S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያንኒቆዲሞስተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና።

ብመሰረት ሰረተ-እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ሓዲሽ ልደት፡ ኣብ ዕለተ ጥምቀትና እዩ ዚፍጸም። ነቲካብ ማይን ካብ መንፈስን ዘይተወልደዚብል ቃል መሰረት ብምግባር፡ ብምስጢረ ጥምቀትን (ነቲ ካብ ማይ ምውላድ) ብምስጢረ ሜሮን ድማ ነቲ ካብ መንፈስ ምውላድ ትፍጽሞ። እዚ ምስጢራት እዚ ብሓላፍነት ቤተ ክርስትያንን ወለድን ደኣ ዚፍጸም እምበር፡ እቲ ህጻን ኣብዚ ምስጢር ዝዀነ ውሳኔን ሓላፍነትን የብሉን። ዘይከም ኣብ ካልእ ኣብያተ እምነት፡ ደቅና ገና ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ኣካል ናይቲ ኪዳንን ተማቐልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ኪዀኑ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ኣብቲ ጽላሎት ናይ ጥምቀት ዝዀነ፡ ናይ ግዝረት ኪዳን፡ እግዚኣብሄር እቶም ናጽላታት ገና ደቂ ሸሞንተ መዓልቲ ኸለዉ፡ ናይቲ ወለዶም ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኪዳን ኣካል ኪዀኑ ምድላዩ፡ ንኣና ዓብይ መልእኽትን ኣርኣያን እዩ። ከምቲ ብዛዕባ ኻልኣይ ልደቶም ሓላፍነት ንምውሳድ ዝተጋህና፡ ነቲ ሰማያዊ ልደቶም ዓቂቦም ኪነብሩ ሓላፍነት ወሲድና ኸነዕብዮም ዘይምኽኣና ግና ናይ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን፡ ከምኡውን ናይ ወለዲ ዓብይ ብዅረት ኰይኑ ይርከብ ኣሎ። መንፈሳዊ ሓላፍነት ናይዚ ሰማያዊ ልደት ዝረኸበ ህጻን ኪወስዱ ዚግብኦም እቲ ኣበ ነፍሲ ዀይኑ ዘጥመቐ ካህንን እቶም ወለድን እቲ ኣባልገ ዀይኑ ኣብ መዓልቲ ጥምቀት መንፈሳዊ ሓላፍነት ዝወሰደ ውልቀ ሰብን እዮም። እንተ ዀነ ዝበዝሕ ካብ ህዝብና ድሕሪ መዓልቲ ጥምቀቱ፡ ብዘይካ ኣብ መዓልቲ መርዓኡን ሞቱን፡ ወይ ከኣ ደቁ ኼጠምቕን ኬመርዕውን እንተ ዘይኰይኑ ናብ ቤተ ክርስትያን ገጹ ኣይመጽእን እዩ። ካብ ኣምላኽ ሰማያዊ ልደት ከም ዘለዎውን ኣይፈልጥን እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፈልጦውን ውሑድ እዩ። ህይወቱ ድማ ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ብመንፈሳውነት ዘይኰነ፡ ከም ውሉድ ሰይጣን ኰይኑ ብዓለማውነት ዚነብር። እዚ ድማ ፍሽለት ናይቶም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ክሳዕ ዚበጽሕ ሓላፍነት ናይ ህይወቱ ወሲዶም ከም ውሉድ ኣምላኽ ጌይሮም ኬዕብይዎ ዝነበሮም ኣካላት ዜመልክተና። ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ባዕልኻ ብፍቓድካ እንተ ወሲድካ፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ከም ዚዓብይን ከም ዝመላልለስን ናይ ምግባር ሓላፍነትውን ክትወስድ ምተገብአ ነይሩ። እቲ ኣበ ነፍሲ፡ ናይቶም ብሓላፍነቱ ዘጥመቖም ደቂ ሓላፍነት ወሲዱ ብቐጻሊ ኺምህሮምን ሰማያዊ ልደቶም ኪነብርዎን ኪዕቅብዎን ኪረድኦም ይግብኦ። እቲ ኣባልገውን ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ልደት ሓዲሽ ክዳን ካብ ምኽዳን ሓሊፉ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኺጓስዮ ምተገብኦ። እቶም ዝወለድዎ ወለዱውን ብዛዕባ ምግቡ፡ ጥዕናኡ፡ ትምህርቱ ጥራይ ካብ ምሕላይ ሓሊፎም ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቱ ብዙሕ ኪሓልዩ ምተገብኦም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ብቑዕን ጥዑይን ዜጋ ገይሮም ኣዕብዮም፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደቱ ውላ ሓንቲ ኸይፈለጠ ዓብዩ፡ ኣብዛ ምድሪ ብዓለማውነት ነቢሩ ናይ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እንተ ኣተወ፡ እቶም ወለዲ ናይ ወላዲ ሓለፍነቶም ፈጺሞም ኪብሃል ይከኣልዶ፧ እምበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ህዝብናን ገኒኑ ዚረኣይ ዘሎ ጸገም፡ ሰማያዊ ልደት ምርካብ ዘይኰነስ፡ ሰማያዊ ልደትካ ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ዓቂብካ ምንባር እዩ። ቤተ ክርስትያንና እዚኒቆዲሞስኢላ ዝሰርዓቶ ሳምንቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደትና ኣዕሚቝና ምእንቲ ኽንሓስብን ክንምርምርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካህን ናይ ገዛእ ርእሱን ስድራ ቤቱን ናይቶም ኣበ ነፍሶም ዝዀነ ዅላቶም ምእመናን ሰማያዊ ልደት፡ ነፍሲ ወከፍ ውላዲ ናቱን ናይ ደቁን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባልገ ድማ ናቱን ናይቶም ብማሕላ ዝተቐበሎም ሰባትን ሰማያዊ ልደት መርሚሩ ጐደሎኡ ኺምልእ ሓላፍነቱ ዜሐድሰሉ ኣገዳሲ ሳምንቲ እዩ።

