S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 2ይ ክፋል

  ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 2ይ ክፋል

1. ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ኪኸውን ከሎ ስርዓተ ትምህርቲ (Curriculum) ግን ከመይ ዓይነት ወለዶ ኪፈሪ እዩ ዝድለ ዘሎ ተባሂሉ እዩ ብጥንቓቐ ዝቕረጽ።

 ጀማሪት ቤት ትምህርቲ ሰንበት: ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን እያ። ኣብ 1870 ዓም ሮበርት ራይክስን ፓስተር ቶማስ ስቶክን ንድኻታትን ዘኽታማትን መንእሰያት ንምእላይን ንምምሃርን ቤት ትምህርቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝመስረቱ ይፍለጥ። “Sunday School ministry founded in England by Robert Raikes at the end of the eighteenth century” ከምቲ ዘመናዊ ትምህርቲ ካብ ምዕራባውያን ተለቒሕና፥ ብዙሓት ምሁራት (ዶኮትራት፥ መሃንድሳት፥ መማህራን፥ ዝተፈላለዩ ሞያተኛታት) ዘፍረናሉን ሕዝብና ዝረብሓሉን፥ ቤት ትምህርቲ ሰንበትውን ብተመሳሳሊ መገዲ ቤተክርስቲያን ኪትረብሓሉ ይክኣል እዩ። ካብ ናይ ክርስቲያን ማሕበራት እቲ ዘድልየካ ጸጽብቑ ኪትልቃሕ ነውሪ የብሉን። ገለ ምሁራት፥ ነገረ መለኮት ካብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፥ ምምሕዳር ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፥ ሜላ ስብከት ካብ ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ምውሳድ ጠቓሚ ኪኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።  ምስ ናይ ክርስቲያን ማሕበራት ዘራኽበናን ዝፈላልየናን ብንጹር ተቐሚጡ፥ በቲ ዘራኽበና ሓቢርና ክንሰርሕ (ንኣብነት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ) በቲ ዘይንሰማማዓሉ ትምህርትን ስርዓተ ኣምልኾን ግን፥ ኢድ ምትእትታው ዘይብሉ፥ ፍልልያትና ነኽብረሉ ዝምድና ኪህልወና ይግባእ።

ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልትን ኣመንትን፥ ብኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ጥራይ እዮም ኪፈርዩ ዝኽእሉ። ኣብዚ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ደቅና ምስ ፈጣሪኦም ዝህልዎም ናይ ኣቦን ውሉድን ዝምድና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ቀሌመንጦስ ዝበሎንሕሙም ሓኪም፥ መገዲ ንዝጠፈኦ ሓባሪ፥ ዓይነ ስዉር ምርኣይ፥ ጽሙእ ማይ፥ ምዉት ሕይወት፥ ኣባጊዕ ጓሳ፥ ውሉድ ወላዲ ይደሊ፥ ኩሉ ወዲ ሰብ ድማ ክርስቶስ የድልዮ።ወዲ ሰብ: እግዚኣብሔር ጥራይ ዚመልኦ: ሓደ ውሽጣዊ ሃጓፍ ኣሎዎ: ሕይወት ትርጉም ዝህልዎ እዚ ሃጓፍዚ ምልኣት ምስ ዝረክብ እዩ። ቤተክርስቲያን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ክንደይ ዝኣኽሉ መነኮሳት (ናይ ጽባሕ ጳጳሳት) ክንደይ ካህናት፥ ክንደይ ዲያቆናት፥ ክንደይ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣገልግሎት ኮይኖም ዘገልግሉ ምእመናን፥ ክንደይ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ኣትዮም ስለ ቤተክርስቲያኖምን ሕዝቦምን ዝጣበቑ ፍትሓውያንን፥ ውፉያትን ምእመናን ኪፈርዩ ከምእትደሊ ኣቐዲማ ኪትዕልም ይግብኣ። ዕላማ ምስተቐመጠ ንዕኡ ዘዐውት ስርዓተ ትምህርቲ (Curriculum or lesson plans) ይቕረጽ። በብግዜኡ ዘጋጥም ጸገማት እንዳተገምገመ ድማ ውጺእት ዝርከቦ ምትዕራርራይ ይግበር።

ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዓብዪ ጻዕሪ ኣካይዳ፥ ተዓዊታትሉ ድማ። ሓደ ካብቲ ንሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ (1876 – 1951) ናይ ቅድስና ማዓርግ ኪውሃብ ዝበቕዓሉ፥ ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ኦርቶዶክሳዊ ትሕዝቶን ኣካይዳን ኪህልዎ ዝገበሮ ከቢድ ጻዕሪ እዩ። ሎሚ በብደረጅኡን ዕድመን ዝተኸፋፈለ ስርዓተ ትምህርቲ ስለዘሎ፥ ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝሓለፈ ዘበለ ኩሉ ሓደ ዝዓይነቱን፥ ሓያል ፍቕሪ ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያኑን ዘሎዎ፥ ኣቦታቱ ዘኽብር ወለዶ ስለዘሎዎም ናይ ተካእቲ ኣገልገልቲ ጸገም የብሎምን። ብምዃኑውን ሓድነታ ዝሓለወት ሓያል ቤተ ክርስቲያን ወኒኖም፡ ንዓና ነዞም ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ምድሪ ሓበሻ ኣርኣያን ጸግዕን ኮይኖምና ይርከቡ ኣሎዉ። ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሽግር ህሉው ወለዶ ፈቲሓ፥ ናይ ዝመጽእ ወለዶ ኪትሓስብን በቲ ዝርድኦ ቋንቛን ተክኖሎጂን ብኸመይ ብብቕዓት ከምእተገልግሎ ኣብ ምጽዓርን ትርከብ።

2. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓበሻ ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ክልተ ጫፍ ዝኸደ መርገጺታት ኣዕናዊ እዩ።

ምስ መበቆል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብዝተሓሓዘ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓበሻ ክልተ ጫፍ ዝኸደ መርገጺታት ስለዝነበረን ዘሎን፥ ማለት ብሓደ ወገን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ናትና ስለዘይኮነ ኣየድልየናን እዩ ዝብሉ ኪህልዉ ከሎዉ፥ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ቀዲሕካ ከምዘሎዎ ኪትግበር ኣሎዎ ዝብል ልቦና ዝጎደሎ መርገጺ ብምህላዉ እዩ። እዚ ክልቴኡ ጫፍ ዝወጸ መርገጺታት ንቤተ ክርስቲያን ስለዘየርብሕ ደው ኪብል ይግባእ። መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብሕይወት እንዳሃለዉ ተካኢ ንኡስ ወለዶ ዘፍርይሉ፥ ንኡስ ወለዶውን ናይ ክልተ ሽሕ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያኑ ፈሊጡን ተረዲኡን ኪኖ እዋናዊ ድኻምን ውድቀትን ኪጥምቱ የድሊ። ከምቲ ቅዱስ ቆጵርያኖስ ዝበሎንቤተክርስትያን ከም ኣዲኡ ዘይቅበላ: ንእግዚኣብሔር ከም ኣቦኡ ክሓስቦ ኣይክእልን እዩ

ልቢ ንዘሎዎ ኩሉ፥ ሎሚ ቆርበት ፍሒቖም ብራናታት ዘፍርዩ፥ ከምቶም ለሚኖምን ዓቢቖምን፥ ምሉእ ዕድመኦም ፈቖዶ ገዳማት ኮለል እንዳበሉ ዝምሃሩ ኣቦታት ክንረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እዚ ሓቅዚ ተቐቢልና ንህሉውን ንዝመጽእን ወለዶ ዘገልግሉ ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከነፍሪ ንኽእል ኢልካ ምሕሳብን ምምርማርን ይግባእ። ጽባሕ ናይ ወለዶታት ምብታኽ ዝፈጥር ሃጓፍ ብሃንደበት መጺኡ፥ ንቤተ ክርስቲያን ውላድ መኻን ከይገበራ ከሎ ክንበራበር የድሊ።

