S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብመንጽር በዓል ሓዲሽ-ዓመት ዘሎና ትጽቢትን ተስፋን እንታይ`ዩ-?

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።

ይኹን እምበር ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ኣብ ከመይ ዝበለ መሪር ዝኾነ ሕይወት ንነብር ከም-ዘሎና፣ ካባና ንላዕሊ ብዝበለጸ፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን ይፈልጦ`ዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ`ውን ከማና ዝኣመሰለ፣ ኣብ ከቢድ ፈተና ዝርከብ ሕዝቢ፣ እቲ ኣብ ዝባኑ ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት ንክወርደሉ፣ ተስፋ ብምግባር ትጽቢት ክገብር ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ከመይሲ ካብቲ ዝግብኦ ሰብኣዊ-ክብሪ ታሕቲ ወሪዱ፣ ተዋሪዱን ሓሲሩን ክነብር ዝመርጽ ሕዝቢ፣ ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ከመይሲ ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ዘይበጽሓና ውርደትን ዘይተቐበልናዮ ኣደራዕን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ`ውን እዚ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና ሕይወት ክቕጽል ፣ እንመርጾ ምርጫ ክኸውን ኣይክእል`ዩ።

እምበኣር ኣብዚ ንዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ ዘመነ-ማርቆስ እንቕበለሉ ዘሎና ህሞት`ዚ፣ ክህልወና ዝኽእል ተስፋን ትጽቢትን ሓደን ዘየጋግን`ዩ ክንብል ንኽእል። ንሱ ድማ ሰላምን ፍትሕን ቅሳነትን እምበር፣ ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ካልእ ኩሉ፣ ምርጫ ሕዝብና ክኸውን ከም-ዘይክእል ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ይከኣል እዩ። ከመይሲ ብሰንኪ ሰላምን ፍትሕን ምስኣን`ዩ ሕዝብና፣ መወዳእታ ተሳኢኑዎ ኣብ ዘሎ ሕሰምን መከራን ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ እቲ ኩሉ ሕዝብና ክቕበሎ ዝጸንሐ ስቓይን መከራን፣ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓሊፉ፣ እዚ ሕጂ ንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት ድማ፣ ዓመተ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ክኾነልና ተስፋ ካብ ምግባር ንላዕሊ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ካልእ ክኾነልና እንጽበዮ ባህጊ፣ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ይመስለና።

ንኣብነት እስራኤላውያን እንተረአና፣ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበሩሉ ዓመታት፣ ዘይበጽሖም ሕሰምን መከራን ኣይነበረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ይፍጸም`ዩ ኢልካ፣ ክሕሰብ`ውን ዝከኣል ኣይነበረን። ከመይሲ እቶም ዝውለዱ ህጻናት ደቆም ከይተረፉ፣ ምስ ጭቃ ተለዊሶም ክሳብ ዝርገጹ ዝበጽሕ ጭካኔ`ዩ፣ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝተራእየ። ካብዚ ንደሓር እቶም እስራኤላውያ፣ ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ዝኽእሉ ኣይነበሩን።(ዘፀ-1/11-22) 

ስለዚ`ውን ብሉይ-ኪዳን ከም-ዝብሎ “-ደቂ እስራኤል ከኣ ባርነት መሪሩዎም ገዓሩ። ናብ ኣምላኽ `ውን ጠርዑ። እቲ ዝገበሩዎ ኣውያት ድማ ናብ ኣምላኽ ዓረገ፣ ኣውያቶም`ውን ተሰምዐ-”  ብምባል`ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ከመይሲ ምስቲ ንጉሥ-ግብጺ ዝኾነ ፈርዖን፣ ክዛረቡ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከም-ዘይብሎም ምስ ፈለጡ፣ ጠመተኦም ናብ እግዚኣብሔር ኣቢሎም ከም-ዝገበሩ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ፣ ናብቲ ሕያው ኣምላኽ ይግባይ ኢሎም ካብ ምቕራብ፣ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮም። (ዘፀ-2/23-25)

