ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።
እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ዚ ጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)።
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ’ዩ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ. ኣሜን።
ስለምንታይ ብኦርጋን መዝሙራት ትጥቀሙ ኣለኹም? እዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይኮነን፣ ስለዚ ብኦርጋን መዝሙር ምዝማር እንተተረፈ ይሓይሽ ።
መልሲ ካብ ኣመሓዳራ መርበብ ሓበሬታ
ብክርስቶስ ፍቁር ሓውና ግርማይ፣ ሰላም ኣምላኽ ንዓኻ ይኹን።ስለ ሕቶኻ እናመስገንና፣ ንሕቶኻ ብጌጋ ተረዲእና ግጉይ መልሲ ከይንህብ ምእንቲ ስለምንታይ ኦርጋን ናይ ኦርቶዶክስ ኣይኮነን ከምዝበልካ ሓሳባትካ ከተነጽረልና ብተስፋ ንጽበ። ኣቦታት ካህናት መልሲ ክህቡኻ ድማ ድልዋት እዮም።
ኣንበብቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለኩም ርእይቶ ክትልእኩልና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚ “ገብር ሄር” ወይ ከኣ “ሕያዋይ ባርያ” ኢላ’ያ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ’ቲ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብሩ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል እትርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ። Read more...
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