S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ማእከልነት ቤተ ክርስቲያን ዝሓለወ፡ ጥርኑፍ ኣካይዳን ስሉጥ ኣገልግሎትን ከም ዝህሉ ንምግባር ዝከታተል ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ኣካል ኰይኑ፡ ሓባራዊ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን ብተናጸል እናተሰርሑ፡ ምድግጋምን ዘየድሊ ሃልክን ምእንቲ ከይፈጥሩ፡ ብተወሳኺውን ቤተ ክርስቲያን ብኹሉ መዳይ ርእሳ ንኽትኽእል ኣድላዪ ተበግሶታት ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ወጺኡ ዘሎ መመሓደሪ ሕጊ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መሪሕነት የመልክት።

ከምዝፍለጥ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ንነዊሕ እዋን ነጻ ምምሕዳርን ብቑዕ መንፈሳዊ መሪሕነት ብዘይ ምርካባ፥ ውሉደ-ክህነትን ህዝብን ክበታተኑ፥ ገዳማት ክዳኸማ፥ ሊቃውንቲ ክህደኑ፥ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ገዛ ክሳቐዩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ከይኣክልውን እንሆ ኣብዚ ቅንያት እዚ ንኣቡን ቄርሎስ፥ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኮይኖም ክሽየሙ ዳግማይ 2ይ ጌጋ ይግበር ከም ዘሎ ብማዕከናት ዜና መንግሥቲ ከይተረፈ ካብ ኣሥመራ ብተደጋጋሚ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ምእኩልን ሥሉጥን መንፈሳዊ ኣሰራርሓ ምትእትታው ንህላዌ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ንረብሓ ህዝበ-ክርስቲያንን ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዝተኣምነሉ እዩ እዚ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣኅጉረ-ስብከታት ቆይሙ ዘሎ። ኣባላት እዚ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

. ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣቦ መንበር (ኣቦ መንበር ጉባኤን ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኮሚቴን)

. ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያም ዋና ጸሓፊ [ዋና ጸሓፊ ጉባኤን: ዋና ጸሓፊ ፈጻሚት ኮሚቴን]

. ቀሺ ዲበኵሉ ገብረወልድ ክፍሊ ውሉደ ከህነት፡

. ቀሺ ተስፋዮሓንስ ተስፋማርያም ተሓ/ ክፍሊ ውሉደ-ክህነት፥

. ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ክፍሊ መራኸቢ ብዙኃን፡

. ዲያቆን / ብርሃነ ሥዩም ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡

. ዲያቆን ዮሃንስ ገብረሕይወት ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት፡

. ዲያቆን ኢሳቕ ሃብተጊዮርጊስ ክፍሊ ቍጽጽር፡

. ኣቶ ኣፎም ደባስን / ንግሳ መብራህቶምን ክፍሊ ማሕበረ ምእመናን፡ እዮም።

ቅድሚ ሕጂ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ቀኖናዊ ሕግን ፓትርያርክነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ንምሕላው፡ ብፍቓድን መምርሕን ቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ፡ መበል 117 ፓትርያርክ ዘመንበረ ቅዱስ ማርቆስ፡ ብዓቃቢነት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ንኽምእከል ሓላፍነት ዝተዋህቦ ምምሕዳር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ንመሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝቕበል፡ ቤተ ክህነትን ማሕበረ ምእመናን እናበዝሐ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ጥራይ ተደሪቱ ዝነበረ ቀኖናዊ ምምሕዳር፡ ድሒሩ ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብደረጃ ሃገረ ስብከት ክቐውም ከም ዝተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። ብተወሳኺ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመት ድማ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ብምቛም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ኣብ ምጥርናፍን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ምምሥራትን ይርከብ።

ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ኽንዓዪ ኢና።(ነህ 220)

ክፍሊ መራኸቢ ብዙኃን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div