S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያዊ-ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ

እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዑደት ድሕሪ ምፍጻም፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብዕለት 03/10/2021 ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነት ከተማ-ሎንዶን`ዮም ዝኣተዉ። ኣብዚ ከኣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ሎንዶን ማኅበረ-ምእመናን፣ባርከነ ኣባ-መቃርዮስእናበሉ፣ ብዓቢይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።

ኣብ ዕለት 10/102021 ድማ፣ ተባሂሉ ኣብ ዝስመ ቤተ-ክርስቲያን ብምርካብ፣ ብርክት ዝበሉ ማኅበረ-ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉዎ፣ ናይምስጢረ-ቀንዲልሥርዓተ-ጸሎት ብምክያድ፣ ነቲ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን  ተረኺቡ ዝነበረ ሕዝቢ፣ ከምቲ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ኣቐሚጡዎ ዘሎ፣ ኣብ ግምባሩን ጎሮሩኡን ኢዱን፣ በቲ ናይ ምስጢረ-ቀንዲል ቅዱስ-ዘይቲ ብምቕባእ፣ ተሳታፊ` ቅዱስ-ምስጢር ከም ዝኸውን ኣብቂዖሞ።

ምሥጢረ-ቀንዲል ማለት፣ ሓደ ካብቶም ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ እትቕበሎም 7-ምሥጢራት ምዃኑ` ዝፍለጥ። እዚ ምሥ` ፈውሲ ኮይኑዘገልግል ምዃኑ` ዝፍለጥ እንተኾነ፣ ኣብቲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ግና፣ ስሙ ተላዒሉ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ ክበሃል`ውን ኣይስማዕን። ስለዚ`ውን እቲ ውሉደ-ክህነትና፣ ብድኽመት ካብ ዝኽሰሰሉ ኮይኑ ክርከብ እንተ-ኸኣለ`ውን፣ ዘገርም ኣይኮነን።

ከም-ዝፍለጥ ሓካይም ክሕክሙ ዝኽእሉ፣ ብኢድ ዝድህሰስን ብዓይኒ ዝርአን ሕማማት እዮም። እቲ ብናይ እግዚኣብሔር ረቂቕ ዝኾነ ምስጢር ዝዳሎ ቅዱስ-ዘይቲ ግና፣ ንደዌ-ሥጋን ደዌ-ነፍስን ክፍውስ ዝኽእል፣ መንፈስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ዓቢይ-ምሥጢር`ዩ። በዚ ምሥጢር` ኣቢሎም ናይ ምድኃን ጸጋ ረኺቦም፣ ኣብ ሕይወቶም ድንቂ ተኣምር ዝተፈጸመሎም ብዙሓት እዮም። ካብዚ ምሥጢር` ርሑቓት ኴንና ክንርከብ ከኣ፣ ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ምሥጢር` ክፍጸመሎም ዝደልዩ ብዙኃት ማኅበረ-ምእመናን ከም-ዘለዉ ርግጽ`ዩ። ስለዚ እቲ ውሉደ-ክህነትና ብዕቱብ ክግደሰሉ ካብ ዘለዎ ምሥጢር ምዃኑ፣ ክፍለጥ ይግባእ።

ብዝኾነ ብድሕሪ` ናይ ጸሎት መደብ ምፍጻሙ፣ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ነቲ ብብዝሒ ተኣኪቡ ዝነበረ ማኅበረ-ምእመናን፣ ቃለ-ምዕዳን`ዮም ኣስሚዖም። ኣብቲ ዝበሉዎ ድማ “-ንሕና ከም ሕዝቢ ሰላምን ቅሳነትን ኣሎና ክንብል እንኽእል ሕዝቢ ኣይኮናን። ስለዚ`ውን እቲ ንነብሮ ዘሎና ናብራ፣ ቃንዛን ስቓይን ዝተፈራረቖ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፣ ኣብ ቀጻሊ ዘይምቕሳን ንርከብ ምህላውና፣ ካባና ሓሊፉ ሕዝቢ-ዓለም`ውን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ከኣ` እቲ ብስደት ዝፍለጥ ታሪኽ ጸኒሑዎ ዘይበሃል ሕዝብና፣ ኣብዚ እዋን` ባሕሪ ተሳጊሩ፣ ማዕጾ ብዙሓት ሃገራት ክኲሕኲሕ ዝርከብ ዘሎ።

ሓቛፍን ጠርናፍን ዝሰኣነ ሕዝቢ ከኣ፣ ቤቱ ኣገፍቲኑ ንስደት ካብ ምኻድ፣ ካልእ ኣማራጺ የልቦን ኣብ ዝብል ውሳኔ እንተ-በጽሐ ዘገርም ኣይኮነን። የግዳስ ሕዝብና እዚ ኩሉ ኣደራዕ` ክቕበል ዝግብኦ ሕዝቢ ኣይነበረን። ከመይሲ ምእንቲ ሰላም ክብል ብዙሕ መሪር ዋጋ ዝኸፈለ ሕዝቢ` ነይሩ። ብዝኣመኖም ስለ-ዝተጠልመ ግና፣ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝመረረ ሕይወት ከሕልፍ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ`ዩ። እቲ ብቐጻሊ ዝቕበሎ ዘሎ ግፍዒ ስለ ዝመረሮ ከኣ` ሕጂ፣ ቃንዝኡን ስቓዩን ብመልክዕ ይግባይ ናብ እግዚኣብሔር ከቕርቦ ዝርከብ ዘሎ።

