S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣባጊዐይ ይፈልጣኒ’የን (መበል 16 ሰንበት: ቊ.፲፮/16, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ሕያዋይ ጓሳ ኣነየ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒየን።ዮሃ 1014,15

እዚ ሰንበት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ናብ ምዝዛም ገጹ ዚቀራረብ ዘሎ ጾመ ነብያትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕ.21 ክሳዕ ታሕ.27 ዘሎ ጊዜኖላዊተባሂሉ ይጽዋዕ።ኖላዊድማጓሳማለትዩ። በዚ ዕለት ብሊቃውንቲ ዝተዘመረ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርውንኖላዊ ዘመጽአዚብል ኰይኑ ነቲ ስጋና ለቢሱ ዝተወልደ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዚምልከትዩ። ብቕዱሳን ነብያቱ ጌሩ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዚናብይ ጓሳ ኸም ዜተንስእ፦

ስለ ኣነ ነባጊዐይ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፡ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለንየ። ንሱ ኺጓስየን ጓስአን ድማ ኪኸውንዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውንየ፡ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውንዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።

“.....ኣነ ኸኣ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምንየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውንየ። ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፡ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖምዩ፡ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱ፡ ንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎንዮም።” ብምባል ዝሃቦ ብዙሕ ተስፋታት፡ ንቕዱስ ወዱ ብምልኣኽ ከም ዝፈጸሞ ዜበስር መልእኽቲ ዘለዎ (ህዝ 3422-24 3722-24 ኢሳ 4010-11 ኤር 315 234-6) ድያቆናት ኣብ ምስባክ ዘዜምዎ ኸኣ እቶም ቅዱሳን ነብያት ዚጽልይዎ ዝነበሩ ጓሳእስራኤል ጽን በል፡ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ በሪህካ ተገለጽዚብል ከም ዝነበረ ዜዘክረና (መዝ 801) እቲ ጸሎት ቅዱሳኑ ሰሚዑ ስጋና ለቢሱ ብሓጺር ቍመት ብጸቢብ ደረት ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚቕመጥ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት ዝዀነ ጓሳ እስራኤል ምዃኑ ዓሚቝ ምስጢር ዝሓዘ ትንቢታዊ ጸሎትዩ። ከም እዞም ቅዱሳን ነብያት ነቲ ቐዳማይ ምጽኣት መድሓኒና (ማለት ልደት ጐይታ) ብኸም ዝበለ ብጾምን ጸሎትን ዝተጸበይዎ፡ ንሕና ድማ ኣሰሮም ብምስዓብ ነቲ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ዕለት እናተቐደስናሉ ብጾምን ብጸሎትን ነቒሕና ኽንጽበዮ ይግብኣና።

ኣርባዕቲኡ ንባባት ናይ ዕለት ጕስነት ዘማእከለ መልእኽቲ ዝሓዘዩ። ጕስነት ባህርይ እግዚኣብሄርዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብዪ ጓሳ ኸም ዝዀነን፡ ጕስነቱ ኸኣ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ማለት ብተበጃውነቱ ኸም ዝገለጾን ነጊሩና ኣሎ (እብ 1320) ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተባሪርና ጠፊእናሉ ዝነበርና ኽፉእ ሃለዋት፡ በቲ ኣብ መስቀል ምእንቲ ሓጢኣትና ብመድሓኒና ዝተኽፍለ ዋጋ ናይ ሓላው ነፍሳትናን እሙን ጓሳናን ዝዀነ ጐይታ ኸም ዝተመለስና ኣብሪሁልና ኣሎ (1ጴጥ 224-25) ዕላማ ናይ ጐይታ ዚገበረልና ቤዛዊ ጕስነት ድማ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንፍጽምዩ። (እብ 1321)

