S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እስመ ነገረ መስቀሉሰ ዕበድ ውእቱ በኀበ ኅጉላን (1-ቆሮ-1/18)

ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና` እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።

ኣብቲ ቀንዲ ነገሩ ወይ ምስጢሩ ክንመጽእ ከሎና ድማ፣ ከምቲ ኣብ ኣርእስትና ተባሂሉ ዘሎ “-መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት`ዩ፣ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና፣ ኃይሊ ኣምላኽ`-” ብምባል` ሓዋርያ-ጳውሎስ ገሊጹዎ ዘሎ። ከመይሲ እቲ ዓለም እትጽበዮ ዝነበረት ናይ ድኅነት ተስፋ፣ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ` ፍጻሜ ክረክብ ዝኸኣለ። ነዚ ምስጢር` ንምግላጽ ከኣ` ሓዋርያ-ጳውሎስ፣ “-መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት`ዩ፣ ንዓና ነቶም እንኣምን ክርስቲያን ግና፣ ኃይሊ-ኣምላኽና `-” ብምባል ገሊጹዎ ዝርከብ።

ብዝተረፈ እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ከም-ዝብሉዎ፣ ብምኽንያት` ኣብ ገነት ዝተፈጸመ ምፍራስ-ሕጊ፣ ኣብ ዓለም ዝኣተወ ኃጢኣት ዕርቅን ስሬትን ክርከብ እንተደኣ ኮይኑ፣ ክኽፈል ዝግብኦ ናይ መሥዋዕቲ-ዋጋ ነይሩ`ዩ። “-እምበኣር ካብ` ዕዳ ኃጢኣት` ምእንቲ ከድኅነና፣ ንገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ-” በዚ ኣብ መስቀል ዝተኸፍለ ናይ ደም ዋጋ ከኣ፣ ንሕና እቶም ኣብ ትሕቲ ባርነት ኃጢኣት ተታሒዝና እንርከብ ዝነበርና ደቂ-ሰብ፣ ዕርቅን ሰላምን ክንረክብ ዝኸኣልና፣ ብምባል` ሓዋርያ-ጳውሎስ ገሊጹዎ ዘሎ። (ገላ-1/4)

እዚ ስለ-ዝኾነ ድማ ኢና ዘንትዕለት፣ “-መስቀል ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል ቤዛነ-! መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ-!-” እናበልና፣ ነቲ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ ዝተፈጸመልና ግብሪ ምድኀን ብምስትንታን፣ ወትሩ ኣብ ጽላት ልብና ቀሪጽናዮ እንርከብ። ከመይሲ መስቀልን እቲ ናይ ድኅነት ምስጢርን፣ ክፈላለዩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ብተወሳኺ`ውን ሓዋርያ-ጳውሎስ “-ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት፣ ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ። ንክልቲኦም ሓደ ብምግባር ድማ፣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም-“ ምባሉ፣ ንዕኡ ነቲ ድንቂ ዝኾነ፣ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ`ውን ዝተፈጸመ፣ ናይ ድኅነት ምስጢር` ዝምህረና ዘሎ። (ኤፌ-2/16)

