S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ሰማያት ዓረገ

ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው ዝተራእዮም።

ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይታ ሃገር፡ ካብ ኣውራጃ ገሊላ፡ ናብ ደቡብ መጺኦም ኣብ ኢየሩሳሌም እዮም ዘለው። ምኽንያቱ በቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ ሙሴ፡ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይረአ። . . . ” ኢሉ ዝኣዘዞ መሰረት፡ ንሳቶምውን ከም ተባዕትዮ እስራኤላውያን መጠን ነቲ በዓል ሓምሳ ኬብዕሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ኪርከቡ ናይ ግድን ነበረ (ዘዳ 1616) በዓል ሓምሳ፡ በዓል ሰሙናትውን ይበሃል እዩ። ክርስቶስ መድሓኒና መተካእታ ናይቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ መስዋእቲ ገንሸል ምዃኑ፡ ስለዚ ድማ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት-መስዋእቲ፡ ናይቲ ንሱ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ጽላሎት ምንባሩ ምእንቲ ኼረጋግጽ፡ ኣብታ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ ዚበዓለላ ጊዜ ገንሸል ፋሲካና ዀይኑ ሞተን ተንስአን። ኣብታ ቕንያት እቲኣ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን በዓል ፋሲካ ኼብዕሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ። በዓል ሰሙናት ድማ ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ ኣብቲ ዓመት እቲ ኻብ ዜፍርዮ ፍረ ሒዙ መጺኡ ንኣምላኽ ምስግና ዜቕርበላ መዓልቲ ስለ ዝነበረት ነዛ በዓል እዚኣ ንምብዓል ናብ ኢየሩሳሌም ይድይብ ስለ ዝነበረ። እዚ መዓልቲ እዚ ድማ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዚወርደሉ ዕለት ነበረ። ስለዚ በዓል ሓምሳ ጽላሎት ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ተመዲቡ ኸም ዝተሰርዐ ኽንርዳእ ንኽእል።

እምበኣር ጐይታና ቕድሚ እዚ በዓል እዚ ናብ ሰማያት ዚዓርገሉ ጊዜ ስለ ዝኣኸለ እዩ ደጊሙ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተራእዮምን፡ እናረኣይዎ ዝዓረገን። ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ምኽንያቱ ድማ ነቲ ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝተነግረ ተስፋ-ኣቦ (መንፈስ ቅዱስ) ምእንቲ ኺልእከሎም እዩ። ጐይታና፡ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ዓመታቱ፡ ተመሊሱ ናብ ሰማይ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ኸም ዚኸይድ ንደቀ መዛሙርቱ ዀነ ነቶም ዚቃወምዎም ኣይሁድ ደጋጊሙ ይነግር ነይሩዩ። ደቀ መዛሙርቱ ብዝበሎ ኺግረሙ ምስ ረኣየ፡ በዚ ኺግረሙ ኸም ዘይብሎም፡ ገና ንሱ ናብ ሰማይ ኪድይብ ምስ ረኣይዎ እምብዛ ኺግረሙ ምዃኖም ኣሚቱሎም ነበረ (ዮሃ 662) ነቶም ዚተሃላለኽዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ገና ቝሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ከኣ ክኸይድ እየ። ክትደልዩኒ፡ ኣይክትረኽቡንን ድማ ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ።ድሕሪ ምባሉ ደጊሙ ከም ብሓድሽ፡ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ኸኣ ክትሞቱ ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩበሎም (ንሳቶም ድማ ነገሩ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይንዎም፡ ገሊኣቶም፡ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ (ግሪኽ) ፋሕ ኢሎም ዘለው ኣይሁድ ደኾን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሓሲቡ ዀይኑ፡ኪብሉ ኸለው እቶም ካልኦት ድማ፡ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ሓሲቡ፧ኢሎም በተሓሳስባኦም ኪሃጽጹ ተራእዮም እዮም (ዮሃ 733-35 621,22) ንደቀ መዛሙርቱውንልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። ከምኡ እንተ ዘይህሉስ ምነገርኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። . . . ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሓድገኩምን ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። . . . ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣለኹ።እናበለ ደጋጊሙ ይነግሮም ነበረ (ዮሃ 141-3.18 165) ኣብ መዝሙር ዳዊትውንኣምላኽ ብእልልታ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበዚብል ብዛዕባ ኣምላኽነቱን ዕርገቱን ዚገልጽ ትንቢት ተነጊሩሉ ነበረ (መዝ 475)