ሓደ ሰብ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ውልድነት ዓቂብዎዶ ኣሎ ወይስ ኣጥፊእዎ ንኺፈልጥ ህይወቱን ኣካይድኡን ጥራይ ኺምርምር ዚግብኦ። ኣብቲ ሰማያዊ ውልድነትና ጸኒዕና ምህላውና ዘይምህላውናን እንፈልጠሉ ንጹራት መንፈሳውያን ምልክታት ተዋሂቦምና እዮም። እቲ ቐዳማይ ምልክት ድማ እምነት እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምልኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።ከም ዝበለ፡ እቶም ኣብ እምነት ዘለው ጥራይ እዮም ኣብቲ ሰማያዊ ውልድነቶም ዚህልዉ (ዮሃ 112) እቶም ሃዋርያት ንምዃን ዝተሓርዩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ብክርስቶስ ብምእማኖም እዮም ክርስትያን ካብ ምዃን ሓሊፎም ንሃዋርያነት ዝበቕዑ። እንተ ዀነ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጐይታና፡ኣቱም ጕዱላት እምነትእናበለ ይነቕፎም ነበረ (ማቴ 630 826 1431 168 ሉቃ 1228 ማቴ 1719-20) ንሳቶምውን ድኻሞም ስለ ዝተረድኦም፡እምነት ወስኸናኢሎም ይልምኑዎ ነበሩ (ሉቃ 175) ብኣንጻሩ ካብ ዓሌት ኣህዛብ (ዘይእስራኤላውያን) ዝዀኑ ሰባት ንዘርኣይዎ ዓብይ እምነትውን ኣዝዩ ኼድንቕ ከሎ ተሰሚዑ እዩ (ማቴ 810 1528) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ህይወትና እናወሰኹ ኪኸዱ ካብ ዘለዎም መንፈሳውያን ሃብታት ሓደ፡ እምነት ምዃኑ ነጊሩና እዩ (2ጴጥ 15) ሃዋርያ ጳውሎስውን ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖምሲ ብዙሕ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲን ምእመናንን ናይ ቈረንቶስ ቤተ ክርስትያንኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትርድኡ፡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ መርመራ ወዲቕኩም እንተ ዘይኴንኩምሲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ክትፈልጡ ኢኹምከም ዝበሎም ንሕናውን ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና እዩ። እቲ ኣብ ናይ እምነት መርመራ ዝወደቐ ሰብ ክርስቶስ የብሉን። ስለዚ ድማ ውልድነት የብሉን ማለት እዩ። (2ቈረ 135 ..)

