S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ንቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ሓደ ብመራኸቢ ብዙኃን ኣቢሉ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ቀንዩ’ዩ። እዚ ዝተባህለ ጽሑፍ “-ምንቅስቓስ-ፈንቅል-” ብዝብል ስም ዝፍለጡ ጉጅለ ዝዘርግሑዎ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ስለ-ዝኾነ’ውን እዞም ዝተባህሉ ጉጅለ ኣብቲ “-ሕዝበ-ክርስቲያን መራሕቲ የድልዩዎ ኣለዉ-” ብምባል ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ። ብዙሕ ጥንቃቐ ዝጎደሎን መስመሩ ዝሰሓተን ቃላት፥ ተጠቒሞም ኣለዉ ክበሃል ይከኣል። ይኹን እምበር እቲ ዝቐርብ ጽሑፋት ግና፥ ብናይ ትራፊክ ሕጊ ከም-ዘይግዛእ መንገዲ፥ ሱቕ ኢልካ ጥሒስካዮ ክሕለፍ ይከኣል’ዩ፣ ዝብል እምነት የብልናን።

እዚ “-ሕዝበ-ክርስቲያን መራሕቲ የድልዩዎ ኣለዉ-” ብዝብል ኣርእስቲ፥ ዝተሓላለፈ መልእኽቲ ከም-ዘመልክቶ ግና። እዞም ዝተባህሉ ጉጅለ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብማዕዶ እምበር፥ ብቐረባ ዝፈልጡዋ ኮይኖም ኣይንርእዮምን ዘሎና። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ፥ ምስ ታሪኽን ክብርን ቅድስናን እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ክሳነ ዘይክእል ቃላት ተጠቒሞም፣ ብኸምቲ ኢሎሞ ዘለዉ ዘይሕብራ ሕብሪ ለኽዮም፥ ከካፍኡዋን ከጸልሙዋን ኣይምተሃንደዱን። እቲ በዞም ጉጅለ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ግና፥ ንምእራም ዘይኮነስ ንምክፋእን ንምንእኣስን ዝዓለመ ምንባሩ ግልጺ ኮይኑ ይርአ ስለ-ዘሎ። እዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ኣበሃህላ’ዚ፣ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ተጻዊሩዎ ክኸይድ ይኽእል’ዩ ኣይንብልን።

ስለዚ ከኣ’የ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓቂ፥ እንታይ ምዃኑ እቲ ሕዝቢ ክፈልጦ ብማለት። ብርዐይ ከልዕል ተበግሶ ዝገበርኩ። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብኃይሊ ፖለቲካ ተዓፊና ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ምዃና። ንሕና እቶም ደቃ ጥራይ ዘይኮንና፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 28-ዓመት ድማ፥ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቶም ደቂ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ግና፥ ተሸኒፎም ኢዶም ስለ-ዘይሃቡ፥ እቲ ቃልሲ ይቕጽል’ዩ ዘሎ። እዚ ምስቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፥ ብዙሕ ዋጋ ስለ-ዝሓትት ግና። ብቐዱ ካብቶም ኣቦ ማኅበረ-ምእመናን ዝኾኑ ፓትርያርክ ጀሚሩ፥ ብዙሓት መነኮሳትን ካህናትና’ውን ኣብ መቑሕ’ዮም ክበልዩ ዝርከቡ ዘለዉ። ግዳስ እዚ ዝኽፈል ዘሎ መሪር መሥዋዕትነት’ዚ። ነዞም “ምንቅስቓስ-ፈንቅል” ብምባል ዝፍለጡ ጉጅለ፥ ዘይረኣዮም እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ዝኾነ ቃንዛ፥ ንዋንኡ ደኣ’ዩ ድቃስ ዝኸልኦ ’ምበር፥ ነቲ ካልእሲ ኣይንታዩን’ዩ።

