S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (መበል 15 ክፋል)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 15 - ክፋል

እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ፥ ብጀካ ኣምላኸይ ዋላ ሓደ ሰብውን፥ ምሳይ ኣሎ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበርኩሉ እዋን፥ እቶም መነኮሳት እንዳባ-ብሾይ ብብዝሒ ኮይኖም ከቢቦሙኒ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም ድማ “....ንፖሊስ ኢድኪ ክትህቢ ዘሎኪ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተሓቢእኪ ክትከድዮ ዝጸናሕኪ መንገዲ፥ ሕጂ ከወጻጽኣኪ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝግበር ዘሎ ሃድን፥ እናጸበበ ይመጽእ ስለ-ዘሎ፥ ሃዲምኪ ከተምልጥሉ ትኽእሊ መውጽኢ ኣይትረኽብን ኢኺ ....” ኢሉ ክፈርህን ክርዕድን ክገብረኒ ዝኽእል ቃላት ዝነገረኒ።

እቲ ካልእ ፈላሲ ድማ ትቕብል ኣቢሉ “ ..... ኣብ ዙርያ ክሳድኪ ደም መሊኡ ኣብ ሕልመይ ርእየ እየ። እዚ ከኣ ትርጉም ዘድልዮ ኣይኮነን ናይ ሞት ምልክት እዩ። ንሞት ዝተኣሰርኪ ምዃንኪ ድማ ዘመልክት .....” ድማ በለኒ። ሓደ ካልእ ፈላሲ ከኣ “.... ስለ ክርስቶስ ኢልኪ ሠማዕትነት ክትቅበሊዶ ኣይትደልይን ዲኺ-? እሱ ንዑ ንስኻትኩም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥  ዓለም ከይተፈጥረ ዘዳለውኩልኩም መንግሥቲ ውረሱ ኢሉ ዝጽውዕ ዘሎ....” ብምባል ወሰኸኒ። መቸም ኣብቲ ሰዓት ኩላቶም ካራሩኦም ስሒሎም፥ ብዘይ ርህራሄ ንዓይ ክሓርዱ ዝተቐረቡ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ።

ኣነ ድማ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን “..... ምናልባትኮ እዞም ሰባት ዝብሉዎ ዘለዉ፥ ሓቂ ክኸውን ይኽእልዩ። ስለ ንእምነተይ እምንቲ ኮይነ ምእንቲ ክርከብ፥ ንመሥዋዕትነት ድልውቲ ክኸውን ከም-ዝግበኣኒ ንነፍሰይ ኣእመንኩዋ። ስለ ሳንጣይ ከፊተ እቲ ዝነበረኒ ኩሉ ነቶም መነኮሳት ኣረኪበዮም። ብድሕር ኢደይ ክህብ ከም-ዘሎኒ ኣብ ውሳኔ በጻሕኩ። ግዳስ ኢደይ ቅድሚ ምሃበይ እስክንድርያ ከይደ፥ ብድሕረይ ንኻልኦት ክልክም ዝኽእል ወረቓቕቲ ምእንቲ ከይገድፍ፥ ንዓይውን ካልእ ሳዕቤን ከኸትለለይ ዝኽእል ወረቓቕቲ ከጻፍፍ ኣሎኒ ኢለ ወሰንኩ....”

ብተወሳኺውን እታ ኣነ በይነይ ምእንቲ ከይከውን፥ ንዓይ ንምድጋፍ ኢላ ዝመጸት ዓባይ ጓለይ፥ ካብቲ ናባይ ዝመጽእ ዝነበረ ሓደጋ ተኻፋሊት ኮይና፥ ንሳውን ኣብ ዘይትፈልጦ ሓደጋ ምእንቲ ከይትኣቱ፥ ናብ ኣቡኣ ኣቢላ ከም-እትኸይድ ምግባር፥ ክገብሮ ዝነበረኒ ሓላፍነት ኮይኑ ተሰመዓኒ። ብዝተረፈ እቶም ንዓይ ንምሓዝ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት-መንግሥቲ፥ ኣብ ኢዶም ምስ-ኣእተዉኒ ክጽበየኒ ዝኽእል ድግስ፥ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክኸውን ከም-ዝኽእል ዝስሕቶ ኣይነበርኩን።