ስለዚ እቲ ብመስቀል ኣቢሉ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ፣ ናይ ኣምላኽ ግብሪ ምድኃን፣ ንሕና እቶም ደቂ-ሰብ እንበሃል ዕርቅን ሰላምን ምእንቲ ክንረክብ፣ ዝተኸፍለልና ናይ ደም ዋጋ እዩ`ሞ፣ ነቲ እቲ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለልና ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ኣመስገንቲ ኴንና ክንርከብ ዘሎና ሓላፍነት ክንዝንግዕ ኣይግባእን። የግዳስ ንሕና ከም ንሕና መጠን፣ ኣብ ክርስትና ነዊሕ ሱር ዘለዎ ታሪኽ፣ ዘሎና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ብመንጽር` ሕጂ ኣብዚ እዋናት` ዘሎ ህልው ኩነታትና ክንርአ ከሎና ግና፣ ምስ ክርስትና ነዊሕ ምፍላጥ ዘሎና ሕዝቢ መሲልና፣ ንርአ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፣ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኮይኑ ይርከብ ከም-ዘሎ፣ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር` ክበሃል ይከኣል። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከኣ፣ያድኅነነ እመዓቱ ይሰውረነ በምሕረቱ፣ በእንተ-ማርያም ወላዲቱ-” እናተባህለ` ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ፣ ክዂሕኳሕ ዝግብኦ ዝነበረ። ንሕና  ከም ሕዝቢ ግና፣ ንቤት-ኣምላኽ ግዜ ዘሎና መሲልና ኣይንርአን ዘሎና። ከመይሲ ደቂ-80 ዓመት ዝኾኑ ኣባ-ሓጎታት፣ ጠመንጃ ክስከሙ ዝግደዱላ ሃገር` ዘላትና። ሕዝብና ከኣ ሰላም ካብ ዝርሕቆ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። ዝተወልደ ቈልዓ `ውን ንስደት ኣቢሉ ከምርሕ` ዝርከብ ዘሎ። በዚ ድማ ኣብ ሃገርና፣ ንቡር ዝኾነ ሕይወት ኣሎ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ ንሕና ንፈልጥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን ይፈልጥ`ዩ። ከመይሲ ሕዝብና ዘይነጠቦ ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እምበኣር ኣብዚ ሰዓት` ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ከምቲ ኣብ መጽሓፈ-መቃብያን “-በታ መዓልቲ እቲኣ ጾይሞም ወዓሉ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ብጓሂ ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ-” ተባሂሉ ዘሎ። ንሕና`ውን ነዚ መንገዲ` ተኸቲልና ደኣ፣ እግዚኦ-!! ኢልና ክንምህለል ምተገበኣና እምበር፣ ንቡር ዝኾነ ሕይወት ንመርሕ ከም-ዘሎና መሲልና ወዛሕዛሕ ክንብል፣ ከጸብቐልና ዝኽእል`ውን ኣይኮነን። ከመይሲ እናሞተ ዝስሕቕ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ንሕና ግና ብኣንጻሩ ሃገር ደሓን ኣሎ ከም-ዝተባህለ፣ ምስ ከበሮን ጓይላን` እቲ ሕይወትና ተቘራንዩ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ከኣ ኢና ዓለም ብኣግራሞት ዝጥምተና ሕዝቢ ኴንና እንርከብ ዘሎና። ከም መሸላ እናሓረርካ ምስሓቕ ዝበሃል ድማ፣ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስጊንጢር ዝኾነ ሕዝቢ፣ እናሞተ ከሎ ዝስሕቕ ኮይኑ ክርከብ ከሎ እዩ። (1 መቃ-3/47)

ብዝተረፈ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና ውድቀት ክብጻሕ ከሎ፣ ቤተ-ክርስቲያን ደወላ ከተስምዕ፣ ትጽቢት ክግበረላ ዘይግባእ ኣይነበረን። ከመይሲ እዚ ሓላፍነት`ዚ፣ ንዕኣ ነታ ቅድስቲ ቤት` ዝምልከት ነይሩ። ይኹን እምበር እታ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ናብቲ ሕዝቢ ክትበጽሕ ወይ ምስቲ ሕዝቢ ክትራኸብ፣ ዝፍቀዳ ኮይና ኣይትርአን ዘላ። ስለዚ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኮነት እቲ ሕዝቢ፣ ንክዛረቡ ዝፍቀዶም ኮይኖም ኣይርከቡን ዘለዉ ማለት`ዩ። እዚ ከኣ እንዳሞትካ ከሎኻ ንሞት ምፍራህ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ኣብ ክሳድካ ዝተቐመጠ ኣርዑት ባርነት ንምስባር፣ ናይ ማንም ፍቓድ ምጽባይ ዘድሊ ኮይኑ ክርከብ ኣይምተገብአን።

ከመይሲ ሕዝቢ-ህንዲ ኣብ ክሳዶም ተቐሚጡ ዝነበረ፣ ናይ እንግሊዛውያን ኣርዑት-ባርነት ክሰብሩ፣ ኲናት ክእውጁን ደም ከፍስሱን ኣየድለዮምን። የግዳስ ኣብ ቤቶም ተቐሚጦም “-እምቢ-” ክብሉ ጥራይ` ዘድልዮም ዝነበረ። እምቢ ንባርነት ክብሉ ብምኽኣሎም ምኽንያት ድማ፣ ድሕሪ ነዊሕ ዝኾነ ዘመናት፣ እቶም ዘይከኣሉ ዝመስሉ ዝነበሩ እንግሊዛውያን፣ ጉዓዞም ጠቕሊሎም ክወጹ ከም-ዝተገደዱ` እቲ ታሪኽ ዝዛረብ። እቲ ብማህተማ-ጋንዲ ዝተመርሐ ቃልሲ ሕዝቢ-ህንዲ ግና፣ ጥይት ምትኳስን ደም ምፍሳስን ከየድለዮ፣ ኣርዑት ባርነቱ ሰይሩ ነፃ-ሕዝቢ ክኸውን፣ ክዓግቶ ዝኽእል ኃይሊ ኣይተረኽበን።

