S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ  ተንሥኣ  እሙታን ክበሃሎ ዘይከኣል ፋሲካ

እወ ጾም-ኣርብዓ ተፈጺሙ፣ ሰሙነ-ሕማማት`ውን ሓሊፉ`ዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-” ኢሉ ሕዝብና መስቀል ክሳለመሉ ዝኽእል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ዛጊት ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ከመይሲ ኣብዚ እዋናት`ዚ እቲ ቤተ-እግዚኣብሔር፣ ተዓጽዩ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ብዝኾነ ተኣምር፣ ክዕጾ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቤት-ኣምላኽ። ካብቲ ንቡር ዝኾነ ወጻኢ ክዕጾ ዘገድድ ምኽንያት ተረኺቡ ስለዘሎ`ዩ።

ስለምንታይ እንተ-ተባህለ-? “-ኮሮና-ቫይረስ-” ብዝተባህለ ሐደገኛ ተላጋቢ-ሕማም ምዃን`ዩ፣ እቲ ምኽንያት ብሰፊሑ ክንገር ዝስማዕ ዘሎ። ግዳስ ሕማም ጥራይ`ዩ ኢልካ ክሕለፍ ዝኽእል፣ ኣቕሊልካ ዝርአ መሲሉ`ውን ኣይረአን። ከመይሲ ኪኖ`ዚ ዝበሃል ዘሎ ርሒቑ ዝኸይድ፣ ካልእ ዓቢይ ጉዳይ ምህላዉ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ከመይሲ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ-ሰብ ክዛረብ ክደሊ ከሎ፣ ዝጥቀሞ ናቱ ቋንቋ ከም-ዘለዎ፣ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ። 

ስለዚ`ውን ኣብ ትንቢተ-ሚክያስ፣ ከምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ንረክብ። ከምዚ ድማ ይብል “-እግዚኣብሔር ምስቲ ሕዝቢ ነገር ኣለዎ-” ብምባል`ዩ እቲ መጽሓፍ ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እምበኣር ድሕሪ`ቲ ነገር ተኸቲሉ ዝመጽእ ድማ፣ ሠናይ ክኸውን ከም-ዘይክእል ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። እምበኣርሲ ከም ኣበሃህላ`ቲ ነቢይ፣ እቲ ንዓለምና ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ዘሎ “ነገር” ምስ ካልእ ዘይኮነስ፣ ምስቲ ምድርን ሰማያትን ዝፈጠረ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምዃኑ`ዩ እቲ ትንቢት ዝዛረብ ዘሎ። ሚክ-6/2) 

ከመይሲ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ክስተት ብዝምልከት፣ እቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብሉዎ ነገር ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲ  ብጸሎተ-ዳንኤል ዝፍለጥ መጽሓፍ እንተረአና  “-ወኮነ ኅሡራነ በኩሉ ምድር ዮም በእንተ ኃጢኣትነ። ኣልቦ በዝ መዋዕል መልኣክ-! ኢነቢይ ወኢንጉሥ-! ኢቁርባን-! ወኢ መሥዋዕት-! ወኢ ኀበ እለ ይጸንሕሑ ዕጣነ-” ተባሂሉ ዝተነግረ መጠንቀቕታ ዝዓይነቱ ትንቢት ኣሎ። እዚ ትንቢት`ዚ ከኣ ሓንቲ ከየትረፈን ሓንቲ ከየሕለፈን፣ ነዚ ሕጂ ንዓና ንደቂ-ሰብ፣ ብሰንኪ`ቲ ንሕጊ ኣምላኽ ተኣዘዝቲ ኮንና ዘይምርካብና፣ ክወርደና ዝርከብ ዘሎ ኣምላኻዊ-ቁጥዓ ዝምልከት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ። (ጸሎ/ዳን)