ስለዚ`ውን እቲ ብመንገዲ እምነት ክኽየድ ዝኽእል ዝነበረ ኣማራጺ፣ ንሱ እዚ መሥመር`ዚ ብምባሩ፣ “-ጸሎቶም ዓረገ ኣውያቶም`ውን ተሰምዐ-” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። እዚ ከኣ`ዩ ከፋት መንገዲ፣ ናይቲ ናብ ከነዓን ዘብጽሕ ነዊሕ ጉዕዞ ኮይኑ ክርከብ ዝኸኣለ። ከነዓን ንምብጻሕ ግና፣ ናይ 40-መዓልቲ ጉዕዞ`ዩ ዘድልዮም ዝነበረ። ደቂ-እስራኤል ግና ነቲ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገበረሎም ኣምላኽ፣ ክብሪ ዝህብ ባህርያት ኣይነበሮምን። ከመይሲ ኣብቲ ከነዓን ንምብጻሕ ዝተገብረ ጉዕዞ። መዓልቲ ብደመና ለይቲ ድማ ብብርሃን`ዩ መሪሑዎም። ዕለታዊ መግቦም ዝሓለየ`ውን ባዕሉ እግዚኣብሔር`ዩ። ብኸምዚ ድማ`ዩ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ፣ ሓቚፉን ደጊፉን ዘሳለዮም። 

ንሳቶም ግና ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተገብረሎም ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት፣ ኣመስገንቲ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን “-ይክልኑ እግዚኣብሔር ሠሪዐ-ማእድ በገዳም፣ ይዝብጥ ኰኲሓ ወያውኅዝ-ማየ። ወይክልኑ ውሂበ ኅብስት፣ ወይሥራዕ-ማእደ ለሕዝቡ-” ብምባል፣ ንመለኮታዊ-ክብሩ ዝፈታተን ቃላት`ዩ፣ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝተሰምዐ። እዚ ብትርጉም ክርአ ከሎ “-ኣምላኽዶ ኣብ በረኻ መኣዲ ክሠርዕ ይኽእል`ዩ-? ንከውሒ ወቒዑኸ ማይዶ ከስትየና ይኽእል`ዩ-? መኣዲ ሠሪዑኸ እንጌራ ከም-እንበልዕዶ ክገብር ይኽእል`ዩ-” ብምባል`ዮም፣ ንመለኮታዊ ክብሩ ክምጥኑ ወይ ክገልጹ ብዘይክእሉ፣ ናይ ክሕደት-ጫፍ ብዝረገጹ ቃላት ክገልጹዎ ዝተሰምዑ። ( መዝ-77/78-19-20)

ብመንጽር እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ ክርአ ከሎ፣ ንሕናኸ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፣ ከም ሕዝቢ መጠን ንርእስና ክንግምግም ከሎና፣ ካብቲ እቶም እስራኤላውያን ዝፈጸሙዎ ዓሻ-ድፍረት፣ ዝሓይሽ ታሪኽ ኣሎና ክንብል እንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ ሕዝብና ንህልውናን መለኮታዊ-ክብርን እግዚኣብሔር ዝፈታተን ተግባር፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክፍጸም ዝተራእየሉ ኣጋጣሚታት ውሑድ ኣይነበረን። ዓገብ በሃሊ ኮይኑ ዝተራእየሉ ግዜ ግና፣ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ እቲ “-ብቅልጽምናን ብካላሽናን-” እናተባህለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሕዝብና ክግበር ዝጸንሐ ፈኸራ፣ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝነጽግ ኣበሃህላ ኮይኑ እናሃለወ ከሎ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ግና ዝኾነ ነገር ክንብል ኣይተረኽብናን። 

