ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ዓመታዊ ጉባኤ 2021 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ሎሚ ዓመት’ውን ብርሕቀት (Virtual Conference) ክካየድ'ዩ። ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት: ምእመናን ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። እዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ካብ ሓሙስ 29 ሓምለ - ክሳብ ቀዳም 31 ሓምለ ((July 29 - 31) 2021 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live): ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ክዝርጋሕ እዩ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch or https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse: - “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ” መዝ 46፡10
ጉባኤ ዝካየደሉ: - ብርሕቀት - Virtual Conference
Conference 2021
Zoom Meeting: https://us02web.zoom.us/j/84005020278
By phone, One tap mobile:
+13017158592,,84005020278#
+13126266799,,84005020278#
ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2021
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail - Click below to see detail
“ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ’ዚ ማይ ምልእዎ’ በሎም (ንሳቶም ከኣ)፡ ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።” ዮሃ 2፡5,7
ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 2፡30) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።
ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ ብ13 ግንቦት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።
ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።
እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዑደት ድሕሪ ምፍጻም፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብዕለት 03/10/2021፣ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነት ከተማ-ሎንዶን`ዮም ዝኣተዉ። ኣብዚ ከኣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ሎንዶን ማኅበረ-ምእመናን፣ “ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ” እናበሉ፣ ብዓቢይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።
“ወዲ ኽትወልድ’ያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም’ዩ’ሞ፡ ስሙ ‘ኢየሱስ’ ክትብሎ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፦ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ፡ ስሙ ኸኣ “ኣማኑኤል” ኪብልዎ’ዮም፡ ትርጕሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት’ዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጽም ኰነ።” ማቴ 1፡21-23 ካ.ት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