“ኦ!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”ሉቃ 2፡29-32 ካ.ት
ናይ ሎምዘመን እምነት
ገዲፍካ ንኣቦታት ቀዳሞት
ናየቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት
ተተኃየሰ ናይ እንዳ ጐረቤት
‘ወ እንዳ ኣብሻይ° ጐረቤት።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዘይወሰድኩም፥ ክሳብ መወዳአታ ነሓሰ 2021 ክትወስዱ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። ዝቕጽል ምዱብ ትህምህርቲ፥ 1 መስከረም 2021 ዓ.ም ክጅመር እዩ።
ዓይነት ዝወሃብ ትምህርቲ።
1. ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን - Church History
2. ቀኖና ቤተ ክርስቲያን - Canon of the Church
3. ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን - Church Administration
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ: ኮለጅ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
ርሑስ በዓል መስቀለ
ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ
ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ
ንወለት ሔዋን ኣዳመ
ንወዲ ሔዋን ኣዳመ
ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥
ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።
“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም፥ ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም፥ ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