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ትንቢት፣ ብትርጉም ክርአ ከሎ ድማ፣ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ`ዩ ዝንበብ። “- ሎሚ ብሰንኪ ኃጢኣትና፣ ኣብ ኩሉ ምድሪ ሕሱራት ኮንና ንርከብ ኣሎና። ኣብዚ ግዜ`ዚ እውን፣ መልኣኽ ወይ ነቢይ፣ ወይ ንጉሥ፣ ወይ ቁርባን፣ ወይ መሥዋዕቲ፣ ወይ`ውን ዕጣን ዝዕጠነሉ ቦታ የልቦን-”  ተባሂሉ`ዩ እቲ ትንቢት ዝትርጐም። እምበኣር እዚ ንዓለምና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ጸገም፣ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምርድኡ ዝጽግም ኣይመስለናን። እቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት ማዕጾአን ንኸገፍትና፣ ጠንቂ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ`ውን። ካብቲ ዝተነግረ ትንቢት ሪሒቑ ዝኸይድ ኮይኑ ኣይንረኽቦን።

እምበኣር  እዚ ትንቢት`ዚ ፍጻሜ ንክረክብ`ዩ፣ እቲ “ኮሮና-ቫይረስ” ዝተባህለ  ቀዛፊ-ሕማም ክመጽእ ዝኸኣለ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እንሆ ንኹሉ ሥርዓተ ኣምልኾና ኣልሚሱዎ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ`ውን ብድሕሪ ዘመነ-መንግሥት ዲዩቅልጥያኖስ፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዓጽያ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከምዝበሃል ግና፣ እንሆ ሎሚ ኣብዚ ግዜና “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-” ኢልና መስቀለ ክርስቶስ ክንስዕመሉ ዘይንኽእል፣ ንክርስቲያናዊ እምነትና`ውን ዝፈታተን፣ ከቢድን መሪርን ዝኾነ ኩነት ኣጋጢሙና ይርከብ ኣሎ። 

ከመይሲ ሰብ ዘይዘርኦ ኣይዕጽድን እዩ። ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን ድማ፣ ካብቲ ኣብዚ ኣብ ግዜና ተዘሪኡ ዝርከብ ዘሎ ግብሪ-ኃጢኣት። ነፃ ኢና ኢልና ክንመጻደቕ እንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ እቶም ገዛእቲ እዛ ዓለም`ዚኣ ዝኾኑ፣ መራሕቲ ፖለቲካ፣ ፀረ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ስጉምትታት ክወስዱ ከለዉ፣ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ክብሉዎ ዝተሰምዑ ነገር፣ ኣሎ ክበሃል ዛጊት ዝተሰምዐ ነገር የልቦን። 

ከመይሲ እተን ታሪኸን ብመጻሕፍቲ ብሉይ ኣቢልና እንፈልጠን፣ ሰዶምን-ጎመራን ዝተባህላ ክልተ ከተማታት። እቲ “ብግብረ-ሰዶም” ዝፍለጥ ርኽሰት ፈጺመን ምስ-ተረኽባ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ነቲ ፍንፉን ተግባረን ክዕገሶ ስለ-ዘይከኣለ፣ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ብምዝናም፣ ካብ ገጽ ምድሪ ክድምስሰን ከም-ዝኸኣለ፣ እቶም ጽሑፋት ይዛረቡ ኣለዉ። እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ግና፣ ነዚ ነውራም ዝኾነ ጽዩፍን ፍንፉንን ዝኾነ ተግባር `ዚ፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂባ ከተተግብሮ ትርከብ ከምዘላ፣ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር`ዩ። (ዘፍ-19/4-26)

እቲ ብክርስትና ነውርን ጽያፍን ዝበሃል ኩሉ ድማ፣ እዛ ዓለም`ዚኣ “መሰል`ዩ” ብዝብል  ጉልባብ ኣፍልጦ ስለ-ዝሃበቶ፣ ንምድኻም ክርስትና ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ`ዩ ክበሃል ይከኣል። ብዝተረፈ እዚ ብግብረ-ሰዶም ዝፍለጥ ርኹስ ተግባር`ዚ፣ ክሳብ ማዕጾ ቤተ-ክርስቲያን ክኹሕኩሕ ዘኽእል ደረጃ ክበጽሕ ምኽኣሉ፣ ክንደይ`ኳ ዘሕዝን`ዩ። ከመይሲ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና በጺሖም ዝርከቡ ሰባት፣ ንባዕሎም ኣብቲ ርኹስን ጽዩፍን ተግባር ጥሒሎም ከም-ዝጸንሑ፣ ብወግዒ ኣብ መድረኽ መራኸቢ ብዙኃን ክዝረብ፣ ዝተሰምዓሉ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን። 

