S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ!! (መበል 19 ሰንበት: ቊ.፲፱/19, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩበለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎበሎም (ንሳቶም ከኣ) ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።ዮሃ 25,7

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ጥሪ 12 “ቃና ዘገሊላተባሂሉ ይጽዋዕ። እዛ ዕለትዚኣ ጐይታና ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝገለጸላ መዓልቲያ። ትማሊ ጥሪ 11 (በዓለ ጥምቀት) ኣብዒልና ኣሎና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓለ ጥምቀት ክሳዕ ምእታው ዓብይ ጾም ዘሎ ቕንያት፡ዘመነ ኣስተርእዮኢላ ትጽውዖ።ኣስተርእዮናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛናምግላጽ (ግልጸት)” (Revelation) ማለትዩ። ነቲ ጐይታና ብትምህርቱ፡ ብዅሉ ተኣምራቱ፡ ብዅሉ ኣካይዳኡን ብኸመይ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ምዃኑ ኸም ዝገለጸ፡ ንምዝካርን ንምስትምሃርን ዝሰርዓቶ ኣገዳሲ ዘመንዩ። ዘመነ ኣስተርእዮ ሓደ ኢሉ ኣብ ዝጀመረሉ ቐዳማይ መዓልቱ፡ ነቲ ቐዳማይ መለኮታዊ ተኣምራቱ ኽትዝክር መዓልቲ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣእምሮ ንዘለዎን መንፈሳዊ ኣዒንቱ ንዝበርሃሉን ሰብ፡ እዚ በዅሪ ተኣምራት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ እንተ ወሓደ ኣፈናዊ ርድኢት ከም ዜጨብጦ ርዱእዩ። ንዅሉ ዝገበሮ ተኣምራትን ንዅሉ ዝሃቦ ኣስተምህሮታትን ስብከታትን በብሓደ እንተ ረኣናዮን እንተ መርመርናዮን ስጋ ዝለበሰ መለኮት ምዃኑ ኽንርዳእ ዜኽእለናዩ። እቶም ነዛ ብርሃንዚኣ ኺርእይዋ ዘይከኣሉ ግን፡ ብዛዕባ መንነት ጐይታና ዝበጽሕዎ መደምደምታ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሰምብድንዩ። እቶም ናይ ኣስተርእዮኡ ብርሃን ዘይበርሃሎም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ኣጋንንቲ ኸም ዝሓደርዎ ዕቡድ ሰብ፡ ከም ሓሳዊ መምህራን መስሓትን ክሳዕ ምግላጽ ሃጺጾምዮም (ዮሃ 720 848 1020) በዚ ኸይተደረቱ ብዳርባ እምኒ ፈጽፊጾም ኪቐትልዎ ዝተሃንደደሉ እዋናትውን ውሑድ ኣይኰነን (ዮሃ 1031-33 118) ስለ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅኑዕ ርድኢትን ፍልጠትን ምእንቲ ኺህልወና፡ ብኸመይ ከም ዝተስተርኣየ (ከም ዝተገልጸ) እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ዘመነ ኣስተርእዮ ተሰሪዑልና ኣሎ። ስለ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዓብይ ጾም ክሳዕ ዚኣትው ዘሎ ኣስታት 49 መዓልታት፡ ብመምህራና ገይራ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ናይ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትምህርቲ መደባት ሰሪዓ ኸተስተምህር ሓላፍነት ኣለዋ። ብኻልእ ኣዘራርባምስጢረ ስጋዌብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህረሉ ጊዜኣዩ።

ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና ኺእዘዞን ኪትግብሮን ዚኽእል፡ እቲ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግቡእ ኣስተርእዮ ዝረኸበ ሰብ ጥራሕዩ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ብዛዕባ ኣብ ማህጸና ስጋ ዝለበሰ እግዚኣብሄር ወልድ ምሉእ ኣስተርእዮ ስለ ዝነበራ፡ ነቶም ብዛዕባኡ ዝዀነ ኣስተርእዮ ዘይነበሮም ሰብ ውራይን ተዓጠቕትን፡ ንውራዮም ዜጸብቕ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንመንፈሳዊ ህይወቶምውን ዜቕንዕ ናይ ኣስተርእዮ ብርሃን ሃበቶም። እግዚኣብሄር ኪረብሑ ኢልዎም ከኣ፡ ንምኽራን ንትእዛዛን ኣኽቢሮም፡ ንሱ ዚብሎም ኵሉ ንምግባር ብምሉእ ፍቓዶም ድልዋት ኰኑ። ጐይታና ድማጊዜይ ገና ኣይበጽሐንኢሉ እንተ ነበረ፡ ፍቓዱን ትእዛዙን ንምግባር ዝተወፈዩ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ተዳልዮም ምስ ረኣየ፡ ብመለኮታዊ ሕያውነቱን ከኣልነቱን ተደሪኹ፡ ነቲ ብሕፍረትን ብጭንቀትን ወጢርዎም ዘሎ ጸበባኦም ኪፈትሕ ፈተወን ተላዕለን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ኸም ዘጽንዕዎ፡ ኣይሁድ ነቲ ናይ ምንጻህ ስርዓቶም ንምፍጻም ዚጥቀሙሉ ገንኢ ካብ 75 ሊትሮ (ክልተ ዝንግሪር) ክሳዕ 115 ሊትሮ (ሰለስተ ዝንግሪር) ማይ ኪሕዝ ዚኽእልዩ። ማእከላይ ገምጋም (Average) እንተ ወሲድና ኣስታት 90 ሊትሮ ይኸውን ማለትዩ። ስለ ሽድሽቲኡ ኣጋንእ ኣስታት 540 ሊትሮ ማይ ዜግብእዩ። በዚ ሎሚ እንጥቀመሉ 200 ሊትሮ ማይ ዜግብእ ፊስቶ እንተ ገሊጽናዮ፡ ንሰለስተ ፊስቶስ ርብዒ ጐደል ማለትዩ። ከም ናይ ዘመንና ኸኣ ብቡምባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ዚምላእ ኣይኰነን። እንተ ብሕቘኻ እንተ ብኣድጊ ካብ ዔላ እናገለልካ ዚውረዶ ዘመንዩ። ዕዱም ህዝቢ ኣብ ዳስ ተኣኪቡ ጫቝጫቝ እናበለ ኸሎ፡ ሽዑ ናብ ርባ ወሪድካ ማይ ምዉራድ፡ ከመይ ከቢድ ምዃኑ ንርእስና ኣብ ናቶም ቦታን ሃለዋትን ኣቐሚጥና ብዓይነ ሕልናና ንስኣሎ። ንጐይታና ድማ ከም ገባር ተኣምራት ዚፈልጦ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ህዝቢ ዚፈልጣ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚኣያ። ተኣምራት ኣብ ምድሪ እስራኤል ሕርሚ ኻብ ዚኸውን ከኣ መዋእል ዀይኑ። ትንቢት ዝንበይ ነብዪ ኻብ ዘይርእዩ ኣማኢት ዓመታት ዝሓለፎ ዘመነ ጸልማት ዝነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ድማ ንሓጺር ጊዜ ዘገልገለ ዓብዪ ነብዪ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓንቲ ተኣምራት ኣይገበረን (ዮሃ 1041) እዚ ዅሉ ዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ተኣዝዞ ናይቶም ተዓጠቕቲ ማዕረ ክንደይ ዓብይን ፍጹምን ከም ዝነበረ ንምርዳእዩ። ነቲ ናይ ወይኒ ኣጋንእ ገዲፉ፡ ነቲ ናይ መሕጸብ ኢድ ናይ ማይ ኣጋንእ ማይ ኪምላእ ምእዛዙ ንርእሱ ሕቶ ዜለዓዕል ዝነበረ። ንሳቶም ግን ነዚ ዅሉ ሰጊሮም፡ ትእዛዝ ጐይታ ኣኽቢሮም፡ ነቲ ኣጋንእ ኣፍ ንኣፍ መሊኦም ቅጽጽ ኣበልዎ።ምሉእ ግብሪይብሉኻ ከምዩ። ተረፍ ዘይሓድግ፡ ቃልዓለም ዘይብሉ፡ ንልቢ ኣዛዚ ዜስምር ተኣዝዞ። እቲ ሰናይን ሕያዋይን ጐይታ ድማ ነዚ ፍጹም ተኣዝዞ ብናይ ተኣምራት ኣስተርእዮኡ ኣኽበሮን ጸገዎን። ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ነቲ ማይ ዔላ፡ ናብ ብመጠኑ ብዙሕን ብዓይነቱ ኸኣ ብሉጽን ምሩጽን ወይኒ ለወጦ። እቲ ወንጌላዊ ቕዱስ ዮሃንስ ከም ዝበሎ ኸኣ፡ ክብረቱ ገለጸ (ክብረቱ ኣስተርኣየ) እዚቃና ዘገሊላዝተሰምየ ዕለትን ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ኣብ ናይ ዘመነ-ኣስተርእዮ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምስርዑምበኣር፡ ብሓቂ ዕጹብ ድንቂ ዜብልዩ። ንቕዱሳን ኣቦታትና ብቕዱስ መንፈሱ ንዝመርሐ ልዑል ኣምላኽ ክብርን ስብሓትን ይኹኖ።

መልእኽቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ከኣ፡ ልክዕ ከም መልእኽቲ ምልእተ-ጸጋ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምዩ። ክርስቶስ ዚብለካ ዅሉ ብዘይ ነግፈረግ፡ ብዘይ ቃልዓለም፡ ብዘይተረፍ ብምልኣት ምግባር፡ ቀንድን እንኮን መፍትሕ ናይ ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወትዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ማሕደር መለኮት ክሳዕ ምዃን ዝኸበረት፡ ነቲ ኣምላኽ ዚብላ ዅሉ ምግባር ከም ተልእኾ ህይወታ ስለ ዝተቐበለቶን ስለ ዝተግበረቶንምበር፡ ከም ሎተርያ ብዕጫ ስለ ዝበጽሓ ኣይኰነን። ምልኣት ጸጋ ኣብ ዘለዎ ዅሉ፡ ናይ ተኣዝዞ ምልኣት ኣሎ። ናይ ዕለት ሓይሊ መልእኽትናምበኣር ኣብ ቕድስቲ ድንግል ማርያምን፡ እዞም ውፉያት ተዓጠቕትን ዝተጠቕሙሉ ጥበብ ኪኸውን።

ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩግን እንታይ ማለትዩ፧ ንሱ መን ስለ ዝዀነ ኢና ንዝበሎ ዅሉ እንገብረሉን ነቲ ንሱ ዚብሎኸ ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ፡ መንዩኸ ዚነግረና፧ እዞም ሕቶታትዚኣቶም፡ ኣስተርእዮ ዚኸስቱ ሕቶታትዮም። ኣስተርእዮ ኺረክብ ዝደለየ ብልሂ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝረኣዮ፡ ዝሰምዖ፡ ዘንበቦ ዅሉ፡ ሕቶ ዚሓትት። እቲ ሕቶ ኸኣ ብቕኑዕ ሕልና ዝተበገሰ ንጹህ ሕቶ ምስ ዚኸውን ከኣ፡ እቲ ዚሕተት ኣካል፡ ሰብ ይኹን ኣምላኽ፡ ተሓጕሱ ዚምለሶ። ንኸተዋጥር፡ መኽሰሲ ወይ መንቀፊ ምእንቲ ኽትረክብ ትሓትት እንተ ዄንካ ግን፡ ካብ ነቲ ተሓታቲ ንላዕሊ ንርእስኻ እተፈንጥረላ ዚበዝሕ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ኻብኡ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ብዛዕባ ዘጋጠሞም ኵነታትን ደጋጊሞም ይሓትዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ኣስተርእዮ ይረኽቡ ነበሩ (ማር 928 ሉቃ 98 217 ግሃ 16) እቲ ኣስተርእዮ ዚናፍቕ ሓቀኛ ሓታቲ፡ ቅድም ንእግዚኣብሄርዩ፡! ኣምላኸይ፡ ከም ዝግባእ ክፈልጠካን ከኽብረካንሲ፡ ኣስተርእዮ ሃበኒኢሉ ብትግሃት ኪልምን ዚግብኦ። ነብዪ ዳንኤል ከኣ በዚ ነገር ዝዓበየ ኣርኣያና (ዳን 217-23,26-30,47 921-23 101,12)

ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብሩህዩ።ኣይተትርፉ፡ ኣይተመሓይሹ፡ ኣይትደንጕዩ፡ ኣይትገበዙ፡ ከም ዘለዎ ብምልኣትን ብሓጐስን ተኣዘዙማለትዩ። ትእዛዛት ናይ ምፍራስ ነዊሕን ሰፊሕን ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ብዛዕባ ዘይምእዛዝ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዘየድልየና ኢና። ንሓንቲ ትእዛዝኣይገብራንከም ዘይንበሃል፡ ግን ከኣፈጺምዋተባሂሉ ኸም ዘይዓግበላ ጌርካ ናይ ምፍጻም ዓለማዊ ስልጠና ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ዝጸገብና ሰባት ኢና። ሰናይ ግብርና ዀነ ንስሓና ዅሉ ጊዜ ጕድለት ዚበዝሖን ዝተበከለንዩ። ነቲ ናይ ጐይታ ትእዛዛት ከም ዘለዎ ዅሉ ምግባር ዓቐብ ምስ ኰነና፡ ልክዕ ከም ፈሪሳውያን ናብ ደረጃ ትእዛዛት ሰብ ለጠቕ ኣቢልና ነውርዶን ነዋርዶንሞ፡ ንእኡ ብምፍጻምተኣዚዘኢልና ንርእስና ንጥብራ (ማር 71-13 ማቴ 151-9 2316-22) ሕጂ ዝተኣዘዝናዮ ንዓመታ ኸም እዋን ንገብሮ እንተ ዄንናነቲ ዝበለኒ ገይረዮምባል ይከኣልዶ (መዝ 1960)ንግበሮን ኣይነጸብቆንዝዓይነቱ ትግባረ፡ ናይ ግብዝነት መርኣያዩ።፡ ፍቕሪ ዝጐደሎ ትዕግስቲ ምስ ምእዛዝ ዚስራዕ ኣይኰነን። ስለንሱ ዝበሎ ገይረኼብለና ዚኽእል ምሉእ ምእዛዝ ክንፍጽምን ነቲ ኣዛዚና ጐይታ ኸነኽብርን ምስንኽእልዩ።

