S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ “ወልደ መድህን ንሰብክ” ኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።

መልእኽቲ ቃል ቅዱስ ዮሓንስ

ብሩኽ በዓል ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን! ዓመት መጸ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ከነብዕል ከሎና ነቲ ብበረኸቱ ኣጽጊቡ ብጸጋ ሓለዋኡ ኣዕቝቡ ኣብ 2001 ዓ.ም ግእዝ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር

“እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።” “2ቈረ 4፡3,4)።

ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ኦጐይታ እግዚኣብሔር፥ ኩሉ እትመልኽ ኣቦኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ልዕሊ ኵሉ ኩነታትን፤ ምእንቲ ኵሉ ኩነታትን፤ ኣብ ውሽጢ ኵሉ ኩነታትን ነመስግነካ ኣሎና።ስለ ዝሰተርካናን ዝረዳእካናን ዘዕቖብካናን፤ ናባኻውን ስለ ዝተቐበልካናን። ስለ ዝራኅራኅካልናን ዝደገፍካናን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ እውን ስለ ዘብጻሕካናን ነመስግን ኣሎና።ኦ መፍቀር-ሰብ ካብቲ ሠናያትካ ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፤ ኵሉ ዘመን ሕይወትናን፤ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽም ሃበና።ኵሉ ቅንኣትን፤ ኩሉ ፈተናን፤ ኵሉ ግብረ-ሰይጣንን ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፤ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፤ ኦ ጐይታ ካባይ ኣርሕቕ፥ ካብ ኵሉ ሕዝብኻውን ኣርሕቕ፥ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚውን ኣርሕቕ።ኵሉ ሠናያትን ዘድሊ ነገርን ዓድለና። ምኽንያቱ ንስኻ ኢኻ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ኃይሊ ጸላእን ክንረግጽ፥ ሥልጣን ዝሃብካና። ካብ ኵሉ ክፉእ ኣድኅነናን ባልኃናን እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።

በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገበሮ ጸጋን ምሕረትን፥ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃቢ ሕይወት መንፈስ ቅዱስን፥ ክብርን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብኅብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን። 

ምንጪ ጽሑፍ: መዓልታዊ ሾብዓተ ጸሎተ ሰዓታት

posted November 25, 2008

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ “ወልደ መድህነ ንሰብክ” ኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 22 ገዳማት፡ ልዕሊ 2,200 ኣብያተ ክርስቲያናትን 1.8 ሚልዮን ሰዓብትን ዘለውዋ ብ325 ዓ.ም ብስብከት ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን (ፍረሚናጦስ) ዝተመስረተት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። መንፈሳዊ እምነት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ: ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታት ሃገርና ብግቡእ ዓቒባ ንወለዶታት ዘመሓላለፈት ኣደ እያ። መበቆል ግእዛዊ ስነ ጽሑፍን ምንጪ ስነ ፍልጠትን ብምዃን ንወለዶታት እምነትን ፍልጠትን ዘስነቐት እንኮ ወላዲት ኩልና እያ እንተበልና ካብ ሓቂ አይረሓቕናን።

እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት ጾመ፡ ጾመ ነብያት ይብሃል። ክሳብ ልደት ጐይታና ድማ ይቕጽል። እዚ ናይ ጾም እዋን፡ ከምቲ ኵሎም ነብያትን ነገስታትን ምውላድ ናይቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸበዩን ዚናፈቑን፡ ንሕናውን ኣብዚ ትጽቢት እዚ እንሳተፈሉ ናይ ጾም ግዜ እዩ።

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ “ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣ “መላኽ ኣጋንንቲ” ምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ  እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።

እቲ ዝተፈልየ ቅርጻ ዘሎዎ፥ ነባሪ ሕይወት ዘለዎ ፈጣርን ፍጡራቱን ዝነብርሉ ቦታ ብረድዮን ብቴሌስኮብን ክርከብ ዝኽኣል ኣይኰነን።

ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 5፡24 ተገሊጹ ዘሎ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div