“ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ’ዚ ማይ ምልእዎ’ በሎም (ንሳቶም ከኣ)፡ ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።” ዮሃ 2፡5,7
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ጥሪ 12 “ቃና ዘገሊላ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዛ ዕለት’ዚኣ ጐይታና ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝገለጸላ መዓልቲ’ያ። ትማሊ ጥሪ 11 (በዓለ ጥምቀት) ኣብዒልና ኣሎና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓለ ጥምቀት ክሳዕ ምእታው ዓብይ ጾም ዘሎ ቕንያት፡ “ዘመነ ኣስተርእዮ” ኢላ’ያ ትጽውዖ። “ኣስተርእዮ” ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛና “ምግላጽ (ግልጸት)” (Revelation) ማለት’ዩ። ነቲ ጐይታና ብትምህርቱ፡ ብዅሉ ተኣምራቱ፡ ብዅሉ ኣካይዳኡን ብኸመይ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ምዃኑ ኸም ዝገለጸ፡ ንምዝካርን ንምስትምሃርን ዝሰርዓቶ ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። ዘመነ ኣስተርእዮ ሓደ ኢሉ ኣብ ዝጀመረሉ ቐዳማይ መዓልቱ፡ ነቲ ቐዳማይ መለኮታዊ ተኣምራቱ ኽትዝክር መዓልቲ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ኣእምሮ ንዘለዎን መንፈሳዊ ኣዒንቱ ንዝበርሃሉን ሰብ፡ እዚ በዅሪ ተኣምራት’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ እንተ ወሓደ ኣፈናዊ ርድኢት ከም ዜጨብጦ ርዱእ’ዩ። ንዅሉ’ቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ንዅሉ’ቲ ዝሃቦ ኣስተምህሮታትን ስብከታትን በብሓደ እንተ ረኣናዮን እንተ መርመርናዮን ስጋ ዝለበሰ መለኮት ምዃኑ ኽንርዳእ ዜኽእለና’ዩ። እቶም ነዛ ብርሃን’ዚኣ ኺርእይዋ ዘይከኣሉ ግን፡ ብዛዕባ መንነት ጐይታና ዝበጽሕዎ መደምደምታ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሰምብድን’ዩ። እቶም ናይ ኣስተርእዮኡ ብርሃን ዘይበርሃሎም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ኣጋንንቲ ኸም ዝሓደርዎ ዕቡድ ሰብ፡ ከም ሓሳዊ መምህራን መስሓትን ክሳዕ ምግላጽ ሃጺጾም’ዮም (ዮሃ 7፡20 ፣ 8፡48 ፣ 10፡20)። በዚ ኸይተደረቱ ብዳርባ እምኒ ፈጽፊጾም ኪቐትልዎ ዝተሃንደደሉ እዋናት’ውን ውሑድ ኣይኰነን (ዮሃ 10፡31-33 ፣ 11፡8)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅኑዕ ርድኢትን ፍልጠትን ምእንቲ ኺህልወና፡ ብኸመይ ከም ዝተስተርኣየ (ከም ዝተገልጸ) እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ዘመነ ኣስተርእዮ ተሰሪዑልና ኣሎ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዓብይ ጾም ክሳዕ ዚኣትው ዘሎ ኣስታት 49 መዓልታት፡ ብመምህራና ገይራ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ናይ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትምህርቲ መደባት ሰሪዓ ኸተስተምህር ሓላፍነት ኣለዋ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ምስጢረ ስጋዌ” ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህረሉ ጊዜኣ’ዩ።
ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ኺእዘዞን ኪትግብሮን ዚኽእል፡ እቲ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግቡእ ኣስተርእዮ ዝረኸበ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማህጸና ስጋ ዝለበሰ እግዚኣብሄር ወልድ ምሉእ ኣስተርእዮ ስለ ዝነበራ፡ ነቶም ብዛዕባኡ ዝዀነ ኣስተርእዮ ዘይነበሮም ሰብ ውራይን ተዓጠቕትን፡ ንውራዮም ዜጸብቕ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንመንፈሳዊ ህይወቶም’ውን ዜቕንዕ ናይ ኣስተርእዮ ብርሃን ሃበቶም። እግዚኣብሄር ኪረብሑ ኢልዎም ከኣ፡ ንምኽራን ንትእዛዛን ኣኽቢሮም፡ ንሱ ዚብሎም ኵሉ ንምግባር ብምሉእ ፍቓዶም ድልዋት ኰኑ። ጐይታና ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” ኢሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ፍቓዱን ትእዛዙን ንምግባር ዝተወፈዩ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ተዳልዮም ምስ ረኣየ፡ ብመለኮታዊ ሕያውነቱን ከኣልነቱን ተደሪኹ፡ ነቲ ብሕፍረትን ብጭንቀትን ወጢርዎም ዘሎ ጸበባኦም ኪፈትሕ ፈተወን ተላዕለን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ኸም ዘጽንዕዎ፡ ኣይሁድ ነቲ ናይ ምንጻህ ስርዓቶም ንምፍጻም ዚጥቀሙሉ ገንኢ ካብ 75 ሊትሮ (ክልተ ዝንግሪር) ክሳዕ 115 ሊትሮ (ሰለስተ ዝንግሪር) ማይ ኪሕዝ ዚኽእል’ዩ። ማእከላይ ገምጋም (Average) እንተ ወሲድና ኣስታት 90 ሊትሮ ይኸውን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ሽድሽቲኡ ኣጋንእ ኣስታት 540 ሊትሮ ማይ ዜግብእ’ዩ። በዚ ሎሚ እንጥቀመሉ 200 ሊትሮ ማይ ዜግብእ ፊስቶ እንተ ገሊጽናዮ፡ ንሰለስተ ፊስቶስ ርብዒ ጐደል ማለት’ዩ። ከም’ዚ ናይ ዘመንና ኸኣ ብቡምባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ዚምላእ ኣይኰነን። እንተ ብሕቘኻ እንተ ብኣድጊ ካብ ዔላ እናገለልካ ዚውረዶ ዘመን’ዩ። ዕዱም ህዝቢ ኣብ ዳስ ተኣኪቡ ጫቝጫቝ እናበለ ኸሎ፡ ሽዑ ናብ ርባ ወሪድካ ማይ ምዉራድ፡ ከመይ ከቢድ ምዃኑ ንርእስና ኣብ’ቲ ናቶም ቦታን ሃለዋትን ኣቐሚጥና ብዓይነ ሕልናና ንስኣሎ። ንጐይታና ድማ ከም ገባር ተኣምራት ዚፈልጦ ዋላ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ህዝቢ ዚፈልጣ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚኣ’ያ። ተኣምራት ኣብ ምድሪ እስራኤል ሕርሚ ኻብ ዚኸውን ከኣ መዋእል’ዩ ዀይኑ። ትንቢት ዝንበይ ነብዪ ኻብ ዘይርእዩ’ኳ ኣማኢት ዓመታት ዝሓለፎ ዘመነ ጸልማት’ዩ ዝነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ድማ ንሓጺር ጊዜ ዘገልገለ ዓብዪ ነብዪ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓንቲ ተኣምራት’ኳ ኣይገበረን (ዮሃ 10፡41)። እዚ ዅሉ ዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ተኣዝዞ ናይ’ቶም ተዓጠቕቲ ማዕረ ክንደይ ዓብይን ፍጹምን ከም ዝነበረ ንምርዳእ’ዩ። ነቲ ናይ ወይኒ ኣጋንእ ገዲፉ፡ ነቲ ናይ መሕጸብ ኢድ ናይ ማይ ኣጋንእ ማይ ኪምላእ ምእዛዙ ንርእሱ ሕቶ ዜለዓዕል’ዩ ዝነበረ። ንሳቶም ግን ነዚ ዅሉ ሰጊሮም፡ ትእዛዝ ጐይታ ኣኽቢሮም፡ ነቲ ኣጋንእ ኣፍ ንኣፍ መሊኦም ቅጽጽ ኣበልዎ። “ምሉእ ግብሪ” ይብሉኻ ከም’ዚ’ዩ። ተረፍ ዘይሓድግ፡ ቃልዓለም ዘይብሉ፡ ንልቢ ኣዛዚ ዜስምር ተኣዝዞ። እቲ ሰናይን ሕያዋይን ጐይታ ድማ ነዚ ፍጹም ተኣዝዞ’ዚ ብናይ ተኣምራት ኣስተርእዮኡ ኣኽበሮን ጸገዎን። ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ነቲ ማይ ዔላ፡ ናብ ብመጠኑ ብዙሕን ብዓይነቱ ኸኣ ብሉጽን ምሩጽን ወይኒ ለወጦ። እቲ ወንጌላዊ ቕዱስ ዮሃንስ ከም ዝበሎ ኸኣ፡ ክብረቱ ገለጸ (ክብረቱ ኣስተርኣየ)። እዚ “ቃና ዘገሊላ” ዝተሰምየ ዕለትን ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ኣብ’ዛ ናይ ዘመነ-ኣስተርእዮ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምስርዑ’ምበኣር፡ ብሓቂ ዕጹብ ድንቂ ዜብል’ዩ። ንቕዱሳን ኣቦታትና ብቕዱስ መንፈሱ ንዝመርሐ ልዑል ኣምላኽ ክብርን ስብሓትን ይኹኖ።
መልእኽቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ከኣ፡ ልክዕ ከም መልእኽቲ ምልእተ-ጸጋ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ዩ። ክርስቶስ ዚብለካ ዅሉ ብዘይ ነግፈረግ፡ ብዘይ ቃልዓለም፡ ብዘይተረፍ ብምልኣት ምግባር፡ ቀንድን እንኮን መፍትሕ ናይ ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወት’ዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ማሕደር መለኮት ክሳዕ ምዃን ዝኸበረት፡ ነቲ ኣምላኽ ዚብላ ዅሉ ምግባር ከም ተልእኾ ህይወታ ስለ ዝተቐበለቶን ስለ ዝተግበረቶን’ምበር፡ ከም ሎተርያ ብዕጫ ስለ ዝበጽሓ ኣይኰነን። ምልኣት ጸጋ ኣብ ዘለዎ ዅሉ፡ ናይ ተኣዝዞ ምልኣት ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ሓይሊ መልእኽትና’ምበኣር ኣብ’ዚ ቕድስቲ ድንግል ማርያምን፡ እዞም ውፉያት ተዓጠቕትን ዝተጠቕሙሉ ጥበብ’ዩ ኪኸውን።
“ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ንሱ መን ስለ ዝዀነ ኢና ንዝበሎ ዅሉ እንገብረሉን ነቲ ንሱ ዚብሎኸ ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ፡ መን’ዩኸ ዚነግረና፧ እዞም ሕቶታት’ዚኣቶም፡ ኣስተርእዮ ዚኸስቱ ሕቶታት’ዮም። ኣስተርእዮ ኺረክብ ዝደለየ ብልሂ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝረኣዮ፡ ዝሰምዖ፡ ዘንበቦ ዅሉ፡ ሕቶ’ዩ ዚሓትት። እቲ ሕቶ ኸኣ ብቕኑዕ ሕልና ዝተበገሰ ንጹህ ሕቶ ምስ ዚኸውን ከኣ፡ እቲ ዚሕተት ኣካል፡ ሰብ ይኹን ኣምላኽ፡ ተሓጕሱ’ዩ ዚምለሶ። ንኸተዋጥር፡ መኽሰሲ ወይ መንቀፊ ምእንቲ ኽትረክብ ትሓትት እንተ ዄንካ ግን፡ ካብ ነቲ ተሓታቲ ንላዕሊ ንርእስኻ እተፈንጥረላ’ዩ ዚበዝሕ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዛዕባ’ቲ ኻብኡ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ብዛዕባ ዘጋጠሞም ኵነታትን ደጋጊሞም ይሓትዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ኣስተርእዮ ይረኽቡ ነበሩ (ማር 9፡28 ፣ ሉቃ 9፡8 ፣ 21፡7 ፣ ግሃ 1፡6)። እቲ ኣስተርእዮ ዚናፍቕ ሓቀኛ ሓታቲ፡ ቅድም ንእግዚኣብሄር’ዩ፡ “ኦ! ኣምላኸይ፡ ከም ዝግባእ ክፈልጠካን ከኽብረካንሲ፡ ኣስተርእዮ ሃበኒ” ኢሉ ብትግሃት ኪልምን ዚግብኦ። ነብዪ ዳንኤል ከኣ በዚ ነገር’ዚ ዝዓበየ ኣርኣያና’ዩ (ዳን 2፡17-23,26-30,47 ፣ 9፡21-23 ፣ 10፡1,12)።
“ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብሩህ’ዩ። “ኣይተትርፉ፡ ኣይተመሓይሹ፡ ኣይትደንጕዩ፡ ኣይትገበዙ፡ ከም ዘለዎ ብምልኣትን ብሓጐስን ተኣዘዙ” ማለት’ዩ። ትእዛዛት ናይ ምፍራስ ነዊሕን ሰፊሕን ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ብዛዕባ ዘይምእዛዝ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዘየድልየና ኢና። ንሓንቲ ትእዛዝ “ኣይገብራን” ከም ዘይንበሃል፡ ግን ከኣ “ፈጺምዋ” ተባሂሉ ኸም ዘይዓግበላ ጌርካ ናይ ምፍጻም ዓለማዊ ስልጠና ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ዝጸገብና ሰባት ኢና። ሰናይ ግብርና ዀነ ንስሓና ዅሉ ጊዜ ጕድለት ዚበዝሖን ዝተበከለን’ዩ። ነቲ ናይ ጐይታ ትእዛዛት ከም ዘለዎ ዅሉ ምግባር ዓቐብ ምስ ኰነና፡ ልክዕ ከም ፈሪሳውያን ናብ ደረጃ ትእዛዛት ሰብ ለጠቕ ኣቢልና ነውርዶን ነዋርዶን’ሞ፡ ንእኡ ብምፍጻም “ተኣዚዘ” ኢልና ንርእስና ንጥብራ (ማር 7፡1-13 ፣ ማቴ 15፡1-9 ፣ 23፡16-22)። ሕጂ ዝተኣዘዝናዮ ንዓመታ ኸም’ዚ እዋን ንገብሮ እንተ ዄንና “ነቲ ዝበለኒ ገይረዮ” ምባል ይከኣልዶ (መዝ 19፡60)። “ንግበሮን ኣይነጸብቆን” ዝዓይነቱ ትግባረ፡ ናይ ግብዝነት መርኣያ’ዩ።፡ ፍቕሪ ዝጐደሎ ትዕግስቲ ምስ ምእዛዝ ዚስራዕ ኣይኰነን። ስለ’ዚ “ንሱ ዝበሎ ገይረ” ኼብለና ዚኽእል ምሉእ ምእዛዝ ክንፍጽምን ነቲ ኣዛዚና ጐይታ ኸነኽብርን ምስ ‘ንኽእል’ዩ።
ብምልኣት ከይንእዘዝ ዚዕንቅፈና ኸኣ መንነት ናይ’ቲ ኣዛዚና ኸም ዚግባእ ዘይምፍላጥና’ዩ። ከም’ዚ ኸማና ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ስለ ዝተገልጸ ጥራሕ፡ ነቲ መለኮታዊ መንነቱን ባህርዩን ዘንጊዕና ከም ሰብ ጥራሕ ንሓሳቦ። ንሱ ግን ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ፈቲና ንርስዖ’ሞ፡ ከም ሰብ ጥራሕ ንሓስቦ። ከም ሓደ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝነበረ፡ ብዓል ዝና ናይ ታሪኽ ሰብ’ምበር፡ ከም ህልዊ ኣምላኽ ኣይንሓስቦን። ኣብ ኣእምሮና ብግህዶ ኸምኡ ኣይንሓስብን ኢና፡ ንዚሓትተና’ውን ከምኡ ኣይንምልስን ኢና። ነዚ ዝተደጐለ ሕቡእ ሓሳባትናን እምነትናን ዜቃልዖ ዘሎ ግን፡ እቲ ብዘይ ስኽፍታ ብድፍረት እነዘውትሮ ዘየቋርጽ ሓጥኣትና’ዩ። ንስሓ ዘይነዘውትር ምዃንና ድማ ነቲ ስዉር ኽሕደትና ብዝያዳ ይቐልዖ። ንርእስና ሓታቲ ዘይብልና ናይ ገዛእ ርእስና ጐይቶት ጌርና ኸም ‘ንርእያ፡ እቲ ዓይነት ኣካይዳና የሳጥሓና ኣሎ። ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ኽሕደታዊ ዝምባለ፡ ብንስሓ ኣሕዊና ብምሉእ ተኣዝዞ እንተ ዘይተኪእናዮ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ንዚብል ቅዱስ ትእዛዝ ዘይኰነስ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ኣፍርሱ” ብዚብል ርኹስ ኣጋንንታዊ ተልእኾ ተኪእናዮ ኸም ዘለና ነስተውዕል።