እቲ ኻልኣይ ምልክት ድማእቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ ም' ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 814) ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥን ክንፍጽሞን ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይምራሕ እምበኣር ብፍቓድ ርእሱ ስለ ዝምራሕ ውልድነት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ ዝተረጋገጸ እዩ። እቲ ሳልሳይ ምልክት ውልድነትና፡ገብረቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮ'ምብምባል ጉይታ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 59) ነቲ ናይ ሰላም ንጉስ ዚስዕብ ሰብ ገባሪ ሰላም ኪኸውን ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ዝምድናታቱ ብሰላም ኪነብር ዘይክእል ሰብ፡ ውሉድ ሰላ ተባሂሉ ኺስመይ ኣይበቕዕን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዛ ህውከትን ዕግርግርን ዝመልኣ ዓለም፡ እግዚኣብሄር ልኡካት ሰላም ክንኰኖ እዩ ዚደልይ። እቲሰላም ዘውርይ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራ ክንደይ ጽቡቓት እየን ከም ዝተባህለ እቲ ናይ ሰላም ሰብ ጥራይ እዩ ኣብዛ ሓጥእ ዓለም ብጽድቂ ኺሰጕም ዚኽእል (ኢሳ 527) ስለዚ ድማነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት፡ ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።ብወገንኩም ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዚከኣለኩም (ኵሉ) ግበሩ።ተባህለልና (ኤፌ 43 ሮሜ 1218 ..) እቲ ራብዓይ ምልክት ውልድነትና ድማ ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ዲያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።ብዝብል ንጹር ቃል ተነጊሩና ኣሎ (1ዮሃ 310) ስለዚ ብጥምቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወል ሰብ፡ ምፍቃርን ካልእ ኵሉ ግብሪ ጽድቅን ሓዲጉ፡ ሓጢኣት ዜዘውትር እንተ ዀይኑ፡ ካብ ውልድነት ኣምላኽ ናብ ውልድነት ሰይጣን ከም ዝተሰጋገረ ነጋሪ ኸየድለዮ ባዕሉ ርግጸኛ ኪከውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓምሻይ መለለዪ ምልክት ሰማያዊ ልደት ድማ ኣብ ፊሊ 215 “ከምቲ ከዋክብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ እንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም ኣብርሁብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ። እቲ ነቲ ምስኡ ዘሎ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ መሲሉ ኣበርን መንቅብን ዝመልኦ፡ ንጽህና ዝረሓቖ፡ ብግብሪ ጸልማት ዝተመልአ ህይወት ዚመርሕ ሰብ ግን፡ ብደም ክርስቶስ ዜላግጽ ካብ ውልድነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዝረሓቐ ሰብ እዩ። ስለዚ እቲ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምንን፡ ናይ ብሓቂ ድማ ውሉድ ዝዀነ ሰብ፡ ነቲ ግብርታት ጸልማት ኣርሒቑ ግብሪ ብርሃን ብምግባር ውሉድ ናይቲ ብርሃን ዝዀነ ኣምላኽ ምዃኑ ኼረጋግጽ ይግእ። እምበኣር፡ ብክርስቶስ ተጠሚቕና፡ ኣብቲ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀን መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕና ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ዝዀንና ኵላትና፡ ነቲ ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝረኸብናዮ ውልድነት ክንነብሮ፡ ክንፈርየሉ፡ ንኣምላኽ ከነኽብረሉ እምበር፡ ንእኡ ኣጥፊእና ውሉድ ዲያብሎስ ኴንና ኸይንርከብ፡ ርእስና እናመርመርና ኽንነብር፡ እዚ ዝተነበልናን ዝተነግረናን ቃል ወንጌል ይምዕደና ኣሎ።

ኣምላኽ ውልድነትና ኸነጽንዕ ብጸግኡ ይርድኣና!! ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት መጋቢት 25, 2018 (መጋቢት 16, 2010 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 17(16)፡ 3

ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ

ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።

ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 7፡1-19

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 3፡1-12

1ዮሃ 4፡18-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግብ 5፡34-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div