S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ዘኽበሮም፥ ወዲ 90 ዓመት፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ!

ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 230) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።

ብረቡዕ 5 ግንቦት 2021 .. ካብ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 10 ምሸት፡ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ዕለተ-ልደት፥ ዝኽሪ 70 ዓመት ምንኩስናን 30 ዓመት ጵጵስናን ንምኽባር ብናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምብራቓዊ ሃገረ ስብከት ዝተዳለወ ኮይኑ፥ ጉዕዞ ሕይወት ታሪኽ ናይ 90 ዓመት፡ ኣብ ሓንቲ ምሸት ብምጥናፍ፥ ዓቐብን ቁልቁለትን፥ ጽጋብን ጥምየትን፥ ምስ ሰብን ንብሓትን፥ ሓጎስን ጭንቀትን፥ ኣብ ዓድን ኣብ ስደት፥ ሓሳርን ክብረትን ብሓፈሻ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ውሽጢ 90 ዓመት ዝተማህርዎ፥ ዘገልገልዎ፥ ዘበርከትዎ፥ ዘሕለፍዎ ሰንሰለት ጉዕዞ ሕይወት ብብዙሓት ካህናትን ግብጻዊ ጳጳስ ዳዊትን እንዳተዘርዘረ ንዕዱማት ተሳተፍቲ ብጽቡቕ ኣገባብ ክንገርን ክስነድን ኣምስዩ።

ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ! ከም ዝበሃል ብምልኦም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ካብ ፓትርያርክ ፖፕ ቴዎድሮስ ጀሚሮም ሰዓብቶም ጳጳሳት፥ ካህናት ዲያቆናት፥ ኣቦታት ኣዴታት፥ ክሳብ ሕፃናት ብሓፈሻ እምልሂቅ እስከ ደቂቅ፡ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዘለዎም ልባዊ ፍቕርን ክብርን ብተግባር ዝተራእየሉ ዕለት እዩ ነይሩ ክበሃልውን ይከኣል። መበል 118 ፖፕ ቴዎድሮስ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መንፈሳዊ መልእኽቲ፥ ስለ ኩሉ ሓዋርያዊ ዕዮኹምን ጻዕርኹምን እንዳ ኣመስገንኩ፡ ምእንቲ ክንግልገል ኣምላኽ ተወሳኺ ዕድመን ምሉእ ጥዕናን ክህበኩም ጸሎተይ እዩ። ብሩኽ ዕለተ-ልደት መበል 90 ዓመት ይግበረልኩም ዝብል መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፉ ብምልኡ ህዝብን ተጋባእትን ብዕልልታን ጣቓዒትን ሓጎሶም ገሊጾም።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ጉዕዞ ሕይወት ዕድመ 90 ዓመት፡ 70 ዓመት ኣብ ምንኩስና፥ 30 ዓመት ብማዕርግ ጵጵስናን ምስ 4 ፓትርያርካት ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን፥ ምስ ቅዱስ ኣቡነ ዮሳብ፥ ምስ ቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 6ይ፥ ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይን ሕጂ ድማ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ፥ ኣገልጊሎምን ሰሪሖምን እዮም። ብዘይካ እዚ ንልዕሊ 25 ዓመታት ንናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ 17 ዓመታት ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ድማ ብዘይ ምስልካይ ክሳብ ሕጂ ብትግሃትን ተወፋይነትን የገልግሉ ኣለዉ።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ከምቲ ብበዓለ መንፈስ ቅዱስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ልሳናት ሓዊ ብዝመስል ኣብ ልዕሌኦም ምስ ወረደ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዛረቡን ዕዮ ቅዱስ ወንጌል ዘስፍሑን፥ ብፁዕ ኣቦናውን 8 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ( ትግርኛ፥ ግእዝ፥ ኣምሓርኛ፥ ዓረብ፥ ኮፕቲክ፥ ዕብራይስጥ፥ እንግሊዘኛ፥ ጥልያንን ግሪኽን) ብግቡእ ክዛረብን ከረድኡን ከም ዝኽእሉ ብተደጋጋሚ ዝተነግረ ዜና እዩ። በዚ ምኽንያት እዮም ከኣ ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፥ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም መራኸቢ ድልድል ኮይኖም ንብዙሕ ዓመታት ብተወፋይነት ዘገልገሉን ኣብ ምሻም ፓትርያርክ ኢትዮጵያን ኣብ ምሻም 1 ፓትርያርክ ኤርትራን ዓቢይ ታሪኻዊ እጃም ዘበርከቱን።