እቲ ንሱ ዝበሎ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ብቤተ ክርስትያንን ብኣገልገልታን ኣብ ዝተዳለወ መንፈሳዊ ጽሑፋት’ውን ኣሎ። ካብ ልሳን ሰበኽትን መምህራን’ውን ብዘይ ምቍራጽ ይውሕዘልና ኣሎ። ንርእሳ’ዛ ሰንበት መጸ ነንብባን ትስበኸልናን ዘላ ትምህርቲ፡ ናቱ ናይ ጐይታና’ምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነትን። በዛ ትምህርቲ’ዚኣ ገይሩ ንዚብለና ዘሎ ዅሉ ናይ ብሓቂ ንገብሮዶ ኣለና፧ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ነቶም ተዓጠቕቲ ሓንሳእ ጥራሕ’ያ ብልሳና ነጊራቶም። ነቲ ንሳ ዝበለቶ ብጽሑፍ ረኺቦም ካልኣይ ጊዜ ኼንብብዎን ኬተግብርዎን ዕድል ኣይረኸቡን። ንኣና ግና በዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ገይራ ዅሉ ጊዜ ትዛረበና ኣላ። እቶም ተዓጠቕቲ ነታ እንኮ ዕድሎም ከም ዝግባእ ተጠቒሞም ተዓወቱላ። ንሕና ግና ሽሕ ጊዜ ተነጊሩናስ ንሓንቲ ጊዜ ጥራሕ’ኳ ተዓዊትናላ ንፈልጥዶ ንኸውን፧
ብኸመይ ኢና ነቲ ንሱ ዚብለና ዅሉ ኣብ ምግባር ክንዕወት እንኽእል፧ ነቲ ቐዳማይ ጥበብ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ደጋጊሞም መሊሶምልና’ዮም። እቲ ትግባረ ገና ኻብ ኣሰማምዓና’ዩ ዚጅምር። ጐይታና ኼስተምህርን ኪሰብኽን ከሎ፦
“እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ብእትሰምዕዎ ተጠንቀቑ፡ ከመይ ጌርኩም ከም ትሰምዑ ተጠንቀቑ። እናበለ ዚደጋግመን ቃላት ከም ዝነበራ ነንብብ ኢና (ማቴ 13፡9 ፣ ማር 4፡23,24 ፣ ሉቃ 8፡18)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦ “እምነት ብምስማዕ’ያ ምስማዕ’ውን ብቓል ክርስቶስ’ዩ፡” ኢሉና ኣሎ (ሮሜ 10፡17)። እዛ ህያው እምነት’ዚኣ ኸኣ’ያ ነቲ ግብራዊ ምእዛዝ እትወልዶ (ሮሜ 1፡5 ፣ 15፡24,25)። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ እብ 2፡1-11 ንባብ’ውን፦
“ስለ’ዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ ናብ’ቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና’ዩ። እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል ክትእዘዞ ዚግባእ ሓቂ ኻብ ኰነ፡ (ኣብ’ዚ ናይ መልእኽቲ ቃል ዚፍጸም) ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ፍርዱ ዚቕበል ካብ ኰነ፡ ንሕና ግዳ ንኽንድ’ዚ (ዚኣክል ዓብዪ) ምድሓን (ዜምጽእ ቃል ጐይታ) ዕሽሽ ክንብል ከለና ኸመይ ጌርና ኽንመልቝ ንኽእል!” ብምባል ብኣጽንዖት ኣጠንቂቑና ኣሎ (እብ 2፡1-4 ካ.ት)። ኣስዒቡ’ውን፦
“እምበኣር፡ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይተኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመልቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ኻብ እንኣብይ ከመይ ኢልና ክንመልቝ ንኽእል፡” ብምባል ደጊሙ ኣጠንቀቐ (እብ 12፡15 ካ.ት)።
