S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 . 5 ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።

እወ ጾም-ኣርብዓ ተፈጺሙ፣ ሰሙነ-ሕማማት`ውን ሓሊፉ`ዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-” ኢሉ ሕዝብና መስቀል ክሳለመሉ ዝኽእል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ዛጊት ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ከመይሲ ኣብዚ እዋናት`ዚ እቲ ቤተ-እግዚኣብሔር፣ ተዓጽዩ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ብዝኾነ ተኣምር፣ ክዕጾ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቤት-ኣምላኽ። ካብቲ ንቡር ዝኾነ ወጻኢ ክዕጾ ዘገድድ ምኽንያት ተረኺቡ ስለዘሎ`ዩ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው ዝተራእዮም።

ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።

ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:

ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div