S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃህ እም-ንዋም-!!

ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን` ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ` ክመውት ዝኸኣለ-?  ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)

እቲ ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ፣ ማለት ቅዱስ ዮሓንስ-ኣፈወርቅውን  ብወገኑ፣ ነቲ ጎይታና ዝተቐበሎ መከራ-መስቀል ኣመልኪቱ ክጽሕፍ ከሎ “-ፍቅር ሰሓቦ ለወልደ-ኣምላክ እመንበሩ፣ ወኣብጽሖ እስከ ለሞት። ሰቀልዎ ከም እቡስ፣ ለዘኣልቦቱ ኣበሳ፣ ወሆለቁዎ ምስለ ግጉያን፣ ለገባሬ ሕይወት። -ትሕትና ዘመጠነዝ ትሕትና-! -ትዕግሥት ዘመጠነዝ ትዕግሥት-! -ኣርምሞት ዘመጠነዝ ኣርምሞት-! -ኂሩት ዘመጠነዝ ኂሩት-! -ፍቅር ዘመጠነዝ ኣፍቅሮተ ሰብእ-” ብምባል`  እቲ ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ ገሊጹዎ ዝርከብ።

እዚ ድማ ብትርጉም ክርአ ከሎ “-ንወዲ ኣምላኽ ክርስቶስ፣ ፍቕሪ` ካብ መንበሩ ስሒቡ፣ ክሳብ ሞት ክበጽሕ ዘገደዶ። ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከኣ፣ ኣበሳ ከም-ዝተረኽቦ ገይሮም ሰቐልዎ። ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ድማ፣ ምስ ገበነኛታት ቈጸሩዎ። ኣየ ትሕትና፣ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ትሕትና-!! ኣየ ትዕግሥቲ፣ ክሳብ ክንድ` ዝኣክል ትዕግሥቲ-!! ኣየ ዓቕሊ ክሳብ ክንድ` ዝኣክል ዓቕሊ!! ብምባል` እቲ ቅዱስ ኣቦ፣ ነቲ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ ታሪኽ መስቀል ጎይታና፣ ብኣንክሮ ዝገልጾ።

እዚ ሕይወት ጎይታና፣ ክሳብ መሥዋዕቲ ምዃን ዝሓተተ ፍጻሜ`ዚ፣ ስለምንታይ` ክሳብ ክንድኡ ክቡር ዋጋ ክሓትት ዝኸኣለ-? ብምባል ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶ፣ እቶም ናይ ብሉይ-ኪዳን ኮኑ ሓዲስ-ኪዳን ጸሓፍቲ፣ ኩላቶም እቲ ምኽንያት ፍቕሪ ደቂ-ሰብ ምዃኑ`ዮም ገሊጾሞ ዘለዉ። ኣብዚ ከኣ እቲ ፍቕሪ ዝብል ቃል፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክቡር ናይ ሕይወት ዋጋ ከም-ዝሓትት ዘረድእ እዩ። እምበኣር ጎይታና በጃ ኃጢኣትና ኮይኑ ኣብ ቀራንዮ ክስቀል ዘገደዶ፣ እቲ ንዓና ንደቂ-ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ እምበር፣ ካብዚ ሓሊፉ ክጥቀስ ዝኽእል ካልእ ምኽንያት ስለ-ዝነበሮ ኣይኮነን።

ነቢይ-ኢሳይያስ`ውን ብወገኑ፣ ንናይ ጎይታና ተበጃውነት ኣመልኪቱ፣ ኣብ ትንቢቱ ዝበሎ ነገር ከምዘሎ ክንምልከት ንኽእል። እቲ ትንቢት ከም-ዝብሎ “-ንሱ ንሕማምና ፆሮ፣ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ-” ድሕሪ ምባሉ፣ ብምቕጻል ድማ “-ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቈሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ፣ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፣ ንሕና`ውን ብስምብራቱ ሓዌና-“ ብምባል` ነቢይ-ኢሳይያስ`ውን ዝገልጾ። (ኢሳ-53/4-5)

