S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።

ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ ኣብ ዓለም ዘሎ (ርኹስ) መንፈስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ቅዱስ) መንፈስ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነብያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለምዮም፡ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናንዩ፡ ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢናንፈልጦ።” 1ዮሃ 44-6 .

ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:

ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።

ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ (ኢሳ. 95)

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት
25 የካቲት 2021 (የካቲት ፲፰,  ፳፻፲፫ . ግእዝ)

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ውግእ ሰብ እዩ ዝቕለብ ስለዚ፥ ኲናት ደው ክብል፥ ብምርድዳእን ልዝብን ክፍታሕ፡ መንግሥቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ዶብ ተሳጊሩ ምስ ኃዉ ዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ ውግእ ከይገብር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ [Link]።

ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9 ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 .. ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 . ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን` ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ` ክመውት ዝኸኣለ-?  ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div