S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ ኣብ ዓለም ዘሎ (ርኹስ) መንፈስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ቅዱስ) መንፈስ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነብያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለምዮም፡ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናንዩ፡ ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢናንፈልጦ።” 1ዮሃ 44-6 .

እዚ ዘለናዮ ቕንያት፡ ቅንያት በዓለ ልደት ስለ ዝዀነ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳዕ ጥሪ 5 ዘሎ ቕንያት፡ እቲይሠርቅ ኮኮብ” (ኰዀብ ይወጽእ) ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ዚዝመር። ዘለናዮ ዓመተ ግእዝ ዘመነ-ዮሃንስ ስለ ዝዀነ፡ በዓለ ልደትና ታሕሳይ 28 ከም ዘብዓልና ዚዝከርዩ። ነቲ ዕለት ዝተዘመረ መዝሙር ድማወእንዘ ሀለዉ ህየዘርእስቱ ከም ዝነበረ ዚዝከርዩ። እቲ ኻብ ታሕሳስ 29 ክሳዕ ጥሪ 5 ዘሎ ቕንያት ዚውዕል ሰንበት ግና፡ ልክዕ ከም ልደት ኣብ ታሕሳስ 29 ኪውዕል ከሎ (ኣብ ዘመነ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን) ዚዝመሮ፡ይሠርቅ ኮከብ”’ ዚኸውን። እዚ መዝሙር እቲ ዚወጽእ ኰዀብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዜበስር፡ ቃል እግዚኣብሄር ዝመሰረቱ መዝሙርዩ። ጐይታና ዜብርህ ኰዀብ ምዃኑ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ደጋጊሞም ገሊጾምልናዮም (ዘሁ 2417-19 ማቴ 21,2 29,10) ጐይታና ባዕሉውን፡ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕየ።ብምባል ገሊጹልና (ራእ 2216) እዚ ኰዀብ ጽባሕ ከምቶም ካልኦት ግኡዛን ከዋኽብቲ ኣብ ህዋ ተንጠልጢሉ ዚነብር ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቢ ሰባት ዚወጽእን ዜብርህን ኰዀብ ልቢ፡ ኰዀብ ህይወት (2ጴጥ 119 ራእ 228) ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌልውን ነቶም ሰብ ጥበብ ካብ ሃገሮም ካብ ርሑቕ ምብራቕ መሪሑ ዘምጽኦም ኰዀብ ምዃኑ፡ ክሳብ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መሪሑ ኸም ዘብጽሖም ኣዘንትዩልና ኣሎ። ጐይታና ናይ ኣይሁድ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኣህዛብውን መድሓኒ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ዚርድእዎን ዚቕበልዎን ጥበቦም ብስግለት ከዋኽብቲ ገይሩ ብስራት ልደቱ ኣበሰሮም። ንሳቶም መጺኦም ከኣ ንኣምላኽነቱ ዚእመን ስግደት ሰገዱሉ። ሰለስተ ዓበይቲ ገጸ በረኸት ከኣ ኣቕረቡሉ። ሊቃውንቲ ናይ ቤተ ክርስትያንና ኸም ዚትርጕምዎ ድማ፡ ወርቂ ናይ ንግስነቱ፡ ዕጣን ናይ ክህነቱ፡ ከርበ ድማ ናይ መከራኡ ትእምርቲ (ወይ ምልከት)’ዩ። እዚ ኸኣ ምስ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተኣመንዎ ንጉሳዊ ክህነቱ (Royal priest hood) ዚሰማማዕ ቅቡል ትርጕም (ዘካ 613 እብ 71-10)

