S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ምሳና’ዩ (መበል 17 ሰንበት: ቊ.፲፯/17, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ)

 ወዲ ኽትወልድያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖምሞ፡ ስሙኢየሱስክትብሎ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፦እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድያ፡ ስሙ ኸኣኣማኑኤልኪብልዎዮም፡ ትርጕሙ ኸኣኣምላኽ ምሳናማለትእናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጽም ኰነ።ማቴ 121-23 .

እንኳዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና። ርሑስ በዓለ-ልደት ይግበረልና። እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ጾም ዘመንና ባሪኹ፡ ብምሕረቱን ብጸጋኡን ደጊፉ፡ ንጾመ ነብያት ብዓወት ኣፈጺሙ፡ ነዚ በዓል ልደት ብሓጐስን ብምስጋናን ከነብዕሎ ስለ ዝረድኣናን ስለ ዝፈቐደልናን፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ነዛ ዘመነ-ጾም ምሳና ሓቢሮም ጀሚሮምዋስ ኪፍጽምዋን ኬብዕልዋን ዘይተዓደሉ ሰባት ብዙሓትዮም። ንሕና ግን ሳላ ምሕረቱ ነዚ ጸጋ በቒዕናዮ ኢናሞ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነመስግኖ ይግብኣናዩ።ብዘሎ ምልኣት መለኮት ኣብ ስጋ ሓዲሩ፡ ምስ ስጋ ተዋሂዱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ፡ ምሳና ድማ ኣብ ማእከልና ሓዲሩኢልካ ምእማን ቀሊል እምነት ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብጸጋኡ ዝረድኦ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ መስተውዓሊ ስለ ዝዀነ፡ ብባህርዩ ኣማኒ ስለ ዝዀነ ዚበጽሖ ኣይኰነን። እዚ እምነት ኣብ ወለድኻ ወይ ኣብ ህዝብኻ ዝዉቱር እምነት ኰይኑ ስለ ዝጸንሓካ እትቕበሎ እምነት ኣይኰነን። ምስጢረ ተዋህዶ እንታይ ማለት ምዃኑ ተማሂርካ፡ እቲ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ተረዲኡካ፡ ብምሉእ ልብኻ ኣሚንካሉ ዚሰዓብ እምነትምበር፡ጸኒሑኑ፡ ኣነ ኸኣ ስዒበዮኢልካ እትጐዓዞ ባህላዊ እምነት ኣይኰነን። እቲ ምስጢር ኣምልኾናን ሃይማኖትናን ዝዀነ፡ ምስጢረ ተዋህዶ (ምስጢረ ስጋዌ) ኣዝዩ ዓብይን ረቂቕን፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ምስጢርዩ። ብምልኣት ክንርድኦን ክንገልጾን ብዓቕሚ ስጋ ለበስ ከቶ ዘይከኣል እንተ ዀነ፡ ፈጺምና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ግን ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉን፡ ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን ነዚ ምስጢር እዚዮም ዘገልገሉ። እዚ ኣብ ማህጸት ቅድስቲ ድንግል ዝተፈጸመ ተዋህዶ፡ ንኣና ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልቲ ልደቱ ዝተጋህደ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ጐይታ ብስቕለቱን ትንሳኤኡን ከም ዘድሓነና ጥራሕ ኢና ንዛረብን ንሓስብን።መዓስን ብኸመይን ብዝተረኽበ ስጋ ዘድሓነና፧ዚብል ሕቶ እንተልዒልና ግን፡ ናብ ጽንሰቱን ልደቱን ስለ ዚመርሓና፡ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ጥራሕ ዘይኰነ ልደቱውን ዓብዪ ናይ ምድሓን ግብሩ ከም ዝዀነ ኢናንርዳእ። ስለ ኸኣዮም ናይ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ህጻን ልደት፡ ስራዊት መላእኽትን ጓሶትን ሰብ ጥበብን ብኽብሪ ዝጸምበልዎ። ልደት፡ ናይ ናይ ጐይታ ግብሪ ምድሓን ኣካል ስለ ዝዀነዩ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ነቶም ጓሶት ኬበስሮም ከሎ፦

እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹሞ፡ ኣይትፍርሁ።” ብምባል ዘበሰሮም (ሉቃ 210,11)

እዚ ዓመተ ግእዝ ዘመነ-ዮሃንስ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሎምዘመን በዓለ-ልደት፡ ዘይከምተን ሰለስተ ኻልኦት ዘመናት፡ ታሕሳስ 28’ ዚበዓል። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ታሕሳስ 28 “ኣማኑኤልተባሂላ ትጽዋዕ። በዓል ልደት ኣብ ታሕሳስ 28 ኪውዕል ከሎን ታሕሳስ 29 ኪውዕል ከሎን፡ ንባባት፡ ምስባክ ኰነ መዝሙር ናይ ዕለት ዝተፈልየ ዚኸውን። ብእኡ መሰረት ድማ ናይ ዕለት መዝሙርወእንዘ ሀለዉ ህየዚብል ኰይኑ፡ እቲ ብእኡ መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝሓዘዩ። እቲኢየሱስዚብል ስሙ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ወላዲቱ ምስ ተጠንሰ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዮሴፍ ዝገለጸሉዩ። እቲኣማኑኤልዚብል ስሙ ግን ቅድሚ ኣስታት 600 ወይ 700 ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝተገልጸ (ኢሳ 714) እዚ ኣማኑኤልዚ፡ እቲ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘድሓነ፡ ኣብ ኣኽናፉ ጸዊሩ ናብ ምድሪ ተስፋ፡ ናብ ከንኣን፡ ዘብጽሐ፡ ኣብ ምድሪ ተስፋውን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፉ ኣጽሊሉ ዝሓለወ (ኢሳ 88 . ዘዳ 3210-14) ናይ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን እስራኤል፡ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀነት፡ ነታ ንሱ ርእሳ ዝዀነ፡ ንሳ ኸኣ ስጋኡ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ሓለፋ ንቤት እስራኤል ዝገበሮ ሓለዋን ክብርን ዚህባ። ንኣና ነዞም ብእምነት ዘርኢ ኣብርሃምን ናይ ሓቂ እስራኤልን ዝዀንና፡ ስጋና ለቢሱኣሕዋተይብምባል ስለ ዘኽበረና፡ ልደት መድሓኒና ንኣና ፍሉይን ዓብይን በዓል (እብ 210-12,14-17 1113-16 ማቴ 2810 1246-50) በዓል ልደት ፈጺሙ ዘይምልከቶ ሰብ እንተልዩ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዘይኰነን፡ ንሱውን ምስ ኣምላኽ ዘየለን ሰብ ጥራሕዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ናይ ኣማኑኤል በዓለ ልደት ዝሰርዓትልና፡ ኣምላኽ ምሳና ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ድማምበር፡ ናይ ወርቅን ጨርቅን ናይ ብልዕን መስተን፡ ናይ ምልውዋጥ ህያባት ንጽምኣትና ንኸተርውይ ዝሰርዓቶ በዓል ኣይኰነን። ኣምላኽ ምሳና ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምርግጋጽ ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ካብቶም ፍጹም ኣረማውያን ክነሶም ልደት ዜብዕሉ፡ ካብቶም ብምኽንያት በዓለ ልደት ብለይታዊ ትልሂትን ስኽራንን ምንዝርናን ኪዓብዱ ዚሓድሩ ብምንታይ ክንፍለይ ኢና፧ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ በዓልዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስኣሕዋተይኢሉ ኺጽውዓና ዘይሓፈረልና፡ ንሕና ምስኡ ንሱ ምሳና ንምዃን ምብቃዕና ንኸነረጋግጽ ዝሰርዓቶ በዓል ምዃኑ እናዘከርና፡ ከም ንሳቶም እናዘመሩሉስ ንሱ ዝበኸየሎም ኣይሁድ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ሉቃ 1935-44)

