S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስለ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጠቑ፡ ከምኡውን (ጥንቁቓት ኩኑ) ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።” 1ጴጥ 113 .

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

ብመሰረት እምነትን ስርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ስሩዕ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ቀኖና ቤተክርስቲያን፡ ማሕበራዊ ኣስተምህሮታት፡ መደባት ዜናን ሓበሬታን ብምድላው፡ ነቲ ጥዑይ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና ከም ዝዕቀብን ከም ዝሰፍሕን እናገበርካ፡ ንምእመናን ምምሃር: ምህናጽን ምጽንናዕን ብዝብል፡ ቲቪ ተዋሕዶ: ብሓድሽ መስመር ሳተላይት ክትጅምር እያ። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ[Gofundme]፡ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ብትሕትና ንሓትት።

ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።

“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።

ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያንብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን

ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 228-29 .

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

እቲ ሕግን ቀኖናን ብምትሕልላፍ፣ ኣብ 1998 ዓ/ም(2006) ብጸቕጢ ፖለቲካ፣ ተገይሩ ዝነበረ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ንሶም ናይ ሰማይ መጸዋዕታ መጺኡዎም ድሕሪ ምሕላፎም፣ እቲ  ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንዕኦም ንምትካእ ተባሂሉ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣይተራእየን። ከመይሲ እቲ ናቶም ሽመት ብሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ስኢኑ፣ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ስለ-ዝነበረ፣ ደፊሮም ክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እዚ ኣርእስቲ`ዚ፣ ዝግደሰሉ ከም-ዝስኣነ ርሱዕ ኣጀንዳ ኮይኑ`ዩ፣ ተቐሚጡ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።

 ኣብዚ እዋን' ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ሕዝብን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ኣደራዕን፥ ይትረፍዶ ዓሚጽካን ገፊዕካን፥ ሓደ ኮንካውን ምስጋሩ ከቢድ ኮይኑሉ ዘሎ እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div