ኣብዚ ወቅቲ'ዚ ክርስቶስ መኣዛ ቅዱሳን፡ ገጽ ምድሪ ዘወቅብ ምዃኑ ይዝመር። ኣብቲ ለይቲ ንግሆ ዝፍጸም ኣምልኾ፡ ብመዘምራን ዝቐርብ መዝሙር ትርግሙ፡ ኣባና ምሕረቱ ዘብዝሐ፡ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ብብርሃን ከዋኽብቲ ዘብርሀ፡ ንምድሪ ድማ ብኣዝመራን ጽጌረዳን ዘማዕረገ ኣምላኽ ጥበቡን ዕምቆቱን ሰፊሕ እዩ። ሱፍ ዕምባባ መኣዛ በረኻ ከምዝኸውን፡ ንስኻውን ናይ ቅዱሳን መኣዛ ኢኻ” ዝብል’ዩ። ናይ ቅዱስ ያሬድ ትሕዝቶኡ ብሓጺሩ፡ ገጽ ምድሪ ብጽጌረዳ፡ ገጽ ሰማይ ድማ ብከዋኽብቲ ዘጌጸ እግዚኣብሔር ጥበቡ ዓሚቕ እዩ ዝብል እዩ።
ኣብ ኤፌሶን 6.1-10 ንሰባት ዕድመ ዝህብ፡ ክረምቲ ኣሕሊፉ ናብ ኣዝመራን ቀውዕን ዘብጽሕ ኣምላኽ ስለዝኾነ ውሉድ ንወለዶም ብምእዛዝ ዕድሜኦም ኪነወሕ ምዃኑ ይመክር። ኣብ ራእይ 12.1-13 ዘሎ መልእኽቲ ከኣ እታ ሰበይቲ ኣብ ስደት ዝጸናሓትሉ ዘመን ይሕብር። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7፡23-30 ዘሎ ድማ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ ግዜ ይትንትን። ኩሎም መልእኽታት ብሓባር ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፡ ግዜን ዘመናትን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝለዋወጡ፡ ጎይታ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ምዃኑ እዩ ዝምህረና። እቲ ስብከትውን ከምኡ ዕድመ ሰብ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ጸሎት እዩ። በቲ ቀዳማይ ካህን ዝንበብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ፈጣሪኡ ዘረስዕ ትምኒት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን፡ ብዛዕባ ክረምቲ ሓሊፉ ፍረ ዝፈርየሉ ውቁብ ገጽ-ምድርን ይትርኽ።
እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ ዕለት'ዚ፡ እቲ ብሰፊሕ ፍልጠቱን ዓሚቕ ጥበቡን ዝናማትን ጠባይ ኣየርን ኣወሃሂዱ ምድሪ ፍረ ክትፈሪ ዝገብር ኣምላኽ ተረሲዑ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብዛዕባ ፍሬኡ ዝእክበሉ ማዕከን ኪጭነቕ ከሎ የርኢ። እቲ ዘሎዎ ማዕከናት ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ኪሰርሖ እሞ ንነፍሱ ድማ ብዘይ ስክፍታ ዓሪፋ ክትበልዕ ምዃና ኣእሚኑ ኣብ ውሳኔ ይበጽሕ። እንተኾነ ግን ነቲ ምንጪ ኩሉ በረኸትን ፍረን ዝኾነ ኣምላኽ ብዘይ ምዝካሩ፤ ብሰብ ሃብታም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ድኻ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት እንዝምሮ ድማ፡ ህይወቱ ካብ ሓንቲ ለይቲ ኣይሓለፈትን፤ ብዋናኣ ተወሲዳ። ስጋኡ ንምብስባስ፡ ሃብቱ ድማ ብኻልኦት ይውረስ።
ምድራዊ ዘይኮነስ ሰማያዊ ሓሳብ ክንሓስብ እግዚኣብሔር ይደግፈና። ኣሜን።
(ዘመነ ጽጌ፤ ካብ መስከረም ፳፮ - ሕዳር ፭ ግእዝ)
ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ጥቅምቲ 2ይ ሰንበት
ያሬዳዊ መዝሙር፡- “ኪነ-ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” ጥበብ ኣምላኽ ክንደይ ዘደንቕ እዩ
ምንባባት ወንጌል
1ይ ካህን ሉቃስ 12፡16-22 (Luke 12:16-22)
2ይ ካህን ግብ 7፡23-30 (Acts 7:23-30)
1ይ ዲያቆን ኤፌ 6፡1-10 (Ephesians 6:1-10)
2ይ ዲያቆን ራእይ 12፡1-13 (Revelation 12:1-13)
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ፡- ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝከር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ከም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። መዝ 102፡14-15።
መዝሙር ዳዊት ግእዝ:- ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ወሰብሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።
Psalms:- “For he knoweth our frame; he remembereth that we [are] dust. [As for] man, his days [are] as grass: as a flower of the field, so he flourisheth.” Psalms 103:14-15.
ቅዳሴ፡- ቅ. ማርያም
ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