እቲ ኻልኣይ ናይ ዕዉት ተኣዝዞ ጥበብ ከኣ፡ ነቲ ዝሰማዕካዮ ዅሉ ኣብ ልብኻ ምዕቋር’ዩ። ኣብ’ቲ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ኣብ እዝነ ልቦናና ዝተዘርአ ቓል ምምንጣል ዝተልእኸኦም ኣጋንንቲ ኣለዉ። እቲ ቓል ኣብ ልብኻ ሱር ከይሰድድ ዚዓግት ኣኻውሕ ኣሎ። ሓኒቑ ፍረ ኣልቦ ዚገብር እሾዅ ከኣ ኣሎ (ሉቃ 8፡4-15)። ጐይታ ነታ ምስላ ተርጕሙ ኼጠቓልል ከሎ ዝሃባ፦
“እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ድማ ምስላ ናይ’ቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም ኣብ ጽቡቕን ቅኑዕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲ’ውን ፍረ ዚፈርዩ’ዩ።” እትብል ቃል፡ ብዘየወላውል መገዲ ነቲ ምስጢር እትገልጽ’ያ (ሉቃ 8፡15 ካ.ት)። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንቓሉ ኣብ ልብኻ ምዕቛር ብተደጋጋሚ’ዩ ዚዛረበና (ኢያ 1፡8 ፣ መዝ 1፡2 ፣ 37፡31 ፣40፡8 ፣ 119፡11 ሉቃ 2:19)። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣብ ልብኻ ናይ ምዕቛር ዓባይ ኣርኣያና ምዃና፡ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት፡” ብዚብል ቃላት ሰፊሩልና ኣሎ (ሉቃ 2፡19,51)። ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ ካብ’ቶም ብተኣዝዞ ዕዉታት ዝዀኑ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓደ’ዩ። እቲ፦
“እቲ ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።” ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ጥበብ ዜጽንዓልናን ዚዅልዓናን’ዩ (መዝ 119፡11)። ረብሓ ናይ’ዚ ምዕቛር’ውን “ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ’ዩ፡ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን’ዩ” (መዝ 37፡31)። ንሕና’ዞም ብዘይካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ልብና ቓል ጐይታ ዘይብልና ክርስትያን፡ ዕንቅፋትናን መስበርትናን እንተ በዝሐ እንታይ ዜገርም ኣለዎ፧ ምኽንያቱ ንቓሉ ኣብ ልብና ኻብ ምዕቛር፡ ዘየቋርጽ ዕንቅፋት ምጽዋር ዝመረጽና መሰክሕ ፍጥረት ኢና። ይትረፍ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኽንዝክሮ፡ ትማሊ ናይ ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ኣርእስቲ’ኳ ሎሚ ንኣሰር ዘይዝከረና ሰባትዶ ኣይኰንናን፧ እዚ ምርጫናን ኣካይዳናን’ዚ እቶም መንጠልቲ ኣጋንንቲ ንልብና ኸም ገዛእ ሕዛእቶም ይዕንድሩሉ ኸም ዘለዉ ዜመልክተና ዜሕዝን ተርእዮዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ንሕሉፍና ብንስሓ ኣሕዊና፡ ንመጻኢ ግና ልብና ንጐይታን ንቓሉን ንሕዝኣሉ።