ብዝተረፈ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ መዘራረቢ ኣርእስቲ ክኸውን ካብ ዝጅምር፥ ሓጺር ግዜ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ማለት ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ንነፃነት ሃገር ተኸቲሉ እታ ቤተ-ክርስቲያን’ውን። እቲ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃን፥ ንከባቢ 1700-ዓመት ክትገብሮ ዝጸንሐት ጉዕዞ ኣብቂዑ። ርእሳ ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ኮይና ክትቀውም ስለ-ዝነበራ። ቅድሚ 28-ዓመት’ያ እቲ ጉዕዞ “ሀ” ኢላ ክትጅምሮ ዝኸኣለት።

እቲ ኩነታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ይርከብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ከኣ’ዩ። እቲ መንግሥቲ ነዚ ድኹም ጐኒ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም። ናብ መንበረ-ጵጵስና ሓደ ወግዓዊ-ደብዳቤ ክልእኽ ዝኸኣለ። ትሕዝቶ እቲ ደብዳቤ ድማ፥ እቲ መንግሥቲ ሓደ መራሒ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኸውን ሰብ ሽመት ሂቡ ከም-ዘቐመጠ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ። ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን ሕዝቢ-ተዋሕዶ ድማ፥ መንግሥቲ ብዝመዘዞ ሓደ ሰብ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም-እትምራሕ ተገይሩ። እቲ ዘይምሕጓስ’ዚ ምንም’ኳ ኣብ ብሙሉኡ እቲ ውሉደ-ክህነት እንተነበረ። ገለ ንምባል ዘኽእል ጥርናፈ ስለ-ዘይነበረ ግና። ተቓውሞ ንምግባር ዘኽእል ተበግሶ ክግበር ኣይተኻእለን።

ግዳስ እቲ ናይቲ መንግሥቲ ኢድ ምእታው ዘተሓሳሰቦም። ገለ ንቕሓት ነይሩዎም ዝበሃሉ  ውሉደ-ክህነት። ንቤተ-ክርስቲያን ክመርሕ ዝኽእል ሓደ ማእከልነት ክፍጠር፥ ኣብ ዝከኣለሉ ኣቢሎም ስለ-ዝተንቀሳቐሱ። ጊዚያዊ-ሲኖዶስ ብዝብል ስም፥ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ሓደ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኣካል ክቐውም ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ ኢድ እቲ መንግሥቲ፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝወጽእ ንምግባር ዝሓለነ’ዩ ነይሩ። ብቐሊል ክኸውን ዝኽእል ኮይኑ ግና ኣይተረኽበን። ከመይሲ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እቲ ሥርዓት ክትተሓዝ። ገና ብንግሁኡ ከሎ ኣብ በረኻ ተወዲኡን ተመዲቡን ዝመጸ’ዩ ነይሩ። ብዓቕሚ’ቲ ሽዕኡ ዝቖመ ግዚያዊ-ሲኖዶስ ከኣ፥ ነቲ መንግሥቲ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ደፊእካ ንምውጽኡ ዝከኣል ኣይነበረን።

ከመይሲ እቲ ግዚያዊ-ሲኖዶስ፥ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣቦ-መንበርነት እቲ ብመንግሥቲ ዝተመረጸ ሰብ ክኸውን ስለ-ዝተገብረ። ግዚያዊ-ሲኖዶስ ነቲ መድረኽ ክቈጻጸር ዘኽእሎ ባይታ ክረክብ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት’ዚ’ውን ሰብ-ሥልጣን እቲ መንግሥቲ፥ ዳርጋ ከም ኣካል እቲ መንበረ-ጵጵስና መሲሎም ክርኣዩ ክሳብ ዝኽእሉ። ብቐጻሊ ካብቲ ደምበ ዝፍለዩ ስለ-ዘይነበሩ። እቲ መንበረ-ጵጵስና ብኃይሊ-ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ደኣምበር፥ ነፃ ነይሩ ክበሃል ምስቲ ዝነበረ ሓቂ ክሳነ ዝኽእል ኣይኮነን።

