ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2026: ካብ ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2) 2026 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። ክንደይ ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ከም እትመጹ ኪትሕብሩና ንኽንፈልጥ ኣብዚ ቅጥዒ ክትምዝገቡ ብኣኽብሮት ንሕብር-> Online Form
ጉባኤ ዝካየደሉ ዕለት - Conference Date:- ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2) 2026
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:- ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ
St Mary Eritrean Orthodox Church: 301 Dowling Blvd, San Leandro, CA 94577 Map
መዐርፎ ነፈርቲ - Airport Info:- Oakland San Francisco Bay Airport
መዕረፊ ኣጋይሽ - Hotel Information - Reservations must be made by July 2, 2026
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
Coming soon
ንጾም ዘበርትዕ ሓይልን ሰውነትን፡
ንጸሎት ዝተግህ ቀልብን ክፉት ልብን፡
ሰናይ ዝገብር ሕልናን ትግሃትን፡
ጽቡቕ ዝሪኢ ብርሃን ዓይንን ባህግን፡
ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ! መዝ ፻፲፩፡፮
ኣብ ዓለም አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘይቋርጽ ሓያል ረጽሚ አሎ። መጽሓፈ ስንክሳር ከምዝምህረና እቶም አብ ሓቂ ጸኒዖም ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ፡ በቲ “ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ዮሓ. 14፡6 ዝበለና መድኃኔ ዓለም ረዚን ዓስቢ፡ ብታሪኽውን ሰናይ ዝኽሪ ይረኽቡ። ጻማ ሰማእታት ንሱ እዩ። በዚ መሠረት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርት ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥
ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥
እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ
ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥
ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ
እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ
ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ

“እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ፡ እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
ካካብ መስከረም 1- 3 203 ንሰለስተ መዓልታት፡ ብመሪሕነት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሓቕፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክካየድ ዝቀነየ መንፈሳዊ ጉባኤ ብፍሱህን ውዕውዑን መንፈስ ተዛዚሙ። ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኣካል ኪሳተፍ ዘይከአለ ውሉደ ክህነት ብናይ ርሕቀት መራኸብ ብዙሓን (zoom) ኪከታተሎ ቀንዩ።
The East Coast youth retreat was held in Virginia from Thursday, July 6 to Sunday, July 9, 2023. We are grateful to God that the retreat was a success and achieved its intended goals. During the retreat, the youths had the chance to engage in spiritual reflection, gain knowledge about their church, and establish meaningful connections with one another. The retreat featured indoor and outdoor adventures, creating lasting memories.
May God's blessings be upon our youth and the Church as a whole.
መጽሓፍ በትረ ኖላዊ እትብል ንውሉደ ክህነት ኣብ ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተዳለወት ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ንመሸጣ ኣብ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ከምዘላን ኣብዚ ክትዕድግዋ/ክትገዝእዋ ከም እትኽእሉን ንሕብር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