እቲ ብደረጃ ዓለም-ለኸ፣ “ናይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኅብረት” ብምባል ዝፍለጥ ጉባኤ ግና። እዚ ኩሉ ዕንወት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናተፈጸመ ከሎ። ነቲ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ርኡይ ድኽመትን ውድቀትን፣ ንኸዐሪ ኢሉ ዝገብሮ ተበግሶ ብዘይ ምህላዉ። ብሓላፍነት ከሕትቶ ዝኽእል ድኽመት፣ ኣይፈጸመን ክበሃል ኣይከኣልን። ብዝተረፈ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ተቐሚጦም። ኣብያተ-ክርስቲያናት ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ዘለዉ መራሕቲ። ነቲ ዘለዎም ሓላፍነት ብብቕዓት ክሥርሑሉ ክኢሎም እንተ-ዝነብሩ፣ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዝርአ ዘሎ፣ ናይ ጥፍኣት መወዳእታ ጫፍ፣ክብጻሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ።

ኣብዚ እዋናት`ዚ ብሓፈሻ እቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዓለምና እንተ-ተራእየ፣ ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብል ኩነት ይፍጸም ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከም እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ሞራላዊ-ውድቀት`ዚ ድማ፣ እንሆ ክሳብ ቤተ-እግዚኣብሔር ዝዕጸወሉ ደረጃ በጺሑ ክርከብ ምኽኣሉ፣ ክንደይ`ኳ ዘሕዝንን ዘብክን እዩ። እቲ ኣብ ጸሎተ-ዳንኤል ዝተነግረ ትንቢት`ውን፣ ነዚ`ዩ ከረጋግጸልና ዝኽእል። ከመይሲ እቲ ትንቢት “-ሎሚ ብሰንኪ ኃጢኣትና ኣብ ኩሉ ምድሪ ሕሱራት ኮንና ንርከብ ኣሎና-” ዝብል ኣበሃህላ። ብንባብ ጥራይ ክሕለፍ ዝኽእል፣ ተራ ጥቕሲ`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከምቲ ኣብ ትንቢተ-ዳንኤል -ቴቄል- ማለት “-ኣብ ሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኸብካ-” ተባሂሉ ዘሎ። እዞም ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎና ደቂ-ሰብ`ውን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል፣ ገለ ሠናይ ዝበሃል ነገር ዘሎና ኮንና ኣይተረኸብናን። ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ፣ እቲ “-ኣብቲ እዋን`ቲ ቁርባን ኮነ መሥዋዕቲ፣ ወይ`ውን ዕጣን ዝዕጠነሉ ቦታ የልቦን-” ዝተባህለ ትንቢት ኣባና በጺሑ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና። ኣብቲ ዝዓበየ በዓልና ትንሣኤ-ክርስቶስ ድማ፣ ማዕጾ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ተዓጽዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-” ኣብ ዘይንብለሉን፣ እቲ ቅዱስ-መስቀል ክንሳለም ኣብ ዘይንኽእለሉን ደረጃ በጺሕና ንርከብ ኣሎና። (ዳን-5/25-28)

ናይዚ ኩሉ ውድቀት`ዚ ተሓተትቲ ድማ፣ ቅድሚ`ቶም ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ዝርከቡ ዘለዉ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት፣ ተሓትታቲ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ ኣካል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብዚ እዋን`ዚ ክብሪ ሰብ ሓሲሩ፣ እቲ ሰብኣዊ-መሰል ዝበሃል`ውን፣ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ብዘይብሎም መራሕቲ ሃገራት ይርገጽ ስለዘሎ። ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ሕዝቢ ዉሑድ ኣይኮነን። ብሰንኪ`ዚ ስደት`ዚ ዝወርድ ዘሎ ህልቂት`ውን፣ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን መዓልታዊ ይቃላሕ ስለዘሎ፣ ንኣቓልቦ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብ ኣርእስቲ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። እቲ “-ባይቶ ኅቡራት መንግሥታት-” ብምባል ዝፍለጥ ዓቢይ-ትካል ግና። ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ዝግደስ ኮይኑ ኣይተራእየን። እቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ፍትሒ ስኢኖም፣ ብቐጻሊ ዝስደዱ ዘለዉ ሕዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ግና፣ ገና ይቕጽል`ዩ ዘሎ።