እቶም መንፈሳውያን ዝኾኑ ክብረ-በዓላትና እንተኾኑ`ውን፣ ከበሮ ብዘሰነዮ ጓይላን ዳንኬራን ደኣ`ዮም፣ ብቐጻሊ ከም-ዝቐርቡ ክግበር ዝርአ ዘሎ እምበር፣ ንኣምላኽ ክብሪ ክህብ ብዝኽእል ዝማሬ ማኅሌት፣ ከም-ዝቐርቡ ክግበር ኣይጸንሐን። ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ጸቕጢ፣ ጅሆ ተታሒዛ ትርከብ ብምህላዋ ምኽንያት፣ ክሳብ ማእሰርቲ`ቶም ሕጋዊ- ፓትርያርክ፣ ኣቡነ-እንጦንዮስ ዝበጽሕ ግፍዒ ተፈጺሙ ከብቅዕ፣ ብዙኃት ካህናትናን መነኮሳትናን`ውን፣ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዞም ኣብ መቚሕ ይርከቡ ምህላዎም፣ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝርአ ዘሎ ፍጻሜ ኮይኑ እናሃለወ፣ እዚ ኩሉ ተደራራቢ ግፍዒ`ውን እናተፈጸመ ከሎ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ዘስማዕናዮ ድምፂ ተቓውሞ፣ ትማሊ ኣይነበረን ሕጂ`ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እሞ እዚ ኩሉ ግፍዕን ዓመፅን እናተፈጸመ ከሎ፣ ዓይንና ዓሚትናን እዝንና ዓጺናን እንርከብ ሕዝቢ ኴንና እናሃሎና ደኣ፣ ከመይ ኣቢልና ኢና እቲ ጽባሕ ንቕበሎ ሓዲሽ-ዓመት፣ ሰላምን ቅሳነት ዘለዎ ክኾነልና ክንትስፎ ንኽእል-? ካልእሲ ይትረፍ ናይ`ቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ ስም፣ ክድፈር ከሎ ገለ ክንብል ዘይከኣልና ሕዝቢ፣ ብኸመይ ደኣ`ዩ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ጸልማት-ለይቲ፣ ክወግሕ`ዩ ኢልካ ተስፋ ክግበር ዝከኣል-? ከመይሲ ዘይዘራእካዮ እኽሊ ዓጺድካ ክብላዕ ኣይከኣልን`ዩ። ስለዚ`ውን ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ኣብ ዝኾነ ሚዛን ተቐሚጥና፣ ክብደት ዘይብልና ኴንና ንርከብ ምህላውና፣ ክንርዳእ ዘይምኽኣልና`ዩ፣ እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ብዝተረፈ እቶም ኣብ መቚሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ፣ ማለት ኣቦና ኣቡነ-እንጦንዮስ፣ ነቲ ብጸቕጢ ፖለቲካ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ብቐጻሊ ክግብር ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ ኣመልኪቶም፣ ዘመሓላለፉዎ ውግዘት ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ውግዘት`ዚ ድማ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይነበረን። ይኹን እምበር እቲ እምነት ኣልቦ ከም-ዝኾነ ዝንገረሉ ሥርዓት፣ ነቲ ውግዘት ኣኽብሮት ክህልዎ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕዝብና ግና ኣብ ክርስትና ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ፣ ነቲ ብውግዘት ኣቢሉ ክመጽእ ዝኽእል መርገም፣ ተቓሊዑ ይርከብ ምህላዉ ሕጂ`ውን እንተኾነ፣ ተረዲኡዎ`ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን ዘሎ። 

ከምቲ ምስላ ሃገርና ዝብሎ። “-ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካልእ ሰብኣይ፣ ኮፍ ኢሉ ከሎ ኣብ ልዕሊኡ መጺኡ ይሸነሉ እሞ። ብድሕሪ`ዚ ኣታ ኮፍ ኢለ ከሎኹ ክትሽነለይ ብምባል ሓቲቱዎ ይበሃል። እቲ ሰብኣይ ድማ ፣ ደይ`ሞ ደው እንተበልካ`ውን፣ ትገብሮ ከም-ዘይብልካ ስለ-ዝፈለጥ እየ-” ኢሉዎ ይበሃል። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት`ውን፣ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ብቐጻሊ ክፍጽሞ ዝርከብ ዘሎ ናይ ሕጊ-ግህሰት፣ እቶም ዋናታት ናይዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፣ እንታዎት ምዃንና ስለ-ዝፈለጥ፣ እንታይ ከይገብሩ ብምባል ስለ-ዝነዓቐና`ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ድማ ነታ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደትና ቤተ-ክርስቲያን፣ ኣሕሊፍና ንበላዒ ዝሃብናያ ባዕላትና ስለ-ዝኾንና፣ እቲ ብሳዕቤኑ ክመጽእ ዝኽእል መርገም ድማ፣ ካባና ካብቶም ደቂ`ዛ ቤተ-ክርስቲያን ሓሊፉ፣ ንኻልእ ይምልከቶ`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከም ሳዕቤን እዚ ድኽመት`ዚ ከኣ`ዩ ሕጂ`ውን፣ እቲ ኣብ 1999 ዓ/ም (2007) ንኣባ-ዲዮስቆሮስ 4ይ-ፓትርያርክ ንምሻም ተባሂሉ ዝተገብረ፣ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን ምርጫ፣ ሕጂ ኣብዚ እዋን`ዚ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ እቲ ንሕዝቢ ኣኽብሮት ኣለዎ ዘይበሃል ሥርዓት፣ ነቶም ልዕሊ ዕድመ-90 ዝርከቡ ኣባ-ቄርሎስ፣ 5ይ-ፓትርያርክ ዝብል ጸወታ ዝመስል ምርጫ ብምክያድ፣ ነቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን በይኑ ክዕንድረሉ ዝኽእል ሜዳ ገይሩዎ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና እቶም ደቂ`ዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ እንበሃል ግና፣ ሃገር ደሓን ኣሎ ከም-ዝተባህለ ገና ኣብ ጥዑም ድቃስ ኢና ንርከብ ዘሎና እምበር፣ ካልእ እንተ-ተረፈ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና`ኳ፣ ኣውያት ከነስምዕ ክኢልና ዝበሃል ታሪኽ የብልናን።