እዚ ናይ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው’ዚ፥ ሓደ መወዳእታ ክግበረሉ ከይተኻእለ ከኣ። ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያንና ክቃናዕ ከም-ዘይክእል ስለ-ዝተኣምነ። እቲ ክግበር ዝነበሮ እንኮ ኣማራጺ። ቤተ-ክርስቲያን ክትምርሓሉ ዘለዋ ሕጊ፥ ከም-ዝቐውም ንምግባር ተበግሶ ምውሳድ እዩ ነይሩ። ከመይሲ ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ሕጊ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። በዚ መሠረት እዚ’ውን ኣብ 1988 ዓ/ም (1996) ገለ ግዱሳት ውሉደ-ክህነት ብዘካየዱዎ ዘይሕለል ጻዕሪ። ሕጊ ኣርቃቒ-ኮሚቴ ከም-ዝቐውም ኮይኑ።

እዚ ድማ ብሕጊ ዝግዛእ መንበረ-ጵጵስና ክህልወና ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ ስለ-ዝተኣምነ። እቲ ሕጊ ምቛም ከም ሓደ ዓቢይ ዓወት’ዩ ተወሲዱ ዝነበረ። ይኹን እምበር “-ፈውሲ ሓሞት ኢሎም ዝሓረዱዎስ ሓሞት ተሳእነ-” ከም-ዝበሃል። እቲ ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ እዋን ዝተገብረ ምርጫ-ፓትርያርክ። እቲ ሥርዓት ነቲ ሕጊ ረጊጹ፥ ንሱ ብዝደልዮ መልክዕ ከም-ዝፍጸም ስለ-ዝገበሮ። እቲ ሕጊ ገና ውልድ ክብል ከሎ’ዩ፥ ክመውት ዝተራእየ ክበሃል ይከኣል። ከም ሳዕቤን’ዚ ድማ እቲ መንበረ-ጵጵስና፥ ካብ ተጽዕኖ ፖለቲካ ነፃ ክኸውን ዘኽእሎ ዕድል፥ ክረክብ ከም-ዘይከኣለ’ዩ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ።

ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር ድማ። እቶም ሰብ ፖለቲካ ናብ ዝደለዩዎ መዓዝን ዝጠዋውዩዋ ደኣምበር። ህልውና ሓንቲ ብሕጊ ትምራሕ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክረጋገጽ ከም-ዘይከኣለ፥ እቲ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ 28-ዓመት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ’ዩ። ብግልጺ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝኾነ ፓትርያርክ ንላዕሊ። እቲ ትኽክል ዝኾነ ኣእምሮ ነይሩዎ ኢልካ ክግለጽ ዘይከኣል ናይዝጊ ክፍሉ። ክዕንድረሉ ዝጸንሐ ሜዳ ምዃኑ ዝሕባእ ምስጢር ኣይኮነን። ናይዝጊ ዘይዘለፎን ዘይደፈሮን ጳጳስ ኮነ ፓትርያርክ’ውን፥ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብጥቕልል ዝበለ ካብ ምቁጽጻር መንግሥቲ ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን፥ ትማሊ ኣይነበረትን ሕጂ’ውን ኣላ ክበሃል ከም-ዘይከኣል ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ’ዩ።