ኣቦታትና ካህናት ዘንበቡልና ካብ ዮሃ 101-21 ከምኡውን ግብ 1513-21 ንባባት ድማ፡ እቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ መድሓኒናን እቶም ንሱ ዝሸሞም ጓሶትን ከመይ ተመላላኢ ዕዮ ኸም ዝዓየዩ ዚገልጽ ምስጢር ዝሓዘዩ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ካብ መጓሰ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽአንየ። ቃለይውን ኪሰምዓየን። ሓደ መጓሰ ኪዀናየን፡ ጓሳኤንውን ሓደ።ብምባል ዝተዛረቦ፡ እቶም ቀዳሞት ጓሶት ኣብ በዅሪ ጕባኤታት ዝዀነት ጕባኤ ኢየሩሳሌም ፈጸምዎ። ኣብ ጕባኤዚኣ ኣብ መንጎቶምኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸም ስርዓት ሙሴ ኺግዘሩ ኣለዎምዚብሉ ካብ ይሁዳ ዝዀኑ መምህራን ኣብ መንጎቶምያእ ኣይፋሉን ኪግዘሩ የብሎምንዚብል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ባርነባስን ዝተላዕለ ንዝተላዕለ ኽርክር ብህድኣት ሰምዕዎ። ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስንሕናውን ከምኣቶም (ከምቶም ኣህዛብ) ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድሕን ኢና ንኣምን።ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ከኣ፡ “.....ንኣይ ከም ዚረኣየኒ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም።ዚብሉ ዛዛሚ ሓሳባቶም ብምሃብ፡ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ዝዀነ ሓለፋ ጾር ከይጽዕንዎን ተሰማሚዖም ነቲ ኽርክር ኣህድእዎ (ግብ 1511,19 .) በዚ ድማ ከም ጐይታ ዝበላ፡ ቤተ ክርስትያን ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓብዪ ጓሳ ከም ትኸውን ገበሩ፡

እምበኣር ኵላትና ኣገልገልትን ምእመናንን ብሓባር፡ መጓሰ ክርስቶስ ምዃንና ንፍለጥ። እዚ ዓብዪ ጓሳና ኻብ ጠፊእና ዝነበርናሉ ሞት ናብ ህይወት ኪመልሰናን ኬድሕነናን ዝኸፈለልና ኸቢድ ዋጋ ኣሚንናን ተቐቢልናን፡ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍቓዱ ኽንፍጽም ንጸልን ንትጋህን። እቶም ካብ ሓለቓ ጓሶት ከምቶም ዝቐደሙ ሃዋርያት ጕስነታዊ ሓላፍነት ናይ መጓስኡ ተቐቢልና ዘሎና ኻህናትን ኣገልገልትን ድማ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ኣርኣያኡን ኣርኣያ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ተኸቲልና መጓስኡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምስትውዓልን ብተወፋይነትን ንጓስየሉ። እዚ ሓለቓ ጓሶት ኣብ መወዳእታ ንፍርዲ ምስ ዚግለጽ ምስቶም ከም ኣጣል ብጸጋሙ ደው ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ቅጽዓት ዚፈርዶም ከይንኸውን ንጠንቀቕ።