ብመሰረትይሠርቅ ኮኮብዘርእስቱ መዝሙር ኻብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ 1ዮሃ 41-9 ንባብዩ። እዚ ቕዱስ መልእኽቲዚ፡ ምንጪ ናይ ዕለት ትምህርትናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ መልእኽቲ ናይ ንባብ ኺጽሕፍ ዝተደረኸ፡ ኣብ እዋን ሓደ ስሑት ትምህርቲ ንቤተ ክርስትያን ይፈታተና ስለ ዝነበረ፡ ካብ ስሕተት ምእንቲ ኺጥንቀቑዩ። እቲ ስሑት ትምህርቲ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ብስጋ ኣይመጸንዚብል ሰይጣናዊ ምህዞ (1ዮሃ 42,3 2ዮሃ 7-11) እዚ ስሕተት ካብ ዘመነ ሃዋርያት ጀሚሩ ብፍጥነት ዘስፋሕፍሐን ንቤተ ክርስትያን ዝተፈታተነን፡ ካብ ርዅሳት መናፍስቲ ዝበቘለን ስሕተትዩ። ሓድጊ ናይ ስሕተት ሕጂውን ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ይረኣይ ስለ ዝዀነ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣገልገልታን ህዝባን ዓቲባ ኽትምህርን ተጠንቂቓ መጓስኣ ኽትሕልውን ሃዋርያዊ ሓላፍነታዩ። ኣብ ንባብ ግን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣልዒሉ ኣሎ። ንሱ ኸኣ መበቈል ናይቶም ሓቀኛ ወንጌል ዚኣምኑን ናይቶም ስሑት ወንጌል ዚኣምኑን ካበይ ምዃኑ ዚገልጽዩ። ኣብ ሓቀኛ እምነት ዘሎ ዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ስሑት እምነት ዘሎ ኵሉ ኸኣ ካብ ዓለም ምዃኑ ኣብሪሂልና ኣሎ። ብርግጽ ካብ ዓለም ማለት፡ ካብ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ድያብሎስ ምዃኑ ርጉጽዩ። ምኽንያቱ ኣብ ንባብ፡ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስንከምኡውንኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 43,4 .) ካብ ቕዱስ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኸምንርድኦምበኣር፡ መንነት ሰባት ዚግለጸሉን ዝልለየሉን ክልተ ምንጭታት ዘሎ። እቲ ቐዳማይ፡ ብቐንዱ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እቲ ዕሉል መስሓቲ ዝዀነ ድያብሎስዩ። እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ነቶም ሽዑ ብህይወት ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ እንተ ዀነ፡ ነዞም ሕጂ ብህይወት ዘለናን ንዅሉ በብዘመናቱ ዚለዓል ወለዶታትን ዚምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ ኽቡር መልእኽቲ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። እዚ ነቶም ጥንታውያን ክርስትያንካብ ኣምላኽ ኢኹም ንሳቶም ግና ካብ ዓለምዮምኢሉ መደቦም ዘፍለጦም መልእኽቲዚ፡ ንኣና ኸኣ፡ንስኻትኩምከ ካበይ ኢኹም፧ኢሉ ብግህዶ ይብድሃና ኣሎ።

ብዘይካ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ናይ መንፈሳዊ መበቈል ኣርእስቲ ዘልዓሎ ኻልእ ሰባኺ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ኰይኑ ዝተገልጸ፡ ብመለኮቱ ኸኣ ኣልፋን ኦሜጋን፡ ማለት ቀዳማይን ዳሕራይን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ዋላ ንሱ ኸም ዝተዛረቦ ዚገልጽ ጥቕሲ ኣብ ወንጌላት እንተ ዘይንረክብኳ፡ ምንጪ ናይ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ኽንጠራጠር ፈጺሙ ዘይግባእዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን (ቈሎ 22,3) ጐይታና ነዚ ሓቂ ነቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዎ ደቀ መዛሙርቱ ዀነ፡ ነቶም እምብዛ ዚጸልእዎ ፈሪሳውያን ደጋጊሙ ገሊጽዎዩ። ነዚ ሓቂ ቆብ ኣቢሎም ዜስተውዕልዎን ዚጥቀሙሉን ግን እቶም መንፈሳዊ ኣዒንቶም ዝተኸፍተ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ዝለስለሰ፡ ንምድሓን ዝለበሙን ሰባት ጥራሕዮም። ኣይሁድ ብዙሕ እናተኸራኸሩን እናተሃላለኹን ተኸኽ ምስ ኣበልዎ፡ ነዛ ኺርድእዋ ዀነ ኺዕገስዋ እትኸብዶም ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገለጸሎም።

ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ እንተ ዀነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ..... ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ ላዕሊየ፡ ንስኻትኩም ካብ ዓለምዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ ዓለምዚኣ ኣይኰንኩን። ስለ ኸኣብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹምዝበልኩኹም። ኣነ (‘ መሲሕ) ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም።” ...... ኣነ ነቲ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኣብ ኣቦኹም ዝረኣኽምዎ ትገብሩ ኣለኹም፡ ..... ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም፡ ..... ኣብርሃም ከም (ናታትኩም) ኣይገበረን። ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም።ዮሃ 821-24,38-41 .