እዚ ግሩም ዝኾነ ታሪኽ` ከኣ፣ ንዓና ወይ ንከም ሕዝብና ዝኣመሰለ፣ ኣብ ኣርዑት-ጭቆና ተቘሪኑ ዝርከብ  ሕዝቢ፣ ናይ መንቃሕቲ ደወል ኮይኑዎ ክርከብ` ዝግባእ ዝነበረ። ከመይሲ መሰሉ ተገፊፉ ኣብ ኣርዑት ተቘሪኑ፣ እናተረግጸ ክነብር ዝመርጽ ሕዝቢ ክህሉ ቅቡል` ዝበሃል ኣይኮነን። ሕዝብና ግና ነቲ ግፍዕን ውርደትን፣ ንቡርን ቅቡልን ኢሉ ዝተቐበሎ ክሳብ ዝመስል፣ ነቲ ኣብ ክሳዱ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጭቆና-ኣርዑት፣ ተሰኪሙ ክነብር ዝለመዶ መሲሉ` ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ` እምበኣርከስ ብማዕዶ ንዝርእየና ኩሉ፣ እነገርም ሕዝቢ ኴንና እንርከብ ዘሎና።

ርግጽ` ሕጂ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ በዓለ-ፋሲካ ኢና ንርከብ ዘሎና። ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ ግና፣ ተሓጒስናን ባህ ኢሉናን እነብዕሎ በዓል የብልናን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክንብሎ ዝጸንናሕና ኩሉ ግና፣ ሕጂ`ውን ከምቲ “-በታ መዓልቲ እቲኣ ጾይሞም ወዓሉ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣብ ኣራእሶም ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ብጓሂ`ውን ክዳውንቶም ቀደዱ-” ብምባል ተጻሒፉ ዘሎ።  ሕጂ`ውን ንሕና “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ  ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን እዩ-” ብምባል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪብና እግዚኦ-!! ኢልና ንብዓት እናፍሰስና ካብ ምእዋይ ሓሊፍና፣ ካልእ ክንገብሮ ዝግበኣና ኣማራጺ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ “-ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ-“ ከም-ዝበሃል፣ ኩሉ ዝነበረና ትዕግስትን ተጻዋርነትን ተጸንቂቑ፣ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ ንርከብ ምህላውና፣ ክስቈረና ዘይምኽኣሉ ድማ፣ ክንደይ` እነገርም ሕዝቢ ምዃንና ኢና እነርኢ ዘሎና። (1መቃ- 3/46-51)

ብዝተረፈ ንድሕሪት ኣቢልና ብምምላስ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ-ሃገርና ኩሉ እንተረአና፣ ንሕዝብና ማእከል ኮይና ከተራኽቦ ዝጸንሐት፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ` እንተበልና፣ ዘይሓቂ ተዛሪብኩም ተባሂልና ከይንውቀስ ዘሰክፈና ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ዝሓለፈ ታሪኻትና ኩሉ ነዚ ሓቂዚ` ዘረጋግጸልና። ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን ግና፣ እታ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ኣካል እዛ ሃገር ከም ምዃና መጠን፣ ንዕኣ`ውን እቲ ዘሎ ሕሰምን መከራን ተሪፉላ` ማለት ኣይኮነን። ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ከኣ፣ ናይቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ዕላማ ኮይና፣ ከም ሕሱም ክትርገጽ ዝጸንሐትን ሕጂ`ውን ትርገጽ ዘላን፣ ንሳ እዛ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ፣ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ እያ።

