S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያዊ-ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ጀርመን

ናይቲ ብፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ነቲ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ 23/09/ ናብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ-ፍራንክፎርት ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ` ድማ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናንን፣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ፣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ክግበር ብዝግባእ፣ ኣባታዊ-ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

 ንጽባሒቱ 24/09 ድማ ብፁዕ ኣቦና፣ ኣብ ከተማ-Offenbach ብምርካብ፣ ነታ ሓዳስ እትቐውም ዘላ “-ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም-” ባሪኾምን መሪቖምን ክኸፍቱዋ ክኢሎም። ከም-ዝፍለጥ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝርከቡ ማኅበረ-ምእመናን፣ ሓደ ጥርናፈ ፈጢሮም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ካብ ዝጅምሩ፣ ግዚኡ ሓጺር ኣይኮነን። ማለት ካብ 80-ታት ኣትሒዞም፣ ኣብያተ-ክርስቲያናት ከቋቑሙ ከም-ዝጀመሩ ዝፍለጥ`ዩ። ኣብዚ ብቐዳምነት ዝጥቀሱ፣ እቶም ኣብ ከተማ Wupertal ዝነብሩ ዝነበሩ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ`ዮም።

ንሳቶም ካብ 85 ጀሚሮም ብዝፈጠሩዎ ጥርናፈ፣ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ቤተ-ክርስቲያን ብምቁቛም፣ ዕዉት ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፣ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከካይዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ`ዩ። ብዝበለጸ ድማ ንሳቶም ኣብ ሕፃናትን መንእሰያትን ትኹረት ብምግባር ይነጥፉ ስለ-ዝነበሩ፣ እቶም ተካእቲ ትውልዲ ሃገራዊ-መንነትን ሃይማኖታዊ-ትውፊታትን፣ ወረስቲ ኮይኖም ከም-ዝዓብዩ ኣብ ምግባር፣ ኣዚዩ ክምስገን ዝግብኦ ሥራሕ ሠሪሖም`ዮም ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ቈልዑት ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም፣ ብቋንቋኦም ክዛረቡን ብፊደሎም ክጽሕፉን ካብ ምግባር፣ ዝዓቢ ካልእ ሓላፍነት ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።

እዚ ኣብ ከተማ-Wuppertal ዝነበረ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ኣብ ሠለስተ-ወርሒ ዝኅተም “-ድምፂ-ኦርቶዶክሳውያን-” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ጋዜጣ፣ ኣኅቲሙ ይዝርግሕ  ከም-ዝነበረ`ውን ዝፍለጥ`ዩ። ይኹን እምበር እዚ ቤተ-ክርስቲያን`ዚ፣ ምንም` ኣድማዒ ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ዕዉት ምንቅስቓስ፣ የካይድ ምንባሩ `ውን ዝፍለጥ እንተ-ነበረ፣ በቶም ናይ ፖለቲካ ውዱባት ግና፣ ብጽቡቕ ዓይኒ ይጥመት ስለ-ዘይነበረ፣ ንጥፈታቱ ንምክያድ ከቢድ ፈተናታት የጋጥሞ ከም-ዝነበረ፣ ክከሓድ ኣይከኣልን። በዚ ምኽንያት` እውን ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ ንምድኻሙ ዝግበር ዝነበረ ጸቕጢ ቀሊል` ዝበሃል ኣይነበረን።

ይኹን እምበር እዚ ዝተባህለ ኩሉ ንታሪኽ ዝግደፍ ኮይኑ፣ ብድሕሪ` ነፃነት ሃገር ተረኺቡ ዝተባህለሉ ግዜ`ውን፣ ኣብ ኤውሮጳ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናት ክቖማ ተራእየን እየን። ንዕኡ ተኸቲሉ`ውን ንኤውሮጳ ዝኸውን ጳጳስ፣ ክሳብ ምምዳብ ተበጺሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር`ዩ። ግዳስ እታ ድሮ ፖለቲካ ተቘጻጺሩዋ ዝነበረት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ነፃ ኮይና ክትንቀሳቐስ ዘኽእላ ባይታ ነይሩዋ ትበሃል ኣይነበረትን። ስለዚ`ውን እቶም ናብ ኤውሮጳ ተላኢኾም መጺኦም ዝነበሩ ኣቡነ-ኣትናቴዎስ፣ በቲ ቈንስላዊ ቤት-ጽሕፈት ዝተዋህቦም መምርሒ ተኸቲሎም ዝንቀሳቐሱ ደኣምበር፣ ንቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ኣቕዋም ሒዞም ደው ክብሉ ዘኽእል ቁመና ስለ-ዘይነበሮም፣ መንበረ-ጵጵስና ነይሩ ኢልካ ክዝረብ ዘኽእል ሃዋህው ኣይነበረን።

