S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት

  • በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኣሜን!
  • መላእ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ማእመናንን ምእመናትን ብኃበራ፡

ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ 13 ግንቦት 2021 .. ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5 ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ብጸቕጥን ድፍኢትን መንግሥቲ ዝተገብረ፡ ሕርያ 5 ፓትርያርክ፡ ንጥንታዊ ቀኖናን ንሓዋርያዊ ሰንሰለትን ዝጠሓሰ፥ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣሰር ቅዱስ እንጦንዮስ ክስዕብን ኣብ ሓቂ ደው ክብልን የዘኻኽር።

ቅድሚ ሕጂ ኩሎም ጳጳሳት፡ ብፍላይ ከኣ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ኣብ ሃገረ-ነርወይ ኣብ መወዳእታ 2018 ዝተዛረብዎኣይትሸበሩ ሕጂ ሰላም ክኸውን ንሕና ንኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ነፍቅሮም፡ ንደልዮም. . . ብናይ ኣቡነ እንጦንዮስ እንተዀይኑ ሕጂ ክትሕጐሱ ምዃንኩም አረድአኩም ኣለኹ፡ ቃል እኣትወልኩም ኣለኹብምባል፡ ኣብ ቅድሚ ዝቢ፡ መብጽዓ ኣትዮም ክንሶም፡ ዝኣተውዎ ቃል ጠሊሞም፥ ብሸርሕን ምፍርራሕን ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ ኣብ ዘይመንበሮም ንኽቕመጡ ብምቕባሎም፥ ታሪኻዊ ቤተ ክርስቲያ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ክትስዕቦ ዝጸንሐትን ዘላን፡ ሐዋርያውን ቀኖናውን ኣገባብ ሲመተ ፓትርያርክ፡ ኣብ ዘመንና በጺሑ ክጠሓስ ስለ ዘይብሉ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ነዚ መሠረታዊ ሓቂ እዚ ሸለል ኢሉ ክሓልፎ ብፍጹም ስለ ዘይግባእ፥ ኩሉ ኣማኒ ብሕብረት ምእንቲ ክብርን ሓድነትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ሓቂ ደው ኢሉ ዓገብ ክብል ይግባእ።

እቲ ንዕለት 13 ሰነ 2021 .. ተቘጺሩ ዘሎ በዓለ ሲመት፡ ከምቲ ኣብ ዘመነ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዘጋጠመ፡ ሕጂውን ነቲ ቅዱስ ርዓት እግዚአብሔርን፡ ንቀኖና ቤተክርስቲያንን ስዒርካ ዝግበር ሲመት፡ መርገም እምበር በረኸት ከስዕብ ዘይክእል ብምዃኑ፡ ኩሎም ገዳማውያን ኣቦታት፡ መላእ ውሉደ ክህነትን፡ መላእ ማኅበረ ምእመናንን ምእመናትን ከምኡውን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክሓብርዎ ዘይኮነስ ክቃወምዎን ክዅንንዎን ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ይጽውዕ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ገዳም ደብረ-ቢዘንን ገዳም ኣቡነ እንድርያስን መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ተረዲኦም ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ፥ ኣቦታት እናኣመስገነ ዝተረፋ ገዳማትና ድማ ኣሰረን ክስዕባ ደጊሙ የዛኻኽር። ከምቲ ሕብረት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት 13 ግንቦት 2021 .. ነቲ ዘይሕጋዊ 5 ሽመትን ኢድ ምትእትታዉ መንግሥትን ዝኾነኖኦ፡ ገዳማትናውን ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንምዕቓብ፡ ነዚ ቅዱስ ተግባር ክስዕበኦ ንላቦ።

ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተ ክርስቲያን!                                                                         

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን፡ ማእከላይ ምብራቕን

20 ግንቦት 2021 (፲፪ ግንቦት ፳፻፲፫ .)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div