ስለ-ዝኾነ`ውን ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ኣትሒዛ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ ስለ-ዝርከብ፣ ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ፣ ናብ ዝጎተቱዋ ተሳሒባ እትኸይድ ካብ እትኸውን፣ደጊምሲ ሠላሳ ዓመት ሓሊፉዋ`ዩ። ይኹን እምበር ብማዕዶ ኮይኑ ንዝርእያ፣ ነፃነት ዘለዋ መሲላ ክትርአ ጸኒሓ`ያ፣ ግዳስ እቲ ነገር ገና ብንግሆኡ ክጅመር ከሎ፣ ብናይቲ ሥርዓት ፖለቲካዊ ሰንሰለት ተኣሲራ ዝተወልደት ደኣምበር፣ ነፃ ኮይና ክትንቀሳቐስ ዘፍቅድ መሰል፣ ዝነበራ ቤተ-ክርስቲያን ኣይነበረትን። ምስቲ ነፃነት ዝበሃል`ውን ዘፋልጥ ዕድል ረኺባ እትበሃል ኣይኮነትን።

የግዳስ ነዚ ዝተባህለ ናይ ፖለቲካ ተጽዕኖ ንዘይምቕባል፣ ብወገን እቲ ውሉደ-ክህነት በብግዚኡ ዝግበር ተቓውሞታት ነይሩ`ዩ። ከም ሳዕቤኑ`ውን ብቐጻሊ ብዙሓት መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን፣ ግዳይ መቑሕን ማእሰርትን ክኾኑ ምጽንሖም ዝፍለጥ`ዩ። ሕጂ ኣብዚ እዋን` እውን፣ ኣብተን ፈቐዶ ኩርናዕ እታ ሃገር፣ ኣስፋሕፊሐን ዝርከባ ዘለዋ ኣብያተ-ማእሰርቲ፣ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኮይኖም ስቓይ እናተቐበሉ ዝርከቡ ዘለዉ ውሉደ-ክህነት፣ እቲ ብዝሖም ማንም ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ እዩ። የግዳስ ንሱ እዚ ሥርዓት`ዚ፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘለዎ ጽልኢ፣ ሡር ሰዲዱ ዝወዓለን ዝሓደረን ደኣምበር፣ ሕጂ ዝጀመረ` ዝበሃል ኣይኮነን።

ከመይሲ ንሳ እዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ፣ መንፈሳዊ-ኮለጅ ከተሕንፅ ካብ ዝነበራ ባህጊ፣ ብመንገዲ እቲ World vison International ዝተባህለ ገባር-ሠናይ ኣቢላ፣ ሓገዝ ሓቲታ ከም-ዝነበረት ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ዘቕረበቶ ሕቶ እወንታዊ መልሲ ስለ-ዝረኽበ ከኣ፣ ኮለጃ ንከተሕንፅ ዘኽእላ ፍቓድ ክወሃባ ክትሓትት ግድን` ነይሩ። እቲ ዝተዋህባ መልሲ ግና ዘስደምም` ዝነበረ። ከመይሲ ቤት-ትምህርቲ ኣበይ ክሕነጽ ከም-ዘለዎ፣ ዝውስን መንግሥቲ ስለ-ዝኾነ፣ እዚ ቤት-ትምህርቲ` ከኣ ኣብሞጎሎእዩ ክሕነፅ ዘለዎ ዝብል መልሲ` ዝተዋህባ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ሕዝቢ ሞጎሎን ግና፣ ብኹሉ ሸነኻቱ እንተ-ተራእየ`ውን፣ ዝኾነ ምፍላጥ ነይሩዎም ወይ ኣለዎም ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