ካብዚ ሓሊፉ`ውን እቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት፣ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብላ ብምሕሳብ፣ ካብዝን ካብትን ኣኻኺቡ፣ ካድራት ኮይኖም ከገልግሉዎ ዝኽእሉ፣ ጳጳሳት ኢሉ ሸይሙላ ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ ብጠቕላላ ክርአ ከሎ፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ ነታ ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክራ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ደምሲስካ ንምጥፍእ ዝዓለመ ምዃኑ፣ እቲ ብቐጻሊ ክግበር ዝጸንሐን፣ ሕጂ`ውን ዝፍጸም ዘሎን ናይ ሕጊ ግህሰታት፣ ብቑዕ መረድኢ እዩ። እሞደኣ ንሕና ከም ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ መጠን፣ ነቲ ዝግበር ዘሎ ዕንወት ኩሉ ተጻዊርናዮ ክንከይድ የጸብቐልና ድዩ-?

እምበኣር እዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ፣ ፍርህን ሕመቕን ድኽመትን`ዚ  ተደራሪቡ`ዩ፣ ሕዝብና ስሬት ኃጢኣት ረኺቡ፣ ሰላምን ቅሳነትን ንከይረክብ፣ ዘይስገር ፈተና ኮይኑዎ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ እቲ ውግዘት`ቶም ኣብ መቚሕ ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ፣ ኣብ ዝባን ሕዝብና ተጻዒኑ እናሃለወ፣  ምሕረት ኣምላኽ ክርከብ ዘይሕሰብ እዩ። ስለ`ዚ እዚ ጽዕነት ኃጢኣት`ዚ ካብ ዝባንና ክወርድ ከይከኣለ ከኣ፣ ሓዲሽ ዓመት መጺኡ ስለ-ዝተባህለ፣ ጽቡቕ ብምምናይ ጥራይ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የልቦን።

የግዳስ ንሕና ውሽጥና ብምፍታሽ፣ ጌጋና ክንእርምን ኣተሓሳስባና ከነተኻኽልን ከይከኣልና፣ ሓዲሽ-ዓመት ስለ-ዝመጸ ብእንለዋወጦ ቃላት ጥራይ፣ እቲ ዘሎና ጸገማት ፍታሕ ክረክብ ይኽእል`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ኣብቲ ቅድም ኢልና ዝሓለፍናዮ “-ደቂ እስራኤል ከኣ ባርነት መሪሩዎም ገዓሩ፣ ናብ ኣምላኽ`ውን ጠርዑ-”  እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። ስለዚ ንሕና`ውን ብተመሰሳሊ መንገዲ፣ ባርነት ኣይመረረናን ክንብል እንኽእል ሕዝቢ ኣይኮናን። እምበኣር እቲ ብድሕሪ`ዚ ክኽየድ ዝከኣል መንገዲ፣ እቶም እስራኤላውያን ድሮ ኣርእዮሙና ኣለዉ። እዚ ማለት ድማ ኣርዑት ከቢዱና ኢልካ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪብካ፣ ሕድገት ንምርካብ ዝግበር ኣውያት`ዩ።    