ነዚ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ኣንፈት ናይ መልእኽቱ ኺርድኦም ስለ ዝጀመረንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፡ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽኢሎም መለስሉ (841)

ሽዑ ጐይታ፦ ኣነ ኻብ ኣምላኽ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን። ንሱ ደኣ ልኢኹኒምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኹን። ስለ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ (ዘይኰነልኩም)’ዩ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ ትምኒት ናይ ኣቦኹምውን ክትገብሩ ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቀታል ነፍሲዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕንዩ። ሓሳዊ ንሓሶትውን ኣቦኣ ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ ዚዛረብ።

ብምባል ኣግሂዱ ኣፍለጦም (ዮሃ 842-44 .) ልቢ ናይዞም ኣይሁድ ማዕረ ኽንደይ ተጠቢሩ ኸም ዘሎ ይረኣየናዶ ይህልው፧ ግብሮም ግብሪ ድያብሎስ ክነሱ፡ ገና ግንንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢናዚብል ግጉይ እምነትን ርድኢትን ነበሮም። ግብሮም ነቲ ሓቀኛ መንነቶም ድሮ ኣግሂድዎ ኸም ዘሎ ኺስቈሮም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ክርስትያን ክነስና፡ ንሕናውን ንመንነትና ኻብ ግብርና ኸነለልዮን ክንፈልጦን ዘይምኽኣልናዩ።

ጐይታ ግን ነዞም ዕሉላት ጸላእቱ ጥራሕ ዘይኰነ ነቶም ፍቁራት ደቀ መዛሙርቱውን ነዛ ሓቂዚኣ ኣግሂዲሎምዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነቶምን መበቈሎምን፡ ጐይታና ባዕሉ ዝመስከረሎምምበር፡ ንሳቶም ባዕላቶም ኣይኰኑን። ከም ንሕና ንሕተቶ ዘለና፡ንስኻትኩምከ፡ ካበይ ኢኹም፧ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን፡ ካብ ናይ ጐይታና ዝተፈልየ መልሲ ኣይምሃለዎምን ነይሩ። ምኽንያቱ፦

ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ፡ እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦይ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተበህሉንሲ፡ ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናተባህሉ ዝተመልመሉ ግብራውያን ተዓለምቲዮም ዝነበሩ (ዮሃ 1037,38 1410,11) ስለ ኸኣ ጐይታ ንኣታቶም ኪዛረቦም ከሎ ዀነ ብጸሎት ምስ ኣቦኡ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ሓቀኛ መንነቶምን መበቈሎምን ደጋጊሙ ይእመኖ ነበረ።

ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹምምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ ዓለም ትጸልኣኩምያ።ዮሃ 1519

“......ከም ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም።ዮሃ 1714,16

ኣብ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን እንተ ዄንና፡ ክርስቶስ ብዛዕባናውን ከምኡ ዚብል (ኤፌ 219,20) ምኽንያቱ ይትረፍ ባዕሉ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ፡ ዋላቶም ከማና ዝድኻሞም ተራ ሰባትውን ንፍረ ግብርናን ህይወትናን ርእዮም ካበይ ምዃንና ምፍላጥ ኣየጸግምንዩ። ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ካብ ኣምላኽ ምዃኖም እዛ ዕዉርቲ ዓለም ፈሊጣቶም። እዚ ማለት ከኣ እዛ ግእዝቲ ዓለም ዘይኰነትሲ፡ እቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ዓለማውያን ማለትዩ። ኪጸልእዎምን ኬሳድድዎምን ዝደረኾም ከኣ፡ ኣብ ዓለሞም፡ ዘይናቶም ጓኖት ሰባት ስለ ዝኣተውዎምዩ። እዞም ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ዘለዉ ሰባት ናቶምን ዘይናቶምን መንነት ኪፈልዩ እንተ ኽኢሎም፡ እቶም መንፈሳዊ ኣዒንቶም ዝተኸፍተሎምን ሓቂ ዝበርሃሎምንከ ደኣ እንታይ ኰይኖም ገዛእ መንነቶም ዘይፈለጡ፧ ጐይታ ብዛዕባ ሓቂ ደጋጊሙን ብኣጽንዖትን ዝተዘርበ፡ ነዚ ምስትውዓል ኺህበናን፡ ገዛእ ርእስና ኽንመዝን ኪድርኸናን ስለ ዝደለየዩ።