ንሎሚ ኽንመሃሮ ተመሪጹ ዘሎ ኣርእስቲ ኻብ ጐይታኣባጊዐይ ይፈልጣኒየንብምባል ዝተዛረቦ ኻብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተወስደ ሓሳብዩ። ወንጌል ዮሃንስ ካብቶም ካልኦት ሰለስተ ወንጌላት ብኣጻሓሕፋኡ ብዙሕ ዚፍለይ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ኣብ ጐይታ ብዙሕ መንፈሳውን ስነ መለኮታውን ምስጢራት ዝገለጸሉ ሰፊሕ ዝርርባትን ኣስተምህሮታትን ብምግባር ጽሒፍዎ። እቲ ጐይታ ዝገበሮ ዝርርባት ምስ ውልቀ ሰባት ከም ብዓል ኒቆዲሞስ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ምስ ማርያምን ማርታን ካልኦትን ኪኸውን ከሎ፡ ምስቶም ዝፈወሶም ወይ ተኣምር ዝገበረሎም ሰባት ከምኡውን ኪቐትልዎ ምስ ዚደልዩ ኣይሁድን ፈሪሳውያንን ዝገበሮውን ኣሎ። ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦ ኣስተምህሮታት ድማ ብሰፊሑ ተጻሒፉልና ይርከብ። ኣብ ትሕዝቶ ናይ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺታት ብዘይካ ሓደ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ ኪገብሮ ዚግብኦ፡ ብዛዕባ ኻብ ኣዕኑድ እምነትና ሓደ ዝዀነ ምስጢረ ስጋዌ ኣዝዩ ዓሚቝ ምስጢራት ተገሊጾም ይርከቡ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ካብ ጐይታ ዝገበሮ ማእለያ ዘይብሉ ተኣምራት ኣብዘን ዕስራን ሓደን ምዕራፋት ሸሞንተ ጥራይ ተሪኹ ዘሎ። እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ነቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ምስ ፈወሶ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ድሕሪ ዝተገብረ ምልልስ ተዛሪብዎ (ዮሃ 940-41) ኣብ ሎሚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስእቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነከምኡውን ክልተ ጊዜሕያዋይ ጓሳ ኣነብምባል ገዛእ ርእሱ (መንነቱ) ብስልጣን ክልተ ጊዜ ዝገለጸሉ ክፍሊ (ዮሃ 107,9,11,14) እዚ ብምሉእ መለኮታዊ ስልጣንሕያዋይ ጓሳ ኣነዝበለ ጐይታ እምበኣርኣባጊዐይ ይፈልጣኒየንዝበለ (ዮሃ 1014) ኣብ ተምሳሌታዊ ኣዘራርባ በባጊዕ መሲልዎም ዘሎ ነቶም ነቲ ዝሃበ ተስፋ ኣሚኖም ብጾምን ጸሎትን ዚጽበይዎ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታትን ነብያትን ከምኡውን ነቶም ብስሙ ኣሚንና እንስዕቦ ዘለና ሰባትን ምዃኑ ብሩህዩ። ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ስለ ዝዀንና ሓንጐልና ወይ ኣእምሮና ዘለዎ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ብሓፈሻ ካብ እንስሳታት ብፍላይ ከኣ ካብ ኣባጊዕ ዝተፈልየን ዝለዓለን ምዃኑ ዘየጠራጥርዩ።

እዚ ጐይታ ባዕሉ ኣረጋጊጹይፈልጣኒየንኢሉ ዚምስክረሉ ዘሎ ፍልጠት ደኣ እንታይ ዓይነት ወይ ከመይ ዝበለ ፍልጠትዩ፧ እግዚኣብሄር ዚርእያ ኣዕይንቲ፡ ዚሰምዓ ኣእዛን፡ ዜሽትት ኣፍንጫ፡ ዜስተማቕር መልሓስን ዚድህስሳ ኣእዳውን ዘሎና ጌሩ ፈጢሩና። እዚኣተን ናይ ከባቢና ሓበሬታ እንእክበለንሓሙሽተ ህዋሳት” (five senses) ተባሂለን ይፍለጣ። ነቲ በዚኣተን ዝተኣከበ በብዓይነቱ ሓበሬታ እንታይ ምዃኑ ኸነለልዮ ወይ ከነስተውዕሎ ዚሕግዘና ድማ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠረልና ሓንጐልዩ። ሓንጐልና ንዅሉ ሓበሬታ ኸዚኑን ኣወሃሂዱንዩ፡ ንሓደ ኻብ ኻልእ ነገር ፈሊና ኸነለልዮን ዜድልይ መልሰ ግብሪ ኽንህብን ዜኽእለና። -ህይወታውያን (Biologists) ከም ዚብልዎ ሰብ ብፍልቀታዊ መስርሕ (Evolutionary process) ዝመጸ፡ ምስ ከባቢኡ ኸኣ በዘን ሓሙሽተ ህዋሳቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ጥራይ ዚዋሳእ ፍጡር ኣይኰነን። እቲ ዚርአን ዘይርአን ዘበለ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ መንፈስ ልዕለ ተፈጥሮ ድማ (Sprit and supernatural) (ዮሃ 118 423,24) ናይ እግዚኣብሄር ዓቕምን ባህርያትን ፍጡር ሰብ ኪበጽሖን ኪርድኦን ዘይክእል እንተ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግን ባዕሉ በቲ ዅሉ ኸኣልነቱ ንሰብ ኪርድኦ ብዚኽእል ዓቕሚ ገዛእ ርእሱ ይገልጸሉዩ። ንኣዳምን ሄዋንን እግዚኣብሄር ቅድሚ ውድቀት ኪባዝሑን ንምድሪ ኺመልእዋን፡ ንዅሉ ፍጥረቱ ኸኣ ኪገዝእዎ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ድማ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግብኦም ንጹር መምርሒ ዝሃቦም (ዘፍ 128-30 215-17) ስለ ሰብ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጻኢ ንመጀመርታ ጊዜ ዚፈልጦ ኣካል፡ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄርን እቲ ዝተዋህቦ መምርሒ ህይወቱንዩ። ነቲ በዅሪ ፍልጠቶም ዝዀነ ፈጣሪኦምን ዝሃቦም መምርሒ ህይወትን ተኸቲሎም ይኸዱ ኽሳዕ ዝነበሩሉ ጊዜ ብሰላምን ብህይወትን ይነብሩ ነበሩ (ዘፍ 218-25) ንእግዚኣብሄርን ነቲ ዝሃቦም መምርሕን ገዲፎም ናይ ዘይፈጠሮም ሰይጣን ሓበሬታን ፍልጠትን መምርሒኦም ምስ ገበሩ ግን ካብ ህይወት ናብ ሞት፡ ካብ ፍልጠት ናብ ድንቍርና ተሰጋገሩ። ካብ ጊዜዚኣ ኣትሒዙ ድማ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብድንቍርና ኣብ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ሓጢኣትን ሞትን ኪነብር ጀመረ።ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።ዝተባህለ ድማ ስለ (ሮሜ 323) ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ነዚ ኸም ዝበለ ናይ ድንቍርና (ፍልጠት ኣልቦ) ህይወት ኣብ ሮሜ 118-32 ዘሎ ኽፍሊ ብሰፊሕ ተንቲንዎ ኣሎ። ኣብ .19-21 ከም ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ።

