እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ
ዘመናዊ ሰብ ኣብ ሃዋህው ገለ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እንተሎ ክረኽብ ኢሉ፥ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ እናኣጥፍኤ፥ ናብ ጠፈራት ደይቡ ሃለው ክብል ይውዕል ኣሎ። እሞኸ ብሓቒዶ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ክርከብ እዩ፧ ወይስ ንገበርና እዩ፧
እዚ ሰንበት እዚ (ግንቦት 21, 2017) ሳድሳይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያን ዓውደ ኣዋርሕ (Calendar) “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” ዝብል ስያመ ኣለዎ። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዘርኣዮ ስልጣን እነስተንትነሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
ሕይወት ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ብጻዕሪ እያ እትጅምር። ብብዙሕ ፈተናን ክፉእ ነገራትን ከኣ ትስነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብቓንዛን በቲ ጸላኢና ዝኾነ ሞትን
እዚ ሰንበት’ዚ (ግንቦት 14, 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መበገሲ ጌርና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ክንምርምር ኢና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