ከም እኩብ ድምር ናይ` ኩሉ` ከኣ፣ ኣብቲ ኩሉ ክግበር ጸኒሑ ዝበሃል ሃይማኖታዊ-ንጥፈታት፣ መምርሒ ፖለቲካ ዝተኸተለ ንጥፈታት` ክካየድ ጸኒሑ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ሕጂ ኣብዚ ግዜ` እንተኾነ`ውን፣ ዝተለወጠ ነገር ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፣ ምሉእ ብምሉእ ፖለቲካ ዝተቘጻጸሮ ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ሓቂ`ዩ። ስለዚ ከኣ` እቲ ኣብዚ እዋናት`ዚ፣ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ክግበር ዝርአ ዘሎ ኣገልግሎት፣ ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ መንፈሳዊ-መስመር ወጻኢ፣ ብኃይሊ ፖለቲካ እናተደፍአን እናተሳሕበን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ስለዚ`ውን ነዚ ብኣሉታ ክግለጽ ዝኽእል ኣከያይዳ` ንምቕያር ከኣ`ዩ፣ እቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ፣ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብ ምግባር ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ድማ`ዮም ብፁዕ ኣቦና`ውን ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ካብ ኣሜሪካ ተላዒሎም ብምምጻእ፣ Offenbach ኣብ ዝተባህለት ሓንቲ ናይ ጀርመን-ከተማ፣ ቤተ-ክርስቲያን መሪቖም ክኸፍቱ ኣገዳሲ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ።

ስለዚ`ውን ብፁዕ ኣቦና፣ ብዕለት 25/09 ኣብ ከተማ-ፍራንክፎርት ቅዳሴ ብምሥራዕ፣ ዓበይትን ነኣሽቱን ተሳተፍቲ ቅዱስ-ቁርባን ከም-ዝኾኑ ብምግባር፣ ብዙሓት ዝተባረኹሉ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ክኢሎም። ዕለቱ በዓለ-መስቀል ብምንባሩ`ውን፣ “-እስመ ነገረ መስቀሉሰ፣ ዕበድ ውእቱ በኀበ ኅጉላን-” ዝብል ኃይለ-ቃል መንቀሊ ብምግባር፣ ንሕልና ሰማዕቲ ከዕግብ ብዝኽእል ኣቀራርባ፣ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ትምህርቲ-ወንጌል ኣስሚዖም።        ? ? ? ? ? ?

ንጽባሒቱ ሰንበት 26/09 ድማ፣ ብዙሓት ግዱሳት ዝተሳተፉሉ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ። ብፁዕነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ዝጠመተ፣ ንኹሉ ዘካተተ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቦም። ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለጺ`ውን ዘይተተንከፈ ኣርእስቲ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ካብ 91 ጀሚሩ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ ምትእትታው፣ ሕጂ`ውን ገና ቀጻሊ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ ምኽንያት፣ እታ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂ`ውን ንዝኸፍአ ሓደጋ ተጋሊጻ ትርከብ ምህላዋ`ዮም፣ ብፁዕ ኣቦና ምርር ብዝበሉ ቃላት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ፣ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ጸቒጦም ክቃወሙዎ ዝተሰምዑ።

ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ዝበሉዎ “-ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ግና ጉዳይ ሃገር`ውን ስለ-ዝኾነ፣ ከም ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ጉዳይ ጌርካ ክውሰድ ግቡእ ኣይኮነን። ከመይሲኣፍንጫ እንተ-ተወቕዐት፣ ዓይኒ ትነብዕከም-ዝበሃል፣ እዚ ሕማምን ቃንዛን ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ከም ሕማምን ቃንዛን ምሉእ ኅብረተ-ሰብ ጌርካ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን ንሕና ከም ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፣ እቲ ተደራራቢ ፈተና በርቲዑና ከነእዊ ከሎና፣ እቲ ብሳዕቤኑ ዝመጽእ ቃንዛን ስቓይን፣ ናይ በይንና` ክኸውን ዝግብኦ ዝብል እምነት የብልናን። ከመይሲ ንሕና ኣካል` ሃገር ኢና። ስለዚ እቲ በቲ መውቃዕቲ ዝፍጠር ቃንዛን ስቓይን፣ ንኹላትና ብሓባር ክስመዓና ክኽእል ኣለዎ በሃልቲ ኢና-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቦና፣ ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ክበጽሕ ብዝኽእል ህርመት፣ መልእኽቶም ከስምዑ ዝኸኣሉ።

ብድሕሪ` እቲ መድረኽ ንማኅበረ-ምእመናን ስለ-ዝተዋህበ፣ ካብቲ ጉባኤ ብዙሕ ሕቶታት ወይ ርእይቶታት ክቐርብ፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ` ነይሩ። ስለ-ዝኾነ`ውን ብብዝሒ ክቐርብ ካብ ዝተሰምዐ ሕቶታት፣ ንህልዊ ኩነታት ቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ዝምልከት` ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ቅዱስነቶም ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከቡ ከም-ዘለዉ፣ እቲ ጉባኤ ክፈልጦ ካብ ዝተገደሰሉ ጉዳይ ኮይኑ ምርካቡ `ውን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትእትታው ዘኸተሎ ዕንወት፣ ኣብቲ ናይ ተዋሕዶና ማኅበረ-ምእመናን፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ገጂፍ-ስምብራት ገዲፉ ከም-ዘሎ፣ ዘረድእ` ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ኣብ መንጎ`ተን፣ ኣብ ሃገራት-ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናትና፣ ተፈጢሩ ዝርከብ ዘሎ ፍልልያት፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብኹሉ መኣዝኑ እንተ-ተራእየ፣ ኣፍራስን ሃሳዪን ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ እቶም ንረብሓ` ዓለም` ክብሉ፣ ካብ መሠረት ክርስትና ወጺኦም፣ መጋበርያ-ፖለቲካ ክኾኑ ዝመረጹ ወገናት ውሉደ-ክህነት ገዲፍና፣ ኣብቶም “-ፓትርያርክነ-እንጦንዮስ-” ብምባል ክቕድሱ ዝርከቡ ዘለዉ እንተኾነ`ውን፣ ሓድነትን ፍቕርን ኣሎ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ ግልጺ ኮይኑ` ዝርአ ዘሎ።

እዚ ፍልልይ` ከኣ እንታይን ከመይን ከም-ዝኾነ፣ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና፣ ክርድኦ ዘይክእል ሕቶ ኮይኑዎ` ዝርከብ ዘሎ-? እቲ ብሳዕቤን` ክኽተል ዝኽእል ሳዕቤን ከኣ፣ እታ ድሮ ጸገማት በዚሑዋ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ክትጻወሮ ዘኽእላ ኃይልን ጉልበትን ኣለዋ እትበሃል`ውን ኣይኮነትን። ስለዚ`ውን እቲ ክመጽእ ዝኽእል፣ ንህልውና ኦርቶዶሳዊ እምነትና ክፈታተን ዝኽእል ሓደጋ ገና ከይመጸ ከሎ፣ ብኸመይ` ምክልካሉ ዝከኣል-? ዝብል ሕቶ ንብምሉኡ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣጨኒቑ ሒዙዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ብፁዕ ኣቦና ነዚ ብዝምልከት ፍታሕ ኣብ ምምጻእ፣ እንታይን ከመይን ክግበር ኣለዎ ኢኹም እትብሉ-? ዝብል ሕቶ` ቀሪቡሎም።

ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ “-ንሕና ኩላትና ከም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ መጠን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዕና ክሳብ ዝሃሎና፣ ክንፈላለ ዝገብረና ዝኾነ ምኽንያት የልቦን። ኣብቲ ናይ ቅዱስ-ማርቆስ ቀኖናዊ-መንበር፣ ጸኒዕና ክንርከብ ከኣ ኦርቶዶክሳዊ ግዴታና እዩ። እቲ ጸገም ክመጽእ ዝኸኣለ ግና፣ እቶም 3-ፓትርያርክ ቅዱስ-እንጦንዮስ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዝገበሮ ጸቕጢ፣ ሥልጣኖም ተሓዲጎም ካብ መንበሮም ተገዲዶም ከም-ዝወርዱ ስለ-ዝተገብረ፣ ብኣና ወገን ኣንጻር` ፖለቲካዊ-ምትእትታው`ዚ፣ ተቓውሞ ካብ ምግባር ካልእ ኣማራጺ ክህልወና ዝኽእል ኣይነበረን።

ስለዚ`ውን እዚ ሕጂ ንሕና ሒዝናዮ ዘሎና ኣቕዋም፣ ብዝኾነ ተኣምር ክቕየር ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ናይ እምነት ጉዳይ ስለ-ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት` ወጻኢ ኴንና ክንርከብ ድማ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ` ኣብ` ቀኖናዊ-መሠረት` ረጊጾም ምስ ዝርከቡ ኩሎም፣ ምንም ክንፈላለ ዝገብረና ምኽንያት የልቦን። ምሳና ሓቢሮም ክሠርሑ ድማ፣ ሃረር ኢልና እንጽበዮ ጉዳይ እዩ። ነዚ ንፓትርያርክነት ኣቡነ-እጦንዮስ ተቐቢሉ ከብቅዕ፣ ግናኸ ተፈናቲቱ ዝርከብ ዘሎ ክልተ ጉጅለ፣ ኣብ ምቅርራቡ ዝሕግዝ ብማኅበረ-ምእመናን ሓደ ተበግሶ ክዝግበር እንተ-ዝኽእል፣ ብልቢ እንድግፎን እንቕበሎን ጉዳይ እዩ-” ብምባል`ዮም ብፁዕ ኣቦና ዝተዛረቡ።

ካብዚ ብምቕጻል ብወገን` ሕዝቢ ዝቐረበ ካልእ ርእይቶ፣ ብዛዕባ` ብመራኸቢ-ብዙኃን ኣቢሉ ክቐርብ ዝስማዕ ዘሎ፣ ኣፍራሲ ዝኾነ መልእኽትታት ኣብ ምትሕልላፍ ይርከብ ኣሎ ዝተባህለ ጉዳይ እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንምፍራስን ንምፍልላይን እምበር፣ ንፍቕሪ ዘይዕድም ኣበሃህላታት ድማ፣ ኣብ መንፈሳዊ ተልእኮ ክርከቡ ካብ ዝግብኦም ካህናት` ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ። ስለ` እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍራሲ ዝኾነ ምንቅስቓሳት ከም-ዝእረም ከይተገብረ ከኣ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኮነ ኣብ ሃገር ሰላም ክርከብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን ቅድም ቀዳድም ቤትና` ከነጽፍፍ ክንክእል ዘሎና፣ ዝብል መተሓሳሰቢ` ብብዝሒ ክቐርብ ዝተሰምዐ።

እዚ ርእይቶ` ብተደገጋሚ ክቐርብ ዝቐነየ ከም-ምዃኑ መጠን፣ ብፁዕ ኣቦና ሸለል ኢሎም ክሓልፉዎ ዝደልዩ ኮይኖም`ውን ኣይተረኽቡን። ስለዚ`ውን ብፁዕነቶም ካብ ማኅበረ-ምእመናን ንዝቐርበሎም፣ ሓናፂ ዝኾነ ሓሳብን ርእይቶን ኩሉ፣ ኣኽብሮት ከም-ዘለዎም ብምግላጽ፣ ኣብ ምእራሙ ተገዲሶም ክሠርሑሉ ምዃኖም`ዮም ዝገለጹ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ከኣ፣ እቲ ብብፁዕነቶም ኣብ ሃገረ-ጀርመን ክግበር ዝቐነየ ሓዋርያዊ-ዑደት ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ክኢሉ።

ይትበረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

ሓዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div