ግዳስ እቲ ነቶም ሠለስቱ-ደቂቅ ማለት ኣናንያን, ሚሳኤልን, ኣዛርያን ካብ እቶነ-እሳት ዘድኀነ ኣምላኽ። ንዓይ ንባርያኡውን ከም-ዘድኅነኒ እኣምን እየ። ከመይሲ ኣብ ብሙሉኡ ታሪኽ መጽሓፍ-ቅዱስ እንተረአና፥ ኣብቲ ፈተና ዝበርትዓሉ ግዜ ጸበባን መከራን፥ ስም እግዚኣብሔር ጸዊዑ ዝሓፈረ ሕዝቢ የልቦን። ስለ ኣነውን ኣብቲ ኩሉ ክገብሮ ዝጸናሕኩ ጽንኩር ጉዕዞ፥ በይነይ ነይረ ክብል ኣይክእልን እየ። ከመይሲ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ግዜን እቲ ሕያው-ኣምላኽ፥ ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ስለ ኣነ ባዕሉ ዝኣልያን ዝግደሰላን ፍልይቲ ውላዱ ነይረ ክብል ዝኽእል እየ።

ከምዚ ድማ ካብቲ ገዳም እንዳባ-ብሾይ ተሰናቢተ፥ ምስ ጓለይ ንእስክንድርያ ኣቢለ ኣንፈተይ ብምግባር ተሳናቢተዮም ምስ ከድኩ፥ ኣብቲ ካብ ካይሮ ንእስክንድርያ ዝወስድ ጐደና ኣብ ዝርከብ ሆቴል፥ ምስ ጓለይ ኣዕሪፈ ክጸንሕ መደብኩ። ብዝኾነ እቲ መንገዲ ብዙሓት ዓበይቲ መካይን ዝመላለሳሉ መስመር ስለ-ዝኾነ፥ ክንብገስ ኢልና ኣብ እንምድበሉ ግዜ፥ ሕዝባዊ-መጓዓዝያ ክንረክብ እንተ-ዘይከኣልናውን፥ ዝመላኣና ካልኦት መካይንሲ ኣይንስእንን ኢና ዝብል ተስፋ ገበርኩ። ከም-ዝሓሰብኩዎውን ናይ ግሬይ-ሃውንድ ኣውቶቡስ ስለ-ዝረኸብና፥ በዚ ኣገባብ ንእስክንድርያ ክንጓዓዝ ከኣልና።

ኣብቲ ጉዕዞ ከሎኹ፥ ብዙሕ ሻቕሎት ስለ-ዝነበረኒ ብልበይ “-ኣታ ጎይታይ-! ኣብቲ መጨረሽታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣቢለ ድየ ዝኸይድ ዘሎኹ -? ነቶም ናይ መንግሥቲ ናይ ጸጥታ ወተሃደራት ኢደይ ክህብ ኣሎኒ ማለት ድዩ -? ንሳቶም ግና ካባይ ብዝበለጸ ንስኻ ትፈልጦም ኢኻ-? ክሳብ ክንደይ ጨካናት ከም-ዝኾኑ ከኣ ንስኻ ዘይትፈልጦ ኣይኮነን። ኣነ ግና ነቲ ኩሉ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ዘውርዱዎ ግፍዒ ክጻወር ዓቕሚ ዘሎኒ ኣይኮንኩን። ምናልባት እዚ መሪር ፅዋዕ ክተርፈለይ ዘይክእል እንተደኣ ኮይኑ፥ ክብርትዕ ዘኽእለኒ ጽንዓት ሃበኒ-” ኢለ ምጽላየይ ቀጸልኩ።

እቲ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ግዜን፥ ካባይ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ኣምላኸይ ከኣ ሕጂውን ኣይረሰዓንን። “- ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኣይህበክን እየ። ጥራይ እስክንድርያ ኪዲ ኣብኡ ተጸበይኒ -” ዝብል ቃል-ኣምላኽ መጸኒ። ብርግጽውን ንበይነይ ኣሕሊፉ ከም-ዘይህበኒ እምነት ነይሩኒ እዩ። ሽዕኡ ልበይ ቀጥ ኢሉ ትብዓት ተሰምዓኒ። እግዚኣብሔር ምሳይ ክሳብ ዘሎ ኸኣ፥ ዝኾነ ዘፍርሃኒ ኃይሊ ክመጽእ ከም-ዘይክእል ንልበይ ኣእመንኩዎ።

