S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝወጸ መደብ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ነቶም ንልዕሊ 15 ዓመታት: ንሓዋርያዊ ሰንሰለትን፡ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ረጊጾም፥ ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ ማሕዩር ንኽኣትዉ ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ምስ ልዑል እግዚኣብሔርን፡ ምስ መንፈሳዊ ኣቦኦም ቅዱስ እንጦንዮስን፡ ዕርቂ ክገብሩ፡ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑን ኣሎን። ሕጂዉን: ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መሳርሒ ፖለቲካ ካብ ምዃን ነጻ ክትወጽእ፥ ብዘይ ጸቕቲ ፖለቲካን ኢድ ኣእታውነት መንግሥትን ብመንፈሳዊ ሕጊ ጥራይ ክትመሓደር ብዘይምሕላል ጻዉዒትና ነቕርብ።

እዞም ንባዕሎም ብዘይ ቀኖናዊ ኣቦ 16 ዓመታት ዘኽቲሞም፥ ንሕዝብን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶን ኣብ ምብትታን ኣብጺሖማ ዘለዉ ጳጳሳት ግና፡ ንኹሉ ሠናይ ምኽርን መንፈሳዊ  ጻውዒትን ሸለል ብምባል፡ ዘይሕጋዊ ኃምሻይ ፓትርያርክ ንምሻም፡ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ዝሕብር፡ ብሽም ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ወግዓዊ መግለጺ ብዕለት 30 መጋቢት 2013 .. (08/04/2021 ..) ኣዉጺኦም ኣለዉ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ እዞም ንርእሶም ብዘይ-ሕጊ ‘‘ቅዱስ ሲኖዶስ’’ ኢሎም ዝሰምዩ፡ ብፅዕናኦም፡ ብሥልጣን ቅድስት ሥላሴ፡ ብኣፍ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝተወገዙ ኣቦታት፡ እቲ ኂዘምዎ ዘለዉ መደብ፡ ሕጂውን እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ ዓመተ 2007 .. ፈ፡ ኣብ ሢመት ዘይሕጋዊ ራብዓይ ፓትርያርክ ዘጋጠመ፡ ንሉዓላዊነት ቤተክርስቲያን ዘፍርስ፡ ንሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝበትኽ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን ዝግህስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣሓት ኣብያተክርስቲያን መንበረ ቅዱስ ማርቆስን ቤተ ምስሪን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ኤርትራን ዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ዝጥሕስ፡ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ድማ ዘስዕብ፡ ሓደገኛ መደብ ብምዃኑ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ብትሪ ይቃወሞ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሕጂውን ከም ቀደሙ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ኢሉ ዝኣምነሉ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ተመሊሶም፡ እቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ብኽብሪ ምስ ዝሕሎ ጥራይ እዩ። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተግባር ውዒሉ፡ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ መንበረ ቅዱስ ማርቆስን ቅድስት ቤተክርስቲያንናን ምስ ዘይጠሓስን ጥራይ ድማ እዩ። ድኅነትን ሓድነትን ናይታ "ሓንቲ፡ ቅድስት፡ ጉባኤ ዘሐዋርያት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን" ክሕሎ ዝኽእል።

ብዝተረፈ፡ ብዓመጽን ብደገፍ ኃይሊ መንግሥትን ንዝሽየም ሰብ ከም ዘይንቕበሎን ከምቲ ኣታ ዝዘመተካ ዘይብልካ እትዘምት፥ ኣታ ዝጠለመካ ዘይብልካ እትጠልም ወይልኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ኪጠልሙኻ እዮምዝብል እተጻሕፈ” (ኢሳ 33 1) እቲ ዕንወት ከይበኣሰ ከሎ፡ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ናብታ ቅድስት መንበሮም ብኽብሪ ክምለሱ መንፈሳዊ ጻዉዒትና ነቕርብ። ካብዚ ወጻኢ ዝኽየድ መገድን ዝውሰድ ስጕምትን ግን ስዑርን ውጉዝን ምዃኑ፡እትሰምዕ እዝኒ ንዘላቶ ኩሉ ኣቐዲምና ሓላፍነታዊ መልእኽትና ነስምዕ ኣሎና” (ራዮሓ 2 7)

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን 

19 ሚያዝያ 2021 . ( 11 ሚያዝያ ፳፻፲፫ . ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div