ብምልኣት ከይንእዘዝ ዚዕንቅፈና ኸኣ መንነት ናይ ኣዛዚና ኸም ዚግባእ ዘይምፍላጥናዩ። ከም ኸማና ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ስለ ዝተገልጸ ጥራሕ፡ ነቲ መለኮታዊ መንነቱን ባህርዩን ዘንጊዕና ከም ሰብ ጥራሕ ንሓሳቦ። ንሱ ግን ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ፈቲና ንርስዖሞ፡ ከም ሰብ ጥራሕ ንሓስቦ። ከም ሓደ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝነበረ፡ ብዓል ዝና ናይ ታሪኽ ሰብምበር፡ ከም ህልዊ ኣምላኽ ኣይንሓስቦን። ኣብ ኣእምሮና ብግህዶ ኸምኡ ኣይንሓስብን ኢና፡ ንዚሓትተናውን ከምኡ ኣይንምልስን ኢና። ነዚ ዝተደጐለ ሕቡእ ሓሳባትናን እምነትናን ዜቃልዖ ዘሎ ግን፡ እቲ ብዘይ ስኽፍታ ብድፍረት እነዘውትሮ ዘየቋርጽ ሓጥኣትናዩ። ንስሓ ዘይነዘውትር ምዃንና ድማ ነቲ ስዉር ኽሕደትና ብዝያዳ ይቐልዖ። ንርእስና ሓታቲ ዘይብልና ናይ ገዛእ ርእስና ጐይቶት ጌርና ኸምንርእያ፡ እቲ ዓይነት ኣካይዳና የሳጥሓና ኣሎ። ነዚ ኸም ዝበለ ኽሕደታዊ ዝምባለ፡ ብንስሓ ኣሕዊና ብምሉእ ተኣዝዞ እንተ ዘይተኪእናዮ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩንዚብል ቅዱስ ትእዛዝ ዘይኰነስንሱ ዚብለኩም ኵሉ ኣፍርሱብዚብል ርኹስ ኣጋንንታዊ ተልእኾ ተኪእናዮ ኸም ዘለና ነስተውዕል።

እቲ ንሱ ዝበሎ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ብቤተ ክርስትያንን ብኣገልገልታን ኣብ ዝተዳለወ መንፈሳዊ ጽሑፋትውን ኣሎ። ካብ ልሳን ሰበኽትን መምህራንውን ብዘይ ምቍራጽ ይውሕዘልና ኣሎ። ንርእሳ ሰንበት መጸ ነንብባን ትስበኸልናን ዘላ ትምህርቲ፡ ናቱ ናይ ጐይታናምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነትን። በዛ ትምህርቲዚኣ ገይሩ ንዚብለና ዘሎ ዅሉ ናይ ብሓቂ ንገብሮዶ ኣለና፧ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ነቶም ተዓጠቕቲ ሓንሳእ ጥራሕ ብልሳና ነጊራቶም። ነቲ ንሳ ዝበለቶ ብጽሑፍ ረኺቦም ካልኣይ ጊዜ ኼንብብዎን ኬተግብርዎን ዕድል ኣይረኸቡን። ንኣና ግና በዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ገይራ ዅሉ ጊዜ ትዛረበና ኣላ። እቶም ተዓጠቕቲ ነታ እንኮ ዕድሎም ከም ዝግባእ ተጠቒሞም ተዓወቱላ። ንሕና ግና ሽሕ ጊዜ ተነጊሩናስ ንሓንቲ ጊዜ ጥራሕ ተዓዊትናላ ንፈልጥዶ ንኸውን፧

ብኸመይ ኢና ነቲ ንሱ ዚብለና ዅሉ ኣብ ምግባር ክንዕወት እንኽእል፧ ነቲ ቐዳማይ ጥበብ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ደጋጊሞም መሊሶምልናዮም። እቲ ትግባረ ገና ኻብ ኣሰማምዓና ዚጅምር። ጐይታና ኼስተምህርን ኪሰብኽን ከሎ፦

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ብእትሰምዕዎ ተጠንቀቑ፡ ከመይ ጌርኩም ከም ትሰምዑ ተጠንቀቑ። እናበለ ዚደጋግመን ቃላት ከም ዝነበራ ነንብብ ኢና (ማቴ 139 ማር 423,24 ሉቃ 818) ቅዱስ ጳውሎስውን፦ እምነት ብምስማዕ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስዩ፡ኢሉና ኣሎ (ሮሜ 1017) እዛ ህያው እምነትዚኣ ኸኣ ነቲ ግብራዊ ምእዛዝ እትወልዶ (ሮሜ 15 1524,25) ኣብ ናይ ዕለት ናይ እብ 21-11 ንባብውን፦