እሞ እቶም ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ዝበሃሉ፣ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት ደኣ፣ እዚ ኩሉ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ግፍዕታት እናተፈጸመ ከሎ፣ ኣበይ ነይሮም ወይ እንታይ ኢሎም ተባሂሉ`ዩ፣ ብዛዕባኦም ክዝረብ ዝከኣል-?! እምበኣር ዝሰምዕ እዝንን ዘስተውዕል ልብን ደኣ`ዩ ተሳኢኑ ኣምበር፣ እቲ ሕያው ኣምላኽሲ ብኣፍ ነቢዩ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ትንቢት ኣሎ። ኣብ ትንቢተ-ሕዝቅኤል ድማ “-ኣቱም ንርእስኹም እምበር፣ ነተን ኣባጊዕ ዘይትጓስዩ ጓሶት ወይለኹም-! ጸባአን ትሰትዩ፣ ብጸጉረን ዝተገብረ ክዳን ትኽደኑ። ዝሰብሐት ሓሪድኩም ትበልዑ፣ ነተን መጓሰ ግና ኣይትጓስዩወንን። ንዝሓመቓ`ውን ኣይፈወስኩመንን። እኳ ደኣ ብትርን ብጭካነን ገዛእኩመን። ጓሳ ስለ-ዘይብለን ከኣ ፋሕ በላ። ንኹሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ኮና። ስለዚ ኣባጊዐይ ኣብ ኩሉ ኣኽራንን ነዋሕቲ ኩርባታትን ተባረራ። ኣብ ኩሉ ዝባን ምድሪ`ውን ፋሕ በላ። ግደን ዝገብርን ዝደልየን ግና ኣይተረኽበን-” እዩ ዝብል እቲ ትንቢት። (ሕዝ-34/2-6)

እምበኣር ክብደት ሓላፍነት ዝርድኡን ዝፈልጡን ጓሶት፣ ስለ-ዝተሳእኑ ከኣ`ዩ ሕጂ ዓለምና፣ ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጻ ከም-እትርከብ ገይሩዋ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስቲያናት ዓለም፣ ኣብ መድረኽ ወጺኦምን ንነቢይ-ናታን መሲሎምን፣ ኣብ ቅድሚ`ቶም ብዕድል ሕዝቢ-ዓለም ዝጻወቱ ዘለዉ መራሕቲ-ፖለቲካ። ደው ክብሉ ዘኽእሎም ትብዓት ዘለዎም ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ ንሕና ከም ሕዝቢ-ዓለም፣ ንከቢድ ናይ እግዚኣብሔር መዓት፣  ከም እንጋለጽ ገይሩና ይርከብ ኣሎ። እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ድማ፣ ንከቢድ ሐደጋ ተቓሊዓ ትርከብ ኣላ።

ይኹን እምበር እቲ ካልእ ኩሉ ብጎቦ ኣቐሚጥና፣ ብዛዕባ`ቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንሓልፎ ዘሎና ሕይወት ጠሚትና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና። ኩነታት ኣብያተ-ክርስቲያናትና ኣብ ከመይ ኩነት`ዩ ዝርከብ ዘሎ፣ ዝብል ሕቶ ብምልዓል እንተረአናዮ ከቕስነና ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፣ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ ክገልጾ ይኽእል`ዩ። ከመይሲ ኣብያተ-ክርስቲያናት`ውን ኣካል እዛ ሃገር ከም-ምዃነን መጠን፣ ካብቲ እታ ሃገር ትቕበሎ ዘላ ኣደራዕ ወይ ጸበባን መከራን፣ ካልእ ሕይወት ኣለወን ክበሃል ኣይከኣልን።