ሕዝብና ግና ኣብ ቀጻሊ ጓይላን ዳንኬራን`ዩ ዝርከብ ዘሎ። ካልእ ይትረፍ እቲ 460-መንእሰያት ደቅና፣ ኣብ ማእከላይ-ባሕሪ ወይ ላምባዱሳ፣ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝብል መርድእ ተሰሚዑ፣ ዓለም ብዓለሙ ከንቀጥቅጥ ከሎ፣ ንሕና እቶም ኣብ ዳስ-ሓዘን ተቐሚጥና፣ ጽንዓት ይሃብኩም ክንበሃል ዝግበኣና ሕዝቢ፣ ኣብ ሓደ ዳስ ክንርከብ ከም-ዘይከኣልና፣ ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ታሪኽ`ዩ። ከመይሲ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና፣ ኣብ ዋይታን ልቕሶን ክሓድር ከሎ፣ እቲ ካልእ ክፋል ሕዝብና ድማ፣ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም-ዘይተፈጥረ፣ ከበሮ ኣልዒሉ ክዘልልን ክዕንድርን ከም-ዝሓደረ፣ ኣብ ታሪኽና እናተዘከረ ዝነብር ጸሊም ታሪኽ`ዩ።

ሕጂ`ውን እቲ ታሪኽ ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ክድገም ኢና ንርእዮ ዘሎና። ከመይሲ እቶም ኣቦ  ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፓትርያርክ ፣ብናይ ፖለቲካ-ተጽዕኖ ንልዕሊ 16-ዓመት ብጽኑዕ መቚሕ ተታሒዞም ይርከቡ እናሃለዉ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ሕጂ`ውን፣ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ምርጫ ዝመስል ጸወታ፣ ሓደ ክልተ ኣብዚ መሰል ደቂ-ሰብ ዝሕለወሉ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ካህናት፣ ተሳተፍቲ እቲ ብፖለቲካ ዝተላዕጠጠ ውራይ ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም`ዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ ክሕጎሱሎም ብምድላይ`ውን፣ ኣብ መድረኽ መራኸቢ-ብዙኃን ቀሪቦም፣ ክኾኑዎ ዘይክእሉን ክምጥኖም ዘይክእልን ቁመና ሒዞም፣ ዘይብሁል ክብሉ ክሳብ ክንድ`ቲ ዝሓፍሩ ኮይኖም ዘይምርካቦም፣ ዝረኣየን ዝሰምዐን ኩሉ ክኽዕቦም ኢና ዝተዓዘብና። 

ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ክገልጽ ከሎ ከኣ`ዩ ሓዋርያ-ጳውሎስ “-እዚኣቶም ሃይማኖት ናይ ምድራዊ ረብሓ መጋበሪ`ዩ ዝመስሎም። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ክረኽቡ ክብሉ፣ ካብ እምነት ዘምበሉ፣ ናብ ርእሶም`ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። የግዳስ ዘይወግሕ ጸልማት ለይቲ ስለ-ዘየልቦ፣ እዚ ዘሎ ግዜ`ውን እቲ ሕያው-ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐዶ ግዜ ክሓልፍ`ዩ። እዞም ንዓለማዊ ረብሓ ክብሉ፣ ንጥፍኣት ቤተ-ክርስቲያን ተሓባበርቲ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ግና፣ ደቂሶም ዝሓድሩሉ ለይቲ ክረኽቡ ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። ከመይሲ ሰብ እቲ ባዕሉ ዝዘርኦ ደኣ`ዩ ዝዓጽድ እምበር፣ ክርዳድ ዘሪኡ ስርናይ ክዓጽድ ዝኽእል የልቦን። (1ጢሞ-6/6-10) 

እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኩነታት ንርከብ እናሃሎና ኢና፣ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ ዓመት ንርከብ ዘሎና። እዚ ሓዲሽ-ዓመት`ዚ ከኣ፣ ናይ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ዓመት ክኾነልና፣ ዘሎና ትጽቢትን ተስፋን ብዙሕ`ዩ። ከማና ዝኣመሰለ ኣርዑት ዝኸበዶ ሕዝቢ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ ብምግባር፣ ትጽቢት ክገብር እንተኸኣለ ከኣ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ እስራኤላውያን`ውን ኣብ 40-መዓልቲ ከነዓን ክኣትዉ ተስፋ ነይሩዎም`ዩ። ከምቲ ተስፋ ዝገበሩዎ ኮይኑ ግና፣ ከነዓን ኣብ 40-መዓልቲ ክእቶ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከመይሲ ነቲ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገበረሎም ኣምላኽ ኣመስገንቲ ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፣ እቲ መንገዲ 40-መዓልቲ ዝነበረ ጉዕዞ፣ 40-ዓመት`ዩ ወሲዱሎም። ከምቲ ብምድግጋም ዝተባህለ ነቲ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ኣመስገንቲ ኮይኖም ኣይተረኽቡን።