ስለ ምእንቲ ኸይንጠፍእ ናብ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣናዩ። እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል ክትእዘዞ ዚግባእ ሓቂ ኻብ ኰነ፡ (ኣብ ናይ መልእኽቲ ቃል ዚፍጸም) ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ፍርዱ ዚቕበል ካብ ኰነ፡ ንሕና ግዳ ንኽንድ (ዚኣክል ዓብዪ) ምድሓን (ዜምጽእ ቃል ጐይታ) ዕሽሽ ክንብል ከለና ኸመይ ጌርና ኽንመልቝ ንኽእል!” ብምባል ብኣጽንዖት ኣጠንቂቑና ኣሎ (እብ 21-4 .) ኣስዒቡውን፦

እምበኣር፡ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይተኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመልቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ኻብ እንኣብይ ከመይ ኢልና ክንመልቝ ንኽእል፡” ብምባል ደጊሙ ኣጠንቀቐ (እብ 1215 .)

እቲ ኻልኣይ ናይ ዕዉት ተኣዝዞ ጥበብ ከኣ፡ ነቲ ዝሰማዕካዮ ዅሉ ኣብ ልብኻ ምዕቋርዩ። ኣብምስላ ዘርእን ዘራእንብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ኣብ እዝነ ልቦናና ዝተዘርአ ቓል ምምንጣል ዝተልእኸኦም ኣጋንንቲ ኣለዉ። እቲ ቓል ኣብ ልብኻ ሱር ከይሰድድ ዚዓግት ኣኻውሕ ኣሎ። ሓኒቑ ፍረ ኣልቦ ዚገብር እሾዅ ከኣ ኣሎ (ሉቃ 84-15) ጐይታ ነታ ምስላ ተርጕሙ ኼጠቓልል ከሎ ዝሃባ፦

እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ድማ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም ኣብ ጽቡቕን ቅኑዕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩዩ።እትብል ቃል፡ ብዘየወላውል መገዲ ነቲ ምስጢር እትገልጽ (ሉቃ 815 .) ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንቓሉ ኣብ ልብኻ ምዕቛር ብተደጋጋሚ ዚዛረበና (ኢያ 18 መዝ 12 3731 408 11911 ሉቃ 2:19) ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣብ ልብኻ ናይ ምዕቛር ዓባይ ኣርኣያና ምዃና፡ ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት፡ብዚብል ቃላት ሰፊሩልና ኣሎ (ሉቃ 219,51) ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ ካብቶም ብተኣዝዞ ዕዉታት ዝዀኑ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓደዩ። እቲ፦

እቲ ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ጥበብ ዜጽንዓልናን ዚዅልዓናን (መዝ 11911) ረብሓ ናይ ምዕቛርውንሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡዩ፡ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን” (መዝ 3731) ንሕናዞም ብዘይካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ልብና ቓል ጐይታ ዘይብልና ክርስትያን፡ ዕንቅፋትናን መስበርትናን እንተ በዝሐ እንታይ ዜገርም ኣለዎ፧ ምኽንያቱ ንቓሉ ኣብ ልብና ኻብ ምዕቛር፡ ዘየቋርጽ ዕንቅፋት ምጽዋር ዝመረጽና መሰክሕ ፍጥረት ኢና። ይትረፍ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኽንዝክሮ፡ ትማሊ ናይ ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ኣርእስቲ ሎሚ ንኣሰር ዘይዝከረና ሰባትዶ ኣይኰንናን፧ እዚ ምርጫናን ኣካይዳናን እቶም መንጠልቲ ኣጋንንቲ ንልብና ኸም ገዛእ ሕዛእቶም ይዕንድሩሉ ኸም ዘለዉ ዜመልክተና ዜሕዝን ተርእዮዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ንሕሉፍና ብንስሓ ኣሕዊና፡ ንመጻኢ ግና ልብና ንጐይታን ንቓሉን ንሕዝኣሉ።