በዚ መሠረት` ከኣ ኢና፣ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ በዓለ-ፋሲካ ወይ ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-” ብምባል፣ ነቲ ምእንታና ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ-ሰብ ተባሂሉ፣ ብጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን፣ ኣብ ዓሚቚ ናይ ሕልና ተመስጦ ኴንና፣ ነቲ ጎይታና ምእንቲ ኃጢኣትና ዝተቐበሎ ቅንዋተ-መስቀል ብዓይኒ ሕልና ብምጥማት፣ እቲ ምእንቲ ኃጢኣትና ኣብ መስቀል ዝተኸፍለ ክቡር ደም`ውን ብምስትንታን “-ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ-መንግሥተ መንግሥተከ-” እናበልና፣ ነቲ ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ጎይታ፣ ብዓይኒ ሕልና ክንጥምት ንርከብ ዘሎና።

ይኹን እምበር ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ሰላምን ቅሳነትን ኣሎና ክንብል እንኽእል ሕዝቢ ከም-ዘይኮንና፣ ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን፣ ብኣንክሮ እናተዓዘበና ዝርከብ ዘሎ ጉዳይ`ዩ። እዚ  ሰቆቃው` ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ ኮይኑ፣ መወዳእታ`ውን ተሳኢኑዎ ዘሎ፣ መሪር ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሕይወት ነሕልፍ ከም-ዘሎና፣ ዘይተሓብአ ኣደባባይ ዝወጸ ቅሉዕ ምስጢር`ዩ። እወ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ሰላም ካብ ዝርሕቀና ደጊምሲ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። ይኹን እምበኣር እቲ ሕጂ ዘሎና ጸገም`ኳ፣ ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ከቢዱና እንተሎ፣ እቲ ዚያዳ ነቲ ስቓይና ዘኽብዶ ግና፣ እቲ ናይ` ኩሉ ስቓይ` መወዳእታ ጫፍ፣ ኣበይ ከም ዘሎ ሕጂ`ውን እንተኾነ፣ ክንፈልጥ ዘይምኽኣልና እዩ።

ከመይሲ እቲ “-ሰላም-” ዝበሃል ነገር፣ ዝኾነ ሕዝቢ ብምርጭኡ ዝቕበሎን ዘተግብሮን ዝነብሮን ደኣምበር፣ ባዕልኻ ሰላም እንታይ ምዃኑ፣ እቲ ጣዕሙ ኣስተማቒርካ ክትዕቅቦ እንተ-ዘይኪኢልካ፣ እቲ ብሰላም ምንባር ዝበሃል ነገር፣ ፈጺሙ ክረከብ ይከኣል` ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ትርጉም ሰላም ከይፈለጥካ፣ ሰላም ረኺብካን ቀሲንካን ክንበር፣ ክርከብሲ ይትረፍ ክሕሰብ`ውን ስለ-ዘይከኣል`ዩ። ጎይታና`ውን ኣብ ወንጌሉ “-ገበርቲ ሰላም፣ ውሉድ-ኣምላኽ ክበሃሉ`ዮም እሞ፣ ብፁዓን እዮም-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ማቴ-5/9)

“-ሰላም-” ግና ካልኦት ብህያብ መልክዕ ክህቡኻ፣ እትጽበዮ ነገር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ፍጡር ተሰኲዑ ዝርከብ፣ ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ` ዝእመን። ስለዚ`ውን እቲ ንሰላም ዝስከም ዓንዲ ከይትንከፍ ግና፣ ብዙሕ ሓለዋን ጥንቃቐን ዘድልዮ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ንድሕሪት ተመሊስና ኣብቲ ማኅደራት-ታሪኽ እንተረአና፣ እቲ ብማኅተማ-ጋንዲ ዝተመርሐ ናይ ሕዝቢ-ህንዲ ሰላማዊ ተቓውሞን፣ ከምኡ`ውን እቲ ብማርቲን-ሉተር ክንግ ዝተመርሐ፣ ምልዕዓል ጸለምቲ ኣሜሪካውያንን ክንርኢ ንኽእል። ማለት ሕቶ`ቶም ቀዳሞት “-ነፃነት-” ክኸውን ከሎ፣ ሕቶ`ቶም ዳሕረዎት ድማ “-ሰብኣዊ-መሰል-” ምንባሩ` ዝፍለጥ።

ክልቲኦም ኣብ ዝገበሩዎ ተቓውሞ ግና፣ ጥይት ክትኩሱን ደም ከፍስሱን ኣይንርእዮምን፣ ኣብ ኣባይቶም ኮፍ ብምባልን፣ ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ድምፂ ተቓውሞ ብምስማዕን እዮም ቃልሶም ዘካየዱ። በዚ ኣገባብ` ዝተኻየደ ተቓውሞ ሕዝቢ ከኣ፣ ነቶም ቀዳሞት ነፃነቶም፣ ነቶም ዳሕረዎት ከኣ ሰብኣዊ-መሰሎም፣ ከውሕሰሎም ከም-ዝኸኣለ እንሆ ኣብ ተግባር ውዒሉ ንርእዮ ኣሎና። እዚ ከኣ ብዙሓት ክኽተሉዎ ዝግባእ፣ ተመራጺ ኣገብባ` ክኽወን ዝግብኦ ዝነበረ። እዚ ኣገባብ` ከም-ዝረአናዮ፣ ጥይት ዝትኮሶን ደም ዝፈሶን ኣይኮነን። ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካን ማዕጾ ቤትካ ኣገፍቲንካን ክፍጸም ዝኽእል ስልቲ እዩ።  

እዚ ከኣ ንዓና ነዞም ኣብ ከቢድ ሕሰምን መከራን፣ ወዲቕና ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ፣ ምእንቲ መሰልናን ክብርናን ኣደባባይ ወጺእና፣ ድምፂ ተቓውሞ ከነስምዕ ዓቢይ ኣብነት` ክኾነና ዝግባእ ዝነበረ። ንሕና ከም ሕዝቢ ግና እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ዝባንና ወዲቑ እንሃለወ ከሎ “-ኣርዑት ከቢዱና ክንብል` ተሰሚዕና ዘይንፈልጥ ሕዝቢ ምዃንና እዩ-” ስለ` ከኣ ኢና፣ ንማኅበረ-ሰብ ዓለም እነገርም ሕዝቢ ኴንና እንርከብ ዘሎና። ከመይሲ “-እናሞተ ከሎ ዝስሕቕ ካልእ ሕዝቢ-” ብጀካና ኣሎ ክበሃል፣ ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።

ብዝተረፈ ኣብዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና እዋን`ዚ፣ ሱባኤ ጾም-ኣርባዓ ተፈጺሙ፣ ኣብ ዋዜማ ክቡር በዓለ-ፋሲካ በጺሕና ንርከበሉ ዘሎና እዋን፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ጸሎትናን ምህልላናን ተቐቢሉ፣ ናይ ምሕረት ኣዋጁ ክእውጀልና`ዩ፣ ተስፋ ሕዝብና ኮይኑ ዝጸንሐ። ግዳስ እቶም ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ፣ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍሱ መለካውያን-ጳጳሳት ግና፣ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምፍራስ ዝዓለመ ሓደገኛ መናፍሕ ክዝርግሑ ጀሚሮም ከም-ዘለዉ` ዝስማዕ ዘሎ። ይኹን እምበር እዞም ሰባት`ዚኣቶም፣ ናይ ሕጊ ቋንቋ ዝርድኦም ነይሩ እንተ-ዝኸውን “-ብሕጊ-ኣምላኽ-” ኢልና ኣብ ሕጊ ከነቕርቦም`ዩ፣ እቲ ምርጫና ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ። ንሳቶም ግና እቲ ሕጊ ዝበሃል ኣምር ንርእሱ`ኳ፣ እንታይ ምዃኑ ይርድኦም` ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ብዝተረፈ እዚ ዓውደ-ዓመት` ንሕዝብና፣ ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዘለዎ በዓል ምዃኑ፣ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ንሳቶም እቶም ኣጀንዳ-ፖለቲካ ንከተግብሩ ክብሉ፣ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾነ፣ ኣፍራሲ ተልእኮ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ መለካውያን-ጳጳሳት ግና “-እቲ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን`ዮም እሞ ይቕረ በለሎም-” ክበሃሉ እንተ-ዘይኮይኖም፣ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ ክርድኡዎ ኣብ ዘኽእል ቁመና፣ ይርከቡ`ለዉ ዝበሃሉ ኣይኮኑን። የግዳስ ንሳቶም ከምቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፣ ኣቡነ-ማቴዎስ ዝመረጹዎ መንገዲ፣ ገዳምና ኬድና ዳዊትና ክንደግም ግደፉና ክብሉ`ዮም ዝግብኦም ዝነበረ። ንዓለም ክቐብጹዋ ስለ-ዘይደለዩ ግና፣ እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላምን ምርግጋእን ንከይትረክብ፣ ብታሪኽ ከሕትቶም ኣብ ዝኽእል ፖለቲካዊ-ተልእኮ፣ ተዋፊሮም ይርከቡ ኣለዉ። (ሉቃ-23/34)

ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ብሳምቡእ-ፖለቲካ፣ ከም-ዘተንፍሱ ዝፍለጡ መለካውያን-ጳጳሳት፣ ኣብ ሕጂ በጺሖም ካብቲ ብሰብ`ቶም ፖለቲካ ዝወሃቦም መምርሒ፣ ወጻኢ ኮይኖም ክርከቡ ትጽቢት ክግበረሎም ዝከኣል`ውን ኣይኮነን። ንሕና እቶም ሕዝቢ እንበሃል ግና፣ ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያን ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጻ ትርከብ ኣላ፣ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ ሰዓት`ዚ፣ እንታይ በሃልቲ ኴንና ኢና ክንርከብ ዘሎና-? ወይ ሓላፍነትና እንታይ` ክኸውን ዘለዎ-? እምበኣር ነዚ ኩሉ` መልሲ ዘይብልና ኴንና እንተደኣ ተረኺብና፣ ንሕና`ውን ብሓላፍነት ተሓተትቲ ካብ ምዃን፣ ከነምልጥ ንኽእል ኣይኮናን። ብዝተረፈ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ኣላ፣ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ሰዓት`ዚ፣ ገለ ክንብል ዘይንኽእል እንተደኣ ኴንና፣ እቲ ብሕይወት ኣሎና ምባል ንርእሱ፣ እንታይ ትርጉም ክህልዎ` ዝኽእል-? እምበኣር ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ንነብር እናሃሎና፣ ንነብር ኣሎና በሃልቲ እንተደኣ-ኴንና፣ እቲ ብሕይወት ኣሎና ምባል፣ ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን።

ይኹን እምበር እታ ሃገር ብዓባያ፣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓደጋ ካብ እትወድቕ፣ ዓመታት ኣቑጺራ`ያ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ`ውን፣ ኣካል` ሃገር ከም-ምዃና መጠን፣ እቲ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ፈተና፣ ተሪፉላ` ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እኳደኣ እዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ትቕበሎ ዘላ ኣደራዕ፣ ንህልውናኣ ዝፈታተን ኣዚዩ ሓደገኛ ምዃኑ፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ዝፈልጦ፣ ጉልባቡ ቀሊዑ ኣደባባይ ዝወጸ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ንሕና እዞም ደቂ` ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ዝኾንና ምእመናን ግና፣ ብዛዕባ` ካብ ዝሓለፈ 30-ዓመት ጀሚሩ ክሕምሳ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሕማም፣ ክንገላግላ ኢልና ዝገበርናዮ ጻዕሪ ብዘይ ምህላዉ፣ ካብ ተሓታትነት ነፃ ኢና ክንብል ኣይንኽእልን። ከም ሳዕቤን` ከኣ`ዩ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ዋና ስለ-ዝሰኣነላ፣ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ናይ ቅድስና ክብሪ ኣውሪዱ፣ መጋበርያ ፖለቲካ ገይሩዋ ዝርከብ ዘሎ።

ንሕና እዞም ዋናታት እዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ዝኾና ሕዝቢ ግና፣ ምእንቲ ድኅነት እዛ ቅድስቲ ቤት`ዚኣ ኢልና፣ ዘካየድናዮ ቃልሲ ወይ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። የግዳስ እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን፣ ብዓቃቤ-መንበርነት ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ክምርሓ ዝርከባ ዘለዋ፣ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ-ምብራቕን ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት፣ ምእንቲ ነፃነትን ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርቲያን ተዋሕዶ ክብላ፣ ካብ 1998 / (2006) ኣትሒዘን፣ ኣብ ከቢድ ገድሊ ተጸሚደን ይርከባ ከም-ዘለዋ ዝፍለጥ`ዩ።