ኣምላኽ ገሊጹሎምሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽዩ። ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርአ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽብርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።

ንኣምላኽ ምፍላጥ ንዅሉ ውሉድ ኣዳም ደኣምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ትዕድልቲ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ፍልጠት ንኣምላኽ ከነኽብሮን ከነመስግኖን እንተ ዘይኣኽኢሉና፡ እቲ ዘየስተውዕል ልብና ጸልሚቱ ኣብ ትሕቲ ቍጥዓ ኣምላኽ ኢናንነብር።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ብኣካል ኣብ ምድሪ ኺመላለስ ከሎ በዕይንቶም ርእዮም ድምጹ ሰሚዖም ዘለልይዎ ብዙሓት ነይሮምዮም። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣዘንትዩልና ኻብ ዘሎ ናይ ፈውሲ ተኣምራት፡ ሓደ ንሳላሳን ሸሞንተን ዓመት ለሚሱ ኺፍወስ ምንቕናቕ ናይ ቐላይ ኣብ ደገ ኣባጊዕ ደቂሱ ዚጽበ ዝነበረን ሓደ ኸኣ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ኣለዉ (ዮሃ 51-18 91-38) ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ጐይታ ባዕሉ ቐሪቡክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ኢሉ ድሕሪ ምሕታትተንስእ ዓራትካ ኣልዕል ኺድብምባል ስልጣናዊ ቓሉ ተጠቒሙ ፈወሶ። እቶም ኣይሁድ መን ከም ዘሕወዮ ምስ ሓተትዎ ግን ንጐይታ ብዓይኑ ርእይዎ ብእዝኑ ሰሚዕዎን ብእኡውን ተፈዊሱ ኸሎ፡ መን ምዃኑ ፈጺሙ ኣይፈለጦን። ጐይታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸቦ ድማ፡ እናረኣዮን እናሰምዖን ፈዊስዎ ኼብቅዕ ዘይምፍላጡ በደል ምዃኑ ነጊሩ ኣጠንቀቖ።

እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ግን ጐይታ ኪፍውሶ ኸሎ ድምጹ ጥራይ ደኣ ሰሚዑምበር እንታይ ከም ዚመስል ኣይረኣዮን። እቶም ፈሪሳውያንእቲ ዝፈወሰካ ሰብኣይ ሓጥእ ምዃኑ መስክርምስ በልዎ ግን፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንዚገብር ከም ዚሰምዕ፡ እቲ ዝፈወሶ ድማ ዋላ ብዓይኑ እንተ ዘይረኣዮ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተቢዑ መስከረሎም። ጐይታ ኸኣ እዛ ፍልጠቱዚኣ ናብ ምሉእ ርድኢትን ድሕነትን ምእንቲ ኸተብጽሖ፡ ረኺቡብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ኢሉ ሓተቶ። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ድማ ነቲ ዝፈወሶ ጐይታ ድምጹምበር መልክዑ ስለ ዘይረኣዮመን ንሱ፧ብምባል ከረጋግጽ ሓተቶ። ጐይታ ኸኣእዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱምስ በሎ፡ጐይታይ እኣምንብምባል ኣምላኽነቱ ኣሚኑ ሰገደሉ። እቲ ዝተፈወሰ ልሙስ ሰብኣይ ብዛዕባ ጐይታ ሓበሬታዊ ፍልጠት ጥራይ ሒዙ ስለ ዝተረፈ በደል ኰኖ። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ግን ክንዮ ሓበሬታዊ ፍልጠት ንህይወትን ድሕነትን ዚዀኖ ፍልጠት ነበሮ። ፍልጠቱ ምሉእ ምእንቲ ኪዀነሉ ኸኣ ጐይታ ደጊሙ ርእሱ ገለጸሉ። ስለ እዛ ጐይታኣባጊዐይ ይፈልጣኒየንኢሉ ዚምስክረላ ፍልጠት፡ ንእኡ ኣሚንካ ክትሰግደሉን ክትስዕቦን እተኽእል፡ ንህይወት ዘለኣለምን ንድሕነትን እትኸውን ፍልጠትምበር ሓበሬታዊት ፍልጠት ኣይኰነትን።

እሞ ኣብ መንጎ ጐይታ ዚምስክረላ ፍልጠትን ኣብ ንኣና ዘላትናትመስለና ፍልጠትን ፍልልይ ኣሎ ማለት ድዩ፧ ብርግጽ!! እዚ ለቢስናዮ ዘለና ውዱቕ ስጋና ብዙሕ ዚጥብረና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ንጣኦታት ዝተሰውአ ኣመልኪቱ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፦