እቲ ሳልሳይን ዝዓበየን ጥበብ ከኣ፡ ምእንቲ ኽትእዘዞ ኢልካ ነቲ ቓል ምዝካር’ዩ። ንቓል ጐይታ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ቲ ዚድለየሉ እዋን ካብ ልብና መዚዝና ምእንቲ ኽንጥቀመሉ’ዩ’ምበር፡ ንሕና መኽዘን ቃላት ምእንቲ ኽንከውን ኣይኰነን። ንቓል ጐይታ ናይ ምሽምዳድን ናይ ምዝካርን ዓቕምና ንምፍታሽ፡ ወይ’ውን “ዓሚቝን ሰፊሕን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣለዎ” ንኽንበሃል ኣይኰንናን ንሽምድዶ። ቀዳማይ ዕላማኡ ንኽንእዘዞ ምእንቲ ኽንዝክሮ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፦
“ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብ’ቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፡ ጽድቁ ኸኣ ኣብ’ቶም ኪዳኑ ዚሕልዉን፡ ኣብ’ቶም ንትእዛዝቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 103፡ 17,18ካ.ት)። ሰይጣን ናብ ባእስን ህውከትን ዜእትወና ዅነታት ፈጢሩ ናብ ሓጢኣት ገጹ ኺጐትተና ኸሎ፡ እቶም ኣብ ዝተባረኸ መዓልታት ብልቦና ኣብ’ቲ ቕኑዕን ንጹህን ልብና ዓቝርናዮም ዝጸናሕና ናይ ፍቕርን ሰላምን ትዕግስትን ቃላት ናይ ጐይታ’ዮም፡ ንሰይጣን ኣሕፊርና ንጐይታና ኸነኽብር ዜኽእሉና። ኣብ’ቲ ዚድለየሉ እዋን ዘይዘከርናዮን ዘይተጠቐምናሉን ቃላት፡ ነገራት ተበላሽዮም ዝምድናታትና ኸም ዘይጽገኑ ዀይኖም ብትኽትኽ ምስ በሉ እንተ ዘከርናዮም፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ”ዶ ኣይኰነናን፡ ዝናም ክሳዕ ዓጽምኻ ኣጠልቅዩካ ምስ ዛረየ፡ “ካብ’ዚ ዝናም ከዕቅል” ኢልካ ናብ ገዛ ወይ ናብ በዓቲ እንተ ኣተኻ መስሓቕ ሸራፋት ትኸውን’ምበር እንታይ ትርጕም ኣለዎ። ሓጢኣት ብነፍሰ-ስጋኻ ተጻዊቱ ኽሳዕ ዜበላሽወካ፡ ነቲ ኣብ ልብኻ ዝተዓቝረ ቓላት ከይዘከርካዮን ከይተግበርካዮን ምትራፍ ድማ መስሓቕ ኣጋንንትን መሕፈር ጐይታን’ዩ ዚገብር።
እምበኣር ናብ ቀልብና ንመለስ’ሞ፡ ኣመት ናይ ነፍስናን ልብናን ንግበር። ነቲ ብቕድስቲ ወላዲቱ ዝተነግረና ፍቱን መንፈሳዊ ጥበብ ከኣ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ዘመነ ኣስተርእዮ ሒዙልና ዝመጸ በዅሪ ፍሪኡ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ብምባል ንክርስቶስ ጐይታናን ንገዛእ ነፍስናን እነኽብረሉ ረቒቕ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። ንዅሎም ቅዱሳን ዘዐወተ፡ ዝተመስከረሉ ፍቱንን ግብራውን ጥበብ’ዩ። ምሉእ ተኣዝዞ ናብ ሕርየትን ጽድቅን ናይ ኣምላኽ ዜብጽሕ ጐደና ሰማይ’ዩ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
21 ጥሪ 2024 | ጥሪ 12, 2016 ግዕዝ (መበል 19 ሰንበት: ቊ.፲፱/19) |
||
ምስባክ መዝ. ፹፫(፹፬)፡፮,፯ “እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።” “ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 2፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 5፡1-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡30-39 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡1-11 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ ወይ ዘ፫፻ት | መዝሙር፦ ሖረ ኢየሱስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