ስለዚ`ውን ብመንጽር`ዚ ታሪኽ`ዚ፣ ንሕናኸ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፣ ንገዛእ-ርእስና ኣብ መስትያት ኣቕሪብና እንተረአናዮ፣ ዝሓይሽ ታሪኽ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ እቲ ሕጂ ብውደቀት ሥነ-ምግባር ዝኽሰስን ዝውቀስን ዘሎ ናትና ትውልዲ፣ ባዕሉ ምስክር ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት ኴንና ተረኺብና ኢና፣ ክንብል ከም-ዘንኽእል`ውን እቲ ተግባርና ባዕሉ ምስክር እዩ። ከመይሲ እታ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደትና ቤተ-ክርስቲያን፣ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ከላ ዝበልናዮ ነገር ኣይነበረን። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ፣ ሥልጣኖም ከም-ዝለቁ ክግበር ከሎ እንተኾነ`ውን ዝገበርናዮ ነገር የልቦን። መወዳእታኡ ኣብ መቑሕ ክኣትዉ ከለዉ`ውን፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ጌርናዮ ዝበሃል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል፣ ብጽቡቕ ዝግለጽ ታሪኽ ኣሎna ክበሃል ኣይከኣልን።

እዚ ኩሉ`ዚ ከኣ ንዓና ከም-ሕዝቢ፣ ክቡር ዋጋ ክሓተና ከም-ዝኽእል ማንም ክርድኦ ዝኽእል`ዩ ነይሩ። ከመይሲ ዝኾነ ሕዝቢ እቲ ባዕሉ ዝዘርኦ`ዩ፣ መሊሱ ክዓጽዶ ዝግደድ። ከምቲ ቅዱስ-ዳዊት “-ኩሎ ዓረየ ወኅቡረ ዓለወ፣ ኣልቦ ዘይገብራ ለሠናይት ኣልቦ ወኢኣሓዱ...... ወኣልቦ ፍርሃተ እግዚኣብሔር ቅድመ ኣዕይንቲሆሙ-” ዝበሎ፣ ብዛዕባ`ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ዕንወት፣ ምንም እንተኾነ`ውን ዘይግዱሳት ኴንና ምርካብና፣ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ከርሕቐና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንበረኸት ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ`ዩ ዕዝራ`ውን ብወገኑ “-እቶም ክፉኣት ሰባት ግና፣ ብዕሽነቶም ኣይሰምዑዎን ከምኡ`ውን ኣይተኣዘዝዎን። ክፉእን መስሓትን ብዝኾነ ብናይ ገዛእ-ርእሶም መደብ ተመርሑ። ንሳቶም ንህላዌ ልዑል-ኣምላኽ ከሓዱ፣ መንገዱ ምስዓብ`ውን እምቢ በሉ። ንሕጉ ነጸግዎ ጸግኡ ምቕባል`ውን ኣበዩ። ሥርዓታቱ ኣፍረሱዎ ትእዛዛቱ ምግባር`ውን ተሳእኖም-ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። መዝ-14-3)  (2ዕዝ-7/22-24)

እምበኣር እዚ ኩሉ ዘይሥሩዕ ኣከያይዳ እናሃለወና ከሎ`ዩ፣ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ክንቅበል እንሸባሸብ ዘሎና። እዚ ከኣ ምስቲ እስራኤላውያን፣ ከነዓን ንምእታው ዝነበሮም ተስፋን ትጽቢትን ክመሳሰል ይኽእል`ዩ። ንሳቶም ነቲ ኩሉ ዝተገብረሎም ኣምላኻዊ-ረድኤት ብምኽሓድ “-መን`ዩ እግዚ ኣብሔርከ ?-” ክሳብ ምባል ዝበጽሐ፣ ጫፍ ዝረገጸ ናይ ክሕደትን ትዕቢትን ቃላት’ዩ፣ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝተሰምዐ። ከም ሳዕቤን እቲ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዘይህቡ ኮይኖም ምርካቦም ድማ፣ ነቲ ባዕሎም ዝዘርኡዎ ክርዳድ ክዓጽዱ፣ ን40-ዓመት መመላእታ ኣብ ምድረ-በዳ ኮለል ክብሉ፣ ዘይተርፈሎም ዕዳ ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኸኣለ ኢና ንርኢ። 