ይኹን እምበር በዚ ሕጂ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሥርዓት። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ግፍዕን መከራን ንኣብያተ-ክርስቲያናትና`ውን ክተርፈለን ከም-ዘይከኣለ፣ ካባና ካብቶም ሰብ ጉዳይ ሓሊፉ ፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን ኣረጋጊጹ ዝፈልጦ ጉዳይ`ዩ።  ብዝተረፈ ብመንጽር ታሪኽ ክርአ ከሎ፣ ክርስትና ሃገርና ከምዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ፣ ንህልውናኡ ኣብ ዝፈታተን ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን። 

እዚ ኣምላኽ ዘይፈልጥ ኣረሜናዊ ዝኾነ ሥርዓት`ዚ። ኣብ መጀመርታ ንመነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን መስቀሎም መንጢሉ፣ ተሰከምቲ ጠበንጃ ክገብሮም ከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ጥፍኣት ኣዋጅ ምእዋጁ`ዩ ነይሩ። እቲ ኩሉ ብኣስገዳድ ተገፊፉ ሳዋ ዝወረደ ውሉደ-ክህነት ከኣ፣ ኣብቲ ባዕሎም ዝወልዑዎ ኩናት ባደመ ወሲዶም ስለ-ዘጥፍኡዎ፣ ንድሕሪት ዝተመልሰ የልቦን። ክሳብ ሕጂ ከኣ እዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ዝኣወጁዎ ስዉር ኩናት፣ ክቕጽሉዎ`ዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

እቶም ኩሎም ንግዱድ ዕስክርና ተገፊፎም ንሳዋ ዝወርዱ ዘለዉ መንእሰያት`ውን፣ ካብ ክሳዶም መስቀል ተበጢሱ ክውሰዶም ከሎ። መጽሓፍ-ቅዱስ`ውን ካብ ኢዶም እናተመንጠለ ኣብ ሓዊ ከም-ዝኣቱ ተገይሩ እዩ። እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ድማ። እንሆ እቲ ኣረሜናዊ ዝኾነ ሥርዓት፣ ሃይማኖትን፣ ሥነ-ምግባርን፣ ታሪኽን፣ ክብርን፣ መንነትን ዘይብሉ ትውልዲ ኣብ ምፍራይ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። እዚ ከርእየና ዝኽእል ከኣ፣ ነቲ ምስ ክርስትና ዘተኣሳስረና ታሪኽ ደምሲሶም ከጥፍኡዎ ዝኽእሉ ስለ-ዝመሰሎም እዩ።

ብዝተረፈ ካብ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጀሚርካ፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ፣ መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኣብቲ 336 ምዃኑ ዝፍለጥ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጉኖም፣ ሰብ ክጻወሮ ይኽእል`ዩ ዘይበሃል ስቓይን መከራን ዝቕበሉ ዘለዉ እሱራት ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ደቅንናን`ውን፣ ከቶ ክንርስዖም ንኽእል ኣይኮናን። ኣብ ኢድ`ቲ ሕሱምን ጨካንን ዝኾነ ሥርዓት ወዲቖም፣ ዝቕበሉዎ ዘለዉ ሕሰምን መከራን፣ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ከም-ዝኾነ ዘይርድኦ ሰብ የልቦን።

ኣብዚ እዋን`ዚ ንሕና እዞም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና። ካልእ`ኳ ምግባር እንተ ዘይተኻእለ፣ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ግና፣ ከነእውየሎም ዘይንኽእለሉ  ምኽንያት የልቦን። እቲ ዝተረፈ ሕዝብና`ውን፣ ካብ ማሰርቲ ኣብ ዘይሓይሽ ናብራ`ዩ ተሸቑሪሩ ዝነብር ዘሎ። ካልእ ክንሕግዞም እንተዘይከኣልና`ኳ፣ ሕዝብና ይጠፍእ ኣሎ ብምባል ኡይ-! እንተበልና ንሱ`ውን ሓገዝ`ዩ። ልዕሊ ዝኾነ ግና ኣውያትና ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ብምጥማት፣ ንብዓትና ናብኡ ኣቢልና ንንጸጎ። እዚ ብንብዓት ተሰንዩ ዝቐርብ ኣውያት ከኣ፣ ከም ደም-ኣቤል ኣብ መንበረ-ፀባኦት ክቐርብ ዕድል ስለ-ዘለዎ እቲ ሕያው ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልና። ኣሜን ወኣሜን።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div