S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ዚ ጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)።

ኣብታ እዚ ትንቢት ዚፍጸመላ ዕለት ድማ፡ እቲ ህዝቢ፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” እናበለ ንክርስቶስ ተቀበሎ። እቲ ብነብዪ ዘካርያስ፡ ዝተነግረ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ንጹ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ዚብል ቃል ትንቢት’ውን ብተግባር ተፈጸመ (ዘካ 9፡9)። ቈልዑ ዓው ኢሎም፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጭዳሮምን፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ምስ ተቓወሙን ድማ፡ እቲ ብነብዪ ዳዊት፡ “ምእንቲ ተቓውምትኻ፡ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።” ዝተባህለ ትንቢት ፍጻመ ረኸበ (መዝ 8፡2)። ስለዚ ሆሳእና ዕለት ፍጻመ ናይቲ ቕድሚ ኣማኢትን ኣሻሓትን ዓመታት ዝተነግረ ዓበይትን ኣገደስትን ትንቢታት እዩ።

እዚ “ሆሳእና” ወይ “ኣድሕን ኰታ” ዚብል ጸሎት እምበኣኣር ነቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዚቅበሎ መከራ መስቀልን ዚሞቶ ቤዛዊ ሞትን ዜመልክት መዝሙር’ዩ ዝነበረ። ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፡ ነቲ በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ንምኽባር ካብ ኵሉ ዅርናዓት ናይታ ሃገርን ዓለምን ዝተኣከቡ ኣይሁድን፡ ንኢየሱስ ካብ ልቦም ስለ ዝተቐበልዎን ስለ ዘኽበርዎን ኣይኰኑን ንጐይታና ብኸምዚ ዝበለ ዓጀባ ዝተቐበልዎ። ደቀ መዛሙርቱውን እንተዀነ እንተ ወሓደ ሰለስተ ጊዜ ካብ ምድሪ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ተመላሊሶም እዮም። ከምዚ ግን ገይሮምሉ ኣይፈልጡን እዮም። እምበኣር ከምዚ ገይሮም ኪቕበልዎን ኬክብርዎን ዝደፍፋፈአን ዘለዓዓለን፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ድማ እዮም፡ እቶም ሃይማኖታውያን ሰበ ስልጣንን፡ እቶም ሓያል ሰራዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሮም ሮማውያን ኪዓግትዎ ዘይከኣሉ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ። ጊዚኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና፡ (ሓደኳ) ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን።” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ (ዮሃ 7፡30)። እቶም ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ፡ “ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ እዚዶ ኣይኰነን፧ እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶም’ውን ገለ ኣይበልዎን።” እናበሉ ይግረሙ ነበሩ (ዮሃ 7፡25, 26)። ስለዚ ኣብታ ህሞት ኣቲኣ ንስልጣኖም ብመንፈሱ ስለ ዝዓገቶ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይከኣሉን። እቲ መንፈሱ’ውን ነቲ ህዝቢ ስለ ዘለዓዓሎ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። ጐይታና ኽዳውንቶም ኣብ ባይታ ኣንጺፎም ኪቕበልዎ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ኪሕጐስ ኢኻ ትጽቢት እትገብረሉ። “ኣድሕን ኰታ፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዚብል ቃሎም ኬሕጕሶ ምተገብኣ ነይሩ። ጐይታና ግና፡ ከምቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ገሊጹልና ዘሎ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረበ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፡ “ ኣየ ንስኺ! በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ!! ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፡ ጸላእትኺ ቀጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ክትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። ዘመን ምሕረትኪ ስኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኪ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።” ብምባል ነገራ (ሉቃ 19፡41-44)። ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኵሉ ዚፈልጥ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ደጋዊ ኣቀባብላን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘሎ ዘይምእማንን ዘሎ ዓብይ ፍልልይ ይፈልጥዕ እዩ። “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ኢሎም ተቐቢሎምዎ ኽነሶም፡ ደጊሙ፡ “ኢየሩሳሌም፡ ኢየሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትጭፍልቒ፡ ነቶም ናባኺ ኣተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ክእኽቦም ዘይደሌኹም እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ ፡ “ቤትኩም ዓንያ ኽትተርፍ እያ፡’ እብለኩም ኣለኹ።” በሎም (ማቴ 23፡37-39)። ካብዚ ኣበሃህላኡ’ዚ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ነዚ ሽዑ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝብልዎ ቓሎም ኣይተቐበሎን ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ልቢ እዩ ዚደልያ። ነቲ ብኸናፍሩ ዚቐርቦ ብልቡ ግና ዚርሕቆ ግብዝ ውልቀ ሰብን ህዝብን ኣይቕበሎን እዩ። እቲ መዝሙሮምን ኣቀባብላኦምን ግብዝ ምንባሩ ንኺቃላዕ ድማ ሓደ ሰሙን እኳ ኣይወሰደሉን። ተታሒዙ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቀረበ እሞ ጲላጦስ ንበርባንን ንክርስቶስ ኣቕሪቡ ንመን ኪፈትሓሎም ከም ዚደልዩ ምስ ሓተቶም ንባርባን፡ ነቲ ቐታሊኦም፡ ኪፈትሓሎም መረጹ። “ንክርስቶስከ እንታይ ክገብሮ፧” ኢሉ ደጊሙ ምስ ሓተቶም ከኣ፡ በቲ “ሆሳእና ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝበለሉ ልሳኖም፡ “ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ” ኢሎም ኣሕሊፎም ሃብዎን ኣቕተልዎን። እዚ ድማ እቲ ኣቀባብላኦም ናይ ሓቂ ዘይምንባሩ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትግንዘቦ ዚገብር እዩ። ክርስቶስ ኣብታ ኽብሪ ዝረኸበላ እንኮ መዓልቲ ኺበክይን ኪድጉዕን ዚገበሮ ድማ ንሱ እዩ።

