S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕያዋይ ጓሳ ኣነየ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒየን።ዮሃ 1014,15

2023/4 ዓ.ም (2016 ዓ.ም ግእዝ)

በዓል ዕለት ብግእዝ Fast or Feast ዕለት ፈረንጂ
ርእሰ ዓውደ ዓመት 1 መስከረም St John Feast - New Year)    12-Sep
መስቀል 17 መስከረም Feast of the Cross 28-Sep
ጾመ ነብያት 15 ሕዳር - 28 ታሕሳስ Nativity Fast Nov. 25 -Jan 6

Fasts 

and

Feasts

 

2024

ልደት 29 ታሕሳስ 29 The Holy Nativity Feast 7-Jan
ግዝረት 6 ጥሪ 6 The Circumcision Feast 15-Jan
ጥምቀት 11 ጥሪ 11 The Holy Epiphany 20-Jan
ጾመ ነነዌ 18 -20 ለ(የ)ካቲት  Jonah's (Nineveh) Fast Feb 26-28
ዓብዪ ጾም 2 መጋቢት - 27 ሚያዝያ Holy Great Fast March 11 – May 5
ሆሣዕና 1 ሚያዝያ Hosanna Sunday 28-Apr
ስቅለተ ክርስቶስ 6 ሚያዝያ Good Friday 3-May
ትንሣኤ 8 ሚያዝያ Resurrection 5-May
በዓለ ዕርገት 6 ሰነ Feast of Ascension 13-Jun
በዓለ መንፈስ ቅዱስ 16 ሰነ Pentecost 23-Jun
ጾመ ኃዋርያት 17 ሰነ - 4 ሓምለ Apostles' Fast June 24 – July 11
ጾም ፍልሰታ 1 -15 ነሓሰ St. Mary’s Fast August 7-21

በዓላትን ኣጽዋማትን (Past)

ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን  ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።

ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።

ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና` ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ምድንጓይ` ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ምድሓን ካብ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።ሮሜ 1311,12

ሓሙስ 27 መስከረም 2018 . በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።

ኣምላኽ ቅዱስ በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን 

 

መሰቀል ጽንእነ

መሰቀል ቤዛነ

መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ

ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።

ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020 ንዝኽሪ  ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት': ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።

 ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። 

ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div