ሓደ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸም ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦንዩ።” ኢሎ ኣሎ (1ቈረ 82) ነዚ ሓሳብ ኣብ ዝሰፍሐ መንፈሳዊ ህይወትና (ናብራና) እንተ ረኣናዮ ርጉጽ ሓቂዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ ብዛዕባ መድሓኒና ዘሎና ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ድሩት ብምዃኑ ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለና ዅሉ ጊዜ ምቃል ኢና ንፈልጥ (1ቈረ 1312) ኣብ ርእሲ ድሩትነት ናይ ስጋና እቲ ድሕነትና ዘይደሊ ሰይጣን ዚፈጥረልና ምድንጋራት እንተ ወሲኽናሉ እቲ ጐይታ ብዛዕባና ዚፈልጦን ንሕና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንፈልጦን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ ዚሰፍሕ። ኣብ ዘመን ጐይታ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካህናት ብሉይ ኪዳንን ንገዛእ ርእሶም ጻድቃንን ዝለዓለ መዐቀኒ ናይ ቅድስና ዘማልአን ጌሮምዮም ዚፈልጡ ነይሮም። ጐይታ ብዛዕባኦም ዝነበሮ ፍልጠት ግን፡ ግቡዛትን ዕዉራትን ዝገደደ ፍርዲ ዚጽበዮም ከም ዝዀነ ገሊጽሎም (ማቴ 2313-26 1514 ዮሃ 940-41) ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ኺጽልይ ናብ ቤተ መቕደስ ዝኸደ ፈሪሳዊ ጽሒፉልና ዘሎ ምስላ ጽቡቕ መረዳእታ ኺህበና ይኽእልዩ። እዚ ፈሪሳዊ ኣብ ጸሎቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “..... ደው ኢሉ ብልቡ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ዕሽር አውጽእ ኣለኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከም ተጋዊ ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ፡ኢሉ ጸለየ።” (ሉቃ 1811,12) እቲ ኻብ ዝተጠበረ ልቡ ዝነቐለ ፍልጠት ገዛእ ርእሱ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ንዕቀትን ትዕቢትን ኪርእይ ግን ኣየኽኣሎን። እቲ ዝተጠበረ ፍልጠቱ ድማ ጽድቂ ኪዀኖ ኸም ዘይከኣለ መስከረሉ። ንሕናዞም ብክርስቶስ ዝኣመንናን እነግልግልን ክርስትያንውን ከምዞም ፈሪሳውያን ገለ ዘይኰንና ኽነስና ግናኸ ገለ ኸም ዝዀንና መሲሉና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዘሎና ፍልጠት ክንደናገር ንኽእል ኢና (ገላ 63) መራሒ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን እታ ዚመርሓ ዝነበረ ቤተ ክርስትያንንሃብታምን ፈሳስን ሓንቲ ዚጐድለኒ የብለይንዚብል ፍልጠት ነይርዎ። ጐይታ ግን ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ብዛዕባ መራሒ ዘለዎ ፍልጠትሕሱርን ዜደንግጽን ድኻንምዃኑ ገሊጹሉ። ንኺንሳሕን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ፍልጠት ኬተዓራርይን ከኣ ዕድል ሃቦ (ራእ 317-19) ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስውን ጐይታኣይፈልጦን ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻምስ በሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸም ተባዕን ውፉይን ሰብ ይፈልጣ ስለ ዝነበረኵላቶም እንተ ኸሓዱኻ ኣነስ ኣይክሕደካንየ፡ ንማእሰርቲ ዀነ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ፡ ህይወተይ እንተ ዀነ በጃኻ ኣሕሊፈ ኽህባየ።ብምባል ብዙሕን ውሑድን ተዛረበ (ማቴ 2633 ሉቃ 233 ዮሃ 1337) ግናኸ እቲ ጐይታ ብዛዕባኡ ዚፈልጦ ዀይኑ ደኣ ኸሓዶምበር፡ ኣብ ፈኸራኡስ ኣይጸንዐን። ጐይታ ኻብ ሞት ድሕሪ ምትንስኡ ሰለስተ ጊዜካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረ ኢኻ፧ብምባል ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ ግን ካብ ዝቐደመ ጌጋኡ ተማሂሩ ኣብ ፍልጠቱ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍልጠት ጐይታኡ ኸም ዚምርኰስ ዚገልጽ፡ጐይታይ፡ ንስኻ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኢኻዚብል መልሲ ሃበ። ነብዪ ኤርምያስልቢ ሰብ ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን መንከ የስተውዕሎ (ይፈልጦ)ከም ዝበለ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጐይታ ዘይምስክረሉ ግጉይ ፍልጠት ሒዝና ተደናጊርና ኸይንጠፍእ ንጠንቀቕ (ኤር 1710) እቶም ኣገልገልቲ ዝዀንና ነቲ እግዚኣብሄር ብኣና ጌሩ ንህዝቡ ዜፍሰሶ ጸጋታት ርኢና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጌጋ ፍልጠት ከይንሕዝ ነስተውዕል። ኣብ ውልቃዊ ናብራናን ኣካይዳናን በታ ጸባብ ደገ ኣቲና፡ በታ ቐጣን መገዲ ፍቓድ ኣምላኽ እናፈጸምና ብጽድቅን ብቕድስናን እንተ ዘይተመላሊስና ዕጫና መሪር ከም ዚኸውን ባዕሉ እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ ኸም ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ።

ፍቓድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣምበር፡ጐይታይ ጐይታይዚብለኒ ዅሉ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲቲኣ (ብመዓልቲ ፍርዲ) ብዙሓትጐይታይ ጐይታይ፡ ብስምካ እንተነበናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ (ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዘና ምሂርካ፡ኪብሉኒዮም። ሽዑ ኣነ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ካባይ ርሓቑክብሎምየ።ማቴ 721-23