እግዚኣብሄር ወልድ ግን ንምንታይኣማኑኤልኪኰነልና ተደልዩ፧ ኣምላኽ ምሳና እንተ ዘይኰነ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድዩ፧ እግዚኣብሄር ደኣ ካብ ከም ዝበለ ወጽዓ ይሰውረናን ይባልሃናንምበር፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ናይ ምዃኑ ኣገዳስነት ዘይረኣዮ ሰብ፡ እቲ ኣእምሮኡ ዝሰኣነ ሓሳባቱ ዝተዘርጎ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተሰወሮ፡ ሓቂ ዝጠፍኦ ሰብ ጥራሕዩ። እዚ ኸም ዝበለ መንፈሳዊ ስንክልና ቐሊል ጕድኣት ኰይኑ ኺረኣየና ኣይግባእንዩ። ከመይሲ፡ ከም ዚመሰለ መንፈሳዊ ጕድኣትዩ፡ ንወዲ ሰብ ናብ ፍጹም ክሕደትን መዋጽኦኡ ናብ ዘይረኣየካ መንፈሳዊ ቕልውላውን ዜጥሕሎ ዘሎ። ዋላ ብመጠኑውን ይኹን፡ እቲ ቝሩብ መንፈሳዊ ብርሃንን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ዘለዎ ሰብ ግና፡ ኣምላኽ ዝተፈልዮ ህይወት ኣብ ህልዊ ዘመኑ ዀነ ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢኡ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኦዩ። ሰይጣን ብዅሉ ሓይሉን ብዅሉ ጥበቡን ተጠቒሙ ዅሉ ጊዜ ኣብ ሓጢኣት ኪጸምደና ዚደልየሉ ምኽንያት ግዲ እንታይዩ፧ እግዚኣብሄር እቲ ቕዱስ ኣምላኽ፡ ብሓጢኣት ምስ ዝረኸሰ ዝዀነ ይኹን ፍጥረት ኪኸውንን ኪሓብርን ከም ዘይደልይ፡ ካብ ገዛእ ተመክሮኡ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥዩ። ነብዪ ኣንባቆም፡ ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ (ኣን 113) ቃል እግዚኣብሄር ከም ዚገልጸልና፡ ናብ መልኣኽ ጸልማት ቅድሚ ምልዋጡ፡ ሰይጣን ንዝፋን ኣምላኽ ብኣኽናፉ ዜጽልል ክቡርን ቅዱስን ኪሩብ (ብዓል ልዑል ማዕርግ መልኣኽ)’ ዝነበረ። ደሓር ግን ናይ ትዕቢት ኣበሳ ኣብ ልቡ በቘለትሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተላዕለ። እቲ ኣበሳ ኺጥምት ዘይኰነሉ ጻድቕ ኣምላኽ ድማ ካብ ስፍራኡን ካብ ማዕርጉን ነቒሉ፡ ካብ ቅድሚ ገጹ ኣርሒቑ ናብ ምድሪ ጻሕ ኣቢሉ ደርበዮ። ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ካብ ገጽ ኣምላኽ ርሒቑ ኣብ ስቓይ ኪነብር ተፈርደ (ህዝ 2814-17) ኣዳምን ሄዋንን ኵሉ ዘርኦምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ኤድን ኪነብሩዮም ዝተፈጥሩ። ሰይጣን ግና እታ ናቱ ውድቀት ናብ ደቂ ሰብ ኬስርጻ ብቕንኣት ተዓጢቑ ተላዕለ። ብቐሊሉ ሰሊጥዎ ድማ፡ ልክዕ ከምኡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ብድፍረት ተላዕለ። እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ድማ ካብ ገነት ኣውጺኡ ደርበዮም (ዘፍ 31-24) ብገለ መገዲ ምሕረት እንተ ዘይተረኺብዎ፡ ሓጢኣት ማለትዘለኣለማዊ ምፍላይማለት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን (ኢሳ 591-3) ስለምስ ኣምላኽ ምዃንን ዘይምዃንንማለት ከም ኣብ ሓደ ቦታ ሓቢርካ ዀፍ ምባል ወይ ምንባር ጌርና ጥራሕ ክንርድኦ ቕኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትካን ናብራኻንምበር፡ ብቦታ ዚግለጽ ኣምር ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ፡ ብህላወኡ ንዅሉ ዚመልእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ከም ቕዱስ ዳዊት ገሊጽዎ ዘሎ፡ ሰይጣንን ገሃነምንውን ከይተረፈ፡ ካብኡ ኣይረሓቑን፡ ምስኡዮም ዘለዉ (መዝ 1391-12) ኣምላኽ ምሳና ኣሎ ኽንብልንኽእል፡ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ዘረባናን ተግባርናን ብትእዛዙ ዚምራሕን ንእኡ ዜምስለናን ምስ ዚኸውንዩ።