እምበኣርከስ ብመንጽር`ዚ ዝተባህለ ታሪኽ ክርአ ከሎ፣ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያንና፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ካብ ዝቈጻጸራ ድሮ 30-ዓመት ኮይኑዋ ኣሎ። ንክንደይ`ዩ እቲ ተጽዕኖ-ፖለቲካ ክቕጽል ከኣ ዝፍለጥ ነገር የልቦን። እዚ ከኣ ቅሳነት ተሰሚዑና፣ ደቂስና ክንሓድር የኽእለና`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ክብደት ኃጢኣት ተሰኪሙ ክድቅስ ዝኽእል ሕዝቢ የልቦን። ብዝተረፈ እቶም እስራኤላውያን ቅድስና ቤት-ኣምላኽ ዘራኽስ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም፣ -ጾይሞም ወዓሉ ወጮ`ውን ተኸድኑ፣ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ክዳውንቶም`ውን ቀደዱ-” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። ብምቕጻል ድማ ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ “-ኦ ጎይታ-! ነዚ መባእ`ዚ እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን፣ ካህናትካ ድማ ስለ-ዝተዋረዱ ይበኽዩ ኣለዉ-” ብዝብል ቁዝማ ዝተሰነየ ኣውያት ካብ ምግባር፣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። (1መቃ-3/50-51)

የግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ንሕጊ ኣምላኽ እሙናት ኴንና ተረኺብና ኢና፣ ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። ካልእሲ ይትረፍ ዓውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ናይ ፖለቲካ-መድረኽ ክሳብ ዝመስል፣ ሰብ-ጽሩራ ዝዕንድሩሉ ሜዳ ኮይኑ ክርከብ ከሎ፣ ከም-ዘይምልከተና ኣብ ማዕዶ ኴንና ደኣ ኢና ክንዕዘብ ዝጸናሕና እምበር፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዓቢኦም፣ ከምኡ`ውን መነኮሳትናን ካህናትናን፣ ኣብ መቑሕ ክኣትዉ ከለዉ ዝበልናዮ ነገር የልቦን። እዚ ከኣ ምስቶም ፀረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፈርዖናት፣ መሲልናን ተመሳሲልናን ክንነብር ምድላይና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ካልእ ክቐርብ ዝኽእል ምኽንያት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ንዓለም መሲልና ክንከይድ ምድላይና ከኣ`ዩ፣ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ርሑቓት ኴንና ከም እንርከብ ገይሩና ዝርከብ ዘሎ።

ይኹን እምበር ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ “-ዴማስ ነዛ ዓለም`ዚኣ ስለ-ዘፍቀራ ሓዲጉኒ ከይዱ `ዩ-”  ዝበሎ፣ እቲ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ዝርአ ዘሎ ድኽመት`ውን፣ ንእግዚኣብሔር ሸለል ብምባል፣ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም`ዚኣ ተሳኒና ክንከይድ ምድላይና ዘሎ ጸገም`ዩ፣ ንቁጥዓ ኣምላኽ ዝተቓላዕና ኴንና ከም-እንርከብ ኣገዲዱና ዝርከብ ዘሎ። ከምኡ እንተ-ዘይንኸውን ነይሩ፣ ን30-ዓመት መመላእታ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጓይላን ዳንኬራን ኣቲና፣ ክንዕንድርን ክንዘልልን ኣይምተረኽብናን። ዴማሳያውያን ዘብልና ዘሎ ከኣ እዚ`ዩ። እዚ ከንቱነት`ዚ ከኣ`ዩ፣ ጫፉን ወሰኑን ክፍለጥ ኣብ ዘይከኣል ኮለል ኣእቱዩና ዝርከብ ዘሎ። (2ጢሞ-4/10)