እስክንድርያ ምስ ኣቶና እቲ መንገዲ ኮነ እቲ ሓሳብ ኣድክም ኣቢሉኒ ስለ-ዝነበረ፥ ምንም ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ኣይተረፈንን። እቶም ዝሃድኑኒ ዘለዉ ሓለውቲ ጸጥታ ኣብቲ ገዛ ይጽበዩኒ ከይህልዉውን፥ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ካብ ኣምላኸይ ዝተነግረኒ ቃል ንልበይ ቀጥ ኣቢሉ ስለ-ዘጽንዖ ግና፥ ድምብርጽ ክብለኒ ኣይከኣለን። እቲ ሕያዋይ ኣምላኸይ ምሳይ ክሳብ ዘሎኸ፥ ንመን እሞ ክፈርህ-?!  ስለ ከኣ እቲ ዝመጽእ ይምጻእ ኢለ፥ በጥ ኢለ ደቂሰ ሓደርኩ። በቲ ለይቲ ኣብ ሕልመይ ግና “-ናብ ካልእ ገዛ ቀይሪ-” ዝብል ራእይ ረኣኹ። በዚ መሠረት ድማ ንግሆ ብምትንሣእ፥ ቤት ኣብ ምድላይ ተንቀሳቐስኩ። እግዚኣብሔር ባዕሉ መሪሑ ድማ፥ ኩሉ ዝተማልአ ቤት ኣብ ዘለዎም ሓደ ክርስቲያን ስድራ ኣብጽሓኒ።

ሽዕኡ ብቐጥታ ድማ፥ ናይ ክራይ ውዕል ፈጺመ ተረከብኩዎ። ዝኾነ ነገር ከይፍጠር ወይ እቶም ዘካረዩኒ ስድራ ከይሰናበዱ ብምባል ድማ፥ ኣነ መን ምዃነይ ክነግሮም ኣይደለኹን። ምናልባትውን ሽዕኡ ንሽዕኡ ንዒ ሰላሕ ኢልኪ ውጺ ክብሉኒ ይኽእሉ ይኾኑ። ብድሕሪኡኸ እንዳ መን ክኣቱ -? ዘጸግዓንን ዝጽገዓንን ስኢነ፥ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፥ መንነተይ እንድሕሪ ገሊጸ፥ ኣብ በረኻ ኮይኑ ከም-ዝኑቁ መጽዓኛ ክኸውን። ብዝኾነ ኣብ ካይሮ ይርከቡ ንዝነበሩ ናይ ቀረባ ፈተውተይ፥ ተሌፎን ደዊለ ኣብ እስክንድርያ እርከብ ምህላወይ ምስ-ገለጽኩሎም። ብሕይወት ምህላወይ ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ከመይሲ እቲ መንግሥቲ ቀቲሉ ደርብዩዋ እዩ ዝብል ወረ ኣብቲ ሕዝቢ ተዘርጊሑ። ስለዚ ብሕይወት ምህላወይ ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ምስ ብዙሕ ምግራም ከኣ፥ ብሓቂዶ ንስኺ ናህድ ኢኺ-? ድማ ኢሎሙኒ።

