ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
እዚ ሰንበት እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ልድት እዩ። ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ትምህርትና ድማ ንህይወትን ኣገልግሎትን፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ዝድህስስ ኪከውን እዩ።
እዛ ኣደ እዚኣ ብዓሌታ ካብ ነገድ ኣሴር እያ። ኣሴር ሓደ ካብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዩ። ገና ብንእስነታ ሓዳር ጌራ ክትነብር ጀመረት።
እዚ ሰንበት እዚ፡ 28 ጥሪ 2018፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ቅነ፡ ቅነ ልደት እዩ። ትሕዝቶ ናይ ወንጌል ምንባብና ድማ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ዕቤትን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ዀነ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ብምዝርራቡ ዘርኣዮ ምስትውዓልን ዝገለጾ ሓቅታትን ዝድህስስ እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብሩ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል እትርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ። Read more...
እዚ ሰንበት እዚ ንበዓል ጥምቀት ጐይታና ዝምልከት መልእኽቲ እነመሓላልፈሉ መዓልቲ እዩ። ጐይታና ከም ኵሉ ሰብ ምስ ዓበየ፡ ንእስራኤል ክገሃድ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ጥምቀት ክሰብኽ ጀመረ። ስለዚ ጥምቀት ክርስቶስ ምስ ሕብረት ኣቦን መንፈ ቅዱስን ንህዝቡ ዝተጋህደሉ (ዝተገልጸሉ) ፍጻሜ እዩ።
ድምፀይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሔር ኣእዊ ኣሎኹ፥ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፥ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣሎኹ። ተስፋ ክቖርጽ ምስ ቀረብኹ፥ ንሱ እንታይ ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይፈልጥ እዩ። በታ ዝሓልፈላ መገዲ ጸላእተይ መፈንጠራ ሓብኡለይ። የማነ ጸጋም ጠሚተ ዚረድኣኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ዘዕቍበኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ብኣይ ዚግደስ ሰብ የልቦን።
ሎሚ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ተሓጐሱ። ሉቃ 2፣11
መእተዊ፣- ልደትን ቅንያቱን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