መወዳእታኡ ድማ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ክግበር ዝድለ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ተጽዕኖ። ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ስለ-ዝበጽሐ። ባዕሉ እቲ መንግሥቲ ሸይሙ ዘቐመጦ ሰብ። ልዕሊ ፓትርያርክ ወጺኡ ዋና-ኣማሓዳሪ ብዝብል መዓርግ፥ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ምምሕዳር መንበረ-ጵጵስና ከም-ዝቕመጥ ተገይሩ። እቶም ዝርካቦም መለካውያን ጳጳሳት’ውን። ወገን’ቲ መካይን ዝገዝኣሎም መንግሥቲ ብምዃን፥ ነታ ንመዓርግ ዘብቅዓቶም ቤተ-ክርስቲያን ሕቖኦም ስለ-ዝሃቡዋ። ነዚ ሕጂ ኣብ ዝባና ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ክትጋለጽ። ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ግዳስ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፣ ብቤት-ትምሀርቲ ኣቢሉ ዝካየድ ዝነበረ ናይ መንእሰያት ኦርቶዶክሳዊ ምንቅስቓስ፣ ካብቲ መድረኽ ከም-ዝእለ ከይገበርካ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተቘጻጺርናያ ምባል ከም-ዘይከኣል፥ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ብደቂቕ መጽናዕቲ ስለ-ዝበጽሑዎ። ነቲ ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያን’ዚ ዝካየድ ዝነበረ። ትንሣኤ-ተዋሕዶ ዘበስርን ወንጌል ማእከል ዝገበረን ኣገልግሎት። ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብ ምድምሳሱ ‘ዮም ዝተጓየዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስን፥ እቶም ሠለስተ ብሉጻትን ምሩጻትን ዝኾኑ ካህናት መድኃኔ-ዓለም መካነ-ሕይወትን፥ እንሆ ንከባቢ 15-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ። እሞ እዛ ክቡር ዋጋ ኣብ ምኽፋል ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ደኣ። በየናይ መምዘንን መዓቀንን’ዮም፥ እዞም“-ምንቅስቓስ-ፈንቅል-” ዝተባህሉ። ጉጅለ ንዕዓ ዘይሰማማዕ ሕብሪ ብምልካይ፥ ነቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ፥ ብኣሉታ ከም-ዝጥመት ክገብሩዎ ዝደልዩ ዘለዉ-?

ንምዃኑ ንሶም እዞም ዝተባህሉ ጉጅለ። ነዛ ን28-ዓመት መመላእታ፥ በቲ ሥርዓት ጅሆ ተታሒዛ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን። እንታይ ዘይገበረት እዮም ክብሉዋ ዝደልዩ ዘለዉ-?  የግዳስ ከምቲ “-ዝወደቐ ገረብሲ ምሳር ይበዝሖ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ ዘይኮይኑ። በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ኣብ ዝባና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከይኣኽላስ። ሕጂ ከኣ እንሆ “-ኣብ ዘይምልከታ ፖለቲካዊ ጦብሎቕሎቕ ኣትያ፥ ንዘለዓለም ድማ ዘሕፍር ታሪኽ ሰኒዳ-” ብዝብል ንምስምዑ ዝኸብድን ዝመርርን ቃላት ክኸሱዋ ምርካቦም።  እምበርዶ ብዛዕባ ኣየነይቲ ቤተ-ክርስቲያን ይዛረቡ ምህላዎም ይፈልጡ’ዮም ዘይብል ኣይኮነን።

እዚ ታሪኽ’ዚ ምስቲ ኣብ 40-ታት ዝነበረ። ፖለቲካዊ ፍጻሜታት ሃገርና ምትሕሓዝ ክህልዎ ስለ-ዝተደልየ። ስም ክልተ ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከም-ዝጥቀስ ተገይሩ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ 40-ታት ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽ ሃገርና። ንብሙሉኡ ሕዝቢ ከበሳ ብሓባር ዘሳተፈ መድረኽ ደኣምበር። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንበይና ዝወነነቶ መድረኽ ነይሩ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብዚ ዝተባህለ መድረኽ ድማ። ኣቡነ-ማርቆስ ኮኑ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ንበይኖም ኣይነበሩን። ማለት ናይ ካቶሊካውያንን ሉተራዊያንን ኣቦታት’ውን። ኣባላት እዚ መድረኽ’ዚ ከም-ዝነበሩ፥ ታሪኽ ከረጋግጾ ዘለዎ ሓቂ’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ። እቲ ብልሒ-ኵናት ናብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣቢሉ ክውርወር ዝተደልየሉ ምኽንያት ደኣ እንታቲ’ዩ-?