ኣብዚ ንነብረሉ ዘሎና ሃገራት ምዕራብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝትክእ ወለዶ ስለዝሰኣና ናብ ሚዝየምን መስጊድን ኪቕየራ ኣብ ዓይንና ንርእይ ኣሎና። ኣብ ዓድና ሕግን ስርዓትን ስለዝሓረመና፥ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ጠበንጃ ኪሕንገጡን ብእኡ ኣቢሎም ካብ ቤተ ክርስቲያን ይርሕቑ ስለዘሎዉ ዘገልግለን ዝስኣና ዓድታት ሓያለ እየን። እዚ ኩነታት እዚ ኣጸቢቑ ከተሓሳስበና ይግባእ።

ንኡስ ወለዶ፥ ናይ ክልተ ሽሕ ዓመታት ታሪኽ እትውንን፥ ኣብ ትምህርትን ትውፊትን ሓዋርያትን ተካእቶምን ዝተሰረተት፥ ተሐብን እምበር ተሕፍር ቤተ ክርስቲያን ከምዘይብሎም ኪፈልጡ መጻሕፍቲ ከገላብጡን ኪመራመሩን ይግባእ። ኦርቶዶክሳውያን ክልተ መጻሕፍ ቅዱስ እዩ ዘሎና ዝብል ብሂል ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ቅዱስ ጽሑፍ እዩ፥ መተካእታ ዘይብሉ መሰረት ቤተ ክርስቲያን እዩ። እቲ ካልኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሕይወትን ትምህርትን ቅዱሳት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ታሪኽካን ኣቦታትካን ምስትፈልጥ፥ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን ምኻንካ ትሕበን እምበር ኣይተሓፍርን ኢኻ። ውሑዳት ተልእኾኦም ዝረስዑ፥ ካብ ንሰማያዊ ንጉስ ንምድራዊ ንጉስ ዝግዝኡ፥ ነቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ዘይመስሉ ውሉደ ክህነት ነቲ ሓቀኛ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ኣይውክሉን እዮም። በዚኦም ንቤተ ክርስቲያንና ኣይንለክዓያ።

3. እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ዝብል ቅዱስ መርሆ፥ ኣብ ናይ ሓበሻ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣይትግበርን እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣብ መንጎ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን፥ ናይ ሓበሻ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ፥ ዝምድና መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን እዩ። ኣብ ናይ ሓበሻ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝመጸ መንግስቲ ንቤተ ክርስቲያን ከም መሳርሒ ኪጥቀመላ ኪደሊ ከሎ፥ ሰማያዊ ተልእኾኦም ዘኪሮም ቤተ ክርስቲያኖም ካብ ዓለማዊ ኢድ ምትእትታው ዝሕልዉ ውሑዳት እዮም። ኣብ መጨረሻ ድማ ግዳይ ማእሰርትን ሞትን እዮም። እቲ ዝበዝሐ ውሉደ ክህነትዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጽሓይናዝብል እዩ። እዚ ሓቅዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዘመንና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ሰማእትነት ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብምርኣይ ኪግለጽ ይኽእል።