ደቂ ሰባት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚፈልየና ሓጢኣት ከነውግዶ ኣይከኣልናን። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ሓጢኣት ዚጽየፍ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ኪገድፎን ንሓጢኣት ብሸለልታ ኺሓድጎን ኣይክእልንዩ። ስለ እቲ ምፍልላይና ፍታሕ ዘይብሉ ዀይኑ ናብ ዕጹው ማዕጾ ምስ በጽሐ፡ እግዚኣብሄር በቲ ዘለኣለማዊ ፍቕሩን ምሕረቱን ተደሪኹ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ ምፍልላይ ዜኽትም መለኮታዊ ፍታሕ መኸረ። እዛ ምኽሪዚኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንመለኮትነቱ ኸይሓደገ ፍጹም ሰብ ኪኸውንሞ፡ ኣብ ማእከል ብሓጢኣት ዝተፈልዮ ህዝቢ ኺሓድር፡ ነቲ ዝፈለዮ ሓጢኣት ኬርሕቀሉ ናብ ዝተፈልዮ ኣምላኽ ኬቕርቦ ዚገብር ምኽሪ ዀነ። እግዚኣብሄር ወልድ ኣማኑኤል ኪዀነልና ዝተደልየሉ ምኽንያትምበር እዚ (1ጴጥ 318 224,25 ኤፌ 21-18) ነዚ ሓቂ ኸይፈለጥና ልደት ምብዓል፡ ነዚ ኽቡር ብዓል ኸም መንፈሳዊ ዘይኰነስ ከም ባህላዊ በዓል ከም ዝረኣናዮ ዜቃልዓናዩ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ኬቕርበና ዝተፈጸመ ዓብዪ ምስጢር፡ ካብ ኣምላኽ ርሒቕና እናሃለና እንተ ኣብዓልናዮ ድማ፡ እቲ ምእንታና ሰብ ዝዀነን ህይወቱ ዝኸፈለልናን ጐይታ ብኸመይ ዝበለ ዓሚቝ ጓሂ ይዕዘበናን ይኽዕበናን ከም ዘሎ ዘይሕባእ ግሁድ ሓቂዩ።