ብኸመይ ኢና ኻብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ኽንድሕን ንኽእል፧ መንፈሳዊ ቕልውላው ዚበሃል ዘሎኸ እንታይዩ፧ ቅድሚ ዅሉካብ ኣምላኽ ኢኹምማለት እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ይግብኣና። ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ እንዀነሉ መገዲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ካብ ኣምላኽ ምውላድና (ዮሃ 33-6 ቲቶ 35 1ጴጥ 13,4,22,23 ያእ 18) እቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ መንነትና ኸኣ እዚዩ። ካብ ኣምላኽ ከም ዝተወልዱ ሰባት ኴንና፡ ንመንነትና ዚበቅዕ ናብራ ንነብር፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብጽድቅን ብቕድስናን ንመላለስ እንተሊና፡ ኣብ ግቡእ ቦታና ስለ ዘለና፡ ካብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ሓራ ኢና ማለትዩ። ካብ ኣምላኽ ዝተወለድና ደቂ ኣምላኽ ክነስና፡ ካብ ዓለም ከም ዝዀንና ዄንና ንነብር እንተሊና ግን፡ ሽዑ ናይ ብሓቂ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣቲና ኸም ዘለና ዘየጠራጥርዩ።ክርስትያንማለትካብ ኣምላኽምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩንማለትዩ። ስለ ዅሉ ግብርኻን ኣካይዳኻንውን ንዓለም ዚጽየፍን ንኣምላኽ ዚመስልን ኪኸውን ዚግባእ። ብኣንጻሩ እንተ ዀይኑ ግን ነቲ ብምሕረቱ ዝወለደካ ኣምላኽ ከቢድ ጽፍዒትን ላግጽን ዚኸውን። ስለ ኸኣ ጐይታ ነቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ፈሪሳውያን፡ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹምዝበሎም። ሃዋርያ ይሁዳ፡ ካብ ኣምላኽ ኰይኑስ ናብ ሃዋርያነትውን በቒዑዩ። እንተ ዀነ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝሰረጾ፡ ነቲ ሰማያዊ ስፍራኡን ማዕርጉን ደርብዩ፡ ወዲ ዓለም ዀነ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ዚጽበዮ ዘሎ መፈጸምታ ርእዩ፡ ብመሰረቱእንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩብምባል ንኽብደት ናይ ውድቀቱ ገለጾ (ማቴ 2624) ንመራሒ ናይ ቤተ ክርስትያን ሎደቅያውን፡ ኣይ ዓለማዊ ኣይ መንፈሳዊ ዀይኑ፡ ኣብ ሓዲግ ተንጠልጢሉ ምስ ረኣዮ፦

ንግብርኻ ዅሉ እፈልጦየ፡ ኣይዝሑል ኣይምውቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምዀንካ። ስለ ኣይምውቕ ኣይ ዝሑል፡ ልብጥ ዝበለ ስለ ዝዀንካ ኻብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካየ።” ብምባል፡ ሳዕቤን ናይ ዝተደባለቐ ድቓላ መንነት ኣግሂዱ ኣፍለጦ (ራእ 315,16 .) ናይ ቕልውላው መሰረታዊ ጠንቂ፡ ግብዝነት ወይ ኣምሰሉነትዩ። ካብ ክልቲኡ ደምበ ኽትረብሕ ናይ ምድላይ፡ ናይ ስስዐን ተበላጽነትን ባህርይ ዚወለዶ ኸኣዩ። ልክዕ ከም መንካዕ ትኸውን ማለትዩ። መንካዕ፡ መጥበዊትን ነፋሪትን እንስሳያ። ክንፊ ስለ ዘለዋ ነዕዋፍ ትመስልያ። ነንጭዋትመስል መጥበዊት ከኣያ። ማሕበር ኣዕዋፍ መጺኦም፡ዑፍ ኢኺሞ፡ ግብሪ ኣዕዋፍ ክፈሊእንተ በልዋ፡ኣነ መጥበዊት ኣንጭዋምበር ዑፍ ኣይኰንኩንኢላ ኣበየት። መጥበውቲ መጺኦም፡ግብሪ መጥበውቲ ኽፈሊእንተ በልዋ ድማ፡መጥበዉቲዶ ኽንፊ ኣለኩምዩ፡ ኣነስ ዑፍ ኢላ ንኽልቲኦም ኣታለለቶም ዚብል ጽዋ ኣሎና። ክርስትያን ክነሱ፡ ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኽነሱ፡ ከም ዓለማዊ ዚነብር ሰብ ከኣ፡ ናይ መንካዕ ናይ ተለሎ (ምትላል) ጥበብ ዝመረጸ ሰብዩ። ንክርስትያን ሰብ፡ እዛ ዓለምዚኣ ምድሪ ስድደቱምበር፡ ዓዱ ኣይኰነትን። ብሰይጣን ዝተታሕዘትን እትግዛእን ዓለም ስለ ዝዀነት፡ ምድርን ግዝኣትን ናይ ጸላኢናምበር ናትና ኣይኰነትን። ስለ ኻብ ዓለም ምዃን ንክርስትያን ኣይምጥኖንዩ። ነቲ ብደም ቅዱስ ወዱን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝወለደና ኣምላኽ ከኣ ከቢድ ጥልመትዩ። ብኣፍ ነብዪ ህዝቅኤል ገይሩ፡ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒከም ዝበለ፡ እዚ ጥልመትና ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከቢድ ጸርፊ (ህዝ 2027) ንእግዚኣብሄር ብቓልካ ዀነ ብግብርኻ ምጽራፍ ከኣ፡ ብዘለኣለማዊ ሞት ዜቕጽዕ ከቢድ ኣበሳ (ዘሌ 2410-16 ማቴ 1230-32) ሰይጣን ድማ ካብ ግሁዳት ከሓድቲ ንላዕሊ፡ ሰብ ድርብ መንነት ኴንና ኽንነብር ዚመርጽ። ምኽንያቱ ንኣበሳና ብዕጽፍታት ዜብዝሖን ዜኽፍኦን ግናይ ምርጫዩ። እግዚኣብሄር ግን ብኣንጻሩ ዚደልይ። እቲ ቕዱስ ኣዝዩ ኪቕደስ፡ እቲ ርኹስውን ኣዝዩ ኺረክስምበር፡ ርኽሰትን ቅድስናን ኣዳቒሉ ኺነብር ንዚደልይ ሰብ ኪዕገሶ ኣይደልን (ራእ 2211)

