መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ብ29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።
The Canonical Diocese in Diaspora of the Eritrean Orthodox Church announces a three-day prayer service, starting from November 24th to November 26th, 2023.
The Diocese requests the faithful to unite in prayer, seeking God's peace for our nation, Eritrea and its neighbors. This is especially vital amid the current atmosphere of fear and the looming threat of war in the region.
May God grant His peace to Eritrea and to the world.
Eritrean Orthodox Church, Canonical Diocese in Diaspora.
November 21, 2023
“ንጽባሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ 'እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ' በለ።”
ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ`ያ ትነብር-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ….” But as for me, it is good to be near God.(መዝ/Psalm 73:28)
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:- St Mary Eritrean Orthodox Church
124 Macamley St, Buffalo, NY 14220, Map
ሰላም ኣምላኽ ምሳኻትኩም ክኸውን እናተመነና፡ ብረዲኤት እግዚኣብሄር ምዝገባ 3ይ ሰመስተር ናይ 2022/23 ንምጅማር ተዳሊና ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብርዎ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ምእንቲ ክበጽሕ፡ ኣብ መስመራት መራኸቢ ቤተ ክርስትያንና ክትዝርግሕዎ፡ መላግቦ ናይቲ መመዝገቢ ቅጥዒ ንሰደልኩም ኣለና።
ነባራት ተመሃሮ፥ Link
ሓደሽቲ ተመሃሮ፥ Link
ምምሕዳር ኮለጅ ስነመለኮት ተዋህዶ
እዚ ጉባኤ`ዚ ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ`ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ`ዚ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ጽላል ሕዝቢ ተዋሕዶን ዘውዲ ሃገረ ኤርትራን፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ገድሎም ወዲኦም ሓሊፎም
“ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር”።
“ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” መዝ.116፣15።
ብእምነት ክርስትና ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወት፥ ብሰማያዊ ሓድሽ ሕይወት ስለዝትካእ ሞት ዘይኮነስ ምግዓዝ እዩ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ(፪ የካቲት ፳፩፬ ዓም ግእዝ) እዮም ዓሪፎም። ብዕለት 10 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ (፫ የካቲት ፳፩፬ ዓ ም ግእዝ) ከኣ ኣብታ ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚራ፥ ሕድሪ ኣብኦምን ኣዲኦምን ተቐቢላ፥ ብመንፈስን ብስጋን ዘዕበየቶም ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብዝፈትውዎም ገዳማውያን መነኮሳት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቢ ናይቲ ከባብን ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ መዓርግ ኣብቲ መዓልቲ ንግደት ክብረ በዓል ኣቡነ እንድርያስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። መራሕቲ ናይቲ ዓማጺ ስርዓት ሃገርናን ጳጳሳትን ግን ኣይተቐልቐሉን። እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸምዎ ገበን ዝሽፈን መሲልዎም፤ ከም ዜና ከቕርብዎስ ይትረፍ፥ ካብታ ሃገር ሓበሬታ ከይወጽእ ዝከኣሎም ጌሮም፥ ግን ኣይኮነሎምን።
መልእኽቲ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ቀኖናዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ: 7 ጥሪ 2019
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