የግዳስ እቲ ንሳቶም ማለት እቶም ሰብ-ፖለቲካ፣ ንዕኦም ከም-ዘገልግል ገይሮም ባዕላቶም፣ ጠፍጢፎም ዝሠርሑዎ መንበረ-ጵጵስና ግና፣ ዋላ ሓንቲ ክብል` ኣይተሰምዐን። ስለዚ ንሳ እታ ዋና ነይሩዋ ዘይትበሃል ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ እቲ 334.140.72 ብር ወጻኢ ብምግባር ባዕላ ዘሕነጸቶ ቤት-ትምህርቲ፣ ክሳብ ምድሪ-ናራ ተጓዒዛ መታሕት ብምውራድ፣ ኣረኪባቶ ክትምለስ` ግድነት ዝኾና። እቲ መሪቑ ከም-ዝኸፍቶ ዝተገብረ ከኣ፣ እቲ ሙስጣፋ ኑር-ሑሴን ዝበሃል ዝነበረ ኣማሓዳሪ ደኣምበር፣ ተወካሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ`ውን ኣብኡ ክርከብ ኣይተደልየን። ንምንባር እንተደኣ ኮይኑ ግና፣ መምህር ይስሓቅ ዮሴፍ ነቲ ቤት-ትምህርቲ ንመንግሥቲ ከረክቡ ስለ-ዝነበሮም፣ ኣብኡ ክርከቡ ከለዉ፣  ንሱ እቲ ናይዚ ጽሑፍ ` ጸሓፊ`ውን፣  ነቲ ዜና ንኽምዝግብ ተባሂሉ ኣብኡ ተረኺቡ ነይሩ`ዩ። እዚ ኩሉ ዝኾነ ድማ ኣብ መከረም 1989 / (1997) ምዃኑ` ዝፍለጥ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከኣ መፍትሕ ኣረኪባ ካብ ምምላስ ሓሊፋ፣ ካልእ ክትገብሮ እትኽእል ኣማራጺ ኣይነበራን።

ስለዚ እቶም ሰብ ፖለቲካ፣ እቲ ነዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ኣዳኺምካ፣ ካብ መድረኽ ንምእላይ ዝነበሮም መደብ፣ ዝወዓለ ዝሓደረ ደኣምበር ሕጂ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ከም-ዘይኮነ ምፍላጡ ኣገዳሲ`ዩ። ናይ` ኩሉ` እኩብ ድምር ከኣ`ዩ፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ከም-ዝወርዱን፣ ናብ መቑሕ ከም-ዝኣትዉን ዝተገብረ። በዚ ኣቢሎም ከኣ`ዮም እቶም ፓትርያርክ ተደፊኦም ንመቓብር ከም-ዝወርዱ`ውን ዝተገብረ። ይኹን እምበር ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ብምኻዶም ምኽንያት ግና፣ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎን ዝነበረን ጸገም፣ ተወዲኡ` ማለት ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ከመይሲ እቲ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፣ ገና ኣብ ክሳድ` ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኑ ክሳብ ዝሃለወ፣ እቲ ዘሎ ጸገም ተፈቲሑ` ኢልና ክንዛነ፣ ዝቕበል ሕልና ክህልወና  ኣይግባእን።

ብዝተረፈ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ብመንገዲ ኣባ-ሉቃስ ኣቢሎም፣ ኣብ 1994 / (2006) ኣብ ኣሜሪካ መጺኦም ዝዘርኡዎ እሾኽ፣ እንሆ ከም ትምኒቶም ዓምቢቡን ፈርዩን፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከም ዘራጊቶ ንፋስ ክብትኖ ካብ ዝርከብ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ።  ሓዋርያ-ጳውሎስ ግና ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ኣዕናዊ ተግባር ክምህር ከሎ “-ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ-ጸልማት ዝገብሩ ሰባት፣ ኣቃልዑዎም እምበር ምስኣቶም ኅብረት ኣይሃሉኹም-” ከም-ዝበለ ኢና ነንብብ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ`ውን ነዚ ዝተባህለ ናይ ሓሶት መርዚ፣ ካብ ሱሩ መንቊስና ኣብ ምድርባዩ ትዂረት ጌርና ክንሠርሕ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕዮ ገዛ ኮይኑ፣ ይጽበየና ከም ዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። (ኤፌ-5/11)

ነዚ ኣባ-ሉቃስ ኮነ ኢሎም ዝዘርእዎ “-ተሃድሶ-” ዝብል ናይ ምፍልላይ መንፈስ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ናይ እግሪ ረመጽ ኮይኑ፣ ብቐጻሊ ክሳቕያ ይርከብ ስለ ዘሎ፣ ነዚ ፈላላዪ መርዚ` ካብ ሡሩ መንቊስና ክንድርብዮ ከይከኣልና ከኣ፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሰላም ክትረክብ፣ ትኽእል` ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ብሉኡካን ቤተ-ክርስቲያን ናብ ግብጺ ዝተገብረ መገሻ፣ ክግበር ዝግብኦ ዝነበረ ዓቢይ ኣገዳስነት ዝነበሮ` ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ኣባ-ሉቃስ ብዝዘርእዎ እሾኽ ምኽንያት፣ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዝጸንሐ ውሉደ-ክህነት፣ ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን፣ ብኅብረት ተጠርኒፉ ክቐርብ ስለ-ዝኸኣለ፣ ንብሥራት ኢልካ ክንገር ዝግብኦ ዓወት` ክበሃል ይከኣል።