እግዚኣብሄር ግን ንኺቐርበናን ንኼቕርበናን ንምንታይ ኻልእ መገዲ ዘይመረጸ፧ ናይ ግድን ኣምላኽ ሰብ ኪኸውን የድልይ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ሰይማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ማህጸን ሰብ ሓዲሩስ ሰብ ኰይኑ ኢልካ ኽትሓስቦን ክትዛረብበሉን ኣዝዩ ኸቢድ (1ነገ 727 ኢሳ 661,2) ደሓር ከኣ፡ ሰብ ኰይኑስ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ስፍራ ቕድስናኡ ዚነብር እንተ ዚኸውን፡ ኣይምኸበደን ነይሩ። ካብ መለኮታዊ ጽድቁን ቅድስናኡን ፈጺሙ ዘይጐደለ ኽነሱ፡ ኣብ ታኼላ (swamp) ሓጢኣት ዝዀነት ብሰይጣን እትመሓደር ዓለም፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ሰባት ኪነብር ኢሉ ሰብ ምዃኑ፡ ነቲ ኺዕገሶን ኪኸፍሎን ዝመደበ ዋጋ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜኽብዶ ነጋሪውን ዘይትደልየሉ ብሩህ ሓቂዩ። ልደቱ ናኣና ደኣ ሓጐስናን በዓልናንምበር ንእኡስ ካብ መስቀል ዘይንእስ መከራኡዩ። ንሎጥ፡ ነዚ ኸማና ዝፍጥረቱ ድኹም ሰብኳ፡ ጻድቕ ብምንባሩ በቲ ሰብ ሰዶምን ጎመራን ኣብ ጸጽባሕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ሓጢኣቶምን ርኽሰቶምን እታ ጻድቕ ነፍሱ ማዕረ ኽንደይ ትስቐይ ከም ዝነበረት ተመስኪሩሉ ኣሎ (2ጴጥ 27,8) እዚ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ጐይታኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኪሳቐይ ማለት!! ስለ ነዛ ሰብ ኴንካ ኣብ ማእከል ሰብ ናይ ምንባር ምርጫኡ፡ ንእኡ እትሰማማዕ ዝቐለለትን ዝመሽአትን መገዲ ስለ ዝዀነት ኣይመረጻን። ደቂ ሰባት ክንድሕነላ፡ ሕብረት ኣምላኽን ሰብን ዳግማይ ዚምለሰላ እንኮን መተካእታ ዘይብላን ፍታሕ ስለ ዝዀነት ዝመረጻን ዝተግበራን። ካብ ፍጥረት ክሳዕ ምጽኣት ናይ ዘሎ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ሓጢኣት፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ ኣካል ኪጾሮ ኣይክእልንዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ነዚ ሓጢኣት ኺጸውር ዚኽእል ሓደ የልቦን። ምጻር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋጋ ናይ ዅሉ ሓጢኣት ኪኸፍል ዜኽእል መንነትን ህይወትን ዘለዎውን ብዘይካ መለኮት ዝዀነ ኻልእ ኣካል የለን። ነዚ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ድሕሪ ምኽፋሉ ንሞትን ንድያብሎስን ስዒሩ ኪትንስእን ዳግማይ ናብ ህይወት ኪምለስን ዚኽእልውን፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ የልቦን። ድሕሪ ትንሳኤኡ ብህይወቱ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓዲሩ፡ ንዘለኣለም ምስ ሰብ ኪኸውንኣማኑኤልኪዀነልና ዚኽእልውን፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ ኣካል የልቦን። መለኮት ነዚ ዅሉ ንኺገብር ግን፡ ምስ ሰብ ኪኸውን፡ ምእንቲ ሰብ ኪመውትን ዜኽእሎ ስጋ ሰብ ኪለብስ ናይ ግድን ኰነ። ምኽንያቱ መለኮት ኪመውት ኣይክእልንዩ። ከምኡውን ብመለኮታዊ ኽብሩ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ሰባት ኪሓድር ኣይክእልንዩ። ስለ ኻብ ምልኣት መለኮቱ ኸይጐደለ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ኪሓድር፡ ከምኡውን ብሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ምእንቲ ኪኸፍል፡ እቲ ዘይመውት መለኮት ብተዋህዶ ምስ መዋቲ ስጋና ሓደ ኣካል ብምዃን ካብ ዕዳ ሓጢኣት ኣናገፈና። ስለ ድንቂ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ከኣ፡እቲ ዘይመውት መለኮት ብስጋ ሞተ፡ እቲ መዋቲ ስጋ ድማ ብመለኮት ህያው ኰነተባህለልና (1ጴጥ 318) እዚ እምብዛ ረቂቕ ዝዀነ ናይ ድሕነት ምስጢር ኪፍጸም ዝኸኣለ እግዚኣብሄር ወልድ ብምስጢረ ስጋዌ (ተዋህዶ) ስጋና ለቢሱ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝተወልደልናዩ። ክብርን ዕብየትን ናይ ልደቱ ኸኣ ብመንጽር ምስጢር እንተ ረኣናዮ ዚርድኣና። ከም ተራ ልደት ናይ ኵሉ ሰብ ጌርና ንርእዮ፡ ካብ ብልዕን መስተን ካብ ወርቅን ጨርቅን ዘይሓልፍ ክብሪ ኸም ዘለዎ ጌርና ነንእሶ እንተሊና ግን፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ ኽብሩን ምስጢሩን ዘቕለልናሉ ጐይታ ንፍርዲ ደው ምስ በልና፡ ጽቡቕ ኣይክንፍደይን ኢና። ካብ ሞት ተበራቢርና ነቲ መለኮታዊ ኽብሩ በዒንትና ምስ ረኣናዮ ኸኣ ብሕፍረትን ብጣዕሳን ኽንወሓጥምበር፡ኣነ ንልደትካን ንትንሳኤኻን ብድምቀት ዘብዕል ክርስትያን ነይረእንብለሉ ዕድል ኰነ ትብዓት ኣይኪህልወናንዩ።

