“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
ንኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ብወግዒ ንዘክሮም:
ነዞም ቅዱስ መራሒ ብግቡእ ነኽብሮም:
ነዞም ቅዱስ ሃዋርያ ብኽብሪ ነልዕሎም:
ናይ'ዞም ቅዱስ ፈላሲ ነቃልሕ በረኸቶም:
ናይ'ዞም ቅዱስ መምህር ነመስግን ለውሃቶም:
ናይ'ዞም ቅዱስ ኣቦና ነዘንቱ ታሪኾም:
ዝተባረኹ ቅዱስ ፓትሪያርክ መዘና ዘይብሎም::
እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ። በዚ መሠረት: 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ-ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
ካብ ዓርቢ 24 ክሳብ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣውጁ ኣሎ። እዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናት እዩ። ናይ ትማሊ ንብዓት ዓይኑ እናዛረየ፥ ዳግማይ ከምዚ ኩነት ክፍጠር ኣዝዩ ዘሻቐል እዩ። “ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” ዕብራውያን 4 - 16።
መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ሱባኤና ተቐቢሉ ሰላም ይሃበና። ኣሜን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
20 ሕዳር 2023
ምሉእ ትዝሕቶ ኣዋጅ ሱባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
ኣብ 2013 ዓ.ም (ኣብዚ እዋን’ዚ ) ስለ እቶም ኣብ ጻዕዳ ቀላይ ዝሃለቑ ግዳያት ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ንህዝቢ ዝመሓላለፍዎ ብንብዓት ዝተሰነየ መጸናንዒ መልእኽቲ - ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት።
ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
A three-day joint clergy conference, under the auspices of their Graces Bishop Mekarios and Bishop Sinoda, took place from September 1st to 3rd, 2023, at Abune Tekle-haymanot Eritrean Orthodox Church in San Antonio, Texas. Several clergy and faithful also participated through Zoom. At this event, both their Graces and other church fathers delivered teachings and lessons.
ካካብ መስከረም 1- 3 203 ንሰለስተ መዓልታት፡ ብመሪሕነት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሓቕፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክካየድ ዝቀነየ መንፈሳዊ ጉባኤ ብፍሱህን ውዕውዑን መንፈስ ተዛዚሙ። ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኣካል ኪሳተፍ ዘይከአለ ውሉደ ክህነት ብናይ ርሕቀት መራኸብ ብዙሓን (zoom) ኪከታተሎ ቀንዩ።
ገለ ካብቶም ኣብ መበል 25 [3-6 ነሓሰ 2023] ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህቡ...
ስብከት
ኣምላኽ ተዓሪቁና እዩ! (God reconciled us)
ኣስተምህሮ - ማሕበራዊ ናብራ
ሕርቃንን ጸቕጥን ሳዕቤናቱን መፍቲሒኡን ( Anger and Stress)
ታሪኽን ሃዋርያዊ ኣገልግሎትን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