የግዳስ እዚ ኹሉ’ዚ ከርእየና ዝኽእል። ንሳቶም እዞም ዝተባህሉ ጉጅለ። ነታ ብከቢድ ገበን ዝኸሱዋ ዘለዉ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ፈጺሞም ዘይፈልጡዋ ምዃኖም ጥራይ’ዩ ከርእየና ዝኽእል። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፥ እቲ ኣንጻር’ዛ ቤተ-ክርስቲያን ኣቕሪቦሞ ዘለዉ። ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሠረት ዘይብሉን፥ ወቐሳን ነቐፌታን ከቕርቡዎ ኣይምደፈሩን ነይሮም። ንኣብነት ካብቲ ዝበሉዎ ንምጥቃስ ዝኣክል።

ሀ/ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክእሰሩ ከለዉ።

ለ/ ውሉደ-ክህነት፥ ንግዱድ ዕስክርና ክውሰዱ ከለዉ።

ሐ/ ሞባእ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብመንግሥቲ ክውሰድ ከሎ

መ/ መንእሰያትና፥ ኣብ ላምባዱሳ ባሕሪ ክውሕጦም ከሎ።

ሠ/ ሃገር እንዳ ባደመት ከላ

እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ደኣ፥ ኣበይ ነይራ’ያ ድምጺ ተቓውሞ ከተስምዕ ዘይከኣለት-? ብምባል ብምድግጋም ዘቕረቡዎ ሕቶ ኣሎ። ከም ኣበሃህላኦም ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ፈጺማ ድምጺ ተቓውሞ ኣየስመዐትን። ገይራቶ ዝበሃል ዝኾነ ነገር’ውን የልቦን’ዮም ክብሉና ዝደልዩ ዘለዉ። እምበኣር እቲ ነዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ኣይፈልጡዋን’ዮም ዘብለና ዘሎ’ውን እዚ’ዩ። ብርግጽ ድማ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎም ዝበሃሉ ኮይኖም ኣይንርእዮምን ዘሎና። ከመይሲ እዛ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ። ኣብቲ ክግበር ዝጸንሐ ጉዕዞ። ምንም’ኳ ኣብ ልዕሊኣ ክፍጸም ዝጸንሐ፥ ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ጸቕጢ’ውን እንተነበረ።

እቲ ንማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተኸቲሉ ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ። እታ ቤተ-ክርስቲያን ንባዕላ’ውን ንስደት ከተምርሕ፥ ዘገድዳ ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ። እቲ ዓቃቢ-መንበር ብምዃን ኣብ ኩሉ መድረኻት ንቤተ-ክርስቲያንና ዝውክል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መምበርዶ ኣይኮነን-? ነዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል’ውን ዝከኣል ኣይመስለናን። እቲ ካብ 1988 ዓ/ም (2006) ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከኣ። ቅድመ ግምባር ኮይኑ ምስቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቑ ዝርከብ ዘሎ፥ እዚ መንበር’ዚዶ ኣይኮነን-?!

ኣንጻር’ቲ ኩሉ ናብ ቤተ-ክርስቲያንና ቀኒዑ ዝግበር ዘሎ ተጻብኦታት።  ብጽንዓት መኪቱ ዝቃለስ ዘሎ’ውን፥ ንሱ እዚ መንበር’ዚ ምዃኑ መን ክኽሕዶ ይኽእል-?! እዚ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ መንበር’ዚ ከኣ’ዩ። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት። ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቑ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ መስክሩለይ ምባል ዘየድልዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዩ። እሞ እዞም  “-ምንቅስቓስ-ፈንቅል-” ብዝብል ጉልባብ ዝጽሕፉ ዘለዉ ጉጅለ ደኣ። ስለምንታይ’ዮም ኣብ ዘይፈልጡዎ ጉዳይ ኣትዮም፥ ዝኾነ ጭብጢ ክቐርበሉ ዘይክእል ናይ ጸለመ ቃላት ብምጥቃም። ነዛ ወናኒት ክቡር ታሪኽ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ንዕኣ ክውክል ወይ ክምጥን ብዘይክእል ኣገላልጻ፥ ንሚዛና ታሕቲ ኣውሪዶም ከነኣእሱዋ ዝደልዩ ዘለዉ-?!