ኵሉ ጐይታ ኸም ዚፈልጦምን ንሳቶም ድማ ከም ዚፈልጥዎን ከቕርብዎ ዝፈተኑ መርትዖ ኣይሰርሓሎምን። ፍቓዱን ፍቓድ ኣቦኡን ይፍጽሙ ስለ ዘይነበሩኣነ ኣይፈልጠኹምን ንስኻትኩምውንኣይትፈልጡንንኢኹም ብምባል ኪሰጎምዩ። እግዚኣብሄር ካብ ኽፉእ ዕጫ ይባልሃና! እቶም ተገልገልቲ ምእመናንውን ከምተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል መርዓዊና ክርስቶስ ንምቕባል ዜድልየና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከይሓዝና እንተ ጸኒሕና እቲ ሕያዋይ ጓሳኣይፈልጠኩምንኢሉ ማዕጾ ኸም ዘይከፍተልና ኣይንዘንግዕ (ማቴ 2511-12) ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዘሎና ግጉይ ፍልጠት ተደናጊርና ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስጐጕ ምስ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት፦

ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መንዩ፧ ካብ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ካብ ትዕቢት ሓልዎ፡ ኣብ ልበይ ከይሰልጥንውን ዕገቶ፡ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህየ። እግዚኣብሄር፡ ከውሐይን መድሓንየይን ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜካ ብሁግ ይኹን። ..... ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተልዩኒ፡ ርአ፡ (ናብ) ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።” እናበልና ወርትግ ንጸልይ (መዝ 1912-14 13923-24)

ነዚ ሕያዋይ ጓሳና ኽንፈልጦ ንኽእል ዲና፧ ከም እንፈልጦኸ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ ክንፈልጦ ዘይከኣል እንተ ዚኸውን ጐይታ ባዕሉኣባጊዐይ ይፈልጣኒየንኣይምበለን ነይሩ። ንኣምላኽና ፈጣሪናን ምፍላጥ፡ በዅሪ ፍልጠትናን ምንጪ ህይወትናን ዝነበረ። ጐይታ ድማ ነዛ ህይወትን ድሕነትን እትዀነና ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ ኪመልሰልና ስጋና ለቢሱ ህይወቱ በጃና ዝሃበ። እቲ፦ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብ ሃገር የለን፡ ..... ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ” ኢሉ ዝተነበየ ነብዪ ሆሴእ፡ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ፡ ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽዩ፡ ንሱ ኸም ዝናብ ከም ንምድሪ ዜጥልል ዝናብ ጽባሓት ናባና ኽመጽእዩ።” ብምባልውን ተነብዩ ኣሎ (ሆሴ 41,6 63) እዚ ነብዪንእግዚኣብሄር ንፍለጦእኳ እንተ በለ፡ ሓደ ኣብ ፍጡር ስጋ ዝተደረተ ሰብ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ፈጣሪ ብምልኣት ኪፈልጦ ዜኽእሎ ዓቕሚ ኺህልዎ ኸም ዘይሕሰብ መግለጺ ዜድልዮ ኣይኰነን። እዚ ሕያዋይ ጓሳናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ዝተገልጸ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ሓዲሩ ኸም ዘሎ፡ ክርስቶስ ምስጢር ኣምላኽ ከም ዝዀነን፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ኸም ዘሎን ገሊጹልና ኣሎ (ቈሎ 22,3,9) በዚ መሰረት ንክርስቶስ ምፍላጥ ማለት ንኣምላኽ ምፍላጥ ማለትዩ። ስለ እቲ ፍልጠትና ጐይታ ብዚፈቕደልና ንድሕነትን ህይወትን ብዚኸውን መጠን ምዃኑ ኽንርዳእ ይግባእ። ካብ ብሓቂ ብምሉእ ልብና ንክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳና ኽንስዕብ ዝጀመርናላ ጊዜ ኽሳዕ ናብኡ እንእከበላ እዋን ብዛዕባኡ ዚህልወና ፍልጠት እናወሰኸ ዚኸይድ ደኣምበር ደው ዚብል ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበይና ኸም እንኸይድ፦