ኣብ እዝኒ እግዚኣብሔር ከይበጽሐ ዝተርፍ ይግባይ ድማ የልቦን። ይግባይ ሕዝብና ዝስመዓሉ ሰዓት ከኣ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። ናይ ምሕረት ኢዱ ዝዝርግሓሉን ናይ ምሕረት ገጹ ዝምልሰሉን፣ ቅብልቲ ግዜ`ውን ክትመጽእ እያ። ንምሕረት እግዚኣብሔር ዝተገባእና ሕዝቢ ኴንና ክንርከብ ከም-ዝግበኣና ግና፣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እወ ብእግዚኣብሔር ዝተኣመንና ሕዝቢ ኴንና ክንርከብ ኣሎና። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-እግዚኣብሔር ንዚጽውዑዎ ኩሎም፣ እወ ብሓቂ ንዚጽውዑዎ ዘበሉ ኩሎም ቀረብኦም እዩ-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ መልእኽቶም ዘስምዑ።  (መዝ-145/18)

ብድሕሪ` እቲ መድረኽ ንማኅበረ-ምእመናን` ተዋሂቡ። ከምቲ ዝተለምደ ድማ ዝተፈላለየ ሕቶታት ክቐርብ፣ ትጽቢት ክግበረሉ ግድን` ነይሩ። ማለት እቲ ዝበዝሕ ሕቶ ናብቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ዝጠመተ ኮይኑ፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣሎና ዝብሉ ወገናት፣ ስለምንታይ`ዮም ሕብረት ክፈጥሩ ዘይክእሉ-? ከመይሲ እቲ ዝግበር ዘሎ ምፍልላይ፣ ንሕዝብና ብብዙሕ መንገዲ ዝሃስዮ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ንቤተ-ክርስቲያንና`ውን ኣየዳኸማን ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ኣብ ምርድዳእ ከይብጻሕ፣ እቲ ጸገም ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ እንታይ`-? ዝብል ሕቶ` ቀሪቡ።

ነዚ ተኸቲሉ ብብፁዕ ኣቦና ዝተዋህበ መልሲ፣ “-ካብ ዝኾነ ወገን ንላዕሊ ንሕና ንሰላም ደለይቱ ኢና። ከመይሲ ዕላማ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ስለ- ዝኾነ እዩ። ርግጽ` ምስቶም ንቤተ-ክርስቲያን ሕቖኦም ብምሃብ፣ ወገን ` ፖለቲካ ኮይኖም ክርከቡ ምርጭኦም ዝገበሩ ወገናት፣ ምዝርራብ ክግበር ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል`ዩ። እዚ ከኣ ብርዱእ ምኽንያት`ዩ። ከመይሲ ዝተነግሮም ዝፍጽሙ ደኣምበር፣ ባዕላቶም ክውስኑ ዝኽእሉ ዘይምዃኖም እዩ።

እቶም ሕጂ ኣብዚ ደሓር እዋን፣ ንፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ንቕበል ኢና ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ ወገናት ግና፣ ድሮ ኣቐዲሞም ኣብዚ መሥመር` ረጊጾም ዝጎዓዙ ውሉደ-ክህነት ምህላዎም ስለ-ዝፍለጥ፣ ምሳታቶም ክጠብቁ ደኣምበር ክፈላለዩ ዝገብሮም ምኽንያት ክህሉ ስለ-ዘይግባእ፣ ምእንቲ ድኅነትን ሰላምን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፣ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕሪ-መኣዲ ክራኸቡ ዘይክእልሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ ከኣ ኢና ንሕና ብወገንና፣ ኩሉ ግዜ ንፍቕሪ ቀዳምነት ክንህብ እንደሊ። ኩሉ ግዜ`ውን ንፍቕርን ሰላምን ክፉት ዝኾነ ኣፍደገ ሒዝና ኢና፣  ኣብቲ ናይ ሰላም መኣዲ ምሳና ዝሕወሱ ኣብ ምጽባይ ንርከብ ዘሎና-” ብምባል`ዮም፣ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ግሩም ዝኾነ ንሰላም ዝዕድም መልእኽቲ ዘስምዑ።

ብዝተረፈ ብፁዕነቶም ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ኣብ ዝቐነዩሉ ግዜ፣ ኣብ ርእሲ` ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ተልእኮ። ብተወሳኺ`ውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝርከቡ መራኸቢ-ብዙኃን ርክብ ብምግባር፣ ንኩነታት ሃገርን ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፣ ብቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብን ትግርኛን፣ ንኹሉ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ መብርሂ ክህቡ፣ ዕድል ረኺቦም ከም-ዝነበሩ ክጥቀስ ካብ ዘለዎ ሓደ`ዩ። ብኸምዚ ዝተባህለ ኣገባብ ድማ ብፁዕነቶም፣ እቲ ኣብ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ሓዋርያዊ-ዑደት ፈጺሞም፣ ብዕለት 12/10/2021 ናብቲ ቀዋሚ ኣድራሻኦም ዝኾነ ሃገረ-ኣሜሪካ ተፋንዮም።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ: ሥቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div