ብዝተረፈ እቲ ብፖለቲካ ተዘዊሩ ዝሽክርከር። ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ውጉዝ-ሲኖዶስ። ኣብ ብዙሕ ዓለም-ለኸ ጉባኤታት፥ ክካፈል ኢሉ ዝገበሮ ዘየቋርጽ ፈተናታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ማዕጾ እቲ ጉባኤታት ግና፥ ንካድረታት እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ክኽፈተሎም ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከመይሲ ንሳ እታ ኣብ ስደት ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን። ኣበርቲዓ ብምቅላስ ብዘርኣየቶ ጽንዓት ደኣ’ዮም ክኽልከሉ ዝኸኣሉ እምበር። ዘሊሎም ወይ ሰሊኾም ክኣትዉ ዝገበሩዎ ፈተነሲ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው ዝቐርብ ወቐሳን ነቐፋን ግና፥ ሚዛናዊ ኮይኑ ክርከብ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን። 

ብዝተረፈ እዚ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ መንበር’ዚ፥ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ-ምሥራቕን ዘሎዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት ጠርኒፉ። ኣብ መሠረት’ቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ፥ ኣገልግሎት ኣብ ምፍጻም ዝርከብ ዘሎ መንበር እዩ። ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቕዶ ድማ፥ እቲ መንግሥቲ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኢዱ ንኸውጽእ፥ ዝከኣሎ ኩሉ ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ። ንማእሰርቲ ቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዝምልከት’ውን፥ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ቃልሲ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ውሉደ-ክህነትና፥ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ግዱድ-ዕስክርና ብዝምልከት’ውን፥ ተቓውሞ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን። መወዳእታኡ ድማ ኣብ ላምባዱሳ ብዝተረኽበ ንማኅበረ-ሰብ ዓለም ዘንቀጥቀጠ ኅልቂት። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ወግዓዊ-ተቓውሞኡ ብምውጻእ ድምፁ ዘስምዐ ንሱ እዚ መንበር እዚ’ዩ። እሞ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ደኣ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ገለ ክትብል ተሰሚዓ ኣይትፈልጥን ተባሂላ እትውቀስ፥ ይግባእዶ ነይሩ እዩ-?!