እቲ ሳልሳይን ዝዓበየን ጥበብ ከኣ፡ ምእንቲ ኽትእዘዞ ኢልካ ነቲ ቓል ምዝካርዩ። ንቓል ጐይታ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዚድለየሉ እዋን ካብ ልብና መዚዝና ምእንቲ ኽንጥቀመሉምበር፡ ንሕና መኽዘን ቃላት ምእንቲ ኽንከውን ኣይኰነን። ንቓል ጐይታ ናይ ምሽምዳድን ናይ ምዝካርን ዓቕምና ንምፍታሽ፡ ወይውንዓሚቝን ሰፊሕን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣለዎንኽንበሃል ኣይኰንናን ንሽምድዶ። ቀዳማይ ዕላማኡ ንኽንእዘዞ ምእንቲ ኽንዝክሮዩ። ቅዱስ ዳዊት፦

ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፡ ጽድቁ ኸኣ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉን፡ ኣብቶም ንትእዛዝቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 103 17,18.) ሰይጣን ናብ ባእስን ህውከትን ዜእትወና ዅነታት ፈጢሩ ናብ ሓጢኣት ገጹ ኺጐትተና ኸሎ፡ እቶም ኣብ ዝተባረኸ መዓልታት ብልቦና ኣብ ቕኑዕን ንጹህን ልብና ዓቝርናዮም ዝጸናሕና ናይ ፍቕርን ሰላምን ትዕግስትን ቃላት ናይ ጐይታዮም፡ ንሰይጣን ኣሕፊርና ንጐይታና ኸነኽብር ዜኽእሉና። ኣብ ዚድለየሉ እዋን ዘይዘከርናዮን ዘይተጠቐምናሉን ቃላት፡ ነገራት ተበላሽዮም ዝምድናታትና ኸም ዘይጽገኑ ዀይኖም ብትኽትኽ ምስ በሉ እንተ ዘከርናዮም፡ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኣይኰነናን፡ ዝናም ክሳዕ ዓጽምኻ ኣጠልቅዩካ ምስ ዛረየ፡ካብ ዝናም ከዕቅልኢልካ ናብ ገዛ ወይ ናብ በዓቲ እንተ ኣተኻ መስሓቕ ሸራፋት ትኸውንምበር እንታይ ትርጕም ኣለዎ። ሓጢኣት ብነፍሰ-ስጋኻ ተጻዊቱ ኽሳዕ ዜበላሽወካ፡ ነቲ ኣብ ልብኻ ዝተዓቝረ ቓላት ከይዘከርካዮን ከይተግበርካዮን ምትራፍ ድማ መስሓቕ ኣጋንንትን መሕፈር ጐይታን ዚገብር።

እምበኣር ናብ ቀልብና ንመለስሞ፡ ኣመት ናይ ነፍስናን ልብናን ንግበር። ነቲ ብቕድስቲ ወላዲቱ ዝተነግረና ፍቱን መንፈሳዊ ጥበብ ከኣ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ዘመነ ኣስተርእዮ ሒዙልና ዝመጸ በዅሪ ፍሪኡ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩብምባል ንክርስቶስ ጐይታናን ንገዛእ ነፍስናን እነኽብረሉ ረቒቕ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። ንዅሎም ቅዱሳን ዘዐወተ፡ ዝተመስከረሉ ፍቱንን ግብራውን ጥበብዩ። ምሉእ ተኣዝዞ ናብ ሕርየትን ጽድቅን ናይ ኣምላኽ ዜብጽሕ ጐደና ሰማይ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

21 ጥሪ 2024 | ጥሪ 12, 2016 ግዕዝ (መበል 19 ሰንበት: ቊ.፲፱/19)

ምስባክ

 መዝ. ፹፫(፹፬)፡፮,

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።

ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 21-11

ዲያቆን

ዮሃ 51-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1030-39

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 21-11

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ ወይ ዘ፫፻ት | መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div