“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ’የን።” ዮሃ 10፡14,15።
ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።
ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ንኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።
ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና`ዩ ዝርከብ ዘሎ።
እዚ ምድንጓይ`ዚ ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
“ምድሓን ካብ’ቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ’ሞ፥ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ሮሜ 13፡11,12
ሓሙስ 27 መስከረም 2018 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስ በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