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፥ እዚ  ዝተባህለ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና።  እዞም ዝተባህሉ ጉጅለ ስለምንታይ ኣንጻር’ዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ዝቐንዐ። ክሳብ ክንድ’ቲ ከም እሾኽ ዝዋጋእ መርዛም ዝኾነ ቃላት ክጥቀሙ ከም-ዝደለዩ። ካብ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዝብገስ’ዩ፥ ዝብል መደምደምታ ሂብካ ክሕለፍ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ብዝተረፈ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ንርእሳ። ናይቲ ሥርዓትን ናይቶም ንሱ ዝልእኮም መጋበርያታቱን ዕላማ ኮይና፥  ትቕበሎ ዘላ ኣደራዕ ከይኣኽላ። ሕጂ ድማ ፈጺሙ ንመንነታ ክገልጽ ይኽእል‘ዩ ብዘይ ይበሃል ቋንቋ።  ዘየውረደ ተባሂላ ክትጭፍጨፍ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ተጻዊሩዎ ክኸይድ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ብዝኾነ እዚ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ። ብመሲሉና ዝተጻሕፈ እንተደኣ ኮይኑ። በቶም በሃልቱ ይቕሬታ ክሕተተሉ እንተ ዝኽእል ክንደይ ደስ ዘብል ምኾነ በሃልቲ ኢና። ብዝተረፈ እታ በቲ ፖለቲካዊ ሥርዓትን፥ በቶም ከም መጋበርያ ዝጥቀመሎም ዘለዉ ጳጳሳትን። ብቐጻሊ ክትጥቃዕ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና። ንኹሉ ከከም ኣድላይነቱ መልሲ ክትህብ እትጽገመሉ ምኽንያት የብላን። ብዝተረፈ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና “-ናይቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ኣጀንዳ ኣተግባሪት-” ተባሂላ ክትክሰስ። ምስቲ ክቡር ታሪኻን ቅድስናኣን ዘይሰማማዕ ስለ-ዝኾነ። እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ጌጋኹም ኣርሙ ብምባል፥ ካብ ምጽሓፍ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ድማ። ኣብዚ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምጽላም ተባሂሉ፥ ንንባብ ዝበቕዐ ጽሑፍ። ሓደ መሠረት ዘይብሉ ብዕራይ-ወለደ ዝዓይነቱ፥ ዕርቃኑ ዝወጸ ሓሶት ቀሪቡ ምህላዉ’ዩ። ንሱ ድማ እቶም “...ነፃነት ሃገር ከምጽኡ ኢሎም ከርተት ዝብሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ፥ መንፈሳዊ-ኣገልግሎት ከም-ዝንፈጉ ምግባራ እዩ። ከም-ሳዕቤኑ ድማ፥ ኣንስቶም ተወጊዘን። ሕፃናት ደቆም ከኣ ከይጥመቑ ተኸልኪሎም እዮም...” ዝብል ንምስምዑ ዘደንጹ ጸለመ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። እዚ ከኣ ኣብቲ ካብ 1961-1991 ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ማለት’ዩ። እዚ ግና ንምስምዑ ዘደንጹ ዕርቃኑ ዝወጸ ጸለመ’ዩ። ብዝተረፈ እንተደኣ’ዞም  ጉጅለ ጭብጢ ኣሎና በሃልቲ ኮይኖም። እስከ ጭብጢ ሒዞም ኣብዚ መድረኽ’ዚ ይቕረቡ’ሞ፥ ንሕና’ውን ኣብ መሬት ወዲቕና ይቕሬታ ክንሓትት ዘሰክፍ የብልናን።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ። ንቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት። ብዙሕ ብኣሉታ ክግለጽ ዝኽእል ኣበሃልታታት ክጸሓፍ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ብፍላይ ምስቲ ዝሓለፈ ናይ 40-ታት ፖለቲካዊ-መድረኽ ሃገርና ብምትሕሓዝ። ብፍላይ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ቀኒዑ ዝቐርብ ክስታትን ወቐሳታትን ምህላዉ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ንሳቶም እዞም “-ምንቅስቓስ-ፈንቅል-” ብምባል ዝፍለጡ ጉጅለ’ውን። በቲ ዝሓለፈ ናይ 40-ታት ታሪኽ። ንቤተ-ክርስቲያንና ካብ ርእሳ ክወርዱ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይንርእዮምን ዘሎና። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ምስቲ ሓቀኛ ታሪኽ ተሳንዩ ክኸይድ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ  ናይ’ቲ ኩሉ ተሓታቲት ጌርካ ምቕራብ ድማ፥ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣበሃህላ ኮይኑ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ብዝምልከት’ውን ገለ ክንብል ኦርቶዶክሳዊ ሓላፍነት ዘሎና ኮይኑ ስለ-ዝስመዓና። እግዚኣብሔር ኣብ ዝፈቐዶ ግዜ፥ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሒዝና ክንቀርብ ተስፋና እዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div