ከምኡ ኸኣ ንክርስቶስ ንስልጣን ትንሳኤኡን ክፈልጥ፡ ኣብ ስቓዩ ኽካፈል፡ ብሞቱ ኽመስሎ ኣብ ትንሳኤ ሙታን ገለ ምስታፍ እንተ ኸኣልኩ ኢለየ። ነዚ ዅሉ ድሮ ረኸበዮ ወይ ድማ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ኰይነ ማለተይ ኣይኰነን። ግና፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፡ ኣነ ድማ ነዚ ዅሉ ናተይ ክገብሮ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹም፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበይኹም፡ ንእኡ ዚበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፡ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ ንጽልይ ኣለና።” ብምባል ጽቡቕ ጌሩ ኣብሪሁልና ኣሎ (ፊሊ 310-12 ቈሎ 110 .) እዚ ንኣምላኽ ምፍላጥ ዚብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኽንመሃሮ ተስፋ ብምግባር ኣሕጽር ኣቢልና ጥራይ ክንምልከቶ ኢና። እቲ በብእዋኑ እናወሰኸ ኪኸይድ ዚግብኦ ፍልጠት ኣምላኽ በቲ ዘሎና ነገረ መለኮት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ፡ክርስትያንእናበልና ብዘቝጸርናዮ ዕድመ፡ ብመጠን እቲ እንህቦ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ወዘተ .... ዝኣመሰሉ በብዓይነቱ ንጥፈታት ዚግለጽ ኣይኰነን። ኣገልገልቲ ንዅን ምእመናን፡ ዓበይቲ ንዅን ናእሽቱ፡ ኣብ ክርስትና ዘቝጸርናዮ ዕድመ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ነዚ ሕያዋይ ጓሳና ኸም እንፈልጦ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና እታ መገዲ ንዅላትና ማዕረያ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሕቶ ተወሳኺ መግለጺ ብዘየድልዮ የማን ጸጋም ብዘየብል ብሩህ ቃላት ነጊሩና ኣሎ።

ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና ንፈልጥ።ኣነ እፈልጦዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ ንሱ ሓሳዊዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግን ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) እነብር ኣለኹ፡ ዚብል ከም ንሱ እተመላለሶ (ኢየሱስ ዝነበሮ) ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ (ኪነብር) ይግብኦ። 1ዮሃ 23-5

ወሃ ዘበለ ስብከትን መንፈሳዊ ትምህርትን ስለ ነቕርብ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘይንበኵር፡ ብጥዑም ድምጺ ስለ ዝዘመርና ጥራይንኣምላኽ እፈልጦኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንወደ መዝሙሩ ቲቶስንኣምላኽ እፈልጦእናበልካ ዘይምእዛዝን ሰናይ ዘይምግባርን እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ብምባል ገለጸሉ።

ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮ ይኽሕድዎ ኣለዉ።ቲቶ 116

እምበኣር፡ኣነ ክርስትያንምባልና ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስና ምግልጋልናንነዚ ሕያዋይ ጓሳ ክርስቶስ እፈልጦማለትና ምዃኑ ነስተውዕል። ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ኸም ኽንብል ከለና ከም ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብሪሁልና ዘሎ ንሕሱ ዲና ዘሎና ወይስ ኣይኰንናን ገዛእ ርእስና ንመርምር። ፍቓድ ኣምላኽን ትእዛዛቱን እናኣፍረስና ንነብር ከይንህሉ ንጠንቀቕ። ጻውዒትን ድልየትን ናይ ሕያዋይ ጓሳ ብእኡ ኣሚንና ኣሰሩ እናሰዓብና እናተኣዘዝናዮ ኽንነብር ምስ ኵለን እተን ካልኦት ኣባጊዑ ነቲ ዘዳለወልና መንግስቲ ኽንወርስዩ። ስለ ኣብ ዘይምእዛዝ እንተሊና ሎሚ ናብ ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን ዝዀነ ክርስቶስ ካብ ፍንፉን ህይወትና ብንስሓ ንመለስ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

31 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 21, 2016 ግዕዝ (መበል 16 ሰንበት: ቊ.፲፮/16)

ምስባክ

 መዝ.፸፱(፹)፡፩

“ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።”

“ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 13፡16-ፍጻመ

ዲያቆን

1 ጴጥ 2፡21-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡13-21

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 10፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእትነ ማርያም  | መዝሙርኖላዊ ዘመጽአ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div