S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይዙ እሞ ዝገደደ

ዝበለ ንተርትረ ንቅደደ

ከም ዓለባ ንቀዳድደ

ንሓቂ ንተርትረ ንቅደደ

ካባኡ ዝኸፍአ ዝገደደ

ካህናት ክቕበልዎ ገደደ

እናበሉኻዶ ትጋገ!

እዙስ እምብዛ የስገድግደ፥

ናይ ሎምዘመን እምነት

ገዲፍካ ኣቦታት ቀዳሞት

ናየቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት

ተተኃየሰ ናይ እንዳ ጐረቤት

እንዳ ኣብሻይ° ጐረቤት።

ርሑስ በዓል መስቀለ

ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ

ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ

ንወለት ሔዋን ኣዳመ

ንወዲ ሔዋን ኣዳመ

ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥

ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 . 5 ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።

እወ ጾም-ኣርብዓ ተፈጺሙ፣ ሰሙነ-ሕማማት`ውን ሓሊፉ`ዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-” ኢሉ ሕዝብና መስቀል ክሳለመሉ ዝኽእል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ዛጊት ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ከመይሲ ኣብዚ እዋናት`ዚ እቲ ቤተ-እግዚኣብሔር፣ ተዓጽዩ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ብዝኾነ ተኣምር፣ ክዕጾ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቤት-ኣምላኽ። ካብቲ ንቡር ዝኾነ ወጻኢ ክዕጾ ዘገድድ ምኽንያት ተረኺቡ ስለዘሎ`ዩ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div