ቤተ ክርስቲያን ከም ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ፥ ሕጊ ፈረሰ፥ ፍትሒ ጎደለ፥ ድኻ ተበደለ ብምባል ጸግዒ እቲ ውጹዕ ኮይና፥ ናይ ሞራል ብሶላ (ኮምፓስ) ሕብረተሰብ ኪትከውን እዩ ዝግብኣ። ነዚ ኪትገብር ግድን ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ከተእቱ ኣየድልያን እዩ። እቲ ነእምሮ ዘብርህ፥ ንልቢ ዘንቕሕ፥ ንመንፈስ ዝምግብ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ ቃል እግዚኣብሔር፥ ሃዋርያዊ መሰረት ዘሎዎ ስርዓተ ኣምልኾኣን ብብቕዓትን ብጽፈትን፥ እዋኑ ዝሓለወ ጉስነት እንተፈጺማ ንሕብረተሰብ ናብ ቅኑዕ መገዲ ከተማእዝን ኢያ። ኣብ ዘይምልከታን ዘይሞያኣን ኣትያ ኣብ ፖለቲካ ኪትመራሳሕ እንተጀሚራ ግን፡ መጻወቲ ፖለቲከኛታት ካብ ምኻን ሓሊፉ ካልእ ረብሓ የብሉን። ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ደም እንዳኸፈለት እምነታን ስርዓታን ስለትሕሉ፡ ጽርየታን ነጻነታን ሓልያ ትርከብ። ብኣንጻሩ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓበሻ፥ ንኩናትን ደም ምፍሳስን መስቀሎም ዘርጊሖም ኪባርኹ፥ ካብ ውሉደ-ክህነት ንላዕሊ ካደረታት ናይ ዝመጸ ምድራዊ መንግስቲ ኮይኖም ኪትርእዮም ከሎኻ ትሓዝን። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1995 ዝኣወጆሃይማኖትን ፖለቲካን ነንበይኑ ምኻኑን፥ እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ኢዱ ከእቱ ከምዘይግባእን ባዕሉ ንባዕሉ ኣፍሪሱ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ዝፈጸሞ ግፍዒ ጽባሕ ኣብ ስንክሳር ተሰኒዱ ንውሉድ ወለዶ መምሃሪ ኪኸውን እዩ።

ካብ ምእሳር ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚርካ፥ ምምራጽ ዝደለይዎ ስማውን ዘይሕጋውን ፓትርያርክ፥ ከምኡውን ብጳጳሳት ዝተወገዙ፥ ብስም ዲያቆናት ካብ ህገራዊ ድሕነት ተልእኾ ተዋሂብዎም ኣብ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ወኪላትን ኣብ ነጻ ኤርትራ ኪፍጸም ዝሕለም ኣይነበረን፥ ግን ኮይኑ። እታ ቤተ ክርስቲያን ሓራ ኪትወጽእ እንተኾይና፥ እቲ ሕዝቢ ሓርነት ኪረክብ ኣሎዎ። ቤተ ክርስቲያን ኮነ ሕዝቢ ዝረብሕ፥ ብድምጺ ሕዝቢ ዝድይብን፥ እዋኑ ኣእኪሉ ዝወርድን ዲሞክራሳዊ መንግስቲ ምስ ዝትከል ጥራይ እዩ። ስንክሳር ናይ ቤተ ክርስቲያንና ብግልጺ ከምዘርእዮ፥ ደም ሰማዕታት ከም ማይ ዝፈስስ፥ ልዕሊ ሕጊ (ብሕዝቢ ተነዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም) ብዝኸዱ ነገስታትን ኮሚንስት ስርዓታትን እዩ።

እቲ ብድሆታት ጉስነት ንኡስ ወለዶን መፍትሒ ኪኸውን ዝኽእል እማመታትን ድሕሪ ምርኣይ፥ ብኸመይ ይተግበር?

ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ትንሳኤ፥ ምምሕዳራዊ ሓርነትን ብቑዕ ተካኢ ወለዶን ትረክብ ብትምህርቲ እዩ፥ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ። ብስሉስ ኩርናዕ ዝምሰል ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት፥ ትምህርቲ ንብምልእታ ስድራ ቤትን ትምህርቲ ንተካኢ ንኡስ ወለዶን።

ይቕጽል  | 1ይ ክፋል | 3ይ ክፋል መወዳእታን |

ብቀሺ ቴድሮስ ተስፋይ፥ ኤፍረም መብራህቱ፥ ተመስገን ኣስፍሃ፥ መምህር በረኸት ተስፋማርያም

ኣብ ስልጠና ውልደ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ: መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ (ብርሕቀት/ብርሑቅ) ዝቐረበ መባእታዊ ጽሑፍ

ጥቅምቲ 1-2, 2021

መወከሲታት: Chapter 12 A Multidimensional Understanding of Sunday School in the Coptic Orthodox Tradition by Michael Salib: https://doi.org/10.1163/9789004446564_014

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div