ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ “ወልደ መድህነ ንሰብክ” ኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።
ሓደ ክርስቲያን ጸሓፋይ ንገዛእ ርእሱ መን ምኳኑ ክመዝና ምስ ፈተነ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥቅስታታ እናመረጸ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ። ኣነን ንስኻትኩምንከ ነዚ ጸሓፋይ እዚ፡ እወ ረኸብካያ ልበይ፡ ኣነ’ውን ንነፍሰይ ብኸምኡ እያ ዝፈልጣ ንብልዶ ንኸውን።
እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት ጾመ፡ ጾመ ነብያት ይብሃል። ክሳብ ልደት ጐይታና ድማ ይቕጽል። እዚ ናይ ጾም እዋን፡ ከምቲ ኵሎም ነብያትን ነገስታትን ምውላድ ናይቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸበዩን ዚናፈቑን፡ ንሕናውን ኣብዚ ትጽቢት እዚ እንሳተፈሉ ናይ ጾም ግዜ እዩ።
ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን:
ዝሓለፈ ሰሙን ‘’ዓብይ ብስራት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘሕጉስን ባህ ዘብልን ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩሙና። ንሱ ከኣ ነታ ዓቢ ስምን ጽቡቕ ታሪኽን ዘለዋ ልሳን ተዋህዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክትጅምርን ክትበራበርን ምዃና ኣበሲርኩሙና። እዚ ንኣመንቲ ተዋህዶ ተስፋ ዘስንቕን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎን ሰፊሕ ኣገልግሎት ስብከት-ወንጌል ብምዃኑ፡ ነዚ ክትገብሩ ልብኹም ዘነቓቕሐን ሓሳብኩም ዘስመረን እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ!።
ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ “ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣ “መላኽ ኣጋንንቲ” ምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።
“ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኵልኹም በርትዑ ልብኹምውን ይጽናዕ“ (መዝ 31፡24)
ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 5፡24 ተገሊጹ ዘሎ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