S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።

ኩልና ከም ንፈልጦ፥ 3 ፓትርያርክ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ብነጻ ምርጭኦም ካብ ንትእዛዝ ድኹም ሰብ፥ ንትእዛዝ ሰማያዊ ኣምላኽ ሓርዮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ እንሆ ንልዕሊ 16 ዓመታት ብዘይ ሓደ ገበንን በደልን ተሓይሮም ኣለዉ። ንዓይ ዝኣሰረኒ መንግሥቲ እዩ! ዝብል ቃሎም ከኣ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ እዩ። በዚ መሠረት ዝኣስር ህግደፍ ዝተሓባብር ከኣ ጉባኤ ጳጳሳት ምዃኖም ንኹሉ ሰብ ተጋሂዱሉ ኣሎ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብመንፈሳዊ ሕጋን ሓዋርያዊ ሥርዓታን ኣይኮነትን ትመሓደር ዘላ። እንታይ ደኣ ብጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኮሎኔል ሰመረ በይንን ብቀጥታዊ ትእዛዝ ኢሳያስ ምዃኑ ብመርትዖ ዝተረጋገጸ ጉዳይ እዩ። 

3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብቓሎም ከም ዝገለጽዎ፡- ኣብርሃ ካሳ ጳጳሳትን ገዳማትን ኣኪቡ፥ ውሉደ-ክህነት ህዝብን ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ይመለሱ ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ፥ መንግሥቲ ግና ንኣቡነ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ብፍጹም ኣይመልሶምን እዩ! ከም ዝበለን ካብ ተጋባእቲ ዝኾነ ርእይቶ ከም ዘይሃቡን እውን ሓቢሮሙና እዮም። እወ! ጊዜ ዝሃቦ ሓምሓምሲ እምኒ ይሰብር እዩ ኮይኑ ዘሎ ነገሩ። እዋኑ ዝሃቦም ከኣ ንተዋሕዶ የፍርስዋን የብርስዋን ኣለዉ።

ዘይሕጋዊ 5 ምርጫን ሽመት ኣቡን ቄርሎስን ብትእዛዝ መንግሥቲ ህግደፍ እምበር፥ ብሕጊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንመንፈሳዊ ረብሓ ምእመናን ብፍጹም ኣይኮነን። ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ገዛ ዓጽዮም፥ ንብዙሓት ተባዓት መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን፥ ገዳም ኣቡነ እንድርያስን ገዳም ደብረ-ሲናን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደጕኖም፥ ንምሕጽንታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጽን ኣኃት ኦሬንታልን ኣብያተ-ክርስቲያንን ነጺጎም፥ ንትእዛዝ ኣምላኽ ተሓሲሞም ብመንግሥቲ ህግደፍ ተኣማሚኖም እዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ። ኣባ ቄርሎስ ድማ ልኡኽ ፖለቲካ ህግደፍ እምበር ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮኑ፥ ብፍሬኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ብቃሎምን ተግባሮም ተፈሊጦም ኣለዉ። ማቴ 715-16

ኣቡን ቄርሎስ ብሓዋርያዊ ማሕላ ንዝተረከብዎ ሕድሪ እምነት ጠሊሞም፥ ሃገራዊ ተባሂሎም ብህግደፍ ክሽለሙ እምበር ጽኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ዝብል ምስክርነት ብፍጹም ኣይተዓደሉን። ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ቅዱስ እንጦንዮስን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናን ድማ ብዙሕ ዕንወት ከም ዝፈጸሙ ብኣዕይንትና ዝረኣናዮን ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮን ግሁድ ተግባር እዩ። ገለ ንምዝኽኻር ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሓሶት 4 ፓትርያርክ ኢሎም ኣብ ምቕባእ መሪሕ ተራ ነይርዎም። ኣብ ጉዳይ ዕርቂ ሲኖዶስን ቅዱስ እንጦንዮስን ዝብል ተዋስኦ ናይ 2017 ዝተዛረብዎ፥ በባዕልና ንዘክሮ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘሕምምን ከኣ እቲ ብሓሶት ዝተቓመመ ቃሎም ኣብ ኤውሮጳ (ነርወይ) ዝበልዎ ናይ ጥበራ ቃላቶም ብዛዕባ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡-

ንዓና ይቐርቡና፥ ኣቦና፥ ኃውና፥ መዘናና ኣካልና እዮም፥

ብኽብሪ ኢና ሒዚናዮም ዘሎና፥ 5 ሺሕ እንዳኸፈልና፥

ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ (2 ወይ 3 ወርሒ) ናይ ምሉእ ዕርቂ ብሥራት ከነስማዓኩም ኢና፥