ኣነ ምዃነይን ብሕይወት እርከብ ምህላወይን ድማ፥ ዘይእመን ኮይኑ ተሰምዖም። መወዳእታኡ ድማ “- በሊ ንስኺ ብሕይወት ምህላውኪ መጺእና ክሳብ ነረጋግጽ፥ እቲ ዝኾነ ኩሉውን ክሳብ ትነግርና፥ በጃኺ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ገዛ ከይትወጺ። ዝኾነ ምንቅስቓስውን፥ ክገብር ኢልኪ ከይትሓስቢ -” ኢሎም ብብርቱዕ ኣጠንቐቑኒ። ኣነውን ነቲ በቶም ፈተውተይ ዝተንግረኒ መጠንቀቕታ፥ ዕሽሽ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን። ስለዚውን መንነተይ ሓቢአን ድምጸይ ውሕጥ ኣቢለን ተቐመጥኩ። በይነይ ግና ኣይነበርኩን። እቲ ንዓይ ንምሕላው ዘይድቅስን ዘይታኸስን ኣምላኸይ ግና፥ ለይቲ ኮነ መዓልቲ ንበይነይ ሓዲጉኒ ኣይፈልጥን።እዚ እሙን ኣምላኽ ምሳይ ክሳብ ዘሎ ከኣ፥ በይነይ ዘሎኹ ክብል ኣይክእልን እየ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድማ፥ እቲ ናይቲ ተኻርየዮ ዘሎኹ ቤት ደወል ተደወለሞ፥ ከፊተ እንተረኣኹ እታ ቤት ኣካርያትኒ ዘላ ዋና ገዛ ምዃና ኣረጋገጽኩ። እተዊ ብምባል ድማ ንውሽጢ ክትኣቱ ዓደምኩዋ። እዚ ኣብዚ ሃገር ዝዕለል ዘሎ ወረስ ትሰምዕዮዶ ኣሎኺ-? ድማ በለትኒ። ኣነ ከኣ ብዛዕባ እንታይ ትዛረብ ከምዘላ ስለ-ዘይፈለጥኩ፥ እንታይዶ ሓዲሽ ዝተፈጥረ ወረ ኣሎ -? ብምባል ሓቲተያ። ንሳ ድማ ነዚ ወረ ከይሰማዕኪ ደኣ ኣበይ ዲኺ ትነብሪ-? ብምባል፥ “... ብጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣሚና፥ ክርስቲያን ብዛዕባ ዝኾነት ናህድ ዝተባህለት ኣስላመይቲ ሰበይቲ ኣይሰማዕክን ማለት ድዩ-? ...” በለትኒ።

ኣነ ድማ ብፍርሂ ተዋሒጠ፥ ምስማዕ እንተኾይኑስ እወ ሰሚዐ እየ በልኩዋ። ንሳ እታ ሰበይቲ ግና ብርሱን ዝኾነ ስምዒት ተደፊኣ፥ “... ናህድ ከመይ ኣቢላ ንጎይታና ብራእይ ክትርእዮ ከም-ዝኸኣለት። ጎይታናውን ከመይ ኢሉ ከም-ዘዘራረባ ዝገልጽ ካሴት ገዚኣ ከም-ዝሰምዓቶ ኣዘንተወትለይ ...” ኣነ ድማ እሞ ኣሚንክያዶ-? ኢለያ። ንሳ ድማ “... ምንም ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ዝመስል ሓላፍነትን ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃን ዝነበራ ሰብ። ከምኡውን ካብ ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ ዓቢይ-ስድራ ዝተወልደት፥ ከመይ ኣቢላ ዘይከውን ተዛሪባ ሕይወታ ናብ ሓደጋ ከተኣቱ ትኽእል-? ኣሚና ዝገበረቶ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን...” ኢላ ኣዕለለትኒ።

እዚ ምስ ሰማዕኩ ልበይ ብሓጎስ መሊኡ ተሰራሰረ። ነቲ ኣብ ኩሉ ጉዕዞይ ካባይ ከይተፈልየ ዘሰንየንን ዘሳልየንን ኣምላኸይ ከኣ ኣመስገንኩ። ምስኣ ሓቢረ ናብ ቤታ ብምእታው ድማ፥ እቲ ባዕለይ ዝመላእኩዎ ቴፕ ከም-ዘይሰማዕኩዎን ከም-ዘይፈልጦን መሲለ፥ ምስኣ ሓቢረ ሰማዕኩዎ። ኣነ ግና ነቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ብሕልናይ የስተማቕሮ ነይረ። እዛ ቴፕ እዚኣ ከኣ ንዓይ ጠንቂ ብምዃን፥ በቶም ሓለውቲ ጸጥታ ከም-ዝህደን ገይራትኒ ትርከብ ዘላ። ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ኣካርያትኒ ዘላ ሰበይቲ፥ “... ናህድ ኣብ ኣስክንድርያ ምህላዋ እቶም ፖሊስ በጺሖሞ ስለ-ዘለዉ፥ እቲ ንዕኣ ሒዝካ ናብ ቀይዲ ንምእታው ዝግበር ዘሎ ሃነፍነፍ፥ ብብርቱዕ ይደፍኡሉ ምህላዎም ኣብቲ ሕዝቢ ዝዕለል ዘሎ ...” እያ ዝበለትኒ።