ካብ ድቓላ መንነት እንሕለወሉ መገዲ ኸኣ፡ ኵሉ ጊዜ ንዅሉ ነገር ብመንጽር መንነትካ ርኢኻ ምግባርዩ። ኣብ ኣፍካ ዝመጻልካ ቕድሚ ምዝራብካ፡እዚ ዘረባ ንመንነተይ ዚምጥን ድዩ፧ ኢልካ ኽትሓስብ ይግባእ። ቅዱስ ያእቆብንምዝራብ ደንጐይቲ ኹኑኢሉ ዝመዓደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ያእ 119,20) ግብሪ ሓጢኣት ክትገብር ዚደፋፍእን ጸቕጢ ዚገብረልካን ኵነታት ምስ ዜጋጥመካ፡ኣነ ኻብ ኣምላኽምበር፡ ካብ ዓለም ስለ ዘይኰንኩ፡ነዚ ግብሪ ኽገብሮ ይግብኣኒ ድዩ፧ኢልና ብርግኣት እንተ ሓሲብና፡ ነቲ ቕኑዕ ናይ ምግባር ተኽእሎና ኣዝዩ ይሰፍሕ። ቅጅል ከም ዝበለና ብሃውሪ ብደመ ነፍሲ ንገብር እንተ ዄንና ግን፡ ብብዝሒ ሓጢኣት ተዋሒጥና ኽንስይጥን ምዃንና ዘየጠራጥርዩ።

እምበኣር ገዛእ ርእስና ብዕምቈት ንመርምር ካበይ ምዃንና ጽቡቕ ጌርና ነረጋግጽ። ነቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዘጸገወትና ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ብምውላድ ንዝረኸብናዮ ኽቡር መንነት ዓቂብናዮዶ ኣጥፊእናዮ ንፈትሽ። ነቲ ኻብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ምዃን ዓቒብናዮን ኣኽቢርናዮን እንተሊና፡ ጐይታ ኣብ ምጽኣቱ፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ መንግስተይ ውረሱኪብለናዩ። ተዳቒልናን ካብ ዓለም ናብ ምዃን ወዲቕናን ተበላሺናን እንተሊና ግን፡ኣቱም ርጉማት፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምንየ፡ ካባይ ርሓቑኢሉ ናብ ገሃነም ኬፋንወናዩ። ስለ ነቲ ኽቡር መንነትና ንዓቕቦ!! ካብ ዓለምን ካብ ድያብሎስን ካብ ምዃን ርእስና ነድሕን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

14 ጥሪ 2024 | ጥሪ 5, 2016 ግዕዝ (መበል 18 ሰንበት: ቊ.፲፰/18)

ምስባክ

 መዝ.፹፰(፹፱)፡፳፯,፳፰

ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።

ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉዩ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 1125-ፍጻመ

ዲያቆን

ዮሃ 41-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 712-22

ንፍቅ ካህን

ማቴ 21-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይሠርቅ ኮከብ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div