ብኣቡነ እንጦንዮስ ሕጂ፥ ሕጂ፥ ከም ትሕጎሱ ቃል ይኣትወልኩም! ወዘተ .....ምባሎም ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ናይ 3 ፓትርያርክ ልብሲ ሽመቶም፥ በትሪ ጕስነቶም፥ ኣኽሊል ዘውዶምን ብወተሃደራት መንግሥቲ ኣቀንጢጦም፥ ብዘይ ሕግን ሥርዓትን ካልኣይ ጊዜ ባሪኾም ንኣቡን ዲዮስቆሮስ ዘልበሱ ኣቡን ቄርሎስ እዮም።

እንሆ እምበኣር ኣብዛ ሕጊ-ኣልቦ መንግሥትን ዓለውቲ ጳጳሳትን ተላፊኖም ዝመርሕዋ ዘለዉ ኤርትራ፥ ንምእማኑ ዘሸግር ሕማቕ ታሪኽ ይፍጸም ከም ዘሎ ንርኢ ኣሎና። እዚ ኩሉ ጉያን ሃታ-ሃታን ንምሻም ኣቡን ቄርሎስ ከኣ ንምህናጽ ዘይኮነስ ንምዕናው ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ካብ ሕጂ ክንስሕቶ ኣይግባእን። እዚ ማለት ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብኢድ ኣባ ቔርሎስ፥ ጳጳሳት ተባሂሎም ዝለኣኹ እኩብ ዝብትኑ፥ ንእሙን ኦርቶዶክሳዊ ዘሳድዱ፥ ብስም ቤተ ክርስቲያን ዝነግዱ፥ ካልኦት ዓመጸኛታትውን ተዳልዮም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ኣለዎ።    

ይኹን እምበር ከምቲ 16 ዓመታት ዝበልናዮ፥ ብኃይሊ ብተንኮል ብኣድማ ብህያብ ብገዛእትን ሰበ ልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ ይፈለ   ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5 (172- 185 ) ዝበሎ፥ ነዚ ብኣሥመራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይመንፈሳዊ ሕማቕ ግብሪ ብትሪ ንዅንኖን ንፍንፍኖን ከም ዘሎና ኩሉ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ክርዳእ ይግባእ።

ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ብምራቕን ምስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳን ኣውስትራልያን ድማ ነዚ ኣብ ልዕሊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንካልኣይ ጊዜ ዝፍጸም ዘሎ ጥልመትን ዕንወትን ብትሪ ከም ዝተቓወሞን ከም ዘውገዞን ብወግዓዊ መግለጺታቱ ንኹሉ ህዝቢ ዘርጊሕዎ እዩ።

ስለዚ እምበኣር፥ ንኹልና ደቂ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ኣብ ቅድሜና ታሪኻዊ-ምርጫ ተነቢሩልና ከም ዘሎ ነስተውዕል። ምርጫ ጸባብ ወይ ገፋሕ መገዲ፥ ምርጫ ንሓዋርያዊ-ሕጊ ወይ ኣንጻር ሕጊ፥ ምርጫ ሓቅን ጽድቅን ወይ ሓሶትን ጥልመትን፥ ምርጫ ንምኽባር ትእዛዝ ክርስቶስ ወይ ንምኽባር ትእዛዝ ኢሳያስ፥ ምርጫ ኣሰር ግፉዕ ቅዱስ እንጦንዮስ ወይ ከኣ ኣሰር በዓል እዋን ኣባ ቄርሎስ፥ እንሆ ምርጫ ክልተ መገዲ ናብ ክልተ ዓዲ።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ቅዱስ ጽሕፍ፡- ሕጊ ዝተሠርዐ፥ ንመፍረሥቲ ሕጊ እዩ! (1 ጢሞ 19) ዝብሎ፥ እቶም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉ፥ መፍረሥቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ ዝጠዓሱን ዝምለሱን ናብ ዝገደደ ስሕተትን ጥልመትን ካብ ኣምርሑ፥ ነታ ኣምላኽ ብመለኮታዊ ኃይሉ ፍትሕን ፍርድን ዝእውጀላ ዕለትን ሰዓትን ብተስፋን ጸሎትን እናተጸበና፥ ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና። (2ቆሮ 520) ብዝተረፈ፥ እቲ ጊዜ ቀረባ እዩ እሞ፥ .... እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፥ እቲ ርኹስ ይርከስ፥ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር፥ እቲ ቕዱስ ይቀደስ! ( ዮሓ 2211)

እመቦ ዘይተሉ ኖላዌ እኩየ፥ ሞቱ ክሡት በቅድሜሁ። ሓደ እኳ ንዓመጸኛ ጓሳ ዝስዕብ እንተሎ፥ ሞቱ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ! (ዲድስቅልያ ዘ፯ቱ ፍትሓ ነገሥት ገጽ 39)

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div