ኣብዚ ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ወይ ቃልሲ` ግና፣ እቲ ሕዝቢ ተሳትፎ ኣለዎ ዝበሃል ታሪኽ ዘይምህላዉ`ዩ። ይኹን እምበር ቤት-ኣምላኽ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ`ሞ፣ በየናይ መዐቀኒ` ደቂስካ ክሕደር ዝከኣል-? እቲ ዘሎ ሓቂ ግና ንሱ`ዩ። ብዝተረፈ ብወገን` ኣብ ስደት ዝርከብ ውሉደ-ክህነትና “-ቤተ-ክርስቲያን ጠፍአት-” እናተባህለ፣ ብቐጻሊ ኣውያት ክግበር ምጽንሑ ዝፍለጥ `ዩ። ነዚ ኣውያት` ሰሚዑ፣ ካብ ድቃሱ ክበራበር ዝደሊ ሕዝቢ ግና፣ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን ዘሎ።

እሞ ብኸመይ ደኣ` ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቕረብ ዝድለ ዘሎ-? ፋሲካ ኮይኑ ብምባል መስቀለ-ክርስቶስ ክሳለም ዝደሊ፣ ብዙሕ ምዃኑ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ኣብ ሓቂ መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግና፣ እዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ፣ ግዳማዊ ትርኢታ ደኣ` ብሕይወት ዘላ ትመስል እምበር፣ ነቲ መጋረጃ ቅልዕ ኣቢልካ ንውሽጢ እንተደኣ-ሓሊፍካስ፣ እቲ ፖለቲካ ከም ቁንቁነ ኮይኑ ዝሳጸያን ዘማሰናን፣ ብሓዘን ዝተጎድአት ቤተ-ክርስቲያን፣ ኴይና ኢና ክንረኽባ እንኽእል።

እሞ ደኣ ክሳብ መዓስ` ሕዝብና፣ ነዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብቀጻሊ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፣ ከም-ዘይረኣየን ከም-ዘይሰምዐን ኮይኑ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝደሊ ዘሎ-? የግዳስ “-እስመ በእንቲኣከ ይቀቱልነ ኩሎ ኣሚረ። ወኮነ ከም ኣባግዕ ዘይጠብሑ። ንቃሕ ኣግዚኦ ለምንት ትነውም-” ብምባል፣ ብኃጢኣትና እናበኼና ደኣ፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ ምተገበኣና እምበር፣ ደቂስና ክንሓድር ዘኽእል ኩነት ዘሎና ሕዝቢ ከም-ዘይኮንና፣ ከመይ ኢሉ` ክስወጠና ምኽኣል ስኢኑ ዘሎ-? (መዝ-43-44/22)

ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት ኴንና ተረኺብና እንበሃል ሕዝቢ ከም-ዘይኮንና፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፣ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ከም-ዝኾነ ተደጋጊሙ ክንገረና ጸኒሑ`ዩ። ስለ` ኃጢኣትና ተኣሚንና፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕያው ኣምላኽ ካብ ምውዳቕ ሓሊፍና፣ ካልእ ኣማራጺ ክህልወና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ `ውን እስራኤላውያን፣ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ወዲቕናዮ ንርከብ ዘሎና፣ ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ከምዚ`ሎም ከም-ዝቘዘሙ ኢና ንርኢ “-ከም ኣባጊዕ ክንሕረድ ኣሕሊፍካ ሃብካና።  ኣብ ካልኦት ሃገራት`ውን ፋሕ ኣበልካና... ንጎረባብትና መጻረፊ፣ ነቶም ኣብ ዙርያና ዝነብሩ`ውን መላገጺኦም ኮንና።  ኣብ ማእከል  ኣሕዛብ`ውን ርእሶም ዝንቕንቑሎም ንዑቓት ገበርካና-” ብዝብል እህህታ`ዮም፣ ከስቈርቁሩን ክቑዝሙን ንሰምዖም።  (መዝ-43-44/11-14)