እዚ ንዓይ ሓደ ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ነይሩ። ቀልጢፈ ሕይወተይ ካብ ሓደጋ ዘድሕነሉ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ሓሊፈ ከኣ፥ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ኣማራጺ ኣይነበረንን። እንተኾነ ኣነ ብጀካ ኣምላኸይ ዋላ ሓደ ሰበይ ኢለ ዝጽግዓሉ ዘመድ የብለይን። ምንባርሲ ክንደይ ነይሮሙኒ እዮም። ኣብ ምሉእ ግብጺ ጸብለል ኢሎም ዝርኣዩ ስሙዓትን ርቡሓትን እኳደኣ። እዚ ኹሉ ግና ነቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ጎይታይ ኢየሱስ-ክርስቶስ ብምምራጸይ፥ ግልጽ ኢለ ክርእዮ ኣይደለኹን፥ ብገዛእ ፍቓደይ ክኸስሮ ከኣ ምርጫይ ኮይኑ። ስለዚ ካብ እስክንድርያ እንተሃደምኩውን፥ ከጸግዓኒ ይኽእል ዝብሎ ሰብ ግና ኣይነበረንን። እሞ ኣበይ ደኣ ክኸይድ -?

ኣብ መንጎ ከምዚ ዝኣመሰለ ወጥሪ ተቐርቂረ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ግና፥ ሓደ ካብቶም ተሪፎሙኒ ዝብሎም ፈተውተይ፥ ማለት እቲ ኣብ እስክንድርያ እርከብ ምህላወይ ተሌፎን ደዊለሉ ዝነበርኩ ናባይ መጸኒ። እቲ ዝኾነ ክገልጸለይ ከሎ ድማ “...እቲ ብመገዲ ደቅኺ ገይሩ፥ ንስኺ እንዳ-ኃውትኺ ተሌፎን ከም-እትድውሊ ዝገበረ፥ እቲ ናይ መንግሥቲ ናይ ጸጥታ ኃይሊ እዩ። ከመይሲ ኣበይ ከም-ዘሎኺ ፈሊጦም ንምክትታልክን ንምሓዝክን ክጥዕሞም ስለ-ዝደለዩ እዮም። እቲ ተሌፎን ናይ መን ምዃኑ ምስ በጽሑዎ ድማ፥ ኣብቲ ለይቲ ፖሊስ ነቲ ከባብ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ብምግባር፥ ገዛ ገዛ እናተዉ ክፍትሹ ሓዲሮም።

ንዓኺ ግና ክሕዙኺ ኣይከኣሉን። በዚ ሓርቖት ተላዒሎም ድማ፥ ኣብቲ ለይቲ ዝረኸቡዎ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ። ነቶም ዝሓዙዎም ኩሎም ድማ፥ ብዘይ ርህራሄ ክገርፉዎምን ከሳቕዩዎምን ሓዲሮም። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ፥ እቲ ሓዎም ነቶም ካህን ማለት ቀሲስ-ጴጥሮስ፥ እቲ ክፍጸም ዝሓደረ ግፍዕታት ክጻወሮ ስለ-ዘይከኣለ፥ ንዓኺ ናብቶም ሓለውቲ ጸጥታ ኣሕሊፉ ብምሃብ፥ ነቲ ኩነታት ከዝሕሎ ኢሉ ሓሲቡ። እንዳረኣዩኺ ግና ክሕዙኺ ኣይከኣሉን። እቲ ትኣምንዮ ኣምላኽ መጋረጃ ኮይኑ ስለ-ዝኸልከለልኪውን፥ ኣብ ልዕሌኺ ኢዶም ወስ ክብሉ ኣይፈቐደሎምን። ንስኺ ኣብ መኪና ኣሎኺ ኢሎም ስለ-ዝኣመኑ ድማ፥ ነታ መኪና ክሳብ ካይሮ ትኣቱ፥ ብርሑቕ ርሕቐት ኮይኖም  ተኸታቲሎማ እዮም። ኣብ ገዳም እንዳባ-ብሾይ ክትወርዲ ዝወሰድክዮ ውሳኔ ግና ሓደ ተኣምር ነይሩ።

