ ጥቓይ ተቐመጠ። ልክዕ ከም ውላደይ ኮይኑ ዝስመዓኒ። ቅንዕ ኢለ ጠመትኩዎሞ፥ “-ንምዃኑ ሞፌድ-! እዚ ኩሉ መሰልን ክብርን ካልኦት ክረግጽ፥ ንዓኻውን እንተኾነ ዘይግቡእ ነገር ክዛረበካ ከለኹ፥ ስለምንታይ ኢኻ  ትዕገሰኒ ዝነበርካ-” ኢለ ሓቲተዮ። ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መሊሱለይ። “-ኣታ ሕያው ኣምላኽ-! ደቅኻ ከተጨንቕን ከተፈራርህን፥ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ዕድል እትህባ-” ብምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ቀሪበ።

 “-ድሕሪ ድማ ብሕልመይ ኣብ ሓደ  ገረብ ዝብዝሖ ዱር በረኻ፥ ዝነበርኩ ኮይኑ ይስምዓኒ። እቲ ኣግራብ ግና ጉንድን ኣቝጽልትን እምበር፥ ፍረ ኣይነበሮን። እቲ መሬት ድማ ብደርቂ ተሃስዩ፥ ልምላሜ ዝበሃል ነገር ኣይነበሮን። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ኩሉ፥ ፈጺሙ ዘሕዝን ነገርዩ። ኣብቲ መንጎ ግና ሓደ ዓቢይ ገረብ ክቕልቀል ተራእየኒ። እቲ ጨናፍሩ ድማ ክሳብ ሰማይ በጽሐ። ብዙሕ ልምሉም ኣቝጽልቲውን ኣውጽአ። ብዛዕባ ኣገራሚ ትርኢት እናድነቕኩ ከኣ፥ ኣብቲ ፊቱ ደው ኢለ እዕዘብ ነበርኩ። ናይ ኩሉ ትርጉም ግና ክርድኣኒ ስለ-ዘይከኣለ፥ ኣታ ሕያዋይ ኣምላኽ-! ኩሉ ተግባርካ ብዓቕሚ ደቂ-ሰብ ዘይብጻሕን ዘይምርመርን እዩ። ስለዚ ድማ ኣታ ጎይታይ-! እቲ ኣብ ሕልመይ ዝረኣኹዎ ራእይ፥ ምሥጢሩ እንታይ ከምዝኾነ ክፈልጦ ኣይከኣልኩን-” ብምባል ምጽላየይ ቀጸልኩ።

እቲ ከም መልሲ ጸሎተይ ዝመጸኒ ቃል ከኣ “-ካብ ናህድ ኣይትፈለ። ኣብ ዝቕጽል ግዜውን፥ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ናህድ ክትረኽቦ ኢኻ-” ዝብል እቲ ዝተነግረኒ ኣምላኻዊ ቃል። ብዝረኣኹዎን ብዝሰማዕኩዎን ነገር እናተገረምኩ ከኣ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ብምባል ሞፌድ ዘይተጸበኹዎ ኣገራሚ ዛንታ ዘዘንተወለይ። ሞፌድ ዘረባኡ ብምቕጻል “-እሞ ናህድ ናይ እግዚኣብሔር ፍረ ክንርኤላ እንኽእል ገረብ ክትከውን ማለት ደዩ-? ዘይእመን ነገር እንተመሰለ፥ እግዚኣብሔር ግና ከምኡ ንክኸውን ፈቒዱዩ። ስለ ክቕበሎ ይግበኣኒ ኢለ ሓሰብኩ። ስለ ከኣ ካባኺ ክፍለ ዘይደለኹ። ነታ ክርስቲያን ዝኾነት ርእሰ-መምህራን ክሳብ ዘባረርክያ ግዜ፥ ክበጽሓኪ ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ወይ ጸገማት ክከላኸለልኪ እጽዕር ነይረየ። እቲ ነገር ምስ ፈጸምኪ ግና፥ ወይለይ እቲ ዝረኣኹዎ ሕልሚ ናይ ሰይጣን እምበር፥ ናይ እግዚኣብሔር ኣይኮነን ማለት ክሳብ ምባል በጻሕኩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ነገረኛ እያ ኢለ ድማ፥ ኣብ ቤተይ ኣትየ በቲ ንዓኺ ዝነበረኒ ሓልዮት ተጣዒሰ በኸኹ-” ብምባል ሞፌድ ዝገለጸለይ።