ብዘይካ ዘለኣለማውን ሰማያውን ረብሓ፡ ጐይታናኣማኑኤልናይ ምዃኑ፡ ማለት ኣምላኽ ምሳና ናይ ምዃኑ ምድራዊ ረብሓኸ እንታይዩ፧  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳንምበር፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይተጋህደት ዓባይ ምስጢር ኣላ። እዚኣ ኸኣ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ሳላ ዝተገልጸ ዝተፈጸመትያ። ጐይታና ባዕሉን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስን ደጋጊሞም ገሊጾምዎ ኣለዉ። ጐይታና ነዛ ምስጢርዚኣ፦

ስጋይ ብልዒ ሓቂሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ እነብር። ...... ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ጨንፈር ኣብ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። .....ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ ይዀነልኩም። ..... በታ መዓልቲቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ ክትፈልጡ ኢኹም።

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 655,56 154,5,7 1420) እዛ ሓለፋን ክብርንዚኣ ሳላ ጐይታና ኣማኑኤል ኢና ረኺብናያ። ሓቀኛታት ክርስትያን እንኸውን፡ እዛ ሓቂዚኣ ኣባና ምስትፍጸም ጥራሕዩ። ኣብ ውሽጡ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብን፡ ንሱ ንርእሱ ኣብ ክርስቶስ ዘይነብር ሰብን፡ ስማዊ ክርስትያን ጥራሕ ዚኸውን። መዛግብቲ ቤተ ክርስትያንን ሰባትን ከም ክርስትያን ኪፈልጥዎ ይኽእሉ ይዀኑ፡ ክርስቶስ ግና ፈጺሙ ኣይፈልጦንዩ። ስለ ኸኣ ጐይታና፡ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምንየ፡ ካባይ ርሓቑብምባል ኣስንባዲ ፍርዲ ዚህቦም (ማቴ 720-24 ሉቃ 1322-30) ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወት ዚህልወና፡ ብጽድቅን ቅድስናን እንነብር፡ ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ብልዕና ዚዀነልና፡ መንፈሳዊ ፍሬና ዚበዝሕ፡ ኣገልግሎትናን ናብራናን በዓልናን ምሉእ ትርጕምን ረብሓን ዚህልዎ፡ ንሕና ማሕደር ኣማኑኤል፡ ኣማኑኤል ከኣ ማሕደርና ምስ ዚኸውን ጥራሕዩ። ሽዑ ከም ተባዕ ሃዋርያ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፦

ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ፡ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ ዝነብር ዘለኹ።ንምባል ክንበቅዕን ክንተብዕን ኢና (ገላ 220)

እምበኣር ኣብ ዝተባረኸ ቅዱስ በዓል ርእስና ንመርምርሞ፡ እዚ በዓል ናይ ብሓቂ ዚምልከቶምን ዚብጽሖምን ሓቀኛታት ደቂ ኣማኑኤል ኴንና ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ዘይናይ ኣማኑኤል ኴንና እንተ ጸኒሕና፡ እቲ ፍቱን መድሃኒት፡ ምስጢረ ንስሓ ኣሎና። ርእስና ኣንጺህና፡! ኣማኑኤል ናብ ብደምካ ዝዓደካዮን ዝቐደስካዮን ማሕደርካ ንዓኢልና ንጸውዓዮ። ነቲ ልደት ዝተፈጸመሉ ዕላማ ነገልግልን ንንበርን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጥሪ 2024 | ታሕሳስ 28, 2016 ግዕዝ (መበል 17 ሰንበት: ቊ.፲፯/17)

ምስባክ

 መዝ.፷፯(፷፰)፡፳፰-፳፱

“ወአጽንዖ እግዚኦ ለዝንቱ ዘሠራዕከ ለነ። ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም። ለከ ያመጽኡ ነገሥተ አምኃ።”

“ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ’ዮም።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 9፡1-8

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡19-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 1፡18-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእትነ ማርያም  | መዝሙር፦ወእንዘ ሀለዉ ህየ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div