እዚ ኩሉ` ግና ነቶም ሰብ ፖለቲካ፣ ቅሳነት ክህቦም ይኽእል` ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፣ ኢዶም እግሮም ኣኪቦም ክድቅሱልና ይኽእሉ`ዮም፣ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልወና ኣይግባእን። ከመይሲ እቲ ካብ 91 ኣትሒዙ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት፣ በቲ ዝግበር ዘሎ ኩሉ ድቃስ ክወስዶ ይኽእል` ኢልና ክንዘናጋዕ ኣይግባእን። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ብግልጺ ይርአ ከም-ዘሎ ድማ፣ እቲ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ናይቲ ሥርዓት ኣምባሳደር፣ ብድሕሪ ዕረፍቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ናብቲ ናይ እስክንድርያ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ኣዘውቲሩ ክመላለስ ጀሚሩ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ`ውን፣ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን።

ስለ` እቲ ንሕና ሒዝናዮ ዘሎና መስመር፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ ቀኖናዊ ከም-ምዃኑ መጠን፣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ውክልና ዘለዎ`ውን፣ ንሱ እዚ መንበር` ደኣምበር፣ እቲ ኣብ ኣሥመራ መጋበርያ-ፖለቲካ ኮይኑ፣  ዝርከብ ዘሎ መንበር ከም-ዘይኮነ፣ ኣትሪርና ናይ ምርዳእን ምምጓትን ሓላፍነት፣ ንዓና ነቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንማንም ካልእ ይምልከቶ` ዝበሃል ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ግብጺ ዝተገብረ መገሻ`ውን፣ ምስ` ዝበሃል ዘሎ ኣርእስቲ ብምትሕሓዝ፣ ዝተገብረ ምዃኑ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። 

ይኹን እምበር እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ናብቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሥርዓትን፣ ናብቶም መለካውያን-ጳጳሳትን ክልእኩ ኢሎም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፣ ቅሳነት ክህበና ዝኽእል ስለ-ዘይኮነ፣ እቶም ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ድቃስ ዘይወስዶም ዘበሉ ኩሎም፣ ብዓቢይ ትዂረት እናተኸታተሉዎ ይርከቡ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ከመይሲ ዝኾነ ነገር ዘድምዕን ዘየድምዕን ከም ኣተሓሕዛ ዋንኡ ስለ-ዝኾነ፣ እዚ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ድማ፣ ውሳኔ ካልኦት እንጽበየሉ ጉዳይ ኮይኑ ክርከብ ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ዓደቦና “-ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ፣ ዕርፊ ኣጽንዕ-” ዝብሉዎ፣ ንሕና ድማ መሰልናን ግቡእናን ስለ-ንፈልጥ፣ ብመልክዕ-ትኳቦ ካብ ካይሮ ክወሃበና እንጽበዮ፣ ዝኾነ ነገር ኣሎና በሃልቲ ኴንና ክንርከብ ኣይግባእን።

ስለዚ ጉዳይና ኣብ ኢድና` ዘሎ፣ ኣጽኒዕና ናይ ምሓዙ ጉዳይ ከኣ ንዓና እምበር፣ ንማንም ካልእ ኣካል ይምልከቶ` ዝበሃል ኣይኮነን። ካብቲ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ኣቕዋም ወጻኢ ከኣ፣ ደፊኡ ኮነ ስሒቡ ከንቀሳቕሰና ዝኽእል ኃይሊ ይህሉ` ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ንዕረፍቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ምኽንያት ብምግባር፣ ካብ ካይሮ ናብቶም መለካውያን ጳጳሳትን፣ ናብቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሥርዓትን ዝተላእከ፣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ፣ ብኹሉ መኣዝኑ ገምጢልና ገማጢልና እንተረአናዮ`ውን፣ እቲ ቋንቋ ምርድኡ ከቢዱና ምህላዉ ግልጺ`ዩ። ከመይሲ ካብ ሥልጣኖም ስዒሮም፣ ክሳብ መቓብር ደፊኦም ንዘውረዱዎም ኣካላት፣ ጽንዓት ይሃብኩም ምባልከ እንታይ ትርጉም` ከስምዕ ዝኽእል-?!

እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ፣ ኣብ ዕለት 17/03/2022 ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ-ቴዎድሮስ ዝተራኽበ፣ ወገን` ቀኖናዊ-መንበር ዝኾነ ልኡኽ ቤተ-ክርስቲያን። ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ንቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ “-ሠማዕት ዘንበለ-ደም-” ብምባል ነቲ ብሕይወቶም ዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ፣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም-እትህብ ኣብዚ ጉባኤ` ተነጊሩዎ እዩ።  እቲ ዓቢይ መንበር ነዚ ውሳኔ` ክወስድ ምኽኣሉ`ውን ዘመስግኖ እዩ። ግዳስ ንሱ እዚ መንበር` ተገምጢሉ፣ ነቶም ብማእሰርትን ሞትን እቶም ፓትርያርክ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣካላት፣ ከም ሓዘንተኛታት ኣቐሚጡ ጽንዓት ይሃብኩም በሃሊ ኮይኑ ክርከብ ግና፣ ክትርድኦ እንተደለኻ`ውን ምርድኡ ዝከኣል ኮይኑ ኣይረአን ዘሎ።

ካብዚ ብምቕጻል`ውን ካልእ ዝሰዓበ መስተንክር ዝኾነ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ ዕለት 29/04/2022 በቲ ናይ ግብጺ መንበረ-ፓትርያርክ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ እዩ። ማለት ንሶም እቶም ናይ ግብጺ ፓትርያርክ፣ ካብ ፓትርያርክ ቄርሎስ ዝተላእከሎም መልእኽቲ ተቐቢሎም ዝብል መግለጺ እዩ። እዚ ከኣ ብወገን ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኴንካ ክርአ ከሎ፣ ከም ሓደ ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርካ ክውሰድ ዝግብኦ እዩ። ከመይሲ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ፣ ነቲ በቶም ፓርያርክ ማለት ኣቡነ-እንጦንዮስ፣ ተነቢሩ ዝነበረ ውግዘት ዝጻረር ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ እዩ። ስለዚ እቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዕና ኣሎና ብምባል፣ እቶም ምእንቲ ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፣ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ውሉደ-ክህነት ኩሎም፣ እቲ ሕጂ ብኣሉታ ክምዕብል ዝርአ ዘሎ ዝምድና፣ ኣብ ግምት ብምእታው ክግምገም ከሎ፣ ብንቕሓትን ብጽንዓትን ደው ክበሃለሉ ዝግብኦ ሰዓት ምዃኑ፣ ይጠፍኦም` ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝኾነ እዘን ሕጂ ካብ ወገን ኣሥመራ ተበጊሰን፣ ማዕጾ ግብጺ ክኩሕኩሓ ይርከባ ኣለዋ ዝበሃላ፣ ልእኽቲ`ቶም መለካውያን-ጳጳሳት ዝኾና ኢታይ። ነቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት እምበር፣ ነታ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዓ እትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ክውክላ፣ ወይ ወካሊት ኮይነን ክርከባ ከም-ዘይክእላ፣ ንኸነረድእ ወይ ንኽንምጉት ዘሎና ሓላፍነት ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ንዓና ከም-ዝመስለና ብግልጺ`ውን ይርአ ከም-ዘሎ፣ እዚ ጉዳይ` ከም መጠን ክብደቱን ኣገዳስነቱን፣ ኣብቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ ብዕቱብ` ተታሒዙ ዘሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ነቲ ኣብ 1998 / (2006) ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ሕጋዊ ስለ-ዘይኮነ እቲ ውሳኔ ተቐባልነት የብሉን ተባሂሉ፣ ብፓትርያርክ-ሺኖዳ ከም-ዝተነጽገ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ መሠረት ብምግባር ከኣ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን፣ ነቲ 4 ፓትርያርክነት ናይ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ኣፍልጦ ክትህቦ ኣይተራእየትን። ሕጂ እንታይ ሓዲሽ ነገር ስለ-ዝተረኽበ ደኣ`ዩ፣ ምስቲ ብኃይሊ-ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ዘሎ፣ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ መለካዊ-ሲኖዶስ ዝምድና ክሕደስ ዝድለ ዘሎ-?! ከም-ዝመስለና እዚ ሓዲሽ ኣከያይዳ`ዚ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንን፣ ከምኡ`ውን ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያንን ዝጸንሐ ዝምድና፣ ብኣሉታ ክጸልዎ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ፍታሕ ሒዙ ክመጽእ` ዝብል እምነት የብልናን።

