S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾመ-ኣርብዓ፡ ሰኑይ 8 ለካቲት 2010 . ክጅምር እዩ።
ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን  ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ህሞት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣ READ MORE...

እወ ጾም-ኣርብዓ ተፈጺሙ፣ ሰሙነ-ሕማማት`ውን ሓሊፉ`ዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-” ኢሉ ሕዝብና መስቀል ክሳለመሉ ዝኽእል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ዛጊት ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ከመይሲ ኣብዚ እዋናት`ዚ እቲ ቤተ-እግዚኣብሔር፣ ተዓጽዩ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ብዝኾነ ተኣምር፣ ክዕጾ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቤት-ኣምላኽ። ካብቲ ንቡር ዝኾነ ወጻኢ ክዕጾ ዘገድድ ምኽንያት ተረኺቡ ስለዘሎ`ዩ።

  • በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኣሜን!
  • መላእ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ማእመናንን ምእመናትን ብኃበራ፡

ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ 13 ግንቦት 2021 .. ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5 ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።

ወርሓዊ እትሕተም ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ወግዓዊት ልሣን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ: እንሆ ኣብዚ ኣንብብዋ።

የ(ለ)ካቲት 2022 [፳፻፲፬ . ግእዝመበል 67 ዓመት ቍ 513

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ 18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ወግዒ ክጽውዕዎም ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ

ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩበለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎበሎም (ንሳቶም ከኣ) ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።ዮሃ 25,7

Download {audio}images/stories/mp3/sermon/TimketAbuMakarios.mp3{/audio} ጥምቀት ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ, 17 ጥሪ 2010

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።

ናይቲ ብፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ነቲ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ 23/09/ ናብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ-ፍራንክፎርት ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ` ድማ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናንን፣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ፣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ክግበር ብዝግባእ፣ ኣባታዊ-ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div