ኣቐድም ኣቢሎም ንስኺ ኣብታ መኪና ምህላውኪ ርእዮምን ኣረጋጊጾምን ስለ-ዝነበሩ፥ ኣብቲ ጽምዋ መንገዲ ክሕዙኺ መደቦም ዝነበረ። ኣብ ጥቓ ካይሮ ምስ-በጽሑ እንተረኣዩ ግና ዘይምህላውኪ ክፈልጡ ክኢሎም። ብድሕሪ እቲ ዓቢይ መንገዲ ተቘጻጺሮም ብምሓዝ፥ ንኹለን መካይን ብብርቱዕ ክፍትሹ ጀሚሮም። ኣብቲ ዝተገብረ ምፍታሽ ንስኺ ከም-ዘየሎኺ ምስ-ተፈልጠ ድማ፥ ኣብቲ ናይ እንዳባ-ብሾይ ገዳም ብምኻድ፥ ንዓኺ ክረኽቡ ዘይገበሩዎ ጻዕሪ ኣይነበረን። ክረቡኺ ግና ኣይከኣሉን። ደሓር ንክረኽቡኺ ዝነበሮም ተስፋ ምስ-ተጸንቀቐ፥ ክትሃድም ክትብል ፖሊስ ተኵሶም ቀቲሎማ ዝብል ወረ፥ ናብቲ ሕዝቢ ተባዚሑ ከም-ዝንዛሕ ገይሮሞ። ሕጂ እቲ ሕዝቢ ከም-ዝሞትኪ ዝመስሎ ዘሎ።

ብዝተረፈ ንዓኺ ዝፈልጥን፥ ምሳኺ ዝኾነ ምርኻብ ነይሩዎ ዝበሃልን ኩሉ፥ ዝተረፈ የለን ኩሉ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከም-ዝዳጐን ተገይሩ ዘሎ። ሳሚር ገዛ ንኽትካረ ንናህድ ተሓባቢርካ ኢኻ ተባሂሉ ተኣሲሩ ዘሎ። እቲ ብቴፕ ተቐሪጹ ተዘርጊሑ ዘሎ፥ ንስኺ ዝሃብክዮ ቃል ከባዝሕ ዝተረኽበ ሓደ ነጋዳይውን ተኣሲሩ ኣሎ። ንጓልኪ ዘሥርሓ ዝነበረ ከምኡውን ንዓኺ ተሓባቢሩኪ ስለ-ዝተባህለ፥ ኢንጅኔር ራሺድውን እቲ ማእሰርቲ ክተርፈሉ ኣይከኣለን። ብዙሓት ንስኺ ክርስቲያን ንክትኮኒ ኢዶም ሓዊሶምዮም ዝበሃሉ፥ እቲ ማእሰርቲ ክተርፈሎም ኣይከኣለን። ክሳብ ሕጂ ክሕዙኺ ብዘይ ምኽኣሎም ድማ፥ ክዓርፉ ኣይከኣሉን። ኣብ ካይሮን እስክንድርያን ድማ ይደልዩኺዮም ዘለዉ። ኩሉ መውጽእን መእተውን ኣፍ ደጌታትውን ብጽኑዕ ይፍትሹዎዮም ዘለዉ ...” ብምባል፥ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝካየድ ዘሎ ሃድን ኣዕሊሉኒ።