ስለ` እዚ ጉዳይ` ገና ርሒቑ ከይከደ ከሎ፣ ንናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ጌጋ ይፍጸም ከም-ዘሎ ከነረድእ፣ ከቢድ ጻዕሪ ክሓትት ዝኽእል ዕማም ` ዝጽበየና ዘሎ። ብዝተረፈ ንሕና እንተደኣ ኴንና፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወይ ቀኖናዊ መሥመር ኢና ጸኒዕና ንርከብ ዘሎና። ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መለካዊ-መንበር፣ ክንራኸብ ዘየኽእለና ከኣ እዚ`ዩ። ኣቦታት ግብጻውያን ከኣ ነዚ ጉዳይ` ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ እዮም። ስለዚ ከኣ`ዮም እቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም፣ ቅዱስ ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ፣ ነቲ ኣብ 1998 / (2206 ዝተገብረ ዘይቀኖናዊ ሽመት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና ብምባል ክቃወሙዎ ዝተረኽቡ።

ሕጂ ግና እቲ ካብ ወገን ካይሮ ዝስማዕ ዘሎ ዜና፣ ነቲ ብመንበረ-ማርቆስ ተታሒዙ ዝጸንሐ ኣቕዋም፣ ዝጻረር ምዃኑ ግልጺ ኮይኑ` ዝርአ ዘሎ። እዚ ከኣ ዘይቀኖናዊ ስለ-ዝኾነ፣ ብኣና ወገን ተቐባልነት ክህልዎ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝተረፈ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፣ እቲ ፖለቲካ ተቘጻጺሩዋ ስለ-ዝርከብ፣ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸበባን መከራን` ትርከብ ዘላ። እቶም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ግብጺ ግና፣ ነቲ ሕጂ ዘለዋ ጸገም ክርድኡላ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ስለዚ ብታሪኽ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ተሓታትነት ነፃ ንምዃን፣ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክጥመት እንተ-ዝኽእል፣ ቅቡል ዝኾነ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ሓጋዚ ኮይኑ ክርከብ ምኸኣለ በሃልቲ ኢና። ካብዚ መሥመር` ወጻኢ ግና፣ ዝኾነ ካልእ ኣማራጺ ክርከብ ይኽእል` ዝብል እምነት የብልናን። 

ርግጽ` ኣብቲ ዝሓለፈ እዋናት ኩሉ፣ ብመጠን ክብደትን ኣገዳስነትን ናይ` ጉዳይ፣ ብወገን ግብጻውያን ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸኒሑ` ዝብል እምነት የብልናን። ብድሕሪ ሕልፈት`ቶም ቅዱስ ፓትርያርክ፣ ኣቡነ-ሺኖዳ ከሰክፉና ዝኽእሉ ነጸብራቓት ክረኣዩ ኣይጸንሑን ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ብዓይኒ ትዕዝብቲ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ክሳብ ክንድ` ጉልባቡ ቀሊዑ ይመጽእ`ዩ፣ ዝብል ግምት ግና ኣይጸንሓናን። እዚ ናይ ሕጂ “-ቀኖና-” ኣብ ግምት ዘየእተወ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ግና፣ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ርክብ ከበላሽዎ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ዝኾነ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል`ዩ፣ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፣ ሕጂ`ውን ገና ማይ ስለ-ዘይሓለፎ፣ ርግእ ኢልካ ብልቦና ክጥመት እንተ-ዝኽእል፣ ንምዕራይ እቲ ጉዳይ ሓጋዚ ኮይኑ ክርከብ ምኸኣለ በሃልቲ ኢና`ሞ፣ ዝሰምዕ እዝንን ዘስተውዕል ልቦናን ክንረክብ፣ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። -!!

                                           ክርስቶስ ተንሥ እሙታን

                                           በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

                                           ኣግኣዞ ለኣዳም ኣሰሮ ለሰይጣን

                                           እም-ይእዜሰ፣ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን; ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div