ኣብ መበል 90 ዓመት ጽንብል ዕለተ ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ካብቲ ጎሊሑ ዝተራእየ ጉዳይ እንተሎ፥ እቲ ልዕሊ 130 ሊቃነ-ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዘለዉዎ ናይ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ፥ ንመንፈሳዊ ዓቕምን ተውህቦን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብግቡእ ተረዲኦም ብብዙሕ መገዲ እንዳ ተጠቕመትሎም፥ እታ እንኮ ምሁር ከም ኣቡነ መቃርዮስ ዘይብላን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኣቡናት ዘለዉዋ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግና፥ በቶም ብሕጓ ኣትዮም፥ ከም ዓሰባ ተቖጻጺሮማ ዘለዎ ሰባት፥ ንክቡር ሞያኦምን ዕዙዝ ኣበርክቶምን ተሓሲሞም ከሳድድዎምን ከዋርዶምን፥ ከምኡውን ንወዲ 96 ዓመት 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ገዛ ዓጽዮም፥ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ኣብጺሖማ፡ ምርኣይና ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ፥ ነቢይ ኣብ ዓዱ ኣይከብን እዩ! ዝብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎ እዩ ዝበርሃልካ። ሉቃ 424

ይኹን እምበር እግዚኣብሔር ዘኽበሮ ክቡር ብምዃኑ፥ ስም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ በጀካ ኣብ ገለ ደቂ ሃገሮም ኣብ ካልኦት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያንን ሮማን ካቶሊክን ስሞም ግኑንን ጥዑምን  ምዃኑ ታሪኽ ብግቡእ ሰኒድዎ ኣሎ። ገለ ካብቲ ብብፁዕ ኣቡነ ዳዊት ኣብ ጽንብል ዕልተ-ልደቶም ዝተገልጸ፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ግብጺ እቶም ዝዓበዩ መነኮስ (70 ዓመት ኣብ ምንኩስና) እሙን ረድኢ፥ ተባዕ መራሒ፥ ርህሩህ ኣቦ፥ ውፉይ ጓሳ፥ ጸላዪ መናኒን ምዃኖም ምስ ብዙሕ ምስጋናኡን ኣኽብሮን ቃሎም ሂቦም። ብፁዕ ኣቦና ነፍቅረኩም ኢና፥ ነኽብረኩም ኢና፥ ንደልየኩም ኢና፥ ምእንቲ ክትባርኹናን ክትመኽሩናን ብምባል ድማ ሠናይ ትምኒቶም ገሊጾም። 

ኩሎም ዕዱማት ጳጳሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ንኽብሪ ዕለተ-ልደት መበል 90 ዓመት መዘከርታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ቡራኬ ህያባት ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢሎምን ምስኦም ንናይ መዘከርታ ስእሊ ተሳኢሎምን። ብሓፈሻ እቲ ዝነበረ ሥነ-ሥርዓትን ኣገባብ መርሓ-ግብርን ብሓቂ ዝነኣድን ዝምስጥን ብምንባሩ ድማ ኣብ ገጽ ኩሎም ተሳተፍቲ ዕዱማት ብዙሕ ሓጎስን ፍሱሕ ገጽን ምስ ዕልልታን መዝሙር ምስጋናን ተወሃሂዱ ነበረ። ብፍላይ ኣብቶም ካብ ናይ ኢርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ውሉደ-ክህነትን ህዝበ-ክርስቲያንን ድማ ሓበንን መንፈሳዊ ቅንእን ይርአ ነበረ።

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብጽቡቕ ዜገልግሉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ምናዳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዚምህሩን ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ! (1 ጢሞ 517) ከም ዝበሎ፥ ንወዲ 90 ዓመት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስውን ድርብ ክብሪ ስለ ዝግብኦም ብመንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝተማእከለ ተወሳኺ ጽንብል ዝኽሪ ዕለተ-ልደት መበል 90 ዓመት ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ንኽግበር ምድላዋት ከም ዘሎን ኣብ እዋኑ ብወግዒ ንኹሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ከም ዝሕበርን በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ ባህ ይብለኒ። ምእንቲ ክባርኹናን ክመኽሩናን ድማ ነዊሕ ዕድመ ምስ ምሉእ ጥዕና እግዚኣብሔር ክህቦም ንኣምላኽና ወትሩ ንልምን።

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ፥ ወይሐውር እምኃይል ውስተ ኃይል! መዝ 847

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div