ስለዚ`ውን ሕጂ ንሕና፣ ካብ ድቃስ ኃጢኣትና ተበራቢርና ደኣ፣ ምስ እግዚኣብሔር ዝተዓርቀ ሕይወት ምእንቲ ክህልወና፣ ናብቲ ሕያው ኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ንቕረብ እምበር፣ ሓዲሽ ዓመት ስለ-ዝመጸ ጥራይ ምሕረት ኣምላኽ ይርከብ`ዩ ብምባል፣ ኣጉል ተስፋ ክንገብር ኣይግባእን። የግዳስ እቲ ተጻዒናቶ ዘላ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ከቢድዋ፣ ኣብ ቀጻሊ ኣውያት ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ከም ዘላትና፣ ከመይ ኣቢልና ክንርስዕ ንኽእል-? ከምቲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ዝበሉዎ፣ ንሕና`ውን ሕጂ “- ኦ ጎይታ-! ነዚ መባእ`ዚ እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን እዩ። ካህናትካ ድማ ስለ-ዝተዋረዱ ይበኽዩ ኣለዉ-”  ብምባል ደኣ፣ኢድና ዘርጊሕና ብብኽያትን ብቁዝማን ንቕረብ እምበር፣ ብምኽንያት ሓድሽ-ዓመት ኩሉ ነገር ክቕየር ይኽእል`ዩ ዝብል፣ ከንቱ ተስፋ ወይ ሕልሚ ክህልወና ኣይግባእን። 

ይኹን እምበር ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ኣበየናይ መሥመር ረጊጽና ንርከብ ከም-ዘሎና ምፍላጥ፣ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ጉዳይ`ዩ። ከመይሲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ንኻልእ መርገም ወይ መዓት ተጋሊጽና ከም-እንርከብ ዝገብር ፖለቲካዊ ምትእትታው፣ ይግበር ከም-ዘሎ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ሓቂ`ዩ። እዚ ምርጫ 5ይ-ፓትርያርክ ብምባል ክግበር ዝቐነየ ጸወታ ድማ፣ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ደኣምበር፣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መደብ`ዩ ነይሩ ዝበሃል ኣይኮነን።  እዚ ኩሉ እናኾነ ከልሎ ግና፣ ብኣና ወገን ክግበር ዝተኻእለ ሕዝባዊ-ተቓውሞ የልቦን።  እሞ እዚ ኩሉ ዓቐኑ ዝሓለፈ ፍርህን ሕመቕን ዘሎና ሕዝቢ ደኣ፣ብኸመይ ኢና`ሞ ብምኽንያት ሓዲሽ-ዓመት፣ ሰማያዊ ረድኤት ክንጽበ ንኽእል-?

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ካብ ሕግን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ምርጫ 4ይ-ፓትርያርክ ከም-ዘካየደ ዝፍለጥ`ዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት፣ ኃያል ሕዝባዊ-ተቓውሞ ከልዕል ትጽቢት ክግበረሉ ዝግባእ`ዩ ዝነበረ። እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ግና፣ ከም-ዘይምልከቶ ኮይኑ ሱቕ ክብል`ዩ ዝመረጸ። በዚ ከኣ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዘለዎ፣ ዓቐኑ ዝሓለፈ ሕመቕ ኣይተፈጸመን ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ወቐሳን ክስን`ዚ ከኣ ንዓና ነቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን እምበር፣ ንማንም ካልእ ይመልከቶ`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። 

ሕጂ ድማ እንሆ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ምርጫ 5ይ-ፓትርያርክ ከካይድ ከም-ዝቐነየ፣ ብመራኸቢ ብዙኃን ክንገር ቀንዩ ኣሎ። ይኹን እምበር ሕጂ`ውን ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ዝገበርናዮ ተቓውሞ ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ከም-ዘይከኣል ዝፍለጥ እዩ። እሞ ኣውያትን ቃንዛን ቤት-ኣምላኽ ንኸይንሰምዕ እዝንና ዝዓጾና ሕዝቢ ደኣ፣ በየናይ መዐቀንን መስፈርትን ኢና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኢና ክንብል እንኽእል-? እዚ ኩሉ`ዚ ናይ ሕልና ወቐሳ ዘስዕብ ቃንዛ ምዃኑ ዝተርፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሕጂ`ውን፣ ካልእ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ኣሎና ንምባል`ኳ እንተ-ዘይተኻእለ፣ ክንጥቀመሉ እንተደኣ ክኢልና፣ ሕዝባዊ-ተቓውሞ ንምልዓል ዘኽእል ሰፊሕ ሜዳ ስለ ዘሎ፣ እቲ ብቐጻሊ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ጸቕጢ፣ ብመልክዕ-ኣውያት ንማኅበረ-ሰብ ዓለም ከነስምዕ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ`ሞ፣ ሕጂኸ መልስና እንታይ`ዩ-?

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div