እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ
እዚ ሰንበት እዚ (ግንቦት 21, 2017) ሳድሳይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያን ዓውደ ኣዋርሕ (Calendar) “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” ዝብል ስያመ ኣለዎ። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዘርኣዮ ስልጣን እነስተንትነሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝጸንሐ ሕግን ሥርዓት ብዝእዝዞ መሠረት ሕፃናት ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ፡ ጓል ድማ ኣብ 80 መዓልቲ ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ግቡእ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሕፃናት ኣብ ዕለተ ጥምቀቶም ብቅብኣት
እዚ ሰንበት’ዚ (ግንቦት 14, 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መበገሲ ጌርና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ክንምርምር ኢና።
መደብ እግዚኣብሔር፡ መውስቦ ቅዱስን ሰናይን ኪኸውን እዩ
“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። …ኣዳም “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሃል” በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይውሓድ። ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ። (ዘፍ 2፡18,21-23) ።
እዚ ሰንበት'ዚ (ግንቦት 7, 2017) ራብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንእንታይነት እቲ፡ ምስ ክርስቶም ምትንሳእና ከም ውሁብ ወሲዱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክንደልዮ ዝምዕደና ሰማያዊ ድሌት እንድህስሰሉ መዓልቲ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