እምበኣር ጐይታና ናብ ሰማያት ናብ ኣቦኡ ብኽብሪ ዝዓረገሉ ምኽንያት ክልተ እዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ስፍራ ምእንቲ ኼዳልወልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እታ ኽንወርሳ እንትስፈዋ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወት ምዃና ጐይታ ባዕሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ማቴ 2534) ስለዚስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹዝበለ ሓድሽ ነገር ኪሰርሕ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምግላጽ ዝበሎ ኣይኰነን። መንግስተ ሰማያት ስፍራና ኽትከውን እትኽእል፡ እቲ ምእንታና እተሰውአን ዕዳ ሓጢኣትና ዝኸፈለን ገንሸል ኣምላኽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብኣ ምስ ዚህልው ጥራይ እዩ። ድሕነት ብደም ክርስቶስ ጥራይ ስለ ዚርከብ፡ ጐይታና ነቲ ምእንታና ዝተቘርሰ ስጋኡን፡ ምእንታና ዝፈሰሰ ደሙን ሒዙ ናብዛ ሰማያዊት መቕደስ ናብ የማን እግዚኣብሄር እንተ ዘይኣትዩ፡ መንግስተ ሰማያት ሰብ ዚኣትዋ ስፍራ ኽትከውን ኣይትኽእልን እያ። ስፍራ ክርስትያን፡ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘየለ ሰብ፡ መንግስተ ሰማያት ሰፈሩን ሃገሩን ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ ክርስቶስ ጐይታና ምእንታና ኸም ዝሞተ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንታና ኸም ዝተንስአን ከም ዝዓረገንውን ኪርድኣና ይግባእ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ናብታ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ ዝተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።ብምባል ኣረጋገጸልና (እብ 924) ሃዋርያ ዮሃንስውን ጐይታና ኣብ ሰማያት ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ገንሸል ኰይኑ ከም መስዋእቲ ዀይኑ ኣብ ሰማያት ይነብር ከም ዘሎ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 56) ነዚ ኣብ ምድሪ ምእንታና ዝተሰውአ ሰብነቱ ሒዙ ናብታ ሰማያዊት መቕደስ ናብ የማን ኣቦኡ ስለ ዝኣተወ ኢና ኣብ ሰማያት ስፍራ ረኺብና ዘሎና። ክብሪ ነቲ ቕዱስ ገንሸል ይኹን።

እቲ ዝዓረገሉ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ፡ ነቲተስፋ ኣቦዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ምእንቲ ኺልእከልና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝወጽእ (ዚሰርጽ) ብስም ክርስቶስ ዚመጽእ ሳልሳይ ኣካል ስላሴ እዩ (ዮሃ 1426 1526) እዚ መንፈስ እዚ፡ ማሕተም ድሕነትናን ዕርቡን ርስትናን ምዃኑ፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ንስኻትኩምውን ብእኡ (ብክርስቶስ) ቃል ሓቂ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። ንሱ (መንፈስ ቅዱስ) ንምድሓን ጥሪቱ (ህዝቡ) ንውዳሴ ኽብሩ ዕርቡን ርስትና እዩ።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 113,14) ደጊሙውን ሃዋርያ ጳውሎስግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝተቐብኣናን እቲ ዝሓተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ።ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 121,22) ማሕተም፡ ሓቅነትን ተቐባልነትን ናይ ሓደ ነገር ወይ ጕዳይ ዜረጋግጽ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ነቶም ብሓደ ወዱ ኣሚኖም ዝተጠምቁን ናብ ድሕነት ዝኣተውን ሰባት መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ ናይ ድሕነቶምን ውልድነቶምን መረጋገጺ ወይ ማሕተም የውድቐሎም። ንሓደ ዝዓደግካዮ ንብረት ዋንነትካ ንምርግጋጽ ዕርቡን ኢኻ ትኸፍለሉ። ዕርቡን ዝተኸፍሎ ንብረት፡ ዋላ ናብ ገዛኻ እንተ ዘይወሰድካዮ እኳ፡ ብሕጊ ናትካ ንብረት እዩ። ንሕና ድማ ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምውራስ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደግና ኢና (1ቈረ 619,20 ራእ 59,10) ናብ ኣቦና ክሳዕ እንኸይድ ዕርቡን ርስትና ዀይኑ ዝተዋህበና ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እምበኣር እቲ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዘይተቐበለ፡ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ዘይወደቖክርስትያንኣብ ሰማያት ርስትን ግደን የብሉን ማለት እዩ። እዚ መንፈስ ኣባና ማሕደር ጥራይ ዘይኰነ፡ ፍረ መንፈስ (ፍረ ጽድቂ) ክንፈርይ ዚሕግዘናውን እዩ። ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ፍረ መንፈስ ከነፍርይ እንተ ዘይክኢልና፡ ካብቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ተቖሪጽና ናብ ሓዊ ገሃነም ክንድርበይ እምበር ኣብ መንግስተ ሰማያት ሰፈርን ማሕደርን ኣይንረክብን ኢና። ማሕተምን ዕርቡንን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ክነሶም ፍረ-መንፈስ ዘይኰነስ ግብሪ ሓጢኣት ጥራሕ ዚፈርዩ ሰባት፡ ነቲ ዝተሓትሙሉ መንፈስ ኣዝዮም የጕህይዎ እሞ ገዲፍዎም ይኸይድ (ኤፌ 430) እንተ ዀነ፡መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡተባሂልና ተማዒድና ኢና (1ተሰ 519) እቲ ናይ ዝሙት ዓመጽ ዝፈጸመ ንጉስ ዳዊት፡ ሓጢኣት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዜርሕቖ ስለ ዝፈለጠ ኣብቲ ቕቡል ንስሓኡቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒኢሉ ጸለየ (መዝ 5111) መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዚእዘዝዎ ጥራይ ዚወሃብ፡ ኣብቶም ዚእዘዝዎ ጥራይ ድማ ጸኒዑ ዚነብር (ግብ 532) ነቶም ዘይእዘዝዎ ግና ጸላኢኦም ኰይኑ ባዕሉ ደኣ ይዋግኦም እምበር፡ ናብ ዕረፍቲ ከቶ ኣየእትዎምን እዩ (ኢሳ 6310) እምበኣር ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዓበይቲ ረብሓታት ምእንቲ ኼውሕሰልና ምእንታና ዝተፈጸመ። ስለዚ ተኻፈልቲ ናይዚ ኽቡር ተስፋን ረብሓታቱን ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ናብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ዝዓረገ መድሓኒና ብምእማንን ብምእዛዝን ንንበርን ንመላለስን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div