ዘረብኡ ብምቕጻል ድማ “-ኣብቲ ሽዕኡ ለይቲ ከኣ፥ ኣደናቒ ሕልሚ ሓለምኩ። ማለት ኣብ ሓደ ሰፊሕን ጽሩይን ዝኾነ መንገዲ፥ ይጓዓዝ ዝነበርኩ ይመስለኒ። ኣብ ሰማይ ድማ ብርሃን ይርአ ነይሩ። ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ክጥምት ከለኹ ድማ፥ ውልዕ ጥፍእ ብዝብሉ ከዋኽብቲ ዝተዓጀበ፥ ሓደ ዘብርህ ዓቢይ መስቀል ረአኹ። ብምቕጻል ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ ብከዋኽብቲ ዝተዓጀበ ንእስ ዝበለ መስቀል ተመልከትኩ። ብልበይ ግና ናይ ነገር ትርጉም ምንም ክርደኣኒ ኣይከኣለን በልኩ። ብድሕሪ እቲ ዓቢይ መስቀል ተሰወረሞ፥ ኣብ ክንድኡ ናትኪ መልክዕ ተራእየኒ። ቀጺሉ ድማ እቲ ንእሽቶይ መስቀል ተሰወረ። ኣብ ክንድኡ ከኣ መልክዕ ወድኺ መጺኡ። ብድሕሪ ኣነ ድምፀይ ዓው ኣቢለ፥ እዚ ክእመን ዘይከኣል ነገርዩ። ብርግጽዶ ናህድን ወዳን ኣብ ሰማይ ዘብርሁ መስቀል እዮም-? ዘይእመን ከኣ በልኩ። እቲ ትርኢት ግና ሠለስተ ግዜ ተደጋጊሙ ክፍጸም ረኣኹ-” ብምባል ዝዛረብ ሞፌድ።

እቲ ከም ውላደይ ዝርእዮ ሞፌድ ዘረብኡ ብምቕጻል “-እቲ ራእይ ሠለስተ ግዜ ክደጋገም ምስ ረኣኹዎ። ኣታ ሕያዋይ ኣምላኽ-! ኩሉ ከም-እትኽእልን ዝሰኣነካ ከም-ዘየልቦን እኣምን ብምባል ካብ ድቃሰይ ምስ-ተበራበርኩ። ንስኺ ናብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ዝተጸዋዕኪ ሰብ ምዃንኪ፥ ኣረጋጊጸ ክፈልጥ ኪኢለ እየ። እግዚኣብሔር ብኣኽን ብወድኽን ኣቢሉ ክሠርሖ ንዝመደቦ አመስግኖ ኣለኹ-!! ግዚኡ በጺሑ እቲ ንእግዚኣብሔር ከመስግኖ ዝኽእለሉ ሰዓት ክመጽእ እናናፈቕኩ ነይረ። እንሆ ድማ ግዚኡ ኣኺሉስ አመስግኖ ኣለኹ። እቲ ብራእይ ዝግለጸለይ ዝነበረ ነገራት ክሳብ ዝፍጸም፥ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ብተመስጦ ክካታተሎ ጸኒሐ። እንሆ ድማ ኣብ ተግባር ውዒሉ ክፍጸም እርእዮ ኣለኹ -” ብምባል እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ሞፌድ ዝገለጸለይ።

ሞፌድ ንዓይ ዝፈትዎ ወደይዩ። ኣብቲ ጎይታይን ኣምላኸይን መድኃኒየይን ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ንመጀመሪያ ግዜ ብራእይ ክግለጸለይ ከሎ ግዜ፥ ንዕኡ ንሞፌድ ምንጋረይውን ትዝ ይብለኒ። እቲ ብናይ ኣምላኸይ ጸጋ ብብርሃን ተኸቢበ ዝነበርኩሉ እዋናትውን፥ ንድሕሪት ተመሊሰ ብዓይኒ ሕልና እዝክሮሞ፥ ክንደይ ኮን ተዓዲለ ብምባል ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ፍሉይ ፍቕሪ-ኣምላኽ ይኸብደኒ። ሕጂ ድማ እንሆ እታ ዋና ጸላኢት ክርስቲያን ምንባረይ፥ ዝተፈለጥኩ ሰብ፥ ብግደይ ድማ እንሆ ክርስቲያን ኢኺ ተባሂለ እስጐጕን እህደንን ኣለኹ። ነዚ መስቀል ክጸውር ጸጋ ንዝሃበኒ ጎይታ ድማ፥ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ። እወ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን-!!!

ል። 

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | 10ይ-ክፋል | 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div