እምበኣር ንሕና`ውን ኣብዚ ሰዓት`ዚ፣ ኣብዚ ደረጃ` ወዲቕና ንርከብ ምህላውና፣  ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። ስለዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወዲቕና ካብ ምእዋይ ሓሊፍና ከኣ፣ ካልእ ኣማራጺ ክህልወና ይኽእል` ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እቲ ዋና ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ፣ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘቐመጠና ናይ ቅድስና ቦታ፣ ደው ኢልና ክንርከብ ዘይምኽኣልና እዩ። ከመይሲ እቲ 30-ዓመት መመላእታ፣ ብቐጻሊ ከበሮ ሒዝካ ክግበር ዝጸንሐን፣ ሕጂ`ውን ገና ዝቕጽል ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን፣ ገና ቁጥዓ-ኣምላኽ ዝዕድም ደኣ`ምበር፣ ንምሕረት ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ንሕና ከም ሕዝቢ ግና ነዚ ክንርድኦ ገና ኣይከኣልናን ዘሎና።

ይኹን ኣምበር ሕጂ ከም ሕጂ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትና ኣብ ዘላትሉ ግዜ፣ እቶም መለካውያን-ጳጳሳት ተራእዩዎም ያኢ፣ ተልእኮ ፖለቲካ ክፍጽሙ ክብሉ፣ ነዛ ሃገር ኣብ ከቢድ መርገም ከእትዋ ኣብ ዝኽእል ተልእኮ፣ ተዋፊሮም ይርከቡ ኣለዉ ዝብል ዜና፣ ከም ተራ ነገር ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ጥቓ ዕብዳን ዝግመት ውሳኔ`ዚ፣ ዝባን-ሕጊ ኢልና ደው ንምባሉ ምእንቲ ክከኣል፣ ንኹሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ ኅብረት ፈጢርና፣ ኣብ ዘዘሎናዮ ኴንና ናይ ተቓውሞ ድምፅና ከነስምዕ፣ ቤተ-ክርስቲያን ብቀጻሊ ጻውዒት ትገብር ከም ዘላ፣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ብዝተረፈ እዚ ኩሉ` ኣብ ዝባንና ተጻዒኑ እናሃለወ ከሎ፣ ባህ ኢሉናን ተሓጒስናን እነብዕሎ ዓውደ-ዓመት ክኾነልና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ብዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ኣሥመራ፣ ክግበር ተባሂሉ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደወል ኣቢልና ብምትኳር፣ ድምፂ-ተቓውሞ ከነስምዕ` ጻውዒት ዝግበረልና ዘሎ። ብዝተረፈ ቤተ-ክርስቲያን ሓደጋ የንጸላልዋ ኣሎ ተባሂሉ፣ ይንገር ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ግዜ` ልቡ ቀሲኑሉ ዝሓድር ክህልወና ኣይግባእን።

ስለዚ`ውን ነታ ኣብ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ጸቕጢ ወዲቓ፣ ናይ ርድኡኒ ኣውያት እተስምዕ ዘላ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን፣ እንህቦ ግብረ መልሲ እንታይ`-? እዚ ንነፍስ-ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ`ዩ። እዚ ጻውዒት` ነቶም ንዓለም መሲሎም ክነብሩ ዝደልዩ ይምልክቶም` ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋን ጽላል-ኣምልኽን ኣሎና እንብል ግና፣ ዓይንና ዓሚትና ክንሓልፎ ዝፈቅድ ሕልና ክህልወና ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሕቶ ናይ መን ወገን ኢኻ-? ናይ እግዚኣብሔርዶ ናይ ዓለም-? ዝብል እዩ። እቲ መልሱ ድማ ንሕልና ነፍስ ወከፍ ዝሕደግ ምዃኑ ኣርጊጽካ ክሥመረሉ ይግባእ። ብታሪኽ ዘኽስስን ብሕልና ዘውቅስን፣ ብእግዚኣብሔር ዘፍርድን ምዃኑ`ውን፣ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለዚ እታ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዓ እትርክብ ዘላ፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ርድኡኒ ብምባል፣ ብቐጻሊ ከትእዊ` ትርከብ ዘላ` መልስና እንታይ`-?!

ሊቀ-ካህናት

ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

በዓለ-ፋሲካ 2013 ዓ/ም (2021)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div