እዚ ኩሉ ምስ ሰማዕኩ ድማ፥ ኣብ እስክንድርያ ምጽናሕ ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘጋልጸኒ ኮይኑ ስለ-ዝተሰመዓኒ፥ ንካይሮ ክኣቱ ወሰንኩ። ከመይሲ ካይሮ ገፊሕ ከተማ ስለ-ዝኾነ ኣብኡ ደልዩ ክረክበኒ ዝኽእል የልቦን። እስክንድርያ ግና ምስ ካይሮ ክትነጻጸር ከላ፥ ንእሽቶይ ስለ-ዝኾነት፥ ቀሲንካ ክትቅመጠላ እትኽእል ከተማ ኣይነበረትን። ስለ ብዘይ ውዓል ሕደር ንካይሮ ተበገስኩ። ኣብቲ መውጽኢ ከተማ ግና፥ ጽኑዕ ፍተሻ ይግበር ስለ-ዝነበረ፥ ብቐሊል ክሕለፍ ይከኣል ዝበሃል ኣይነበረን። ዝኾነት መኪና ከኣ ትፍተሽ ዝነበረት። ነዚ ኩሉ ሰንጢቕካ ክትሓልፍ ድማ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

ኣነ ግና ብጀካ ኣምላኸይ፥ ዝጽበዮ ካልእ ተስፋ ኣይነበረንን። ስለ ከም-ኣመለይ ብመንገዲ ጸሎት ኣቢለ፥ ማዕጾ ቅዱስ ቤቱ ካብ ምዅሕኳሕ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ስለ ከኣ “... ኣታ ጎይታይ-! እዚ መንገዲ ዓጽዮሞዮም ዘለዉ። በዚ ክመልቝ ዝኽእል ከኣ የልቦን። ንስኻ ግና ኩሉ እትኽእል ኃያል ኣምላኽ ኢኻ። ስለ ኣነ ባርያኻ ዑቕባኻ ኢለ ኣብታ ቅድስቲ ኢድካ ወዲቐ ኣሎኹ። ክወጸሉ ዝኽእል መንገዲ ከኣ ባዕልኻ ክፈተለይ...” ኢለ ጸለኹ። ከም ኢልና ድማ ግዴና በጺሑ፥ ኣብቶም ፈተሽቲ በጻሕና። እንታዎት ኢኹም ኢሉ ዝሓተና ከይረኸብና ከኣ፥ ሕለፉ ተባሂልና እቲ ኣንጭዋ ከምልቝ ዘይክእል ዝመስል ዝነበረ ፍተሻ ሓሊፍና ክንከይድ ከኣልና። “...እወ ኣታ ጎይታይ-!  ንስኻ ምሳይ ክሳብ ዘሎኻኸ፥ መን ደው በሊ ኢሉ ክዓግተኒ ዝኽእል-? ...”  ብምባል ከኣ ኣመስገንኩ።

ከም ቀደመይ ከኣ ነቲ ንምሕላወይ ዘይድቅስን ዘይታኸስን ኣምላኽ ኣሚነ፥ መንገዲ ካይሮ ሒዘ ጉዕዞይ ቀጸልኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ድማ ሓንቲ መሓዛይ፥ ዝዓርፈሉ ቤት ሂባትኒ ኣቶኹ። እዚ ቤት ኑዝሃ ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ፥ ጥቓ መደበር-ፖሊስ ዝርከብዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ዝፈልጡኒ ሰባት ስለ-ዘለዉ፥ እንኳንዶ ካብ ቤተይ ክወጽእ መስኮተይ ክኸፍትውን እኽእል ኣይነበርኩን። ድምፂ ሰብ ክስማዕውን የድሊ ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ኣፓርታማቲ፥ ሰብ ዝቕመጦ ዘይብሉ ተዓጽዩ ስለ-ዝተባህለ። እንኳንዶ ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ክርአ፥ ዝኾነ ቀርማሕ ዝብል ድምፂውን ክስማዕ፥ ይድለ ኣይነበረን።

ይቕጽል

ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና”:-  | መበል 14 ክፋል  | መበል 13 ክፋል  | መበል 12 ክፋል  | መበል 11 ክፋል  | 10ይ-ክፋል 9ይ-ክፋል | 8ይ-ክፋል | 7ይ-ክፋል | 6ይ-ክፋል | 5ይ-ክፋል | 4ይ-ክፋል | 3ይ-ክፋል | 2ይ-ክፋል | 1ይ-ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div