እምበኣር ንሕና’ውን ኣብዚ ኽቡር ዕለት ምልስ ኢልና ርእስና ንመርምር።እዚ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ መለበሚና ኪዀነና’ዩ ዝተጻሕፈልና። ሰብ ኢየሩሳሌም ዝገበርዎ ዕሽነት ከይንደግም ንጠንቀቕ። “ሆሳእና” ኢልና ብድምቀት ዘሚርናን ኣሸብሺብናን ከነብቅዕ፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወትና ግና ንክርስቶስ ብሓጢኣትና ንሰቕሎን ንሽንክሮን ከይንህልው፡ ንሕና እናዘለልና ኸሎና ጐይታና ግን ኣብቲ ስፍራ ሓጐስን ናይ ክብሪ ዝፋንን ኰይኑ ብዛዕባና ይበክይን የልቅስን ከህይልው ንሕሰብ። እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክነሶም ኣብ ሓጢኣት ዚነበሩን፡ ፈትዮም ኣብኡ ዚወድቁን፡ ደጊሞም ንክርስቶስ ሰቐልቱ ኸም ዚዀኑ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈስስ ደሙ ኸም ዚረግጽዎ ሃዋርያ ጳውሎስ ፡ “እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም ነቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ ናይታ እትመጽእን ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ (ናብ ሓጢኣት) እንተ ወደቚ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግህዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ብንስሓ ኪሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እዩ። ኣሾኽን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቕፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እያ።” ድሕሪ ምባል ኣስዒቡ’ውን  “ስለዚ ኸኣ፡ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን፡ ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸርፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ … ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (እብ 6፡4-8 ፥ እብ 10፥ 26-31)። እዚ ቓላት’ዚ ሓጢኣት ብዓይኒ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚረኣይ ጽቡቕ ስእሊ ንኺህበና እምበር ንስሓን ምሕረትን ከም ዘየለ ገይሩ ተስፋ ኬቚርጸና ዝተጻሕፈ ኣይኰነን። ይዕበይ ይንኣስ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ በደል እዩ ዜውርድ። ስለዚ ብኸናፍርናን ብቓላትናን ብዜደንቕ መገዲ ንሆሳእና ዘሚርናን ሰቢኽናን፡ ብናብራናን ብግብርናን ግና ንወዲ ኣምላኽ እንተ ኣዋረድናዮን እንተ ሰቐልናዮን፡ ክርስቶስ ኣብቲ ንሕና ብ “ሓጐስ” ንጭድረሉ ዘሎና ጊዜ ይነብዕን ይሓዝንን ከም ዘሎ ንሕሰብ። ሆሳእና ወይ “ኣድሕን ኰታ” ማለት “ካብ ሓጢኣት ኣድሕነና” ማለት ስለ ዝዀነ፡ ፈቲና ሓጢኣት እናገብርናስ “ኣድሕን ኰታ” እንተ በልናዮ፡ መዝሙርናን ብዓልናን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ላግጺ ኸይቍጸረልና ንጠንቀቕ፡ እቲ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ “ኣድሕን” ዝተባህለ ኢየሱስ፡ ጻድቕን መድሕንን ትሑትን እዩ’ሞ ንሕና ድማ ኣብ ጽድቅን ትሕትና ኴንና ነኽብሮ፡ ከመይሲ፡ “ንሓጢኣት መዊትና (ካብ ሓጢኣት ርሒቕና)፡ ብጽድቂ ምእንቲ ኽነብር እዩ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስጋኡ ዝጾሮ (1ጴጥ 2፡24)። ኣይሁድ ክዳውንቶም እዮም ኣብ እግሩ ዘንጸፍሉ። ክርስትያን ህዝቢ ግን ንህይውቱን ኣናብራኡንዩ ኣብ ትሕቲ እግሩ ዜግዝእ። እቶም ዘይተቐበልዎ ኣይሁድ ጨንፈር ኦም ስየ ሰሊዖም ኬንጽፍሉ ኸለው፡ እቶም ዝተቐበልናዮ ክርስትያን ህዝቢ ግና፡ ነቲ ንሕና ከም ጨንፈር ናቱ ኼንና ዘፍሬናዮ ፍረ-ጽድቂ ሔዝና ኢና እንቕበሎ። ንሱ ድማ ብፍሬና ስለ ዜለልየና፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ነቲ ዓለም ኪፈጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ኽትወርሱ ንዑ’ ኢሉ ኪቕበለና፡ ምስቶም ጻዕዳ ኽዳንቲ ተኸዲኖም፡ ኣብ እዳዎም ስየ ሒዞም፡ ብደጌታት እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዚኣትው ኪቚጸሩ ዘይክኣሉ ቕዱሳት ኺጽምብረና እዩ። እምበኣር ነዚ ኣብ ምድሪ ነብዕሎ ዘሎና ሆሳእና፡ ኣብቲ ናይ ሰማይ ሆሳእና ኸም ዘጸምብረና ጌርና ነብዕሎ። እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ሚያዝያ 1, 2018    (መጋቢት 23, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት (መዝ 8፡2)

እም ኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሐተ በእንተ ጸላዒ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ።

ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን

ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 9፡11-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 5፡11-31

1ጴጥ 4፡1-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘጎርጎርዮስ

ግብ 28፡11-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div